Monday , May 6 2024

ደሃይ ጥበባት

ቦሊዉድ ናብ ጽዕድው ዝበለ ሕብሪ ቆርበት ከም ዘዳሉ ይሕመ። 

ኢንዱስትሪ ፊልም ህንዲ (ቦሊዉድ) ኣብ ዝሓለፋ ዓመታት ክሳብ ክንደይ ባህላዊ ገስጋስ ኣርእዩ? ዝብል ወሳኒ ሕቶ ንምምላስ ዘንቀደ ብ ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ ዝምራሕ ትንተና ከም እተኻየደ ተገሊጹ።  ን ዝርርብ ተዋሳእቲ (Dialogue) ካብ 70 ንላዕሊ ዝተመርጻ ፊልምታት ዝመርመረ እዚ መጽናዕቲ  ነዛ ሕቶ “እወ” ን “ኣይፋልን” ዝብላ፡መልሲታት ሒዙ ተቐልቂሉ’ሎ።   ኣብ ዝሓለፋ ዓመታት ብፍላይ ቦሊዉድ ኣብ ደቀንስትዮን ጽልሚ ቆርበትን ኣሉታዊ ኣድልዎ ከም፡ዘሕድር ብተደጋጋሚ ክሕመ ጸኒሑ …

Read More »

ነዊሕ ጉዕዞ ሓቐኛ ዛንታ ብጸጋብርሃን ጎይትኦም 4ይን መወዳእታን ክፋል

  “እስከ ኣብርህለይ፡ እተን ሰለስተ መንገድታት ዝበልክየን፧” ንዕላላ ኮሊፈ ተወከስክዋ። “ብእግሪ ዝበልኩኻ፡ ካብ ግሪኽ ተበጊስካ ብተርታ ወይ ልክዕ’ኳ ዝፈልጦ ተዘይኮንኲ፡ ግና መጀመርታ ናብ መቖደንያ፡ ሰርብያ፡ ኲሬሽያ፡ ቦዝንያ ወዘተ እናቖረጽካ ናብ ኢታሊ ኢኻ ትኣትው፡ እዚ ብእግሪ ኾይኑ ከቢድን ምስ ደቒ ኣንስትዮ ዘይከይድን’ዩ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ብተመሳሳሊ ናይ ኤውሮጳ ፓስፖርት ሒዝካ ብኣየር ፖርት ትፍትን፡ እቲ ሳልሳይ ድማ ብዝተሰንዐ ቪዛ ትፍትን፡ ሰብ ብኸምዚ’ዩ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም፡ ብኣማኑኤል ሳህለ

መግዛእቲ እንግሊዝ (The Queen’s Subjects) ሚስተር ስሚዝ እዩ ስሙ። ግን ሚስተር ስኒዝ ኢዮም ዚብሉዎ ዝነበሩ ኣብ 40ታት ዝነበሩ ሰባት። ካኪ ጁባን ስረን ለቢሱ ኣብ ትሽትሹ ቀጣን በትሪ ይቓቕር። ሚስተር ስኒዝ ምስቶም ንኤርትራ “ናጻ” ከውጽኡ ብከረን ዝወሓዙ እንግሊዛውያን እዩ ናብ ኣስመራ ኣትዩ።   “ሃው ኣር ዩ ሚስተር ስኒዝ…………….?”   ሚስተር ስኒዝ ግን ዓሰርተ ሳዕ ሰላም ዚብሎ ሰብ ኣይፈቱን። ከም ጣልያን ተዛራባይ …

Read More »

ነዊሕ ጉዕዞ ሓቀኛ ዛንታ ሳልሳይ ክፋል ብጸጋብርሃን ጎይትኦም

“ንህይወትና ቀቢጽና ስቕ መሪጽና፡ ኣብ መወዳእታ ግና ሕብሪ ገጽና ተቀያይሩ፡ ኩላትና ኣውያት ዶርጋሕናዮ፡ ምስ ኣውያትና ተደሚሩ ዝያዳ ዓቕልና ጸበበና፡ ኩሉ ሰብ ድማ ክወድቕ ጀመረ፡ ኣነ’ውን ክጽልምተኒ ከሎ ይርድኣኒ ነበረ፡ ጽባሕ ብዙሕ ነገር እንሰርሕ መንእሰያት ከለና፡ ነዛ ህይወትና ብዘይጠቕም ነጥፍኣ፡ ክቕጽለልካ ግዳ፡ ኩሉ ሰብ ብሓባር ኣውያት ክድርጉሖ ምስ ጀመረ ሃለዋተይ ኣጥፋእኲ፡ ካብዚ ስዒቡ ዝኸፍአ’ዩ ስዒቡ፡ እዋይ—” ዳግማይ ንብዓት ጸረር ኣበለት፡ ዝኸፍኣ …

Read More »

