Wednesday , April 24 2024

ደሃይ ጥበባት

ሓንቲ ዓለም…. ብ ኣማኑኤል ሳህለ…. ፍልስፍናዊ ዋዛ (Philosophical Humor) …. ብዘመን ገበል ዝሃቡኻ ተቐበል (Might is Right) . . .

ቀደም ዘመን፡ ኣብ ምድረ-ሓበሻ ገበል ይገዝእ ነይሩ ይብሃል። ጎራዙት ኢዩ ዚምገብ ነይሩ። ህዝቢ ድማ ዓመት ዓመት ሓንቲ ጎርዞ ይህቦ ነይሩ፡ ንኺውሕጣ። ከምኡ ምስ ዘይገብሩ ግን ንኹላቶም ኪዅስትሮም መደብ ዝነበሮ ይመስል። ከይፈተዉ ትእዛዙ ከየዕብሩ ደቆም ይውፍዩሉ ነይሮም ማለት ኢዩ። መን'ዩ'ሞ ኪቃወሞ። ስለዚ ከኣዩ ብዘመን ገበል ዝሃቡኻ ተቐበል እተባህለ። ሓደ ውልቀመላኺ፡ ክልተ እንተ ደመርካሉ ክልተ ክንደይ ይኸውን ብምባል እንተ ሓቲቱካ፡ ጎይታይ ከም …

Read More »

ልዋም ድቃስ ንኽወስደና ዝሕግዛ ሸውዓተ ኣገደስቲ ሜላታት

ብመሰረት ጋዜጣ The Guardian: ናይ ቀትሪ ውዕሎና ከመይ ዓይነት ድቃስ ይወስደና ኣዝዩ ይውስን እዩ። ኣብ ግዳም ዲና ውዒልና ኣብ ውሽጢ ገዛ፥ ናይ ቀትሪ ልምዲና ስምዒትናን ሓሳባትናን ወዘተ ንምሸቱ ከመይ ዓይነት ድቃስ ይህልወና ይጸሉ እዩ። እዘን ዝስዕባ ሸውዓተ ሜላታት ብምልምማድ ልዋም ድቃስ ክንቋደስ ንኽእል ኢና። 1. ድቃስ ኣይኮነለይን እዩ ኣይትበል። ቃላትናን ኣተሓሳስባናን ኣካላዊን ኣእምሮኣዊን ጽልዋ ኣለዎም። እንጥቀመሎም ቃላት ንስምዒታትናን ሆርሞናትናን ካብኡ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም…. ብ ኣማኑኤል ሳህለ…. ፍልስፍናዊ ዋዛ (Philosophical Humor) …. ክልተ ሜትሮ መትኒ ዝጎደሎ ሓንጎል (The Limits of Absurdity)  . . .

ቀደም ዘመን ወድሰብ ብኮላሊቱ ይሓስብ ከም ዝነበረ ኢዩ ዚግመት ዝነበረ። ጸኒሑ ገለ ናይቲ ግዜ’ዚ ፈላስፋታት፡ ኣይፋልን፡ ወድሰብ ብኸብዱ ኢዩ ዚሓስብ ኪብሉ ጀመሩ። ብድሕሪኡ ድማ ገለ ናይቲ ግዜ’ቲ ምሁራን፡ ኣይፋልን፡ ወድሰብ ብልቡ ኢዩ ዚሓስብ ምባል ጀመሩ። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ባዮሎጂ ዘጽንዑ ሰባት፡ ወድሰብ ብሓንጎሉ ከም ዚሓስብ ኣረጋገጹ።   ይኹንምበር፡ ናይ ገሊኡ ሰብ ኣተሓሳስባ ክትርእዮ ከሎኻ፡ ብሓንጎሉ ዘይኮነስ፡ ብኮላሊቱ ዚሓስብ ዘሎ ኢዩ …

Read More »

