Thursday , May 2 2024

ዜና

ዝበዝሑ ሽወደናውያን ካብ ኣውሮፖዊ ሕብረት ወጻኢ ዝመጽእ ሽቕለት ከም ዝመርጹ ተገሊጹ።

ዝበዝሑ ሽወደናውያን ካብ ኣውሮዓዊ ሕብረት ወጻኢ ዝመጽእ ሽቕለት ከም ዝመርጹ ተገሊጹ። እዚ ብ SOM ዩኒቨርሲቲ ዮተበሪ ዝተኻየደ ዳህሳስ እዩ ነዚ ዘረጋገጸ። እቲ ዳህሳስ ከም ዘመልክቶ ኣብ ክሊ 30ታት ዘለዉ ብፍላይ ነዚ ኣዝዮም እወታዊ ክኾኑ ኣንከለዉ ዕድሚኦም ካብ 50 ንላዕሊ ዘለዉ ግና ኣሉታዊ ገምጋም ከም ዘለዎም እዩ ተፈሊጡ። ኣብቲ ትካል ትሰርሕ Elena Lindgren እቲ ምውሳኽ ርእይቶ ብምኽንያት ምልዋጥ ፖለቲካዊ ዛዕባትታ ሽወደን …

Read More »

ኣገልግሎት መጥፋእቲ ሓዊ ናብ ተቐማጦ Hässleholm ምምሕዳር ከተማ ደቡባዊ Skåne ቀልጢፎም ካብቲ ቦታ ክግዕዙ ኣመሓላሊፉ።

እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ Åbuamossen  ኣብ መንጐ ጎደና ምዕራብ 1940 ከምኡ’ውን ጎደና ሰሜን 1941 እሳት ብምልዓሉ እዩ።፡ ብሬድዮን ተሌቪዥንን ካላ መራኸቢ ብዙሃንን እተመሓላለፈ መልእኽቲ ከም ዘነጽሮ ፖሊስ ኣብዚ ከባቢ ዝነብሩ ሰባት ብኣግኡ ክግዕዙ ንምግባር ተጊሆም ይንቀሳቐሱ ኣለዉ። ብመሰረት እቲ ጻውዒት ሰባት ብቕጽበት ናብቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዳልይዎ ዘሎ ኣብ Hästveda ዝርከብ Hantverksgården ክኸዱ ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ።

Read More »

ኣብ ብዙሓት ጫካታት ሽወደን ባርዕ ሓዊ ተኸሲቱ።

ትማል ለይቲ ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ደቡባዊ ሽወደን ባርዕ ሓዊ ከም እተኸስተን ናብ Götalandን Svealandን ከስፋሕፍሕ ከም ዝኽእል ተገሊጹ። ብምኽንያት ዓሚ ዝተኣከበ ኣቚጽልትን ንቁጽ ሳዕርን ባርዕ ጫካ ከጋጥም ከም ዝኽእል ኣገልግሎት ሜትሮሎጂ ሽወደን ብተደጋጋሚ ክሕብር ጸኒሑ እዩ። ብመሰረት TT ብረቡዕ ዘውጽኦ ጸብጻብ መጥፋእቲ ሓዊ ምሉእ ለይቲ ነቲ ሓዊ ከይላባዕን ንምጥፋእን ክቈጻጸሩ ይንቀሳቐሱ ኣለዉ። ካብ Hästveda ወጻኢ ኣውራጃ Hässleholm ኣርባዕተ ስድራ ሓዊ …

Read More »

ጥርዝያ ናብ ሱዳን ደው ይብል።

ምክትል ሓላፊ በዓል መዚ ኢመግረሽን Carl Bexelius ብሰንኪ ምውራድ ኣልበሽርን ስዒቡ ዝመጸ ዘይጭቡጥ ኲነታት እታ ሃገርን ንሱዳን ክስጐጒ ተሓሲቦም ነዝነበሩ ሰባት ንግዚኡ ምውንዛፉ ኣፍሊጡ’ሎ።

Read More »

ማሌዥያዊ ወራስ ዓራት ቴንጎ መሓመድ ፋይዝ ምስ ሽወደናዊት ሶፊ ሉዊዝ ጆሃንሰን ይምርዖ።

መርዓ ማሌዥያዊ ወራስ ዓራት ቴንጎ መሓመድ ፋይዝ ምስ ሽወደናዊት ሶፊ ሉዊዝ ጆሃንሰን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዓቢ ኣቓልቦ ስሒቡ ምህላዉ ተፈሊጡ። 32 ዝዕድሚኣ ሶፊ መምህር ሶስዮሎጂ ኮይና እናሰርሐት እያ ምስ 45 ዝዕድሚኡ መስፍን ቲንኮ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ተላልዮም ክብል ዴይሊ ሜይል ጸብጺቡ’ሎ። ስነስርዓት መርዓ ኣብቲ ቅድሚ ኣስታት 180 ዓመታት እተሃንጸ ታሪኻዊ ቤተመንግስቲ ኣስታንላ ባላሊ እዩ ተኻይዱ። 300 ዕዱማት ተረኺቦም ምንባሮም ክኣ …

