Tuesday , March 19 2024

ጸጋብርሃን ጎይት ኦም

መደብ ዝርርብ 50 ደቓይቕ ምስ ደራስን ጋዜጠኛን ጸጋብርሃን ጎይትኦም ቀዳማይ ክፋል

Read More »

ብኤርትራዊ ስነ ጥበበኛ ዝተጻሕፈት ሓዳስ መጽሓፍ ኣብ ሃገረ ሽወደን ተመሪቓ

ብደራስን ጋዜጠኛን ጸጋብርሃን ጎይትኦም ዝተደርሰት “ኣብ ሊብያ’የ ጠኒሰ” ዘርእስታ ሓዳስ መጽሓፍ፡ ብቐዳም 29 ጥሪ 2022 ኣብ ከተማ ኡምዮ ሃገረ ሽወደን ተሓቲማ ብወግዒ ተመሪቓ። እዛ 216 ገጻት ዘለዋን ብደራሲ ጸጋብርሃን ጎይትኦምን ዝተደርሰት መጽሓፍ፡ ብምምሕዳር ኡምዮ ኮመን ተመዊላ እያ ንሕትመት በቒዓ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ነታ መጽሓፍ ተመልኪቱ ኣብ ዝቐረበ ገምጋም “ኤርትራውያን ጸሓፍቲ ነቲ ኣብ ስደት ዘሎ ህዝቢ ቛንቑኡን ባህሉን ኣብ ምዕቓብ ልዑል ተራ …

Read More »

ለባም ሓፍቲ! … ሓቐኛ ዛንታ … ካልኣይን መወዳእታን ክፋል … ብጸጋብርሃን ጎይትኦም

“እንታይ ብሰንኪ ጽጋበይ ኢልካ ዘረባ። ንምንታይ ተጨንቑኒ፡ ክብረት ሓፍተይ እንታይ እያ ኮይና ዘይትነግሩኒ፡” ኩሉ ዘረባኦም ጋን ስለ ዝኾና ከጨንቓ ጀመረ። “ጸጋ ጓለይ እንቋዕ ደኣ ብሰላም ተመለስክና’ምበር፡ ዘይወለድኪ ኢልና ኣይንጉህን ኢና። ቀደም ዝጓሃናዮ ይኣኽለና። ሎሚ ኣሕዋትኪ ኣብ ዝብጻሕ ስለ ዘብጻሕኪ፡ ንጎይታ ክልተ ግዜ ኣይንልምኖን ኢና። ግዜ ምስ ሓለፈ ጉሂናኸ ጓሂ ክንውስኸልኪ እንተዘይኮይንና እንታይ ክንምልእ ኢልና። ንስኺ ከኣ እንቋዕ ደኣ ብጥዕናኺ ዓድኺ …

Read More »

ለባም ሓፍቲ! … ሓቐኛ ዛንታ … ቐዳማይ ክፋል … ብጸጋብርሃን ጎይትኦም

ድሕሪ ናይ 20 ዓመታት ምፍልላይ’የን ንፈለማ እዋን ገጽ ንገጽ ተራኺበን። ክልቲኤን ተሓቛቚፈን ብንብዓት ክሕጸባ እንከለዋ፡ ኪኖ ናፍቖት ዝኸደ ቃንዛ ከም ዘለወን ንማንም ግሁድ ነበረ። ኣቦአንን ኣዲአንን ግን፡ እንተስ ኣቐዲሞም ንብዓቶም ወዲኦም ወይ’ውን ብንብዓቶም ከይንበብ ዝኸወልዎ ምስጢር ነይሩ፡ ኣብ ሰሳሎኖም ተጨቢጦም’ዮም ዝርእይወን ኔሮም። እተን ብመልክዕን መፈላለዪ ዘይብለን ማናቱ ኣሓት፡ ባህርያተን ይኹን ዝሓለፈኦ ህይወት ግን ዘራኽብ የብሉን። ደሓር ግን ሓደ ዓይነት ዕጫ’ዩ …

Read More »

ባህጊ! . . . ሓቐኛ ዛንታ . . . ብጸጋብርሃን ጎይትኦም . . . ካልኣይን ናይ መወዳእታ ክፋል

“እንድዒ ጓለይ እዚ ቅልጥፍ ኢልካ ትገብሮ ነገራት፡ መወዳእታኡ ሳዕቤን ኣለዎ። ንስኺ ድማ ክትጥቀቒ ኣለኪ” ዕትብ ኢላ ተዛረበታ። “በሊ ከይትቕየምኒ እምበር፡ ኣነ’ስ መታን ክኣምንኒ ውዒለዮ’የ። ደጋጊሙ ምስ ለመነኒ ከይከስሮ ብምባል ውዒለዮ፡” እቲ ሓቂ ተናስሓትላ። “ክኸውን ኣይነበሮን ሄለን! ግና ዝፈሰሰ ስለዘይሕፈስ፡ ኣብ ፍታሕ ጥራይ ነድህብ ሕጂ። ቀልጢፍኪ ወድኣለይ በልዮ። ንሱ’ዩ እቲ ዝሓሸ እምበር፡ ኣብ ዘይጭበጥ ሕልሚ ተህተፍትፊ ከይትህልዊ’ዩ ፍርሐይ። ባህጊ ወጻኢ ክትፍጽሚ …

Read More »

