Friday , April 26 2024

ደሃይ ጥበባት

ኣእምራዊ ጥዕና እንታይ እዩ ?

ብኣርሴማ ሰሎሞን ኣብ ዓለም  ካብቶም ንደቂ ሰባት ዘሳቒ ዘሎ ኣእምራዊ  ጥዕና እናዛየደ ይመጽእ ምህላው ኣብ ኣሰካፊ ኩነት ከም ዘሎ ብሞያውያን ናይዚ ዓውዲ ዝተደገፈ መጽናዕቲ ወይ ዳታ የረጋግጽ። ኣእምራዊ ጥዕና፡  ኣብ  ስምዒት ኣእምራዊ ከምኡውን ኣብ ማሕበራዊ  ጥዕና ዝምርኮስ ኮይኑ፡  እቲ ንሱ  ዝጸልዎ  ከም   ንኣተሓሳስባና፡ ስምዒትና ኮታ ኣብ መዓልታዊ ንገብሮም ንጥፈታት ብቐረባ ዝተኣሳሰር ኢዩ። መበገሲታት’ዚ ሕማም ተፈጥራኣዊ  ክኸውን ከሎ ማለት ካብ ወሎዶ ዝውረስ፡ ናይ ሂወት ተሞክሮታት፡ …

Read More »

ኩሉ ሰብ ጠሊሙኒ!

ሓቐኛ ዛንታ ቐዳማይ ክፋል ብጸጋብርሃን ጎይትኦም ኢለን  ካብ  ሃገረ  ጀርመን  ናብ  ኣስመራ ካብ  ትመጽእ  ክልተ  ወርሒ  ኣቚጺራ’ኳ እንተነበረት፡  ወሪስዋ  ምስ  ዝነበረ  ጽምዋ  ግና ዓመታት ዝገበረት ኰይኑ ተሰምዓ። ኣብ  ጀርመን  ካብ  ትቕመጥ  ዕስራን ሓሙሽተን  ዓመት  ብምግባር፡  ኣብ ዝተፈላለየ  ኣጋጣሚ  ናብ  ኣስመራ’ኳ መጺኣ  እንተነበረት፡  ከም  ሎሚ  ገይሩ  ግና ጽምዋን ብሕትውናን ኣይተሰምዓን። “ኣብ  ዓለም  ብዘይ  ሰብ  ከመይ  ኢልካ ይንበር?”  ንነብሳ  ባዕላ  ሓቲታ  መልሲ …

Read More »

ኤርትራዊ ደራሲ፡ ኣብ ሃገረ ሽወደን ብኻልኣይ ደረጃ ተዓዊቱ

ኤርትራዊ ደራስን ጋዜጠኛን ጸጋብርሃን ጎይትኦም ዓመታዊ ብጋዜጣ västerbottens  ኣብ ዝካየድ ንብሉጽ ኣበርክቶ ዝወሃብ ሽልማት፡ በታ ሎሚ ዓመት ኣብ ሃገረ ሽወደን ዝደረሳን ዘሕተማን  “ወጽዓ እታ ህጻን” ዘርእስታ መጽሓፍ ብምውድዳር ካልኣይ ደረጃ ብምሓዝ ናይ 10 ሽሕ ክሮነር ተሸላሚ ኮይኑ። ደራሲ ጸጋብርሃን ጎይትኦም፡ ንፍጻሜ ካብ ዝበጽሑ ሸሞንተ ተወዳደርቲ፡ እቶም ሸውዓተ ሽወደናውያን ክኾኑ ከለዉ፡ እቲ እንኮ ንፍጻሜ ብምብጻሕ ምስኦም ዝተወዳደረ ወጻእተኛ ክኽውን ድሕሪ ምብቕዑ …

Read More »

Harmony News 04 January 2021

1. ኣብ መላእ ኤውሮጳ ዝተደንገጉ ናይ ጉዕዞ እገዳታት ምትራሮም ካብ ጥቕሙ ጉድኣቱ ይዓቢ ምህላዉ ተገሊጹ። 2. ሃገረ ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ ካልእ ዉሽጣዉን ግዳማዉን ኩናት ካብ ዘሎዋ ዘሎዋ ሃገራት ከም ካልይቲ ደረጃ ከምዝተሰርዐት ተሓቢሩ። #sverige #alkompis #sweden #Tigrinja #Sweden#Eritrea#Tigrai#Ethiopia#EU

Read More »

ኣቕኒእክኒ ሓፍተይ:ሓቐኛ ዛንታ

ካልኣይን መወዳእታን ክፋልብጸጋብርሃን ጎይትኦም “እንታይ ብሰንኪ ጽጋበይ ኢልካ ዘረባ። ንምንታይ ተጨንቑኒ፡ ክብረት ሓፍተይ እንታይ እያ ኮይና ዘይትነግሩኒ፡” ኩሉ ዘረባኦም ጋን ስለ ዝኾና ከጨንቓ ጀመረ። “ጸጋ ጓለይ እንቋዕ ደኣ ብሰላም ተመለስክና’ምበር፡ ዘይወለድኪ ኢልና ኣይንጉህን ኢና። ቀደም ዝጓሃናዮ ይኣኽለና። ሎሚ ኣሕዋትኪ ኣብ ዝብጻሕ ስለ ዘብጻሕኪ፡ ንጎይታ ክልተ ግዜ ኣይንልምኖን ኢና። ግዜ ምስ ሓለፈ ጉሂናኸ ጓሂ ክንውስኸልኪ እንተዘይኮይንና እንታይ ክንምልእ ኢልና። ንስኺ ከኣ እንቋዕ ደኣ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም: ብኣማኑኤል ሳህለ ሰብ ናብ ሰቡ …. (The Ties That Bind )

