Monday , May 6 2024

ደሃይ ጥበባት

ሓንቲ ዓለም፣ሓላፍነታውን ሓባራውን ጕዕዞ (A Space Odyssey)

ኣማኑኤል ሳህለ ነቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ ብሑጻ ዝመልአ መሬት ቀው ኢልካ ጠሚትካዮ ትፈልጥፍዶ? ነቲ ሑጻ ብኢድካ ዓሚዅካ ኣብ ግናዕ ኢድካ ጌርካ ተመልኪትካዮ ትፈልጥዶ? ሓንቲ ፍረ ሑጻ ፈሊኻ ንኽትርእያ ኣዚዩ ኣሸጋሪ ኢዩ። ኣዚያ ደቃቕ ስለ ዝኾነት። እቲ ኣብ ኢድካ ዓሚዅካዮ ዘሎኻ ሑጻ፡ ሚልዮናት ጸጸር ዝሓዘ ብምዃኑ ንምቝጻሩ ኣሸጋሪ ኢዩ። ነቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻ ከምቶም ኣብ ህዋ ዘለዉ ከዋኽብትን ፕላነታትን ጋላክሲታትን ጌርካ …

Read More »

ፌስቡክ ኣብ ሽወደን ኣገልግሎት መራኸቢ ፍቑራት ይኸፍት

ፌስቡክ ኣብ ኣውሮፓን ሽወደንን ኣገልግሎት መራኸቢ ፍቑራት ምኽፋቱ ተገሊጹ። ዕድሜኦም 18 ን ልዕሊኡን ዝኾኑ ተጠቀምቲ ነዚ ኣገልግሎት ብምኽፋት ተጠቀምቲ ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ሎሚ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ። ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ ፌስቡክ፡ ኣብ ኣመሪካን ካናዳን እዚ ኣገልግሎት ከም ዝጀመረን ኣብ 20 ዝኾና እዚ ኣገልግሎት ዝጥቀማ ሃገራት፡ 1.5 ቢልዮን ዝኸውን ርክባት ከም ዘሎ እቲ ጸብጻብ የመልክት። ነዚ ኣመልኪታ ኣካያዲት ፍርያት …

Read More »

ካልኣይን መወዳእታን ክፋል ሓቐኛ ዛንታ: ዓባይ በጊዕ

ብጸጋብርሃን ጎይትኦም  “ነቲ ሕማቕ ስዒበዮ!” ብስንባደ ነቲ ናታ ቃል ደገምክዎ። “እወ!… ክገርመካ ‘ዓባይ በጊዕ ዕያውታ ሒዛ ትጠፍእ’ዩ’ ነገሩ። ኣነ ታሽዓይ ክፍሊ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡  እዛ ሓፍተይ ምስ ክልተ ደቃ ኣብ ዓሰብ ንእሽተይ ዱኳን ትኸፍት። ንማለቱ ድኣ’ያ ዱኳን ከፊታ እንበር፡ ንሳስ ነቲ ናይ ደገ ደገ ወልፋ ተሃና ከተውጽእ’ያ ደልያ እየ ዝብል። ብዝኾነ ንዓይ ክትሕግዘንን ቘልዑ’ውን ክትሕዘለይ፡ ብኡ ገይርኪ ድማ ጉዳይ ትምህርትኺ ትገብሪ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም: ሓሳባትን ሳዕቤናቶምን (The Power of Ideas)

ኣማኑኤል ሳህለብተመክሮታትን ተምሳላትን ምስልታትን፡ ብምግንዛብን ምዝማድን ምንጽጻርን፡ ከምኡውን ብእተጠላለፈ ህዋሳዊ ፈትልታት ሓንጎል ወድሰብ፡ ካብ ምሕሳብ ኣየዕርፍን። ሰብ፡ ምሕሳብ ደው ምስ ዘብል፡ ምንባሩውን ኣይፈልጥን። በዚምኽንያትዚ ኸኣዩ ደካርት እተባህለ ፈረንሳዊ ፈላስፋ፡ እሓስብ፡ ስለዚ ኣለኹ፡ (cogito ergo sum) ዝበለ። ሓሳባት ወድሰብ፡ ሓድሓደ ግዜ ህድኣትን እምነትን ዘሕድረልና፡ ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ብጭንቀትን ስግኣትን ዝመልኣና ኤለክትሮ- ማግነታውን ከሚካላውን ዋሕዚ እዩ። እንስሳታት ከም ሰብ ኣገናዚቦምን ኣዚሮምን ኣስፊሖምን …

