Monday , April 29 2024

ጸጋብርሃን ጎይት ኦም

ሓጺር ዛንታ፣ ሳልሳይ ክፋል መዘዘኛ ዕለት

 ጸጋብርሃን ጎይትኦም                                                     ሄለን፡ ‘ዘይጋገ ሰብ የለን እንታይ ድኣ ካብ ጌግኡ ዘይእረም ሰብ’ዩ ሕማቕ’ ዝብል እምነት ተቐኒታ፡ ነቲ ካብ ትምህርታ ዘሰናኸላ ዘይእርኑብ ኣካይዳ ንጸጋም ገዲፋ፡ ምስ ዓርኪ ሓዋ ዝኾነ፡ ዳንኤል’ዚ ስሙ ለባምን ስነ-ስርዓተኛን ሰብ ሓዳር ምስ ገብረት፡ ዝነበራ ዘይቑርዑይ ኣካይዳ ወጊድ ኢላ፡ ብኣካይድኣ ሞራሎም ተሰይሮም ዝነበሩ ወለዳን መቕርባን ዳግማይ ተደቢሶም፡ ምረቕኦም ኣዕረጉላ። ካብ ብዓል ቤታ ብእትረኽቦ ዝነበረት ደገፍ ድማ፡ ነቶም የሐንቒቖም ዘዕበይዋ …

Read More »

ሓጺር ዛንታ፣ መዘዘኛ ዕለት

ብጸጋብርሃን ጎይትኦምካልኣይ ክፋል  ሄለን፡ ኣብ ስራሕ ገዛ’ውን ማዕረ ወላዲታ ትሳተፍን፡ ኣብ ኩሉ’ቲ ብወላዲኣን ኣሕዋተን ዝፍጸም ትእዛዝ፡ ብዘይ ነግ ፈረግ ትምእዘዝ ብምንባራ፡ ብኹሎም ስድራ ፍትውቲ ነበረት። ምርቓ ወለዳን፡ ወትሩ ጽላል ዝኾንዋ ኣሕዋታን ድማ ኣብ ምዕዋት ትምህርታ ሓጋዚ ነበረ። እዚ ምስጉን ጠባይ ኣብ ገዝኣን ከባቢኣን እናንጸባረቐት’ያ ድማ፡ ናይ ማእከላይ ደረጃ ትምህርታ ከም ዝሓለፈ ብሉጽ ውጽኢት እናመዝገበትን ኣብ’ቲ ቤት ትምህርቲ ብኣብነት እናተጸውዐትን፡ ናብ …

Read More »

ሓጺር ዛንታ መዘዘኛ ዕለት

ብጸጋብርሃን ጎይትኦም                                  ቐዳማይ ክፋል መንእሰያት ክምሃሩ ብምባል፡ ሓንቲ ሓፍትና ምሃሪ ዝኾነ ሓቐኛ ዛንትኣ የዕሊላትኒ ኣላ’ሞ፡ ናባዂም ከብሎ፡ “ነታ ዕለት እንክዝክር፡ ነብሰ ስጋይ ቅንጥጥ ኢሉ መልኣኸይ’ዩ ዝሃድም፡ ከም’ታ ዕለት ገይሩ ዘስካሕካሓኒ ኣጋጣሚ ፈጺም ኣይዝከረንን። ሰብ ወዲ ኣዳም ኮይኑ ክጋገ ንቡር’ዩ፡ እንታይ ዓይነት ጌጋ ይፍጽም ግና ክፈልጦን ክርድኦን ኣለዎ፡ ኣነ ዝፈጸምክዎ ጌጋ ድማ፡ ልክዕ ከም ሃንደበታዊ ሓደጋ መኪና ዕምርኻ ኣሕጺሩ ዘልኣለም ዘጥፍኣካ፡ …

Read More »

ፕሮሶሰይ ሓቀኛ ዛንታ

ብጸጋብርሃን ጎይትኦም ካልኣይን መወዳእታን ክፋል ምስ ሰመረ ዝተሰማማዕናዮ፡ ናይ ሓዳር መደባት ንምትግባር ኣብ መስርሕ ከለና፡ ሓንቲ ልክዕ ከም ከማይ ነጋዲት፡ ካብ ኤርትራ ናብ ቱርኪ እትመላለስ፡ ደጋጊማ ሓደ ንመጻእየይ ዝጸልምት ሓሳባት እናምጽአት ደጋጊማ ትልምነኒ፡ ልክዕ ንምዃን ኣርሴማ’ዩ ስማ። ኣርሴማ፡ ”ብመንገዲ ቱርኪ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ብምእታው ብሉጽ ህይወት ክንመርሕ ኢና” ብምባል ደጋጊማ ክትልምመኒ ትጅምር፡ ብዛዕባ’ቲ ጉዕዞ ጥልቅ ዝበለ ኣፍልጦ ዘለዋ ኮይኑ’ዩ ዝስምዓኒ …

Read More »

