Friday , April 26 2024

ደሃይ ጥበባት

ሓንቲ ዓለም…. ብ ኣማኑኤል ሳህለ…. ፍልስፍናዊ ዋዛ (Philosophical Humor) …. ኣገዳሲ ሃገራዊ ምኽሪ ካብ ሰራቒ ………..

ስርቂ እቲ ፈላሚ ናይ ወድሰብ ሞያ እዩ እንተ በልና ምግናን ኣይኮነን። ግን ጎነጽን ቅትለትን ማእሰርትን ስለ ዘበዝሖ፡ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ድማ ደው ኪብል ስለ ዘይከኣለ፡ ሞያ ምዃኑ ኣቋሪጹ ብኻልእ መገዲ ኪነጥፍ ጀሚሩ። ገለ ሰባት ንንግዲ ከም ብተዘዋዋሪ መገዲ ዚካየድ ስርቂ ኢዩ ይብሉዎ። ብገለ ወገናቱ ሓቃቶም ኢዮም። ግን ጎነጽን ማህረምትን ቅትለትን ስለ ዘይብሉ፡ ዝሓሸ ስርቂ ኢዩ ክንብሎ ንኽእል። ከምዚ ክብል ከሎኹ፡ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም…. ብ ኣማኑኤል ሳህለ…. ፍልስፍናዊ ዋዛ (Philosophical Humor) …. ብማይ ዘይትትርክስ ልቢ ………..

ኣብ ኣስመራ ኢዩ፡ ኣብ ከባቢ 2000። ሓደ ቖልዓ ኣብ ሓደ ብዘይ ወግዒ ዝሓዝኦ ኣንጎሎ ኮይኑ ረጒድ ዝዓይነቱ መወጽ ይሸይጥ። ንሓንቲ መወጽ (ሓባ) 50 ሳንቲም ኢያ፡ ግን ንስኒ ከም በረድ ኢዩ ዘጻዕዱዎ። ስኒ እንተ ዘይብልካ ድማ፡ ስኒ ከም ዘሎካ ኣብ ኣፍካ ሰዂዕካ ትረኣየሉ ማለት ኢዩ።   ሓደ ሰብኣይ ነይሮም፡ ብዕድመ ቅሩብ ዝደፍኡ። ጸጕሪ ርእሶም ኣይበርሐን፡ ኣብ ክንድኡ ግን ኣምላኽ ንኣስናኖም ኣቐዲሙ …

Read More »

ተስፋ. . . ሓቐኛ ዛንታ . . . ብጸጋብርሃን ጎይትኦም

ቀዳማይ ክፋል   ሸበድበድ እናበልኩ’የ ናብ ቦታ ቖጸራ በጺሐ፣ ዝተቃጸርናሉ ቦታ፣ ካብ ዝነብረሉ ከባቢ ርሕቕ ዝበለ ብምኻኑ፣ ነታ ንፈለማ እዋን እትረኽበኒ ዝነበረት ጋሻ፣ ከየቐይማን ከይድንጉያን ብምሕሳብ፣ ዳርጋ ናብ ጉያ ዝገማገም ኣሳጉማ ኣኸቲለ’የ፣ ኣብ ቦታ ቖጸራ ደበኽ ዝበልኩ።  ክንራኸበሉ ዝመረጽናዮ ሰፈር፣ መታን ብሕትው ኢልና ከነዕልል፣ ብጽምዋ ዝትዓብለለ ኣብ ከፋት መአንገዲ ዓማዊ ሳን ሻይን ሆቴል’ዩ፣ ከባቢ ሰዓት ሰለስተ ናይ ድሕሪ ቐትሪ ብምንባሩ፣ ናብ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም…. ብ ኣማኑኤል ሳህለ…. ፍልስፍናዊ ዋዛ (Philosophical Humor) …. ደፋርን ዘይሓፍርን ቁንጪ ………..

