Friday , May 17 2024

ዜና

ሓዳስ ሚኒስተር ባህሊ መብርሂ ትህብ።

ሓዳስ ሚኒስተር ባህሊ “ምስ ሕሉፋት ሃገራውያን ቱርክ ርክብ ኣሎካ ተባሂሉ ስልጣኑ ንዝሓደገ መሳርሕትኺ ነበር” ፍሉይ ኣኽብሮት ተርእዪ ኢኺ ንዝተባህለ ጒዳይ መብርሂ ሂባትሉ። ንሳ ስልጣን ሚኒስተር ባህሊ ካብ እትቕበል ንደሓር ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዝለጠፈቶም ሓበሬታታት ኣብ ክቢ ኣቓልቦ ከም እትእቱ ብምግባር ብዙሕ ግብረ መልሲ ክስሕቡ ምጽንሖም ይግለጽ። ሚኒስተር Amanda Lind ምስ TV4 news ኣብ ዝገበረቶ ዕላል እቲ ሰብኣይ ጌጋታት ምግባሩን ካብ …

Read More »

ሓድሽ ሚኒስተር ኣውሮጳዊ ሕብረት Hans Dahlgren ብዛዕባ BREXIT ርእይትኡ ይህብ።

ሓድሽ ሚኒስተር ኣውሮጳዊ ሕብረት Hans Dahlgren ብሪጣንያ ነታ ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ብዕሊ እትወጸላ ዓንቀጽ 50 ኣብ ምትግባር እንተደንጐየት መብዛሕትአን ኣባላት ኣውሮጳዊ ሕብረት ቅር ከም ዘይብለን ገሊጹ። ንሱ እቲ ምድንጓይ ቅቡል ዝኸውን ግና ግዜ ዝጠልብ ዓቢ ለውጢ ምስ ዝህሉ እዩ ኢሉ። ንኣብነት መንግስቲ ብሪጣንያ ፖለቲካዊ መስመሩ ንዘተ እንተ ኣቕሪብዎ፡ ረፈረንዱም ወይ ምርጫ ክካየድ ወይ’ውን ከምኡ ዝመስል ገዚፍ ፖለቲካዊ ጒዳይ ምስ ዝህሉ …

Read More »

ኣድማ ሰራሕተኛታት ወደባት ሽወደን

ኣብ ቀንዲ ወደባት ሽወደን ኣድማ ሰራሕተኛታትን ኣስራሕቲ ዝፍጽምዎ ዘለዉ ምልኳት ስራሕን ናብታ ሃገር ዝኣቱን ዝወጽእን ኣቕሑ ንግድ ብኣሉታ ይጸሉ ምህላዉ ተገሊጹ። ወነንቲ መርሳታትን ማሕበር ሰራሕተኛታት መራኽብን ትማሊ ኣብ ዝምምዕ ክበጽሑ ዘይከኣልሉ ነጥቢ እቲ ሰራሕተኛታት ብውድቦም ድዮም ክውከሉ ዘለዎም ወይስ ብፈደሬሽን ሃገራዊ መራኸቢታት ዝብል እዩ።

Read More »

ወዲ 31 ሽወደናዊ ኣብ ኢትዮጵያ ሃለዋቱ ምስዋሩ ተገሊጹ።

ኤርሚያስ ተኪአ ዝተባህለ ኣብ ስቶክሆልም ዝቕመጥ ዝነበረ መንእሰይ ግንቦት 31 እዩ ካብ ሆቴሉ ተሰዊሩ ዝበሃል ዘሎ። ካብታ መዓልቲ ንደሓር ደሃይ ከም ዘይብሎም ከኣ ስድራኡ ይሕብሩ። “ተሻቒልና ኢና ዘሎና” ይብል ሓዉ ኢሰያስ። “ኤርሚያስ ተኪኤ ብ 4 ግንቦት እዩ ንዕረፍቲ ን ኢትዮጵያ መጺኡ። ምስ በዓልቲ ቤቱን ስድራኡን ተራኺቡ። ግንቦት 21 መልእኽቲ ጽሒፉለይ ኣብ ስራሕ ምህላወይን ጸኒሐ ክድውለሉ ምዃነይን ሓቢረዮ” ይብል ሓዉ ኢሰያስ። …

Read More »

ፍራንክ ድዮን ናብ ክለብ ባርሳ ሃዛርድ ናብ ርያል ማድሪድ ይሰጋገሩ!

ብ ዓበይቲ ክለባት ፒኤስ ጂን ማንቸስተር ሲቲን ክህደን ዝጸንሐ ሆላንዳዊ  ኣከፋፋሊ ክለብ ኣያክስ ኣምስተር ዳም ፍራንክ ድዮን ብ 75 ኤውሮ ናብ ባርሰሎና ወዲኡ። እዚ ኣከፋፋሊ ሲጋብ ክራማት ምስ ኣያክስ ብምጽናሕ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ስፖርት 2019/20 እዩ ምስ ክለብ ባርሰሎና ክጽንበር። እዚ ኣብ ኣካዳሚ ኣያክስ ዝፈርየ ተጻዋታይ ዘደንቅ ብቕዓት ምስ ክለቡ ብምንጽብራቑ እዩ የዕንቲ ዓብይቲ ክለባት ክስሕብ ዝኽኣለ። ኣከፋፍሊ ክለብ ቸልሲ …

Read More »

