Friday , May 17 2024

ዜና

መንግስቲ ሽወደን ንገበን ዳዕሽ ዝምርምር ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክቐዉም ጻዕርታት የካይድ ።

ሃገረ ሽወደን ነቶም ኣብ ዒራቕን ሶርያን ዓስኪሮም መዘና ዘይብሉ ዘስካሕክሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን፣ ህልቂት ደቂ ሰባትን ዘካየዱ ኣሸበርቲ፣ ጉዳዮም ዝርእይ ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ክቐዉም ተበግሶ ብምዉሳድ ሰፊሕ ጻዕሪ የካይድ ከምዘሎ ተፈሊጡ። እቲ መንግስታዊ ተበግሶ ሽወደን ክዓምም መዝነት ዝተዋህቦ ሚኒስተር ዉሽጣዊ ጉዳያት ሽወደን ሚካኤል ዳንባርይ፣ ኣብዚ ሰሙን ንተበግሶ ሽወደን ንምርዳእን ደገፍ ንምድላይን ናብ ሃገራት ኤዉሮጳ ዑደት ብምግባር፣ ካብ መንግስታት ሆላንድ ፈረንሳን ዓባይ …

Read More »

ሽወደን ንኢራቕ ክትህቦ ዝጸንሐት ስልጠና ኣቋሪጻ።

ሽወደን ወታሃደራዊ ሓይሊ ንምዕባይ ክትህቦ ዝጸንሐ ስልጠና ደዉ ክብል ከምዝወሰነት ሚኒስትሪ ምክልኻል ሽወደን ሓቢሩ። ምኽንያት ኣብታ ሃገር ተፈጢሩ ዘሎ ምሽምራር ኩነታት ጸጥታ ምዃኑ ተሓቢሩ። ብዘይካ እዚ ሃገራት ጀርመንን ሆላንድን እዉን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ወሲደን ከምዘሎዋ ተፈሊጡ። ኣቕድም ኣቢሉ እዉን መንግስቲ ኣሜሪካ ብዘይካ ኣገደስቲ ሰራሕተኛታት መብዛሕቲኦም እባላት ኤምባሲ ኣሚሪካ ኣብ ዒራቕ ካብ ሃገራ ከምዝስሓበት ተመልኪቱ። ብመሰረት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፐዮ …

Read More »

ነፈርቲ ሑቲ ቱቦታት ነዳዲ ስዑዲ ኣጥቂዖም።

የመናዊ ጒጅለ ሑቲ ኣብ ዒላማታት ስዑዲ ብዓይነቱ ናይ ፈለማ ዝተባህለ መጥቃዕቲ ፈንዮም። እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ክልተ መደበራት ቱቦታት ነዳዲ ዘተኮረ እዩ። እዞም መደበራት ቱቦታት ነዳዲ ዋንነቶም ናይ Aramco ቊ. 8 ን 9 ኮይኖም፡ነዳዲ ካብ ምብራቓዊ ሸነኽ እታ ሃገር ናብታ ካብ ከተማ ሪያድ 380 ኪ.ሜ ርሒቐን ዝርከባ ዳዋድሚን ዓፊፍን ዝወስድ እዩ ክብል ኣልጀዚራ ሓቢሩ።

Read More »

ኣመሪካ ዜጋታት ካብ ዒራቕ ክወጹ ትጽውዕ።

ዋሽንግተን ነቶም ኣዝዮም ወሰንቲ ዘይበሃሉ ኣባላት ዲፕሎማስያዊ ተልእኾ ካብ ዒራቕ ክምለሱ ጸዊዓ። ምምሕዳር ኣመሪካ ብረቡዕ ግንቦት 15, 2019, ነቶም ኣዝዮም ወሰንቲ ዘይበሃሉ ኣባላት ዲፕሎማስያዊ ተልእኾ ካብ ዒራቕ ክምለሱ ኣዚዙ’ሎ። እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ባቕዳድ ኣብ ዝለጠፎ ሓበሬታ ምሃብ ቪዛ ንግዚኡ ደው ከም ዘበሎ ገሊጹ’ሎ። ብዘይካዚ ንዜጋታት ኣመሪካ ኣብ ዒራቕ ምጒዳል ኣገልግሎት ናይ ህጹጽ እዋን ኣገልግሎት ክገብረሎም ምዃኑ’ውን ገሊጹ’ሎ። …

Read More »

ብሰሪ ንእሽቶ ምምሕዳራዊ ጌጋ ንሱን ስድራኡን ተባሪሩ።

ሓሙሽተ ዝርእሱ ሰራሕተኛ ብሰሪ ዝሰርሖ ንእሽቶ ጌጋ ካብ ሽወደን ክባረር ከም እተኣዘዘ ተፈሊጡ። እዚ Gentian Hoksa ዝስሙ ካብ 2013 ጀሚሩ ኣብ Småland ክሰርሕ ዝጸንሐ ኣልባንያዊ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ናይ ስራሕ ውዕሉ ከናውሑሉ ንዘቕረቦ ሕቶ ምንጻጎም ከም ዘሰንበዶ ገሊጹ’ሎ። ብዘይካዚ ንሱን ስድራኡን ብህጹጽ ናብ ዓዶም ክምለሱ ኣፍሊጦሞም ኣለዉ። “እቲ ዘስርሓኒ ኩባንያ ፋይናንሳዊ ጸገም ስለዝነበሮ ናይ ዕረፍተይ ደሞዝ ኣብ ግዚኡ ኣይከፈለንን” ክብል Huxa …

