Saturday , April 27 2024

ሓንቲ ዓለም…. ብ ኣማኑኤል ሳህለ…. ፍልስፍናዊ ዋዛ (Philosophical Humor) …. እታ ዘይተማሱ ልቢ ………..

ሓደ መዓልቲ፡ ሓንቲ ኣደ ምስ ንእሽቶ ወዳ ናብ ገምገም ባሕሪ ትኸይድ። እቲ ህጻን ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ኮይኑ በይኑ ኵዕሶ ይጻወት፡ ንሳ ድማ ካብኡ ርሕቕ ኢላ፡ ኣብ ባይታ ምንጻፍ ኣንቢራ ተማዕዱዎ።

 

ቅሩብ ጸኒሑ ኣብቲ ባሕሪ ማዕበላት ኪገላበጥ ይጅምር። ሓደ ዓቢ ማዕበል ናብቲ ገምገም ባሕሪ መጺኡ ነቲ ህጻን ምስ ኵዕሶኡ ተሰኪሙ ናብቲ ማእከል ባሕሪ ይድርብዮ።

 

ነዚ ዝረእየት ኣደ፡ ኡይ ብምባል ናብቲ ባሕሪ ገጻ ትጎዪ፡ ግን ምንም ክትገብር ኣይከኣለትን። ወዳ ኣብ ባሕሪ ጥሒሉ ኢዩ።

ስለዚ ናብ ኣምላኻ ትውከል፥

 

”ዎ ኣምላኸይ፡ ወደይ ምለሰለይ። ብመብጽዓ ዝወለድኩዎ ውላድ ኢዩ’ሞ በጃኻ ምለሰለይ”፡ ብምባል ኣምሪራ ትበኪ።

ሽዑ፡ ኣብቲ ባሕሪ ከም ብሓድሽ ብርቱዕ ማዕበል ይልዓል፡ ነቲ ህጻን ተሰኪሙ ድማ ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ይድርብዮ።

 

እታ ኣደ፡ ብታሕጓስ እናጎየየት ናብቲ ወዳ እተደርበየሉ ገምገም ባሕሪ ከይዳ ነቲ እንኮ ውላዳ ሓቚፋ እናበኸየት ትስዕሞ፡ ንኣምላኽ ድማ ተመስግኖ።

 

ግን ከኣ ጽንሕ ኢላ ነቲ ምስጋናኣ ተቋርጾ ………….

 

ናብ ሰማይ እናጠመተት ድማ፥

”ዎ ኣምላኸይ፡ እዚ ወደይ ደኣ ኵዕሶ ነይራቶ እንዲያ …” ኢላ ይብሃል።

 

 

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com