Monday , May 20 2024

ዜና

ድጎማ ዝግበረሎም ዕዮታት ዘሎ ምቊጽጻር ልሕሉሕ እዩ ተባሂሉ

መንግስቲ ንገለ ክፋል ደሞዝ ኣብ ዝኸፍለሉ ብ ድጎማ ዝካየድ ስራሕ ዝግበር ቊጽጽር እኹል ኣይኮነን ተባሂሉ። ነዚ ዝገለጸ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ኦዲት ኮይኑ፡ ኣስራሕቲ ነቲ ስርዓት ንረብሓኦም ብዘይግቡእ ክጥቀሙሉ ከምዝኽእሉ ኣብ ሓድሽ ጸብጻቡ ኣተሓሳሲቡ’ሎ። መብዛሕትኡ ጸገማት ነቲ ንነዊሕ እዋን ስራሕ ኣልቦ ንዝጸንሑ ሰባት ዕላማ ብምግባር ዝተበገሰ “ምጅማር ሓድሽ ስራሕ” ዝበሃል ውጥን እዩ። መራሒት መርመራ ቤት ጽሕፈት ኦዲት ይቮን ቶርሰን፡ ኣስራሕቲ ንሓደ …

Read More »

ሽወደን፥ ግዳያት ወቕዒ ብቚጽሪ ይንክዩ

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቁጽሪ ናይቶም ብወቕዒ ዝሳቐዩ ሰባት ከምዝነከየ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ 78% ሕደጋ ወቕዒ ዘጋጠሞም ካብ ሞት ምድሓኖም ተገሊጹ። እዚ ምንካይ ብኸፊል ሳላ ዝሓሸ ናይ ምክልኻል ኣገባባት ምዃኑ ኣብ ሃገራዊ ቦርድ ጥዕናን ድሕነትን ክኢላ ወቕዒታት ኣናስታስያ ሲሚ ገሊጻ። ከም ምጒዳል ልዑል ጸቕጢ ደምን ስብሒ ሻንብቆ ደምን ነዚ ውጽኢት ምኽንያታት እዮም ብመሰረት መግለጺ ሲሚ። ዝሓለፈ ዓመት 25100 ሰባት ሕማም ወቕዒ ከም …

Read More »

መንግስቲ ሰፊሕ ምስፍሕፋሕ ኒዩክለራዊ ሓይሊ ኣፍሊጡ

መንግስትን ሰልፊ ደሞክራትናን ኣብ ሽወደን ሓድሽ ኒዩክለራዊ ሓይሊ ንምህናጽ ኣብ ዝሕግዝ መርሓ ውጥን ተሰማሚዖም። እንተወሓደ ምስ ክልተ ዓበይቲ ሪኣክተራት ዝመጣጠን 2500 ሜጋዋት ዘመንጩ ሓድሽ ኒዩክለራዊ ሓይሊ እንተደንጎየ ክሳብ 2035 ክቐርብ ድሌት ኣለዎም። ከምኡ’ውን ክሳብ 2045 ምስ 10 ሓደስቲ ርያክተራት ዝመጣጠን ሰፊሕ ተወሳኺ ምስፍሕፋሕ ከምዘድሊ ገሊጾም ኣለዉ።

Read More »

ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ሽወደን ልዑል መጠን ኮቪድ-19 ይረአ

ኣብ ፈሳሲ ጎሓፍ ብዝተገብረ መርመራ ኣብ ሓያሎ ከተማታት ሽወደን ልዑል መጠን ኮቪድ-19 ከምዝተረኽበ ን ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ሕርሻ ሳይንስ ሽወደን ብምጥቃስ ጋዜጣ ዳገንስ ኒሄተር ሓቢራ። እቲ ወሰኽ ዳርጋ ኣብ መላእ ሃገር ይቕጽል እኳ እንተሎ፡ ዋና ክኢላ ለበዳ ሽወደን ማግኑስ ጊስለን ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሓደጋ ከቢድ ሕማምን ሞትን ኣዝዩ ውሑድ ብምዃኑ ሰባት ክጭነቑ የብሎምን ኢሉ’ሎ። “ሕጂ ኣብ ህዝቢ ዘሎ ናይ …

Read More »

ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ብዛዕባ ቀታሊ ፖሊስ ብዝተዋህበ ብዙሕ መጠንቀቕታታት ምንም ዘይምግባሩ ተወቒሱ

ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ዝቐርበሎም ሓያሎ ጸብጻባት ተኽእሎ ገበን ኣመልኪቶም ዝኾነ ዝኾነ ስጉምቲ ይወስዱ ዘይምህላኦም ቅረታ ቀሪቡ። ኣብ ሓጋይ 2021 ኣብ ቢስኮፕስጋርደን—ዮተቦሪ– ሓደ ኣባል ፖሊስ ብወዲ 17 ዓመት መንእሰይ ምቕታሉ ኣመልኪታ፥ መርማሪት መደብ ሬድዮ ሽወደን “ካሊበር” ኣብ ዮተቦሪ ብማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝተኻየደ ውሽጣዊ መርመራ ገምጋም ኣካዪዳ። ብመሰረት እቲ ገማጋም ድማ ንባህርያት እቲ ገበነኛ ብዝምልከት ካብ ወላዲቱ ሓዊሱ ብኻልኦት ናብ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ዝቐረቡ ሓያሎ …

Read More »

ምምሕዳራት ከተማ መንእሰያት ናብ መርበባት ገበን ከይጽንበሩ ክጽዕራ ምዃነን ይገልጻ

ብዙሓት ምምሕዳራት ከተማ ሽወደን፡ ማሕበረ-ቁጠባዊ ኲነታቶም ትሕት ኣብ ዝበላ ከባቢታት ዝርከቡ መንእሰያት ናብ ገበን ከይስሓቡ ዝገብርኦ ጻዕሪ ክቕጽላ ምዃነን ገሊጸን። እዘን ምምሕዳራት ከተማ ነዚ ዝብላ ዘለዋ ገበን ን ምክልኻል ዕላማ ብምግባር ዝቖመ ድጎማ መንግስቲ ደው ኢሉሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን እዩ። ብርክት ዝበላ ምምሕዳራት ከተማ ኣብዚ መዳይ ወፍሪ ክቕጽላ ምዃነን ን ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ሓቢረን ኣለዋ።

Read More »

ሽወደን ደረት ደሞዝ ፍቓድ ስራሕ ክትውስኽ እንከላ – ዴንማርክ ግና ኣውሪዳቶ

መንግስቲ ሽወደንን ሰልፊ ዲሞክራስን ምስ ስደትን ውህደትን ኣብ ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ዝያዳ ምትብባዕ ንምርካብ ብዙሕ ግዜ ንደንማርክ ከም ሞዴል ክርእይዋ እኳ እንተጸንሑ፥ ኣብ ምስሓብ ሰራሕተኛታት ወጻኢ ግን ክልቲአን ሃገራት ናብ ተጻራሪ ኣንፈት እየን ዝኸዳ ዘለዋ። ሽወደን ነቲ ዝተሓተ ደሞዝ ፍቓድ ስራሕ ናብ 80% ናይቲ ማእከላይ ደሞዝ ምዕባያ – መንግስቲ ድማ ናብ 100 ሚእታዊት ከብጽሖ ዕላማ ከም ዘለዎ ዝፍለጥ ኮይኑ፥ ብኣንጻሩ መንግስቲ …

Read More »

ዕለታዊ ዜና ካብ ሃርሞኒ መድያ 13 november 2023

Read More »

ሃንጋሪ ንሽወደን ዝኣተወቶ መብጽዓኣ ክትፍጽም ጸሓፊ ኔቶ ይጽውዕ

ሃንጋሪ ነቲ ሽወደን ብዘይ ወዓል ሕደር ናብ ኔቶ ንምጽንባር ዝጸንሐ ጻዕሪ ከተጽድቖ ዋና ጸሓፊ ጀንስ ስቶልተንበርግ ኣተሓሳሲቡ። ካብተን 31 ኣባላት ኔቶ ብዘይካ ክልተ ማለት ቱርክን ሃንጋሪንን ኣባልነት ስቶክሆልም ፈሪመን ኣለዋ። ስቶልተንበርግ ምስ ፕረዚደንት ሃንጋሪ ኣብ ብራስለስ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ “መንግስቲ ሃንጋሪ ን ሕቶ ሽወደን ናብ ኔቶ ንምጽዳቕ ክትደናጐ የብላን” ኢሉ’ሎ። ሃንጋሪ ነዚ ነዚ መብጽዓ እትፍጽመሉ ግዜ ሕጂ እዩ። ባይቶ ሃንጋሪ …

Read More »

ወለዲ ንጓሎም ብምምራዝ ተኸሲሶም

ኣብ ስካን ዝርከቡ ወለዲ፡ ኣብ በዓል ልደት ኣብ ህጻን ጓሎም ኸቢድ ኣካላዊ መጥቃዕቲን ንህይወታ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ መጉዳእቲን ብምብጽሖም ተኸሲሶም። ኣብቲ በዓል እታ ሕጂ 7 ዓመት ዝመልኣ ህጻን ጓሎም ስፒሪት ኤቲካ ዝተባህለ ዓይነት ኣቸቶ ሰትያ ኣዝያ ሓሚማ ኣብ ዋዜማ ልደት 2022 ምሸት ኣብ ሉንድ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ሕክምና ከም እተገብረላ ይፍለጥ። ወለዳ ን 10 ኣዋርሕ ድሕሪ ዝተገብረሎም መርመራ፥ ብብርክት ዝበሉ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com