Thursday , May 2 2024

ዜና

ማሕበር መማህራን ምምሕዳር ከተማ ሁርቢ ኣብ ጒዳይ ኣታሕዛ ቋንቋ ኣደ ዘለዎ መረረ ገሊጹ!!

እዚ መረረ ዝቐረበ ምምሕዳር ከተማ ሁርቢ ተመሃሮ ወጻኢ ናይ ቋንቋ መርመራ ክገብሪ ዘገድድ ሕጊ ድሕሪ ምውጽኡ እዩ። እዚ ማለት ብዙሓት ብዘይ ወለዲ ዝመጹ ቈልዑ ኣብ ሽግር ክወድቁ እዮም ማለት እዩ። “እዚ መርመራ ከመይ ዝበለ እዩ ክኽውን ምንም ኣፍልጦ የብልናን” ይብል ከንቲባ ሁርቢ ዝኾነ ሄርንቢ። “ኣብ ሃይስኩል ንዝወሃብ መርመራ ቋንቋ ኣደ ተመሃሮ ንኽሓለፉ C እቶም ናእሽቱ ኸኣ E ከመዝግቡ ኣለዎም” ክብል …

Read More »

ኣፍሮሽወደን መበቖል ዘለዋ ንመጀመርያ ግዜ መራሒት ሰልፊ ኮይና ተመሪጻ!!

ትማሊ ዓርቢ ሰልፊ ሊቨራልና ን መርሒ እዚ ሰልፊ ንምምራጽ ኣብ ዝገብሮ ኣኼባ ን ያምኮ ሳቡኒ ናይ መጀመርያ ግዜ ጟል ኣነስተይቲ ኣፍሮ ሽወደን ኮይና ተመሪጻ። እዚ ኣብ ከተማ ስቶኮልም ኣብ ሶደርማልም ዝተጋብኤ ሰሊፊ ሊበራል ኣብ ዝገብሮ ምርጫ እዩ ከም መራሒት እዚ ሰልፊ ገሪ ዝመረጻ። ያምኮ ሳቡኒ ኣብ ዘስማዕቶ ቓል ንኹሎም ብ ድምጾም ዝደገፍዋን መወዳድርታ ኮይኖም ዝቀረቡ ኤሪክ ኡለንሃግን ጆሃን ፐርሶን ድሕሪ …

Read More »

መጠንቀቅታ ባርዕ ጫካታት!!

በዓልመዚ ሜትሮሎጂ ሽወደን ብሰንኪ ደረቅ ንፋስን ሙቐት ዝዓብለሎ ኩነታት ኣየር ብቀዳማይ ደርጃ ኣብ ከባቢ ጎትላንድን (Götaland) ደቡባዊ ስቨላን (Svealand) ኩነታት ኣየር 30 ዲግሪ ክበጽሕን ባርዕ ጫካ ክኽሰት ተኽእሎ ከምዘሎ ይእምት ኣሎ። ኣብ ሰመናዊ ክፋል ናይዚ ዝተጠቅሰ ከባቢታት ግና ተክእሎ ናይ ዝናብ ስለ ዘሎ ሓደጋታት ተኽእሎ ባርዕ ጫካ ዝተሓተ ክብል እቲ በዓል መዚ ገሊጹ።

Read More »

ኣብ መዋፈሪ ባቡራት ከተማ ማልሞ ስግኣት መጥቃዕቲ ብምጥርጣር ብብዝሒ ፖሊሳት ኣብ ሓለዋ ይዋፈሩ!!

ብርክት ዝበሉ ፖሊስ ከተማ ማልሞ ድሕሪ ኣቲ ናይ ሓደጋ መፈራረሒ ዝሓዘለ መልእክቲ ምርካቦም ኣብ ወዋፈሪ ባቡር ከተማ ሞልሞ ብብዝሒ ከቢቦሞ ኣለዉ። ናይ ዓይኒ መኻክር ከምዚገልጽዎ ዘለዉ ኣብ ከባቢ መዋፈሪ ባቡራት እዛ ከተማ ብብዝሒ ፖሊስ ከምዘለው ገሊጾም። እዚ መልእኽቲ ካብ መን ሙኻኑ ብርጉጽ ካብ መን ሙኻኑ እካ እንተዘይፈልጡ ካብ ዝኾነ መጥቃዕቲ ንምኽልካል ግን ኣቀዲሞም ኣብቲ ቦታ ከምዝተረኸቡ ኣፈኛ ፖሊስ ደቡባዊ ክፋል …

Read More »

ኣብያተ መግቢ ሽወደን ካብ መላእ ዓለም ኣብ ማእከላይ ደረጃ ይስርዓ!!

ኣብያተ መግቢ ሽወደን ብዓለም ደረጃ ኣብ መበል 21 ካብ 50 ይምደባ። ኣብ ስቶክሆልም ዝርከብ ቤት መግቢ Frantz’en እዩ ካብ 50 ዝበለጻ ኣብያተ መግቢ መበል 21 ተረቚሑ። እዚ ውድድር ኣብያተ መግቢ ኣብ ሲንጋፖር ብሰሉስ እዩ ተኻይዱ። ፈረንሳዊ ቤትመግቢ ሚራዡር ኣብቲ ውድድር ቀዳማይ ደረጃ ሒዙ ተባሂሉ። እዚ ተርታ ብሞይውያን ምእንጋድን ኣገልግሎትን ሆቴላትን ዝወሃብ ኮይኑ ብዙሓት ካልኦት ግዱሳት ከም እተሳተፍዎ’ውን ተገሊጹ። ኣብዚ ተርታ …

Read More »

ዝመጽእ ሰሙን ዙሑል ኩነታት ኣየር ክህሉ ትጽቢት ይግበር!!

ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ መላእ ሽወደን ዝናብ ዝዓብለሎ ዝሑል ኩነታት ኣየር ክሕሉ ኣገልግሎት ትጽቢት ይግበር። ብመሰረት ካብ ውቕያኖሳት ዝነፍስ ዘሎ ዙሑል ኩነታት ኣየር ኣብ ከባቢ ሰሜን ሽወድን ኣብ ግዜ ለይቲ ስጋብ 0  ክህሉ ኣብ ዝተረፈ ከፋል ሽወደን ካብ 15 ስጋብ 20 ዲግሪ ሰንት ግሬድ ክህሉ ትጽቢት ኣሎ።

Read More »

መከላኸሊ ጸሓይ ዘፍርያ ኩባንያታት ሕጊታት ኣይስዕባን ኣለዋ ተባሂሉ!!

ትካል መድሃኒት ሽወደን መከላኸሊ ጸሓይ ተባሂሉ ዝፈሪ ቅብኣታትን ክሬማትን ምስ ሕጊታት መድሃኒት ሽወደን ኣይከይድን ኣሎ ክብል ወቒሱ። ንኣብነት ኣብቲ ብልቃጣት ኣድላዪ ናይ ጽሑፍ ሓበሬታ የብሉን ክትብል ሻርሎት ዦርቤክ ወቒሳ።፡ ንሳ ብጹሓት ክሳብ 6 ማንካ መከላኸሊ ጸሓይ ክወስዱ ዝግብኦም ብዙሓት ሰባት ከምኡ ኣይገብሩን ዘለዉ ኢላ። ኣብ መላእ ዓለም መንሽሮ ቆርበት እናዓበየ ምምጽኡን ብፍላይ ኣብ ኒውዚላንድ ኣውስትራልያን ስዊትዘርላንድን ብዙሕ ከም እተራእየ ተሓቢሩ። …

Read More »

ብስርቂ ኮራኹር ኣኽላባት ን 5 ዓመት ይፍረድ!!

ብስርቂ እተኸሰ ገበነኛ ሓሙሽተ ዓመት ተፈሪዱ። ኣብ ኣውራጃ ስኮና ኣብ ስርቂ ሽዱሽተ ኮራኲር እተዋፈረ መእንእሰይ 6 ዓመት ማእሰርቲ ተበይንዎ። እዚ 27 ዓመት ዝዕድሚኡ መንእሰይ ንመምህሩ ኣካላዊ ማህሰይቲ ብምውራድ እዩ ኣብቲ ራስያ ተዋፊሩ። እዚ ፍጻመ ኣብ ወርሓ ጥሪ ዝተፈጸመ ኮይኑ ገበነኛ ንመምህሩ ብምጥቃዕን መሓውራ ብማእሳርን እዩ ነቲ ስርቂ ምስ ብጾቱ ኮይኑ ፈጺምዎ። እታ ኮራኲራ እተመንዝዐት መምህር ናይ ምሰናግለ መስበርቲ ከም ዘጋጠማን …

Read More »

ኣብ ደንማርክ ክልተ ዘጋታት ሽወደን ተቐቲሎም!!

ብ ሰሉስ ምሸት ኣብ ከተማ ኮፐን ሃገን ርእሰ ከተማ ደንማርክ ክልተ ዘግነት ሽወደን ዘለዎም ሰባት ተቀቲሎም ክብል ፖሊስ ደንማርክ ሓቢሮም ። ምስዚ ቅትለት ዝተኣሳሰር ኣብቲ ከባቢ ሓንቲ ኣውዲ ዝዓይነታ መኪና ከምዝነብረት ን ኣብ ምኽትታላ ከምዘለዉ ወሲኹ ጸብጻብ ፖሊስ ይሕብር። ናይ መንነት ኣስማት መወቲ ካብ ምግላጽን ኮነ ን ቀረባ ቤተ ሰብ ካብ ምሕባር ዝተቖጠቡ ፖሊስ ደንማርክ ብቀረባ ምስ ፖሊስ ሽወደን ብምትሕብባር …

Read More »

ናይ ሕክምና ዶክተር ብዝገበሮ ጉድለት ይቕጻዕ!!

ኣብ ሆስፒታል ኣፕሳላ ዝሰርሕ ዝነበረ ዶክተር ኣብ ስርሑ ብዝገበሮ ጉድለት ተቐጺዑ። እዚ ዶክተር ን 50 ሕሙማት ናይ ፈተነ መብጣሕቲ ብምክያድ ሃስያ ብምውራዱ እዩ ኣገልግሎት ጥዕና ኣፕሳላ ክቕጻዕ ዝወሰኑ። በዚ ድማ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ናይ ቊጽጽር ክኣቱ ጌሮም ኣለዉ። እዚ ዶክተር ካብ ዓመታት 2014 ክሳብ 2016 ልዕሊ 170 ናይ ጐሎ መጥባሕቲታት ብምክያድ ንኣደዳ ድሕረ-መብጣሕታዊ ሽግራትን ንባሪ ስንክልናን ክቃልዑ ጌሩ እዩ ተባሂሉ።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com