ሓደ መዓልቲ፡ ሓደ ቁመቱ ኣዚዩ ሓጺርን ኣካላቱ ደቂቕን ዝኾነ ፍጥረት (ዕንኩራይ ጻጸ ኢዮም ዚብሉዎ ነይሮም) ምስ ሓደ ብኹሉ መዐቀኒ ዘይመዘንኡ ሰብ ኣብ ግርጭትን ባእስን ኣተወ። ዕንኩራይ ጻጸ ብድፍረቱ ፍሉጥ ኢዩ ነይሩ።   ዝኾነኾይኑ፡ ኣብዚ ናይ መወዳእታ ቃልሱ፡ ኪዕወት ኣይከኣለን። እቲ መባእስቱ (ዓይኒ ሕንዚዝ ኢዩ ዚብሃል ነይሩ) ሓፍ ኣቢሉ ሰፍሲፉ ኪድርብዮ ምስ ሃቀነ፡ ኩሉ ዚርኢ ዝነበረ ሰብ ”አረ በጃኻ መሓሮ” ብምባል …

Read More »

ሓንቲ ዓለም…. ብ ኣማኑኤል ሳህለ…. ፍልስፍናዊ ዋዛ (Philosophical Humor) …. ናይ ህጻናት ዓለም ………..

ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ኣመሪካዊት ቁሸት፡ ሓደ ካህን ኣብቲ ህጻናት ዚሳተፉሉ ናይ ሰንበት ትምህርቲ፡ ነቶም ህጻናት ነቲ ናይ ርህሩህ ሳምራዊ ዛንታ በቲ ንኣታቶም ዚርድኦም መገዲ ገይሩ ከዘንትወሎም ይውስን። ከምዚ ድማ ይብሎም፥   ”ገለ ጎሓሉ ንሓደ ሰብኣይ ገንዘቡ ንኺወስዱ ይሃርሙዎ፡ ንብረቱ ወሲዶም ድማ ኣብ መገዲ ደርቢዮምዎ ይኸዱ። ቅሩብ ጸኒሑ፡ ሓደ በዓል ማኪና በቲ መገዲ ይሓልፍ፡ ነቲ ዝወደቐ ሰብኣይ ርእዩዎ ድማ መገዱ ይቕጽል። …

Read More »

ጃፓናዊ ኮኾብ ተዋሳኣይ: ሶኒ ቺባ (Sonny Chiba) ዓሪፉ

ጃፓናዊ ኮኾብ ተዋሳኣይ: ሶኒ ቺባ: ኣብ መበል 82 ዓመት ዕድሚኡ: ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና: ምሟቱ ተገሊጹ። ቺባ: ብፍላይ ኣብታ ኳንቲን ታራንቲኖ ዝኣለያ ፊልም Kill Bill ከም ክኢላ ሴፍ ኮይኑ ብምውሳኡ ምስ ኣፍቀርቲ ሲነማ ምዕራባውያን ከም እተላለየ ዝፍለጥ እዩ። ንሱ: ንፍርቂ ዘመን ኣብ ዓለመ ተዋስኦ ኣብ ዝጸንሓለን ዓመታት: ኣብ 1970ታት ዝተሰርሓ ሰለስተ ክፋላት Street Fighter ከምኡውን Fast & Furious ሓዊስካ ኣብ ብርክት …

Read More »

ሳክስፎኒስት: ኑብያ ጋርሲያ: ኣቓልቦ ትስሕብ

ብሪጣንያዊት ሳክስፎኒስት: ሙዚቃ ጃዝ: ኑብያ ጋርሲያ: ኣብ ሳመር ናይ 2021 ብፍላይ ብክእለታ ዓብዪ ኣድናቖት ከም ዝረኸበት ጸብጻብ ቢቢሲ ኢንተርቴይንመንት ሓቢሩ። ተወላዲት ካምደን ዝኾነት ኑብያ: ብፍሉይ ምልከት እዚ መሳርሒ ሙዚቃ: ክሳብ ተሓጻዪት ሽልማት ሜርኲሪ ንምዃን በቒዓ’ላ። ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ Albert Hall ክትጻወት ዕድል ከም እተዋህባ እቲ ዜና ወሲኹ ኣመልኪቱ። ንሳ ነዚ ኣመልኪታ ኣብ ዝሃበቶ ቃል: ብቐጥታ ዝጽወት ሙዚቃ: መግቢ መንፈስ እዩ: …

Read More »

ሓንቲ ዓለም…. ብ ኣማኑኤል ሳህለ…. ፍልስፍናዊ ዋዛ (Philosophical Humor) …. እታ ዘይተማሱ ልቢ ………..