Read More »

ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ክልተ መንእሰያት ብጥይት ተቐቲሎም።

ትማል ምሸት ክልተ ኣብ ዕስራታት ዝርከቡ መንእሰያት ኣብ ከባቢ ደቡባዊ ከተማ Helsingborg ብዘጋጠመ ተዂሲ ምሟቶም ተገሊጹ። “ኣብዚ ግዜዚ ምንም ብጠርጠራ ዝሓዝናዮ ሰብ የብልናን….ዝሓዝናዮ ሰብ’ውን የለን” ትብል ኣፈኛ ፖሊስ ኤቨሊና ኦልሶን። ፖሊስ ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ እዮም ብዛዕባቲ ጒዳይ ጻውዒት በጺሕዎም። ፖሊስ ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሑ ክልተ ሰባት ብጽኑዕ ቈሲሎም ከም ዝጸንሕዎምን ናብ ሆስፒታል ምስ በጽሑ ብሰንኪቲ ክብደት መቚሰልቲ ከም ዝሞቱን ኣፍሊጦም …

Read More »

Löfven ኣብ ስሪላንካ ንዝተገብረ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ኰኒኑ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን Stefan Löfven ብንሰንበት ኣብ ልዕሊ ኣብ ከተማ ኮሎምቦ ኣብ ዝርከባ ኣብያተ ክርስትያናትን ክልተ ሆቴላትን ንእተገብረ መጥቃዕቲ “ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ሰባት ዝተኻየደ ዘስካሕክሕ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ” ክብል ብምዂናን ናይ ትዊተር መልእኽቲ ሰዲዱ። ካብቶም ዛጊት ዝሞቱ 185 ሰባት 35 ወጻእተኛታት ምዃኖም ተፈሊጡ’ሎ። በዚ መጥቃዕቲ 185 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ 500 ከኣ ቄሲሎም ኣለዉ።፡

Read More »

ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ንኤርትራውያን ቪዛ ምሃብ ምቊራጹ ሓቢሩ።

ኤርትራ ካብ ኣመሪካ ንዝስጐጒ ኤርትራውያን ዜጋታት ኣብ ምምላስ ዕንቅፋት ብምዃና ኤምባሲ ኣመሪካ ንኤርትራውያን ናን ኢሚግሬሽን ቪዛ ምሃብ ምቊራጹ ሓቢሩ። ቤት ጽሕፈት ቆንስላ ኣመሪካ ኣስመራ ብመሰረት ድንጋገ ኢሚግሬሽንን ናሽናሊቲን ዓንቀጽ 234(d) ብትእዛዝ ጸሓፊ መንግስቲ ምሃብ ቪዛ ክቋረጽ ከም ዝገበረ ተገሊጹ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ኤርትራ ካብ ሕቡራት ኣመሪካ ናይ ዝምለሱ ተቐመጢ ዜጋታት ኤርትራ ዕንቅፋት ብምዃና እዩ ክብል ደብዳቤ እቲ ቤት ጽሕፈት ቆንስላ …

Read More »

ሓደ ሲሶ ሳሎን ቁንጅና ኣጽፋርን ማሳጅን ድሕሪ መርመራ ከም እተዓጽዉ ተገሊጹ።

ዝሓለፈ ሰሙን 120 ትካላት ቁንጅና ኣጽፋርን ማሳጅን ድሕሪ መርመራ ከም እተዓጽዉ ተገሊጹ። በዓልመዚ ከባቢ ስራሕ ሽወደን ኤጀንሲ ቀረጽን ፖሊስን ኣብ መላእ ሽወደን ዝርከቡ ትካላት ድሕሪ ምፍታሾም ደርዘናት ትካላት ዘይብቑዕ ናይ ስራሕ ኲነታት ከም ዘለዎም ኣፍኪጦም ኣለዉ። ብተወሳኺ ፖሊስ ንሓደ ትካል ብምንዝርናን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን ምኽሳሶም ተገሊጹ’ሎ።

Read More »

Swedish News on Tigrigna ዜናታት ሽወደን ብትግርኛ 19 ሚያዚያ 2019

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com