Sunday , May 5 2024

ደሃይ ጥበባት

ዘይተዛዘመ ጉዕዞ

ሳልሳይ ክፋል ብጸጋብርሃን ጎይትኦም “ንህይወትና ቀቢጽና ስቕ መሪጽና፡ ኣብ መወዳእታ ግና ሕብሪ ገጽና ተቀያይሩ፡ ኩላትና ኣውያት ዶርጋሕናዮ፡ ምስ ኣውያትና ተደሚሩ ዝያዳ ዓቕልና ጸበበና፡ ኩሉ ሰብ ድማ ክወድቕ ጀመረ፡ ኣነ’ውን ክጽልምተኒ ከሎ ይርድኣኒ ነበረ፡ ጽባሕ ብዙሕ ነገር እንሰርሕ መንእሰያት ከለና፡ ነዛ ህይወትና ብዘይጠቕም ነጥፍኣ፡ ክቕጽለልካ ግዳ፡ ኩሉ ሰብ ብሓባር ኣውያት ክድርጉሖ ምስ ጀመረ ሃለዋተይ ኣጥፋእኲ፡ ካብዚ ስዒቡ ዝኸፍአ’ዩ ስዒቡ፡ እዋይ—” ዳግማይ …

Read More »

ፍልስፍና ኣብ እዋን ኮቪድ-19።

ፈላስፋታት ብግብሪ ኣብ ቅድመ ግንባር ምምካት ለበዳ ኮሮና ተሰሊፎም ከይረኣዩና ይኽእሉ እዮም፥ ይዂን’ምበር ዝጻወትዎ ኣገዳሲ ተራ ኣለዎም። ኣብ እዋን ጸበባ ፍልስፍና ገለ እትብሎ ነገር ይህልዋ እዩ። ለበዳ ኮሮና ንዓለምና ኣጨኒቕዋ ኣብ ዘለወሉ ግዜ ብፍላይ ጥበብ ፍልስፍና” ስቶይሲዝም” ዝያዳ ኣገዳስነት ረኺቡ’ሎ። ” ካብ ዓቕምኻ ንላዕሊ ዝኾኑ ነገራት እንከጋጥመካ ምጭናቕ ኣቋርጽ” ዝብል ኣባህላ ሰነካ እታ ልምድቲ መትከል እያ። ሃይማኖተኛታት ብወገኖም ” ኦ …

Read More »

ዘይተዛዘመ ጉዕዞ

ካልኣይ ክፋል ብጸጋብርሃን ጎይትኦም “ብፍላይ ናይ ዕለት 17 መስከረም 2019 ዝርስዖ ኣይኮንኩን፡ ኣታ ዝገርም’ኳ እዩ፡ እንድዒ ወደይ! እናኽተስምዖ ዝመርርዛንታ’ዩ፡ ኣይክኣልኩን—፡” ንብዓታ ዛረየ፡ ከቢድ ዛንታ ክትነግረኒ ምዃና ግልጺ ኮነለይ፡ ግና ክትዛረብ ዓቕሚ ስኣነት፡ ነታዝጠቐሰታ ዕለት ዳግማይ ደገመትለይ።“ብፍላይ ዕለት 17 መስከረም 2019 ኣይትኣምነንን ትኸውን፡ በቓ ሕጂ ክገልጸልካ ኣይክእልን’የ ግዜ ሃበኒ—፡”ሕጂ’ውን ዓቅሚ ስኢና ምስ ውሓዚ ንብዓታ ተነኽነኸት። ኣነ’ውን ኣባቢደ ነቲ ዝቕጽል ኣደንጻዊ ዝበለቶ …

Read More »

መሰል ወዲ ሰብ።

ኣማኑኤል ሳህለ ንምዃኑ ወድሰብ፡ መሰል ዚብሃል ኣምር ካበይ ዘምጽኦ እዩ? ኣለዎ ድዩኸ? መን ዝሃቦ?ወድ ሰብ ብጥንቲ ኣብ በረኻታትን ጫካታትን ኪነብር ከሎን ነንሓድሕዱ ድማ ከም ኣራዊት ኪባላዕ ከሎን፡ እቲ ብሓይሉ ንኹሉ ዘሰነፈ ሰብ ወይ ጉጅለ እዩ መሰል ዚብሃል ኣምር ኪፈጥርን ኪግልገለሉን ዝኸኣለ። ናይ መን መሰል? ናይ ባዕሉ መሰል። እቲ ንነብሱ መሰል ዝሃባ ሰብ ወይ ጉጅለ፡ መለኮታዊ ሓይሊ ስለ ዘሎኒ ማንም ከይትክፈኒ …

Read More »

ጠንቅን ሳዕቤንን (cause and effect)