Read More »

ኣባል ሓደ ሃይማኖታዊ ጒጅለ ነበር ብጾታዊ መጥቃዕቲ ይኽሰስ።

ዓቃቢ ሕጊ ሽወደን ሰለስተ ኣባላት ክርስትያናዊ ጒጅለ ሃይማኖት ነበር ብጾታዊ ምዝመዛን መጥቃዕትን ምኽሳሱ ተፈሊጡ። እዚ ጒጅለ ኣብ ሰሜን ኣፕሳላ ዝርከብን ጴንጠቘስጠ Knutby ተባሂሉ ዝፍለጥን እዩ። ሸሞንተ ኣባላት እዚ መጓሰ ኣብ ዓመታት 2015ን 2018 ግዳያት ጾታዊ መጥቃዕቲ ምዃኖም ከኣ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ። ሓንቲ ካብተን ተኸሰስቲ Åsa Waldau ዝተባህለትን ኣብቲ ቤተክርስትያን “መርዓት ክርስቶስ” ብዝብል ቅጽል ስም እትፍለጥን ዝነበረት እያ። እዚ ሃይማኖታዊ ጒጅለ ኣብ …

Read More »

ፐፐ ጋርዲዮላ ብሉጽ ኣሰልጣኒ ፕሪመር !!

ፐፐ ጋርደዮላ ንካልኣ ዓመቱ ኣከታቲሉ ን ኣሰልጣኒ ሊቨርፑል ጀርገን ክሎቭን ኣሰልጣኒ ቶተንሃም ኣርጀኒናዊ ፓቸቲኖ ብምስዓር ብሉጽ ኣሰልጣኒ ፕሪመር ሊግ ተባሂሉ ተሸሊሙ። እዚ ድማ ሳልሳይ ኣከታቲሉ ነዚ ክብሪ ዝበጽሔ ድሕሪ ሰር ኣሌክስ ፎርግሰን ሞሪኖን ክኸዉን ኪኢሉ ኣሎ። ጋርዲዮላ ነዚ ክብሪ ዝበጽሒ ኣብ ፕሪመርሊግ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ኣብ ሜዱ`ኡ 18 ግጥማት ዓወት ▶️ካብ ሜዱ`ኡ 18 ግጥም ዓወት፣ 95 ሹቶታት ዘመዝገበ …

Read More »

ልእልቲ ኖርዌይ ኣፍቃሪኣ ዕላዊ ጌራ።

ልእልቲ ኖርዌይ ማርታ ሉዊ ኣብ ቀዳማይ ገጽ ስእሊ ኣመሪካዊ ኣፍቃሪኣ ሻርማ ቨሪት ብምጥቃዕ ፍቕራዊ ህይወታ ጋህዲ ጌራ’ላ። ኣብቲ ስእሊ “ነዚ ዝመስል ኣፍቃሪ ምርካበይ ኣዝየ ዕድለኛ እየ፥ ኣብዛ ዓለም ዘይቅድመ-ኲነታዊ ፍቕሪ ምህላዉ ክርዳእ ብምግባር ንህይወተይ ቀዪርዋ እዩ። ሳላኻ ሰሓቕ መዋዕልተይን መሓድርተይን ኮይኑ’ሎ ፍቕረይ። ንዘለኣለም ከፍቅረካ እየ!” ዝብል ጽሑፍ ከኣ ምስቲ ስእሊ ተለጢፉ ኣሎ።፡ ወዲ 44 ሻርማ መሃዚን ተጣባቒ መሰል ደቀንስትዮን እዩ። …

Read More »

ኣኽበርቲ ሕጊ ሽወደን ክሲ ሳላንጅ ዳግማይ ይኸፍቱ።

ኣኽበርቲ ሕጊ ሽወደን ቅድሚ ሕጂ ተዓጽዩ ዝነበረ ክሲ ጾታዊ ዓመጽ ሳላንጅ ክኸፍቱ ምዃኖም ብሰኑይ ገሊጾም ኣለዉ። መስራቲ ዊኪሊክስ ዝነበረ ኣሳንጅ ኣብ ሽወደን ተኸፊትዎ ዝነበረ ክሲ ጾታዊ ዓመጽ ኣብ 2017 ምዕጻዉ ዝዝከር ኮይኑ ሓንቲ ካብተን ከሰስቱ እቲ ጒዳይ ዳግማይ ክኽፈት ምግባራ ይግለጽ ኣሎ። ኣሳንጅ ብ 2010 ናብ ሽወደን ድሕሪ ዝገበሮ መገሻ እዩ እቲ ናይ ጾታዊ ዓመጽ ክሲ ዝሰዓበ። ንሱ እቲ ዝገበሮ …

Read More »

ርክብ ሽወደንን ሩስያን ዛሕቲሉ።

ዲፕሎማስያዊ ርክብ ሽወደንን ሩስያን ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ወሪዱ ተባሂሉ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ኣብዚ ሰሙን ሩስያ ክልተ ሽወደናውያን ዲፕሎማሰኛታት ካብ ሃገራ ድሕሪ ምብራራ እዩ ክብል ክኢላ ዲፕሎማሲ ኣብ ኡፕሳላ ዩኒቨርሲቲ ዝኾነ ፕሮፌሰር Stefan Hedlund, ንሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com