Sunday , May 19 2024

ደሃይ ጥበባት

ሓንቲ ዓለም፣ምህዞታትን ርኽበታትን ሳዕቤኑን (inventions and discoveries)

ኣማኑኤል ሳህለ ዝበዝሕ ግዜ፡ ሓደ ሰብ ሓደ ነገር ምሂዙ ኪብሃል ንሰምዕ። ግን ዝኾነ ምህዞ ካብ ባዶ ተላዒሉ ኣይክስተን እዩ። ብብዙሓት ኣእዳው ተመራመርቲ ዝሓለፈ መስርሕ እዩ እንተ ተባህለ ይምረጽ። እቲ ምሂዙ ዚብሃል ሰብ፡ እቲ ነቲ ኪምሃዝ ዝነበሮ ነገር ወይ ሓሳብ ወይ ፍልስፍና ጥራይ ኢዩ ኣብ ዕላማኡ ወይ ኣብ ጥርዙ ከብጽሖ ዝኸኣለ። ንኣብነት ራድዮ ብጉልየልሞ ማርኮኒ ተማሂዛ ንብል። ግን ቅድሚ ራድዮ ምምሃዛ፡ …

Read More »

ሽወደናውያን ስነጥበበኛታት ናይ ቅልውላው ኮሮና ዝወሃብ ሓገዝ ተቐቢሎም ተባሂሉ

ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ንንባብ ዘብቅዖ ጽሑፍ ከም ዘመልክቶ ብሚልዮናት ክሮነር ዝንቀሳቐሱ ኩባንያታት ዝውንኑ ስነጥበበኛታት ብምኽንያት ቅልውላው ለበዳ ኮሮና ካብ መንግስቲ ዝወሃብ ኣሽሓት ክሮነር ብመልክዕ ሓገዝ ምቕባሎም ኣዛራቢ ኮይኑ’ሎ። ያለ ጆንሶን (Yale Johnson)፡ ድራጊን (Dragin)፡ ቤንጃሚን ኢንግሩሶ (Benjamin Ingruso) ን ሳቢና ዱምባ (Sabina Dumba) ን ዝኣመሰሉ ካብዞም ብምኽንያት ለበዳ ኮሮና ነፍሲ ወከፎም ካብ መንግስቲ 50,000 ክሮነር ዝተቐበሉ ስነጥበበኛታት ምዃኖም ተፈሊጡ። ማሕበር ስነጥበበኛታት …

Read More »

ሓቐኛ ዛንታ: ራብዓይን መወዳእታን ክፋል መዘዘኛ ዕለት።

ብጸጋብርሃን ጎይትኦም “እዚ ዓይነት ባህሪ ዘለዎ ሰብ ኣብ ሎሚ ክትረክብ ናይ ብሓቒ ዕድለኛ’የ፡ ነዚ ዕድል ድማ’የ ክጥቀመሉ ዘይክኣልኩ፡ እቲ ናብ ዘርጊ ዘእተወኒ ድማ ጽጋብ’ዩ። ኣውሪደ ኣደይበ ምስ ሓሰብኩ፡ ምስ መሓሪ ክራኸብ ይውስን፡ ካብትን ካብትን ኢለ ዘጠራቐምክዎ ገንዘን ሒዘ ድማ ብቖጸራ ይረኽቦ፡ በቓ ክሕግዞ ይውስን። ኣብ’ቲ ፈለማ ድማ ክሳብ ዓሰርተ ሽሕ ዝኣክል ገንዘብ ሂበዮ፡ ዝለገሰለይ ምስጋና ክሳብ ሕጂ ዝርስዖ ኣይኮንኩን፡ ግና …

Read More »