ሓደ እዋን ኣብ ሓደ በረኻ፡ ሓደ ሽደን እተባህለ፡ ትብዓቱ ዝጎደለ ኣንበሳ ይነብር ነበረ። ”ኣንበሳ እናተባህለስ ድፍረት ዝጎደሎ? ከመይ ዲዩ ነገራቱ? ወኻርያ ማለትካ ዲኻ?” ዚብል ኣይሰኣንን።ኣይፋልን፡ አረ ኣንበሳ!ኣንበሳ ደኣ ድፍረቱ ኣበይ ኣጥፊኡዎ?ሽደን፡ ገና ወዲ ሓደ ዓመት ከሎ፡ ምስ ኣደኡን ኣሕዋቱን ንሃድን ኪኸዱ ከለዉ፡ ኣብ ሓደ ጫካ፡ ጎባይ ተጓነፎም። ኣደ ሽደን ንጎባይ ገጠመትሉ። ግን ጎባይ ሓያል ብምዃኑ፡ በተን በላሕቲ ኣቕርንቱ ሰፍሲፉ ናብ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም: ብኣማኑኤል ሳህለ

ስነጥበብን ቅጥዕን (A Runaway Art) ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ዳርጋ ኩሉ ኣብ ቅድመኻ ዝጓነፈካ ነገራት ከም ስነጥበብ እናተቘጽረ ይኸይድ ዘሎ ይመስል። ስም ከተውጽኣሉን ክትገልጾን እንተ ኽኢልካ ድማ ከም ብርቂ ስነጥበብ ተቘጺሩ ኣብ ኤግዚቢሽን ኪረኣየልካ ይኽእል። ኣብ መሸጣ ቀሪቡ’ውን ብርክት ዝበለ ገንዘብ የምጽኣልካ። እቶም ኣብ መበለ 19 ክፍለዘመን ኣብ ኤውሮጳ ዝነበሩ ስነጥበበኛታት፡ በቲ ክላሲካል እናተባህለ ብምሒር ሕግን መምርሒታትን ተቐዪዱ ዝጐዓዝ ዝነበረ ስነጥበብ …

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ Svenska nyheter på tigrigna. 11 December 2020

Read More »

ኤርትራዊ ደራሲ፡ ንሽልማት Västerbottning ተሓጽዩ

ደራስን ጋዜጠኛን ጸጋብርሃን ጎይትኦም፡ ኣብቲ ዓመታዊ ብሽወደናዊት ጋዜጣ VÄSTERBOTTENS-KURIREN ዝካየድ፡ ብሉጽ ድርሰታዊ ኣበርክቶ፡ ዝብል ውድድር፡ ከም ሕጹይ ኮይኑ ከምዝቐረበ ኣብ ገጻት መርበብ ሓበሬታ ናይታ ጋዜጣ ሰፊሩ ይርከብ። እዛ ጋዜጣ ካብ ዝሓጸየቶም ሸሞንተ ስነጥበባውያን እቶም ሸውዓተ ሽወደናውያን ክኾኑ ከለዉ፡ እቲ እንኮ መወዳድርቶም ወጻእተኛ ብምዃን ዝተረቑሐ ድማ ኤርትራዊ ደራሲ ጸጋብርሃን ጎይትኦም ኮይኑ ኣሎ። ተዓዋቲ ናይዚ ውድድር፡ ብብዝሒ ድምጺ ህዝቢ ዝውሰን ኮይኑ፡ ክሳብ …

Read More »

ኣቕኒእክኒ ሓፍተይ

ሓቐኛ ዛንታ ቐዳማይ ክፋል ብጸጋብርሃን ጎይትኦም ድሕሪ ናይ 20 ዓመታት ምፍልላይ’የን ንፈለማ እዋን ገጽ ንገጽ ተራኺበን። ክልቲኤን ተሓቛቚፈን ብንብዓት ክሕጸባ እንከለዋ፡ ኪኖ ናፍቖት ዝኸደ ቃንዛ ከም ዘለወን ንማንም ግሁድ ነበረ። ኣቦአንን ኣዲአንን ግን፡ እንተስ ኣቐዲሞም ንብዓቶም ወዲኦም ወይ’ውን ብንብዓቶም ከይንበብ ዝኸወልዎ ምስጢር ነይሩ፡ ኣብ ሰሳሎኖም ተጨቢጦም’ዮም ዝርእይወን ኔሮም። እተን ብመልክዕን መፈላለዪ ዘይብለን ማናቱ ኣሓት፡ ባህርያተን ይኹን ዝሓለፈኦ ህይወት ግን ዘራኽብ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com