ሓደ መዓልቲ፡ ሓንቲ ኣደ ምስ ንእሽቶ ወዳ ናብ ገምገም ባሕሪ ትኸይድ። እቲ ህጻን ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ኮይኑ በይኑ ኵዕሶ ይጻወት፡ ንሳ ድማ ካብኡ ርሕቕ ኢላ፡ ኣብ ባይታ ምንጻፍ ኣንቢራ ተማዕዱዎ።   ቅሩብ ጸኒሑ ኣብቲ ባሕሪ ማዕበላት ኪገላበጥ ይጅምር። ሓደ ዓቢ ማዕበል ናብቲ ገምገም ባሕሪ መጺኡ ነቲ ህጻን ምስ ኵዕሶኡ ተሰኪሙ ናብቲ ማእከል ባሕሪ ይድርብዮ።   ነዚ ዝረእየት ኣደ፡ ኡይ ብምባል …

Read More »

ሓንቲ ዓለም…. ብ ኣማኑኤል ሳህለ…. ፍልስፍናዊ ዋዛ (Philosophical Humor) …. ፍቕሪ ድሕሪ ኩሉ ኪስራዕ ከሎ ………..

ሓደ ብዕድመ ዝደፍአን ደሓን ዝኾነ ሃብቲ ዝነበሮን ሰብኣይ ንሓንቲ ጓል 18 ዓመት ይምርዓዋ። እታ ጓል፡ ንእሽቶ ጥራይ ዘይኮነትስ ጽብቕቲ’ውን ኢያ ነይራ። ስለዚ ኩሉ ሰብ ይገርሞ፡ ኩሉ ድማ ይቐንኣሉ።   ”ኣንታ ኣበይ ደኣ ረኺብካያ ነዚኣ እትመስል ጓል፡ ኣጕባዝ ዘይረኸቡዋስ ናባኻ ወዲቓ፡ ሃብትኻ ርእያ ዲያ?” ይሓትት ሓደ ካብ ብጾቱ። ”እንታይ ደኣ፡ ሃብተይ ርእያ ኢያ እምበር” ይምልሽ እቲ ሰብኣይ። ”እሞ ወላ ሃብታም ኩን …

Read More »

ሓንቲ ዓለም…. ብ ኣማኑኤል ሳህለ…. ፍልስፍናዊ ዋዛ (Philosophical Humor) …. ኣሉታዊ ጥቕምታት ሽጋራ ………..

ሽጋራ ብዝኾነ መምዘኒ ጥቕሚ ዘለዎ ኣይመስልን። ገለ 50 ዓመታት ይገብር፡ ገለ ሰባት ንሽጋራ ከም መድሃኒት ሲኑሳይቲስ (ናይ ኣፍንጫ ውሽጣዊ ሕማም) ገይሮም ይጥቀሙሉ ከም ዝነበሩ ይዝከረኒ። ግን ብምርምር እተረጋገጸ ኣይመስለንን። ዝኾነኾይኑ፡ ክትበልዖ ዝደለኻ ኣባጉንባሕስ፡ ዛግራ ትብሎ እንድዩ ነገራቱ፡ ብዙሓት ሰባት ንሽጋራ ፈውሲ ናይ ከምዚዶ ናይ ከምቲ እናበሉ ይሰትዩዎ ከም ዝነበሩ ናይ ቀረባ ትዝታ ኢዩ።   ኣለማዮ ካሕሳይ እተባህለ ኮመድያን ግን፡ ሽጋራ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com