ኣማኑኤል ሳህለ ኣብ ፍጥረት፡ ኩሉ ነገራት እተተሓሓዘ፡ እተኣሳሰረ ወይ እተዛመደ እዩ። ንበይኑ ጠልጠል ኢሉ ዚነብር የሎን። ከምዚ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ፍጥረት እቲ ሓደ ነቲ ዘድልዮ ነገራት ካብቲ ሓደ እናተጸበየ (interdependence) ወይውን እናተጸላለወ (interaction) እዩ ዚነብር። ምስ ዝኾነ ይኹን ከይተኣሳሰረ ወይ ከይተዛመደ ንበይኑ ህላዌ ዘለዎ ሓይሊ ወይ ኩነት ግን ፍጹም (absolut) ይብሃል። ኣእምሮና ነቲ ምስ ህላወና ቀጥታዊ ምትእስሳር ዘይብሉ ፍጹም ኪርድኦ …

Read More »

ዳህሳስ ገለ ክፋል ሙዚቃ ኤርትራ ኣብ ሬድዮ ሽወደን

ብመም Joሲ ወዲ ወርቀ ኔልደን P-2 ሓንቲ ካብተን ኣርባዕተ መንግስታውያን ዝኾና መደበራት ሬድዮ ሽወደን እያ።ኣብ ሙዚቃን ትምህርታ’ውን ጉዳያት ኣተኰራ ዝተፈላለዩ መደባት ድማ ተሳናድእ። እዛ ብ1955 ከም ዝተመስረተት ዝንገረላ መደበር ሬድዮ እዚ’ኣ፡ብዝተፈላለዩ ሃገራውያንን ውሁዳንን ዝዀኑ ቋንቋታት ማለት ስቨኒስካ፡ፍኒስካ፡ሳሚ፡ሮማኒ፡እንግሊዝ ከምኡ ድማ ብቋንቋታት ዓረብን ሶማልን መደባት ከምዘለዋ ይፍለጥ። እዛ ሬድዮ ካብ እተቅርቦም መደባታ፡ትማሊ ቀዳም ሚያዝያ 24 /2020 ንሓደ ስዓት ዝኣክል፡ኣብ’ቲ ብ “Folkmusiken i …

Read More »

ዘይተዛዘመ ጉዕዞ

ቐዳማይ ክፋል ብጸጋብርሃን ጎይትኦም እቲ ቀደም ዝነበረ ሎሚ የለን፡ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ንሄለን ክፈልጣ ከለኹ፡ በቲ ኣብ ትምህርቲ ዝነበራ መንፍዓትን፡ ንስድርኣን ፈለጥታን ብትህቦ ክብርን’ዩ፡ እንተ ሎሚ ግና ኣይግድንን። ኣብታ ብብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምሰጋገሪ ዝጥቐሙላ ሃገረ ግሪኽ፡ ምስ ሄለን ጎፍ ንጎፍ ኣብ ሓደ ቤት መስተ ብኣጋጣሚ ምስ ተራኸብና፡ እታ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዝፈልጣ ሄለን፡ ኣብ ገለ ሸነኻ ተቀይራትኒ ከምዘላ ክረጋግጽ ግዜ …

Read More »

ህይወት ኣብ ጉዕዞ ብጸጋብርሃን ጎይትኦም

Read More »

ኮሮናቫይረስ ናይ ተፈጥሮ ግብረመልሲ

ሳድጉሩ እተባህለ ኣብ ዩትዩብ ዚነጥፍ ውሩይ ህንዳዊ ጉሩ ወይ ፈላስፋ፡ ንኮሮናቫይረስ ኣመልኪቱ፡ ”ንሱ እንታይ ዘይገበረ፡ ንሱ ዘይኮነ በዳልስ፡ ሰብ እዩ ምንባር ከሊኡዎ” ዝዓይነቱ መልሲ ሂቡ። በቲ መልሱ ብዙሓት ደስ ኣይበሎምን፡ ሳድጉሩ ግን ቀስ ኢሉ ከረድኦም ፈቲኑ።  ንኣብነት ኣንበጣ ንውሰድ። ኣንበጣ ብተፈጥሮኡ በይኑ ምግቡ ዚምእርር ሓሸራ እዩ። ግን ብገለ ሰብ ዘምጸኦ ይኹን ወይ ተፈጥሮ ዘምጽኦ ደርቂ፡ ነንሕድሕዱ ኪባላዕ ክሳዕ ዝደሊ ይጠሚ። …

Read More »

ፍሉይ መደብ ብዓል

መደብ ኣልኮምፒስ ክፍሊ ትግርኛ ርሑስ ኣውደኣመት ብምባል እዚ ፍሉይ መደብ ነቅርበልኩም።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com