ዩኒቨርሲቲ Luleå ንሰብ ተኪኦም ዝዓዩን ሓኾርቲ ሮቦታት ንምምሃዝ ይሰርሕ ምህላዉ ገሊጹ

ዩኒቨርሲቲ ቴክኖሎጂ Luleå ነፈርቲ ቅድሚ ምብራረን ጥዕናአንን ሓፈሻዊ ኲነታተንን ንምምርማር ዝሕግዙን ንሰብ ተኪኦም ዝዓዩን ሓኾርቲ ሮቦታት ንምምሃዝ ይሰርሕ ምህላዉ ገሊጹ። ኣብዚ ግዜዚ ነፈርቲ መመርመሪ መሳርሒታት ብዝዓጠቑ ሰባት እየን ዝፍተና። ዝተበላሽወ ወይ ኣበር ዘለዎ ተክኒካዊ ጸገም ምስ ዝርከብ እቲ ናይ መርመራ ጒጅለ ነታ ነፋሪት ተሳፊሩ እዩ ጥዕናኣ ዘረጋግጽን ዝፍትናን። ኣብ ዩኒቨርሲቲ Luleå መምህር ኪነ-ሮቦት George Nkaloakopoulos ብሰብ ዝግበር መርመራ ግዜን ቁጠባን …

Read More »

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን Stephan Löfven ሓፈሻዊ መርሓ ፖሊሲ ሓድሽ መንግስቱ ኣቕሪቡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን Stephan Löfven ሎሚ ንግሆ ኣብ ባይቶ ኣብ ዝሃቦ መደረ መንግስቱ ዝምርሓሎም ፖሊሲታትን ዝትሸየሙ ሚኒስተራትን ዕላዊ ጌሩ። እዚ ክሳብ 2022 ዝገዝእ ፖሊሲ ኣብ ብዙሕ መዳያት ሓድሽ ሕጊታት ከትኣታቱን ተኸታቲሎም ዝስዕቡ ለውጢታት ከምጽእን ብፍላይ ድማ ኣብ ሕቶ ዜግነት ምልከት ቋንቋ ሽወደን ከም ወሳኒ ረቛሒ ከእቱ እዩ ተባሂሉ ይግመት። እዚ ናይ ቋንቋ ረቛሒ እማመ ናይዚ ሓድሽ መንግስቲ ኮይኑ ከም ሕጊ …

Read More »

ኣብ ዕስራታት ዝርከብ መንእሰይ ኣብ Skärholmen ብስሕለት ከም እተጎድአ ተገሊጹ።

እዚ ፍጻመ ፈተነ ቅትለት ከይኮነ ኣይተርፍን ተባሂሉ’ሎ። እቲ ዝወረዶ መጒዳእቲ ክብድ ዝበለ’ኳ እንተኾነ ብህይወቱ ዘስግኦ ግና ኣይኮነን ይብል ሓላፊ ፖሊስ mats Brannulund። ፖሊስ ሰንበት ሰዓት 18፡ 17 እዮም ብዛዕባ እቲ ፍጻመ መጸዋዕታ መጺእዎም ። ዛጊት ብጠርጠራ ዝተታሕዘ ሰብ የሎን። ” ኣብዚ ምሳና ሰብ ሞያ ተክኒክ ኣለዉ፥ ነዚ ገበነኛ ሓቲትና ደሊና ክንስዕቦ ኢና” ኢሉ።

Read More »

Anders Ygeman ኣብ መንግስቲ Stefan Löfven ዳግማይ ተቐልቂሉ’ሎ።

ኣብዚ ሓድሽ መንግስቲ ቅድሚ ሕጂ ዘይነበረ ገጽ ሚኒስትሪ ባህሊ እተሸመትን ካብ ሓምላይ ሰልፊ (miljö partiet) ዝመጸትን Amanda Lind እዩ። MP ናይ ሚኒስተር ስልጣኑ እናንቘልቈለ ክኸይድ ድሕሪ ምጽናሕ ሕጂ ብጠቕላላ ናብ ሓሙሽተ ወሪዱ’ሎ። ብጠቕላላ ሓሙሽተ ሚኒስተራት ኣብ መንግስቲ Löfven ስርሖም ክርከቡ፡ ሓምሻዮም ሓድሽ ሚኒስትሪ ትሕተ-ቅርጺ ብ Tomas Eneroth ዝመሓደር ኮይኑ ተሸያሚ ሚኒስተር Anders Ygeman ክጽንበሮ እዩ። እዞም ሓደስቲ ሚኒስተራት Hans Dahlgren—ሚኒስተር …

Read More »

ግጥማት ፕርመር ሊግ ኣብ 25 ጸወትኡ!

ማን ዩናይትድ ዝሓለፈ 6 ተኸታታሊ ጸወታ ብምዕዋታ ዝልዓለ ኢድ ሒዛ ትርከብ።ኣፍሪቃውያን ተጻወቲ መሓመድ ሳላሕ ብ 17 ሸቶታት ን ኣብ ኣብሞያንግ ኣኸቲሉ ብብዝሒ ሸቶታት ይመርሑ።ሊቨርፑል ኣብ 13 ጸወታታት ሸቶ ከይተመዝገባ ኣብ ሰለዳ ፕርመር ሊግ ብመሪሕነታ ትቕልሶ።ሊቨርፑል ዝወሓደ ሸቶ ዝተመዝገባ ክለብ ማለት 13 ሸቶታት ኽትከውን ከላ ማን ሲቲ ብወገና ዝበዝሔ 62 ሸቶታት ብምምዝጋብ ኣብ ቅድሚት ትስራዕ።ኤደን ሃዛርድ ብ 10 ንሸቶ ዝኾና ኩዓሳሱ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com