ፕሮሶሰይ— ሓቀኛ ዛንታ

ብጸጋብርሃን ጎይትኦም ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዘንበብናዩ፡ ታሪኽ ናይታ ጌና ኣብ ዘይተዛዘመ ጉዕዞ ዘላ መንእሰይ ሄለን ብምንባብ፡ ብርክት ዝበልኲም ሰባት ንምሕጋዛ ተበግሶ ወሲድኲም ክንረኽባ ብምባል ዝደገፍኲማ ምስጋናይ እናገለጽኲ፡ ንሎሚ ድማ ሓንቲ ሜሪ እትብሃል መንእሰይ ብወገና፡ ህሉው ኲነታተይ መንእሰያት ክምህር ይኽእል’ዩ ብምባል፡ ብውልቃ ንዝሰደደትለይ መሃሪ ጽሑፍ ናባክም የብሎ። ኣቱም ሰባት እንታይ ኢና ኮይና? ኣኺሉና ድዩ መፍትሒ ኲሉ ነገር ስደት ጥራይ ገይርናዮ? …

Read More »

ዘይተዛዘመ ጉዕዞ

ብጸጋብርሃን ጎይትኦም 4ይን መወዳእታን ክፋል “እስከ ኣብርህለይ፡ እተን ሰለስተ መንገድታት ዝበልክየን፧” ንዕላላ ኮሊፈ ተወከስክዋ። “ብእግሪ ዝበልኩኻ፡ ካብ ግሪኽ ተበጊስካ ብተርታ ወይ ልክዕ’ኳ ዝፈልጦ ተዘይኮንኲ፡ ግና መጀመርታ ናብ መቖደንያ፡ ሰርብያ፡ ኲሬሽያ፡ ቦዝንያ ወዘተ እናቖረጽካ ናብ ኢታሊ ኢኻ ትኣትው፡ እዚ ብእግሪ ኾይኑ ከቢድን ምስ ደቒ ኣንስትዮ ዘይከይድን’ዩ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ብተመሳሳሊ ናይ ኤውሮጳ ፓስፖርት ሒዝካ ብኣየር ፖርት ትፍትን፡ እቲ ሳልሳይ ድማ ብዝተሰንዐ …

Read More »

ዘይተዛዘመ ጉዕዞ

ሳልሳይ ክፋል ብጸጋብርሃን ጎይትኦም “ንህይወትና ቀቢጽና ስቕ መሪጽና፡ ኣብ መወዳእታ ግና ሕብሪ ገጽና ተቀያይሩ፡ ኩላትና ኣውያት ዶርጋሕናዮ፡ ምስ ኣውያትና ተደሚሩ ዝያዳ ዓቕልና ጸበበና፡ ኩሉ ሰብ ድማ ክወድቕ ጀመረ፡ ኣነ’ውን ክጽልምተኒ ከሎ ይርድኣኒ ነበረ፡ ጽባሕ ብዙሕ ነገር እንሰርሕ መንእሰያት ከለና፡ ነዛ ህይወትና ብዘይጠቕም ነጥፍኣ፡ ክቕጽለልካ ግዳ፡ ኩሉ ሰብ ብሓባር ኣውያት ክድርጉሖ ምስ ጀመረ ሃለዋተይ ኣጥፋእኲ፡ ካብዚ ስዒቡ ዝኸፍአ’ዩ ስዒቡ፡ እዋይ—” ዳግማይ …

Read More »

ዘይተዛዘመ ጉዕዞ

ካልኣይ ክፋል ብጸጋብርሃን ጎይትኦም “ብፍላይ ናይ ዕለት 17 መስከረም 2019 ዝርስዖ ኣይኮንኩን፡ ኣታ ዝገርም’ኳ እዩ፡ እንድዒ ወደይ! እናኽተስምዖ ዝመርርዛንታ’ዩ፡ ኣይክኣልኩን—፡” ንብዓታ ዛረየ፡ ከቢድ ዛንታ ክትነግረኒ ምዃና ግልጺ ኮነለይ፡ ግና ክትዛረብ ዓቕሚ ስኣነት፡ ነታዝጠቐሰታ ዕለት ዳግማይ ደገመትለይ።“ብፍላይ ዕለት 17 መስከረም 2019 ኣይትኣምነንን ትኸውን፡ በቓ ሕጂ ክገልጸልካ ኣይክእልን’የ ግዜ ሃበኒ—፡”ሕጂ’ውን ዓቅሚ ስኢና ምስ ውሓዚ ንብዓታ ተነኽነኸት። ኣነ’ውን ኣባቢደ ነቲ ዝቕጽል ኣደንጻዊ ዝበለቶ …

Read More »

ዘይተዛዘመ ጉዕዞ

ቐዳማይ ክፋል ብጸጋብርሃን ጎይትኦም እቲ ቀደም ዝነበረ ሎሚ የለን፡ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ንሄለን ክፈልጣ ከለኹ፡ በቲ ኣብ ትምህርቲ ዝነበራ መንፍዓትን፡ ንስድርኣን ፈለጥታን ብትህቦ ክብርን’ዩ፡ እንተ ሎሚ ግና ኣይግድንን። ኣብታ ብብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምሰጋገሪ ዝጥቐሙላ ሃገረ ግሪኽ፡ ምስ ሄለን ጎፍ ንጎፍ ኣብ ሓደ ቤት መስተ ብኣጋጣሚ ምስ ተራኸብና፡ እታ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዝፈልጣ ሄለን፡ ኣብ ገለ ሸነኻ ተቀይራትኒ ከምዘላ ክረጋግጽ ግዜ …

Read More »

ህይወት ኣብ ጉዕዞ ብጸጋብርሃን ጎይትኦም

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com