ሓንቲ ዓለም፡ተፈጥሮን ሰብኣዊ ጣልቃነትን

ኣማኑኤል ሳህለ ፍጥረት ምስ ንጥፈታቱን ምዕባለኡን ኣብ ጕዕዞኡ ዚኽተሎ ፍሉይ ዝኾነ ናቱ መገዲ ኣለዎ። ወድሰብ ድሒሩ እተፈጥረ ኣካል ብምዃኑ፡ ቅድሚ ሰብ ምፍጣሩ መንግስቲ ማዕድንን መንግስቲ ቡቕልን መንግስቲ እንስሳን ነዛ ዓለምና ብሒቶምዋ ነይሮም እዮም። እቲ ማዕድን በቲ ናቱ መገዲ ይምዕብል ነይሩ፡ ማለት ገለ ማዕድን ብብዝሒ መሬታዊ ጸቕጥን ረስንን ናብ ካልእ ማዕድን ይቕየር ነይሩ። ገለ ኣልከሚስት ከም ዚብሉዎ ድማ ነሓሲ ብተመሳሳሊ መገዲ …

Read More »

ሓጺር ዛንታ፣ ሳልሳይ ክፋል መዘዘኛ ዕለት

 ጸጋብርሃን ጎይትኦም                                                     ሄለን፡ ‘ዘይጋገ ሰብ የለን እንታይ ድኣ ካብ ጌግኡ ዘይእረም ሰብ’ዩ ሕማቕ’ ዝብል እምነት ተቐኒታ፡ ነቲ ካብ ትምህርታ ዘሰናኸላ ዘይእርኑብ ኣካይዳ ንጸጋም ገዲፋ፡ ምስ ዓርኪ ሓዋ ዝኾነ፡ ዳንኤል’ዚ ስሙ ለባምን ስነ-ስርዓተኛን ሰብ ሓዳር ምስ ገብረት፡ ዝነበራ ዘይቑርዑይ ኣካይዳ ወጊድ ኢላ፡ ብኣካይድኣ ሞራሎም ተሰይሮም ዝነበሩ ወለዳን መቕርባን ዳግማይ ተደቢሶም፡ ምረቕኦም ኣዕረጉላ። ካብ ብዓል ቤታ ብእትረኽቦ ዝነበረት ደገፍ ድማ፡ ነቶም የሐንቒቖም ዘዕበይዋ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም፣ ሃገራውን ሃይማኖታውን መንነት

ብ ኣማኑኤል ሳህለ ሓደ ህጻን ውልድ ምስ በለ፡ መን እየ ኣነ ብምባል ንነብሱ ኣይሓታን ወይ ንኺሓትት ብምባል ኣይሓስብን እዩ። ዘረባ ዘይክእል ወይ ኪሓስብ ዘይክእል ኮይኑ ዘይኮነስ፡ ውኖኡ (consciousness) ገና ስለ ዘይማዕበለ እዩ። ግን ብባየሎጂካዊ መገዲ ኪውሰድ ከሎ፡ ሓደ ህጻን ፍሉይ ፍጡር እዩ፡ ንኣኡ ዚመስል ከኣ የሎን። ብኹሉንትናኡ እንኮ ፍጡር እዩ። ስለዝስ ፈትዩ ጸሊኡ ኣቐዲሙ መንነቱ ኣረጋጊጹ ማለት እዩ። ኣብ ዩኒቨርስ …

Read More »

ኤርትራዊት ቤተልሄልም ዳዊት ኣብ መንጐ ፍሉጣት መደርቲ ክረምቲ 2020 ኣብ ሬድዮ ሽወደን P1።

“ክረምቲ ኣብ P1”(Sommar i P1)  ሓደ ካብቶም ኣብ ሽወደን ዝቐርቡ ዓበይትን ብዙሓት ተኸታተልቲ ዘለዎ ናይ ሬድዮ መደባት ኢዩ።ዳርጋ መብዛሕትኦም ሽወደናውያን ዘድንቅዎን ከም ኣካል ባህሎም ዝርእይዎ መደብ ኮይኑ፡ወትሩ ክራማት ካብ 29 ሰነ/ 1959 ጀሚሩ ኣብ ማዕበል ዝፍኖ ተፈታዊ ናይ ሬድዮ መደብ ኢዩ።መበገሲ ናይቲ ሓሳብ ታገ ዳኒኤልሶን ዝተባህለ ሓላፊ መዛናግዒ መደባት ሬድዮ ሽወደን ዝነበረ ምዃኑ ይዝንቶ።መበቆል ናይቲ መደብ ድማ “ክረምቲ ኣብ P3” …