ባህጊ! . . . ሓቐኛ ዛንታ . . . ብጸጋብርሃን ጎይትኦም . . . ቐዳማይ ክፋል

እቲ ፍጻመ ልክዕ ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ። እዋኑ ሄለን ኣብ ታኼላ ሓጐስ ተሸሚማ ንዓለም ኣይትጽረኒ ዝበለትሉ እዋን’ዩ። ኣብ እዋን ለይቲ ወትሩ እትሓልሞ፡ ብቐትሩ ድማ እትብህጐ ናይ ወትሩ ባህጋ፡ እዋኑ ኣኺሉ ናብ ናይ መዛዘሚ ፍጻመ እናተቓረበ ይኸይድ ብምንባሩ፡ ከም’ታ ወርሒ እቲኣ ገይራ ብሓጎስ ዘሕለፈቶ ግዜ ውሑድ’ዩ። እቲ ዘይጭበጥ ዝመስላ ዝነበረ ባህጊ ክትውንኖ ብምቕራባ። ነቲ ናይ ሓጐስ ፍጻመ ኣብ ሎሚ ኮይና ክትዝክሮ ከላ፡ …

Read More »

ጓል ሽወደን …… ብጸጋብርሃን ጎይትኦም……. ካልኣይን መወዳእታ ክፋል

“ከምቲ ዝበልኲኻ መዓት ሃደንቲ ደቒ ተባዕትዮ ስለ ዝነበሩ፡ ሻማ ሻማ ኢሎም’ዮም ተቀቢለሙኒ፡ ኣብቲ ፈለማ ከምንግስቲ’የ ከቢረ፡ ንመልክዐይን ፍቕረይን ዝደልዩ ደቒ ተባዕትዮ ክውሕዙኒ ብምጅማሮም፡ ተስፋይ በሪዂ ምስቲ ሓደ ተዘናጊዐ፡ ናብቲ ሓደ ክሰግር ምንም ግዜ ኣይነበረንን፡ ብላዕ ስተ’ዩ ነይሩ፡ ከይተረድኣኒ ብዘይሓደ ቑም ነገር ዳርጋ ክልተ ዓመት ኣቑጺረ፡ ክዳውንቲ ቀያይርካ ናብትን ናብትን ምባል ኮይኑ ስርሐይ፡ ከምቲ ኣቀዲመ ዘዕለልኲኻ፡ ጓል ዕስራን ክልተን ዓመት’የ ናብታ …

Read More »

ጓል ሽወደን …… ብጸጋብርሃን ጎይትኦም……. ቀዳማይ ክፋል

“ንነብሰይ ከም መማቕርቲ ሽወደን’የ ዝቖጽራ፡ ኣብ ስቶኮሎም ከማይ ትጽብቅ ሓበሻ ዘላ ኮይኑ ኣይስምዓንን! እንታይ እሞ—” ጌና ዕላላ ከይጀመረትለይ ከላ ብንብዓት ተነኽነኸት። ብመንገዲ ተንቓሳቓሲ ቴለፎን እያ ተላልያትኒ፡ ኣብ ሃገረ ሽወደን ጋሻ ብምዃነይ፡ ቁጽሪ ተንቃሳቃሲ ቴሌፎነይ ብመንገዲ ጋዜጠኛ ናይ ዩቲብ ቻነል ራሄና ቲቪ ያሲን ዑመር(ቕጫ)፡ ብምሕታት እያ ክትረኽበኒ ክኢላ። መልክዓ’ኳ እንተዘይፈለጥክዎ፡ ብኣዛራርብኣ ግና ብርግጽ ምልክዕቲ ክትከውን ኣለዋ በልኲ። ታሪኽ ምስ ሰማዕኲ ግና፡ …

Read More »

ኣብ ሓቀኛ ዛንታ ዝተሞርኮስት፣ ነዊሕ ጉዕዞ ብጸጋብርሃን ጎይቶም l Newih Guezo Xegabrhan Goytom I Based On True Story

Read More »

ተስፋ. . . ሓቐኛ ዛንታ…… ብጸጋብርሃን ጎይትኦም……. ሓምሻይን ናይ መወዳእታ ክፋል

ነቲ ዘይብዳህ በዲሃ ኣብ ሓዳር ምብጽሓ’ኳ እንተሐጎሰኒ፣ ‘ጸገምረኺበ’ ምባላ ግና ኣሰንበደኒ። “እንታይ ሕማቕ ድኣ ረኺብኪ ጓለይ?” ንዝውሓዘ ንብዓታ፣ ክሳብ ትጸርግ ዕድል ድሕሪ ምሃብ፣ ድሕሪ ሓዳር ዘጋጠማ ክትነግረኒ ደፋፋእኩዋ። “ይገርመካ’ዩ!” ኣዕሚቓ ኣስተንፈሰት። “ክገርመካ! ምስ ተስፉ ካብ’ታ ኣብ ስራሕና ተላለናላ እዋን ጀሚረ፣ ብኹሉ እንትንኡ ሕጉስቲ’የ ነይረ። ጠባይ ኣለዎ፣ ናይ ስራሕ ሰብ’ውን’ዩ። ሓዳር ምስ ገበርና፣ እቲ ጽቡቕ ጠባዩ ወሲኹ እምበር ኣይጎደለ። በዚ ምኽንያት …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com