ኢደ ጽሑፋትን ስእልታትን ደራሲ ፍራንዝ ካፍካ: ኦንላይን ይዝርግሑ

እኩባት ኢደ ጽሑፍን ናይ ስእሊ ንድፊታትን ናይ ደራሲ ፍራንዝ ካፍካ፡ ሰፊሕ ናይ ስነዳ ስራሕ ምስ ተኻዪዱሎም፡ ብኦንላይን ንህዝቢ ከም እተዘርግሑ ተገሊጹ። እዚ ብድጂታላዊ ኣገባብ ዝተኣከበ ሰልስተ ንድፊታት ኢደ ጽሑፍ ድርሰታት፡ ካፍካ፡ ከምኡውን ንመርዓ እንክዳሎ ብኢድ ዝዳለዎም ጽሑፋት፡ ኣብ ቋንቋ እብራይስጢ ዝገበሮ መጽናዕቲ ከምእውን ዝተጸሓሓፎም ውልቃውያን ደብዳቤታት ኣብዚ እኩብ ቀሪቦም ኣለዉ። ካፍካ፡ ኣብ 1929 ምስ ሞተ፡ ኩሎም ዋንነት ካፍካ ዝኾኑ ሰነዳት፡ …

Read More »

ነዊሕ ጉዕዞ ሓቀኛ ዛንታ ካልኣይ ክፋል ብጸጋብርሃን ጎይትኦም

“ብፍላይ ናይ ዕለት 17 መስከረም 2019 ዝርስዖ ኣይኮንኩን፡ ኣታ ዝገርም’ኳ እዩ፡ እንድዒ ወደይ! እናኽተስምዖ ዝመርር ዛንታ’ዩ፡ ኣይክኣልኩን—፡” ንብዓታ ዛረየ፡ ከቢድ ዛንታ ክትነግረኒ ምዃና ግልጺ ኮነለይ፡ ግና ክትዛረብ ዓቕሚ ስኣነት፡ ነታ ዝጠቐሰታ ዕለት ዳግማይ ደገመትለይ። “ብፍላይ ዕለት 17 መስከረም 2019 ኣይትኣምነንን ትኸውን፡ በቓ ሕጂ ክገልጸልካ ኣይክእልን’የ ግዜ ሃበኒ—፡” ሕጂ’ውን ዓቅሚ ስኢና ምስ ውሓዚ ንብዓታ ተነኽነኸት። ኣነ’ውን ኣባቢደ ነቲ ዝቕጽል ኣደንጻዊ ዝበለቶ …

Read More »

ነዊሕ ጉዕዞ ሓቐኛ ዛንታ ቐዳማይ ክፋል ብጸጋብርሃን ጎይትኦም

እቲ ቀደም ዝነበረ ሎሚ የለን፡ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ንሄለን ክፈልጣ ከለኹ፡ በቲ ኣብ ትምህርቲ ዝነበራ መንፍዓትን፡ ንስድርኣን ፈለጥታን ብትህቦ ክብርን’ዩ፡ እንተ ሎሚ ግና ኣይግድንን። ኣብታ ብብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምሰጋገሪ ዝጥቐሙላ ሃገረ ግሪኽ፡ ምስ ሄለን ጎፍ ንጎፍ ኣብ ሓደ ቤት መስተ ብኣጋጣሚ ምስ ተራኸብና፡ እታ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዝፈልጣ ሄለን፡ ኣብ ገለ ሸነኻ ተቀይራትኒ ከምዘላ ክረጋግጽ ግዜ ኣይወሰደለይን፡ እንተውሓደ ቤት መስተ …

Read More »

ፍልስፍናን ሕብረተሰብን ቁ. 3, ስዕረት

Read More »

ዝብኢ ኣብ ባህሊ ኤርትራ ብኣማኑኤል ሳህለ

ንብላዕ እንተ በልኩም ንብላዕ ንኺድ እንተ በልኩም ድማ ንብላዕ። ዝብኢ እዩ ከምኡ በሃሊ። በላዒ፡ ሃርጓም፡ ስሱዕ ምዃኑ ንምሕባር እዩ ከምዚ ዓይነት ቅጽላት እተዋህቦ። ሓደ ተዋዛያይ ከም ዝበሎ’ውን ዝብኢ ማክሮፖሊሲ እንተ ዚህሉዎ ነይሩ፡ ራኢኡ ምግቢ ምኾነ ነይሩ። ግን ብሓቂ ዝብኢ ክሳዕ ክንድዚ ስሱዕ ዲዩ? ብሓቂ ስሱዕ እንተ ዚኸውን ነይሩ ደኣ ዚብላዕ ኪረክብ ከሎ እንጉይ ኢሉ ንኣሕዋቱ ምጸወዐዶ? ኣይምጸወዐን። ስሱዕ’ዶ ሓቢርካ ምብላዕ …

Read More »

ፍልስፍናን ሕብረተሰብን ቁ. 2

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com