ተስፋ. . . ሓቐኛ ዛንታ…… ብጸጋብርሃን ጎይትኦም…………….ራብዓይ ክፋል

“በቓ! ክሳብ መወዳእታ ዝገበርክዎ ቕልስ ክሰልጠኒ ስለ ዘይክኣለ፣ ኣብ መወዳእታ ሓይለይ ጸንቂቐ ዘፍ ስለ ዝበልኩ፣ እቲ ገባሪ እከይ ኣብ ልዕሊ ክብረይ ብዘይ ዝኾነ ጸገም ድልየቱ ፈጺሙ። በቓ ተጋሲሱኒ… እዋይ…” ኣስካሕክሐት። “ኣታ ወዲ! ዘሕለፍኮ ቓንዛ ኣነ ጥራይ’የ ዝፈልጦ። ኣብ’ቲ መጀመርታ ሓይለይ ወዲአ’ኳ እንተነበርኩ፣ እቲ ቓንዛን ኣብ ልዕለይ ዝፍጸም ዝነበረ ሓይሊ ዝትሓወሶ ዓመጽን ግና፣ ምረቱ ዝጽወር ስለ ዘይኮነ፣ ልበይ ክሳብ ነጢራ ክትወጽእ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም…. ብ ኣማኑኤል ሳህለ…. ፍልስፍናዊ ዋዛ (Philosophical Humor) …. ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ትካል ልመና (MultiAngolo Share Company). . .

ልመና ባዕሉ ነብሱ ዝኸኣለ ስነ-ቁጠባ ኢዩ። ብቐረብን ጠለብን ከኣ’ዩ ዚምራሕ። ወሃብቲ ኪበዝሑ ከለዉ፡ ለመንቲ ይበዝሑ። ወሃብቲ ኪቝጥቡ ከለዉ ድማ፡ ለመንቲ ይውሕዱ። ሓድሓደ ግዜ ዝቕበባ ናይ ወሃብቲ ወይ ናይ ለመንቲ ከጋጥም ይኽእል ኢዩ፡ ማለት ወሃብቲ ዘየለዉ ኸለዉ ለመንቲ ግን ይበዝሑ፡ ከምኡውን ሓድሓደ ግዜ ወሃብቲ ይበዝሑ፡ ግን ለመንቲ ይውሕዱ። እዚ ብናይ ልመና ኤኮኖሚክስ ኪጽናዕ ዘለዎ ጉዳይ ኢዩ’ሞ ሕጂ ናብቲ ቀንዲ ኣርእስትና ክንሓልፍ፥ …

Read More »

ተስፋ. . . ሓቐኛ ዛንታ…… ብጸጋብርሃን ጎይትኦም……………………….ሳልሳይ ክፋል

“ጌና ዕላለይ ኣይወዳእኩን፣ ክሳብ መዛዘሚ እንተሰሚዕካኒ፣ ናይ ብሓቒ ከም’ዚ ድያ ኣሕሊፋ ከም ትብል ርግጸኛ’የ። ቐው ኢልካ ክትጥምተኒ ጸኒሕካ፣ ከም ግምተይ ሕሉፍ መልክዐይ ኢኻ ከተዋዳድር ጸኒሕካ። ብዓልቲ ተስፋ ስለ ዝኾንኩ እምበር፣ ሽግር ንወዲ ሰብ ይድዉኖ እንተዝነብር፣ ኣነ ቐዳሜቲ ናቱ ግዳይ ምኸንኩ። ክገርመካ ጸገም ካብ ንእስነተይ ግዲ ምሳይ ዓብዩ፣ ይጸሮ’የ… እቲ ዝኸፍኣ ጸገም ድሒሩ’ዩ መጺኒ፣ ክቅጽል’ዶ?” ግዲ ፈዚዘ ርእያትኒ፣ ብሕቶ ከም ዝበራበር …

Read More »

ሓንቲ ዓለም…. ብ ኣማኑኤል ሳህለ…. ፍልስፍናዊ ዋዛ (Philosophical Humor) …. በዓልቲ-ሓዳር’ዶ ወይስ በዓልቲ-ቓንዛ?. . .

