Thursday , April 25 2024

ደሃይ ጥበባት

ፍልስፍናን ሓርነትን

ካልኣይን ናይ መወዳእታን ክፋል ናስሮቪች ብምልኣት ሕስብ እንተቢልና ወዲሰብ እታ ዘነአሰት”ውን ሓርነት ኣላቶ ድያ ናብ ዝብል ሕቶ ክመርሓና ይኽእል እዩ፡፡ ብሩኽ ሰፒኖዛ ዝተባህለ ፈላስፋ “ሰባት ናጻ ሕርያ ዘለዎም እዩ ዝመስሎም፤ ምኽንያቱ ባህጎምን ሸውሃቶምን ብውኖም ብዝውስንዎ ፍቓድ ዝድረኽ ከም ዝኾነ እዮም ዝኣምኑ፡፡ እንተኾነ ግና እቲ ባህጊን ሸውሃትን ካብ ፍቓዶም ወጻኢ ምዃኑ ክሓስቡ ብዙሕ ኣይግደሱን እዮም” ይብል፡፡ ዘደለናዮ ክንገብር ናጻ ዲና? እቲ …

Read More »

ፍልስፍናን ሓርነትን ቀዳማይ ክፋል

“ቅኑዕ ንዘበለ ሕጊ ነብስኻ ተገዛኢ ምግባር ሓርነት እዩ” ዣን ዣኽ ሩሶ ሓርነት ካብቶም ኣዝዮም ዝዝውተሩን ትርጉሞም ዝተዛበዐን ኣምራት ሓደ እዩ፡፡ ንምዃኑ ሓርነት እንታይ ማለት እዩ? በቲ ኣዝዩ ልሙድ ኣተራጉማኡ ሓርነት ከም ድላይካ ምዃን፤ ካብ ዝኾነ ዓጋቲ፤ ደራቲን ባርያኡ ዝገብረካን ሓይሊ ናጻ ምዃን ማለት እዩ፡፡ ቶማስ ሆበስ እተባህለ ፈላስፋ ብዛዕባ ሓርነት እንክጽሕፍ ከምዚ ይብል–ሓርነት ክትብሮ ካብ እትደሊ ዘታርፈካ ግዳማዊ ዕንቀፋት ወይ …

Read More »

ትፈልጡዶ? ብኣማኑኤል ሳህለ

1. ኣብ ግዜ ዓርቢ ስቐለት፡ ህዝቢ ናብቲ ቀጽሪ ቤትክርስትያን ኣትዩ (ብፍላይ ኣንስቲ)፡ ክላላይሶ ይብል እዩ። ክላላይሶ ግን እንታይ ማለት እዩ። ከምቲ ስዒቡ ዚድገም፡ ክላላይሶ መሓረና ክርስቶስ፡ ክላላይሶ ማለት መሓረና ጎይታ ማለት እዩ። እዚ ቃልዚ ካብ ግሪኽ KYRIE ELEISON ማለት ምሓረና ጎይታ ዝመንጨወ እዩ። ኣዴታትና ኣብ ክንዲ ኪሪየ አለይሶን ዚብላ፡ ክላላይሶ ኢለንኦ። 2. ፋዱስ ዚብል ቃል ብትግርኛ ፍርቂ መዓልቲ ማለት እዩ። …

Read More »