Read More »

ሓጺር ዛንታ፣ መዘዘኛ ዕለት

ብጸጋብርሃን ጎይትኦምካልኣይ ክፋል  ሄለን፡ ኣብ ስራሕ ገዛ’ውን ማዕረ ወላዲታ ትሳተፍን፡ ኣብ ኩሉ’ቲ ብወላዲኣን ኣሕዋተን ዝፍጸም ትእዛዝ፡ ብዘይ ነግ ፈረግ ትምእዘዝ ብምንባራ፡ ብኹሎም ስድራ ፍትውቲ ነበረት። ምርቓ ወለዳን፡ ወትሩ ጽላል ዝኾንዋ ኣሕዋታን ድማ ኣብ ምዕዋት ትምህርታ ሓጋዚ ነበረ። እዚ ምስጉን ጠባይ ኣብ ገዝኣን ከባቢኣን እናንጸባረቐት’ያ ድማ፡ ናይ ማእከላይ ደረጃ ትምህርታ ከም ዝሓለፈ ብሉጽ ውጽኢት እናመዝገበትን ኣብ’ቲ ቤት ትምህርቲ ብኣብነት እናተጸውዐትን፡ ናብ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም፣ውግእን ሰላምን

ኣማኑኤል ሳህለ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፋተይ ደጋጊመ ዝጠቐስኩዎ፡ እዛ ዓለምና ናብቲ ዝሓይለን እተጣበበን እያ እተዳሉ። እዚ ደመነፍሳዊ (instinct) ሕጊ ድማ ኣብቲ ባህርያት ፍጡራት ኣትዩስ ንነዊሕ ዘበናት ኣብቲ ዘገምታዊ ምዕባሌኦም ሓጊዙዎም እዩ።  ኣታኽልትን እንስሳታትን ሰብን ከም ፍጡራት መጠን፡ ካብዚ ሕግዚ ከምልጡ ኣይክእሉን። ኣታኽልቲ ብኣእሻኾም፡ እንስሳታት ብኣቕርንቶምን ብኣጽፋሮምን ብኣስናኖምን፡ ብሕንዞምን፤ ሰብ ድማ በቲ ዝሰርሖ ናይ ኲናት መሳርያታት፤ ኩላቶም ነብሶም ኪዕቅቡን ኪከላኸሉን፡ ካብኡ …

Read More »

ሓጺር ዛንታ መዘዘኛ ዕለት

ብጸጋብርሃን ጎይትኦም                                  ቐዳማይ ክፋል መንእሰያት ክምሃሩ ብምባል፡ ሓንቲ ሓፍትና ምሃሪ ዝኾነ ሓቐኛ ዛንትኣ የዕሊላትኒ ኣላ’ሞ፡ ናባዂም ከብሎ፡ “ነታ ዕለት እንክዝክር፡ ነብሰ ስጋይ ቅንጥጥ ኢሉ መልኣኸይ’ዩ ዝሃድም፡ ከም’ታ ዕለት ገይሩ ዘስካሕካሓኒ ኣጋጣሚ ፈጺም ኣይዝከረንን። ሰብ ወዲ ኣዳም ኮይኑ ክጋገ ንቡር’ዩ፡ እንታይ ዓይነት ጌጋ ይፍጽም ግና ክፈልጦን ክርድኦን ኣለዎ፡ ኣነ ዝፈጸምክዎ ጌጋ ድማ፡ ልክዕ ከም ሃንደበታዊ ሓደጋ መኪና ዕምርኻ ኣሕጺሩ ዘልኣለም ዘጥፍኣካ፡ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com