Friday , May 3 2024

ደሃይ ጥበባት

ደብዳበ ናብ ዓዲ ቍ. 8

ናብ ዝኸበርካ ኣቦይ ትምህርተይ ጽቡቕ እኸይድ ኣሎኹ። ኤለትሪቺስታ ክኸውን እየ ዝደሊ። እቲ ኣብ ዓድና ዘጥረኹዎ ትምህርትን ተመክሮን ጠቒሙኒ ኣሎ። ገሊኦም ብጾተይ፡ ኣብ ናይ ምኽሻን ትምህርቲ ዝኣተዉ’ውን ኣለዉ። ከልቢ ዘዛውሩ ግን ክሳዕ ሕጂ ኣይረኣኹን። ኣነ ካብ ኩሉ ዝገርመኒ፡ እቲ ኣብ ሃገርና እንንዕቆ ስራሕ፡ ኣብዚ ብዙሕ እዩ ዚኽፈሎ። ኣብ ሃገርና ኣብ ባንክታትን ኩባንያታትን ምስራሕ እዩ ብዙሕ እቶት ዘምጽኣልካ፡ ኣብዚ ግን እቲ ኣዚዩ …

Read More »

ትፈልጡዶ ቁ. 2 ? ብኣማኑኤል ሳህለ

1. ድሕሪ ሓርነታዊ ቃልሲ ኣመሪካ፡ እታ ቀዳመይቲ ብ 1777 ንኣመሪካ ከም ሃገር ዝፈለጠታ ሃገር፡ ሞሮኮ ከም ዝኾነት ትፈልጡዶ? 2. እታ ኣብ ትግራይ ክልል እትርከብ ናይ ኣል ነጋሽ መስጊድ፡ ከም ካልአይቲ መካ ከም እትቝጸር፥ ከምኡውን ብሰንኪ መስጎግቲ ደቀመዘምራን ነብዪ መሓመድ፡ ብሰንኪ ፈላሚ መጥቃዕቲ ሃይማኖት እስልምና፡ ኣብ መካ ኣዛን ኣቋሪጹ ከሎ፡ ኣብ ነጋሽ ይቕጽል ከም ዝነበረ ትፈልጡዶ?   3. ታሕሳስ 1-1890 ጥልያን ንኤርትራ ከም ግዝኣቶም ምስ መስረቱዋ፡ ባጽዕ እያ ከም ርእሰ-ከተማ ኤርትራ ብወግዒ እተፈልጠት። ደሓር …

Read More »

ትፈልጡዶ?

ብ ኣማኑኤል ሳህለ ኣብ ኣፍሪቃ ስለስተ ዓይነት ኣዛብእ ከም ዘለዉፈረስ ደው ኢሉ ከም ዚድቅስበረድ ካብ ማይ ከም ዚፈኵስኣብዛ ዓለምናን ካብቶም ሕንዛማት ኣትማን፡ እቶም ዘይሕዛማት ከም ዚበዝሑቈልዑ ኣብ ሓደ እዋን ብዙሕ ቋንቋ ኪዛረቡ ከም ዚኽእሉኣንጭዋ ንድሙ ከተህድማ ከም እትኽእልእቲ ዝበዝሐ ናይ ኣካላትና ስብሒ ኣብ ሓንጎልና ከም ዚርከብቀደም ዘመን ደቂ ንጉስ ዝኾኑ ቈልዑ ብኣደታቶም እናተኣልዩ ከም ነገስታት ይገዝኡ ከም ዝነበሩክሪስቶ ፎሮ ኮሎምቦ …

Read More »

ምስ መጽሓፍቲ ንመሓዞ!!ብበሪሁሉ ብኣማን

ሕብረተሰብ ማይ ፍልጠት ብዝሰተዩ ኣባላቱ እዩ ሱር-በተኻዊ ለዉጢ ዘምጽእ። ቀንዲ ምንጪ ፍልጠት ድማ ትምህርቲ እዩ። ናይ መጀመርያን መወዳእታን ደረት ፍልጠት ግን ኣይኮነን። ንከባቢኻን ሕብረተሰብካን ብግቡእ እንተንቢብካዮ ርእሱ ዝኸኣለ ዓቢይ መጽሓፍ እዩ። ኣብ ጉዕዞ ህይወት እዉን መስተዉዓሊ፣ ንፉዕ ሰማዒን ትኩር ጠማትን ብምዃን ንህይወትካ ብኣወንታ ዘማእዝንን ዘናብረካን ፍልጠት ምምእራር ይከኣል እዩ። ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ኣተኲርካ ምስ ሰባት ምዝታይን ምምኽኻርን ከምኡ’ዉን ኣብ ዓዉደ-መጽናዕቲ …

Read More »

ፍልስፍናን ሕብረተሰብን ብናስሮቪች ቀዳማይ ክፋል

ኣልፍሬድ ኖርዝ ዋይትሄድ ዝተባህለ ሊቕ “ፍልስፍና ትጅምር ብምግራም እያ” ይብል፡፡ ከም ኣባህላኡ እንተኾይኑ እዚ ምግራም ብዓይኒ ፍልስፍና ዝያዳ ምግራም ዝፈጥር እዩ፡፡ እዚ ምግራም ድሕሪ ምምርማርካን ምሕሳብካን እውን ዝቕጽልን ዝበለጸ ዕምቆት ዝሕዝን እዩ፡፡ ስለዚ ፍልስፍና ብነገራትን ኵነታትን ምድንናቕ ማለት ኮይኑ ብጎደና ፍልስፍና ምጕዓዝ ማለት ድማ ካብ ምግራም ናብ ካልእ ምግራም፤ ካብ ሓደ ብራኸ ናብ ካልእ ብራኸ እናዘለልካ ዝያዳ ሚስጥር ተፈጥሮ እናተኻፈልካ …

Read More »

ሽወደናውያን ብዓይኒ ኣማኑኤል ሳህለ ካልኣይ ክፋል

ታሪኽ ሽወደን እዚ ክብድ ዝብለ ኣርእስቲ እዩ፡፡ ተመሃራይ ዩኒቨርሲቲ እናሃሎኹ ንኡስ ምህሮይ ታሪኽ እዩ ኔሩ፤ ስለዚ ድማ በቲ በውልቀይ ዝፈለጥክዎ ክጅምር፡፡. ከም ኤርትራዊ ንታሪኽ ሽወደን ብኸመይ እየ ዝጥምቶ? ፈለማ ሓደ ብሩህ ክገብሮ ዝደሊ ነጥቢ ኣሎ፤ ንሱ ኸኣ ኣብዚ ኣርእስቲ ምሁር ዘይምዃነይ እዩ፡፡ እሞ በቶም ብናጻ ናብ ኣእምሮይ ዝውሕዙ ጠውቂታትን ገለ ዘይተረጋገጹ ብህሎታትንዶ ክጅምር?   ሽወደናውያን ንዝሓለፋ ክልተ ሚእቲ ዓመታት ኵናት …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com