ገንዘብ ሓድሓደ ግዜ ቅድሚ ኣምላኽ፡ ሓድሓደ ግዜ ድማ ድሕሪ ኣምላኽ (ካልኣይ ደረጃ ብምሓዝ) ዚስራዕ መሳለጢ ኢዩ እንተ ተባህለ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን። ገለ ሰባት እናሞቱ ከለዉ እውን ንሓንቲ ህሞት ናይታ ተሪፋቶም ዘላ ህይወት እኳ ትኹን ገንዘብ እናቖጸሩ ኪሰናበቱ ዚደልዩ ኣለዉ። ገለ ድማ ገንዘብ ደኣ ይደልቡ እምበር፡ ኣብ ቅድሚኦም ኣሽሓት እንተ ተሳቐዩ ዘይግድሶም ኣለዉ። ብናይ ሰብ ቃንዛ፡ ገንዘቦም የኻዕብቱ ማለት ኢዩ። …

Read More »

ሓንቲ ዓለም…. ብ ኣማኑኤል ሳህለ…. ፍልስፍናዊ ዋዛ (Philosophical Humor) …. ሳየንሳዊ ሓበሬታ ካብ ደፋር መምህር (Ig Nobel Prize Winner?). . .

ኣብ ሰሜናዊ ክፍሊ ሃገር ኤውሮጳ ኢዩ። እቲ መምህር ኣብ 3ይ ክፍሊ ሳየንስ ኪምህር እተመደበሉ ምኽንያት ሕጽረት መምህራን ስለ ዝነበረ ኢዩ ምበር ፍልጠቱስ ክሳዕ ክንድዚ ኣይነበረን። ግን ከኣ ደፋር ኢዩ። ንሳየንስ ዘይስሙ ሂቡ ምሕላፉ ግን ብቐሊሉ ዚርሳዕ ኣይኮነን። ኣብ 3ይ ክፍሊ ሳየንስ ኪምርህ ምስ ኣተወ፡ ድሕሪ ገለ ደቓይቕ ምሂሩ ወደአ፡ ነቶም ተመሃሮ ድማ ሕቶ እንተለዎም ኪሓቱ ከም ዚኽእሉ ይሕብሮም። ግን ብዙሕ …

Read More »

ተስፋ. . . ሓቐኛ ዛንታ…… ብጸጋብርሃን ጎይትኦም……………………….ካልኣይ ክፋል

“የሕዋት’ከ ኣይነበርኹን ድዮም?” ክሳብ ሕጂ የሕዋታ ዘይምጥቓሳ እናገረመኒ ተወከስክዋ። “ነቲ እዋን ክዝክር ከለኹ፣ ኩሉ እንድዩ ፋሕ ፋሕ ዝብልኒ እናኺነ። ሰብ ኣብ ገዝኡ እንተዘይቐሲኑ፣ ነገራት ፋሕ ፋሕ’ዩ ዝብሎ፣ ነቲ ናይ ሽዑ ፍጻሜ ስለ ዝዘከርኩ እምበር ካልእ ኣይኮነነ። ሽዑ ዝጀመረ መሪር ዕድል’ዩ ካብ ሕጂ ምሳይ ዝሳለ ዘሎ። ፍቕሪ ገዛ ወሳኒ’ዩ በጃኻ። ብዝኾነ ንዓይ ሓዊስካ ሰለስተ ኣሕዋት ኢና ነይርና። እታ ቦኽሪ ገዛና፣ ሓዳር …

Read More »

ሓንቲ ዓለም…. ብ ኣማኑኤል ሳህለ…. ፍልስፍናዊ ዋዛ (Philosophical Humor) …. ኣብ ስርቂ እተመርኮሰ ፍትሒ ………..

ዳኛ ኪብሃል ከሎ መቸም ጥዑይ ስም ኪህሉዎ ኣይክእልን። ኣብ ዓለምና ምስ እንርኢ፡ ጉቦ ዚብሃል ቃል ኪፍጠር ዝኸኣለ፡ ነገራት ብፍትሒ ኪረኣዩ ኣለዎም ዚብል ሓሳባት ምስ ሰፈነ ኢዩ። ኩሉ ብሚዛናዊ መገዲ ኪፍታሕ፡ ኪከሓስ፡ ኪቕጻዕ ይግባእ ዚብል ኣካዪዳ ግን ኣፍኣዊ ደኣዩ ነይሩ ምበር፡ ቤትፍርዲ ጌና ኪፍጠር ከሎ፡ ምስኡ ድማ ጉቦን ብልሽውናን ከም እተፈጥረ ንኹሉ ሰብ ብሩህ ኢዩ። ደርሆ ሒዝካ ናብ እንዳ ዳኛ ምኻድ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com