ዲሲፕሊን + ወሳንነት = ዓንዲ ብልጽግና 6ይን መወዳእታን ክፋል

ዲሲፕሊን ዲሲፕሊን፡ ሓደ ካብቶም ንሰብ ካብ እንስሳ ዝፈልይዎ ጠባያት እዩ። ዲሲፕሊን ማለት ስርዓት’ዩ። ዲሲፕሊን ማለት ርእሰ-ቚጽጽር’ዩ። ዲሲፕሊን ማለት ልዙብ ምዃን’ዩ። ዲሲፕሊን ማለት ናይ ምልምማድ ክእለት ምጥራይ’ዩ። ንክውንነት ህይወትካ ክትቅበል ምኽኣል’ዩ። ኣድላዪ እንተዀይኑ’ውን ኣብ ዝኣመንካሉ መስዋእቲ ንምኽፋል ቅሩብ ምዃን’ዩ፡ ኣብ ግጥማት ህይወት ዋላ’ውን ብዘይ ደጋፊ በይንኻ ኴንካ ኢድካ ዘይምሃብ’ዩ። ዲሲፕሊን፣ ነቲ እናሻዕ ኣብ ኣእምሮኻ ዝቕጀለኻ ሓሳባትን ውሽጣዊ ደፋኢ ሓይልን ከም እትቆጻጸር …

Read More »

ቀሊል ኣገባብ ህይወት + ፍቕሪ + ትሕትና = ዓንዲ ብልጽግና (4)

ቀሊል ኣገባብ ህይወት ምኽታል ክትዕወት እንተደሊኻ ብቐሊል ኣገባብ ውጽኢት ናይ ምርካብ ክእለት ከተማዕብል ኣለካ። ኣብ ሓደ ውሁብ ኩነት ዘድልየካን ዘየድልየካን ፈሊኻ ናይ ምፍላጥ ጥበብ ክህልወካ ይግባእ።   ንኣብነት ዘድሊን ዘየድሊን ጽዕነት ዝተጻዕነት ጃልባ ሒዞም ኣብ ባሕሪ ዝጓዓዙ ባሕረኛታት እቲ ተወሳኺ ጽዕነት ኣብ ጉዕዞኦም ኣገዳሲ እንተዘይኰይኑ ወይ ንሓደጋ ዘቃልዖም ኰይኑ እንተተሰሚዕዎም ናብ ባሕሪ ይድርብይዎ። ስለዚ ቀሊል ወይ ዘይተሓላለኸ ኣገባብ ህይወት ምኽታል …

Read More »

ትፈልጡዶ?

ኣብ ከባቢ 1930ታት እቲ ኣብ ኣስመራ ዚሽየጥ ዝነበረ ናይ ሚነራል ማይ ወይ ኣኳ ሚነራለ ኣብቲ ጥርሙዝ ብቛንቋ ጥልያን ከምዚ ዚስዕብ (label) ተለጢፉዎ ነይሩ። Fortemente Radioattiva ትርጉሙ፥ ኣዚዩ ናይ ኑክለሳዊ ጸርጊ ትሕዝቶ ኣለዎ ማለት እዩ። እቲ ኣብቲ ግዜቲ ኣብ ኣስመራ ዝነበረ ንጥዕና ዚከታተል ዶቶር ጋስፓሪኒ፡ ነቲ ኣብቲ እዋንቲ ዝውቱር ዝነበረ ግን ግጉይ ርእይቶ እዩ ሒዙ ዝጎዓዝ ዝነበረ። ኣብቲ እዋንቲ፡ ኣብ ኤውሮጳ …

Read More »

ተገዳስነት + ብልሒ = ዓንዲ ብልጽግና ብበሪሁሉ ብኣማን ሳልሳይ ክፋል

ተገዳስነት ተገዳስነት ንዝብል ቃል ብመንጽር ብልጽግና ክንርእዮ ከለና ነቲ እንሰርሖ ስራሕ ምፍቃር ማለት እዩ። ምኽንያቱ ብልጽግና ብስራሕ እዩ ዝረጋገጽ። ተገዳስነት እንተሎ ብምሉእ ልብኻ ተወፊኻ ምዕያይን ዝተወሃሃደ ጻዕሪ ምክያድን ይህሉ። ተገዳስነት፡ ውሽጣዊ ስኒት ስለዝፈጥር ንዘሎ ዓቕምታትካ እንተላይ ተጠቒምካሉ ዘይትፈልጥ ሕቡእ ክእለታትካ’ዩ ዘበራብረልካ። ብተገዳስነት ምስ እትሰርሕ ኩለንትናኻ በቲ እትሰርሖ ስራሕ ተሰሊቡ ኣብ ፍጹም ተምሳጥ ስለዝዕዘር ምሉእ ስርዓተ ኣካላትካ ብውህደት ይዓዪ። ተገዳስነት፡ ኣእምሮኻን …

Read More »

ድንጋጸ + ትብዓት + እምነት = ዓንዲ ብልጽግና ብበሪሁሉ ብኣማን ካልኣይ ክፋል

ድንጋጸ ድንጋጸ፣ ሕልናን ኣስሓኮን ዘለዎም ሰባት ዝውንንዎ ጸጋ እዩ። ደንጋጺ መንፈስ ዘለዎ ሰብ ምእንቲ ካልኦት መስዋእቲ ክኸፍል ቅሩብነት ዘርኢ ሰብ እዩ። ኣብ ግዜ ጸገሙ ክቡር ግዜኻ፣ ገንዘብካን ጸዓትካን ሰዊእካ ዝሓገዝካዮ ሰብ ኣምሳያ’ቲ ዘርኣኻዮ ድንጋጸ ወይ ይገብረልካ ወይ ድማ ይነግረልካ። ከምኡ ማለት ግን ድንጋጸ ብመኽሰብ ይድረኽ ማለት ኣይኮነን። ልብኻ ብፍቕሪ ምስ ዝመልእ ፍቕሪ ካልኦት ክቕበል ክፉት ይኸውን፡ ብስስዐ ኣይትዓውርን፡ ካልኦት ሰባት …

Read More »

ፍልስፍና ኣብ እዋን ጸበባ ብናስሮቪች ቀዳማይ ክፋል

ምንጪ ሓጎሰካ ኣብ ዘይንቕነቕ ውሸጣዊ ከውሕኻ ጥራይ ኢኻ ትሃንጾ፡፡ ናይ ሞት መቕጻዕቲ እንተትፍርድ ኣብቲ እትጸንሓሉ ቤት ማሕቡስ እንታይ እናገበርካ ግዜኻ መሕለፍካዮ? ናይ ፍልስፍና መጽሓፍ ምጸሓፍካዶ? ቦትዬስ ከምኡ እዩ ዝገበረ፡፡ እታ ኣዝያ ዘበለጸት ናይ ፍልስፍና ስርሑ ኸኣ ንሳ ነበረት፡፡ ቦትዬስ ማኒለስ (475-525) ኣብ ዘመነ ሮማ ካብ ዝነበሩ ፈላስፋታት እቲ ናይ መወዳእታ እዩ ተባሂሉ ይሕሰብ፡፡ ሮማ ብኢድ ባርባርያውን ቅድሚ ምዕናዋ ዕስራ ዓመት …

Read More »

ትስፉውነት + ንቕሓት = ዓንዲ ብልጽግና ቀዳማይ ክፋል ብበሪሁሉ ብኣማን

ብልጽግና፡ ንቕሓት ብዝተሓወሶ ጻዕሪ ኣንጻር ኩሉ መሰናኽላት ህይወት ገጢምካ ዕውት ብምዃን ዝረጋገጽ መደያይቦ ዕብየት እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ ብልጽግና፡ ነቲ ተፈጥሮ ብዘይ ብቂ ዝዓደለካ መሃዚን ፈጠራውን ዓቕምኻ ኣበራቢርካ ዝብጻሕ ደረጃ’ዩ ማለት እዩ። ብልጽግና ማለት ገንዘባዊ ወይ ንዋያዊ ሃብቲ ማለት እዩ እንተኢልና፡ ሃብታም ኣተሓሳስባ ከየጥረኻ እትውንኖ ብልጽግና ከም ኣብ ሑጻ ዝተሰረተ ህንጻ ነባርነት ከም ዘይህልዎ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ‘ቅድሚ ልቢ ኣይጠረ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com