Read More »

ሓቐኛ ዛንታ፣ዓባይ በጊዕ—

ቐዳማይ ክፋል ብጸጋብርሃን ጎይትኦም  ኣብ ከባቢ ዕስራታት እትርከብ ጎርዞ እያ። ዕላላ ህዱእን ቁም-ነገር ዝዓብለሎን ብምዃኑ፡ ካብ’ቲ ተመሲጥካ ንኽትሰምዖ ዝድርኽ መዐቀኒታት ሓደ’ዩ። ኣብ ጉዕዞ ህይወትካ፡ ኣመዛዚንካ ናይ ዘይምኻድ ባህርያት ከም ዘለዋ ግን፡ ካብ ዛንታኣ ክግምት ኣይተጸገምኩን።  ብቖጸራ ኣብ ሓደ ካፊተርያ ምስ ተራኸብና፡ ነቲ ብግርህነት ዝኣተወቶ’ሞ ሕጂ እትጥዓሰሉ ዘላ ግዜ ንእስነታ፡ ኣብ ምዝንታው’ያ ብቕጽበት ተሸሚማ። ኣነ እውን ንእትብለኒ ክሰምዕ ተዳለኹ፡ ንእስነት ዝመንቀሊኡ …

Read More »

መሰረታውያን ደፋእቲ ሓይልታት (Evolutionary Forces)

ኣማኑኤል ሳህለ ኩሉ ፍጥረት፡ ዚረአ ይኹን ዘይረአ፡ ቀጻሊ ዚኽተሎ ሕግታትን ኣገባባትን ኣለዎ። ካብኡ ምልጋስ ጸገማት ስለ ዘኸትል ከኣ፡ እዚ ሕግታትዚ ከም ሓቂ ኪውሰድ ይኽእል እዩ። ሓድሓደ ግዚ እቲ ተግባር ካብ ሕጊ ወጻኢ ዚኸይድ ዘሎ ይመስል። ተጋግዩ ክንብሎ ግን ኣይንኽእልን። ንዓና ብዘይርደኣና ተወሳኺ ሕግታት ኪምራሕ ይኽእል እዩ። ገለ ፍጻመታት ጸኒሑ ማለት ኣእምሮ ሰብ ምስ ማዕበለ ኪግለጽ ዘለዎ ሓቂ እዩ። ፊዚካውን ከሚካላውን …

Read More »

ስፖቲፍያ (Spotify)፡ ንደርፍታት፡ ብትሕዝቶ ግጥምታቶም ደሊኻ ክትረኽቦት ዘኽእል ሓድሽ ኣገልግሎት ጀሚሩ

እዚ ሓድሽ ኣገልግሎት፡ ነቶም ስም ኣርቲስት ወይ ስም ደርፊ ዘይፈልጡ ሰባት፡ ብገለ ካብ ትሕዝቶ ግጥማ ጽሒፎም ነታ ደርፊ ክረኽብዋ ዘኽእል እዩ። ብዙሓት ሰባት፡ ኣብ ቤት መስተ፡ መዘናግዒ ቦታታትን ካልእን፡ ደስ ዝብሎም ደርፊ ይሰምዑ’ሞ፡ ስም ናይታ ደርፊ ስለዘይፈልጡ ግን ንምርካባ ክሽገሩ ክትርኢ ንቡር እዩ ጸኒሑ። ምስ ምትእትታው ናይዚ ሓድሽ ኣገልግሎት ግን እዞም ዝነበሩ ጸገማት ክፍትሑ ምዃኖም ስፖትፋይ ሓቢሩ። እዚ ሓድሽ ኣገልግሎት፡ …

Read More »

ሓቀኛ ዛንታ፣ከይደቐስኲ ዝሓለምክዎ ባህጊ

ብጸጋብርሃን ጎይትኦምካልኣይን መወዳእታን ክፋል “እንድዒ ጓለይ እዚ ቅልጥፍ ኢልካ ትገብሮ ነገራት፡ መወዳእታኡ ሳዕቤን ኣለዎ። ንስኺ ድማ ክትጥቀቒ ኣለኪ” ዕትብ ኢላ ተዛረበታ።“በሊ ከይትቕየምኒ እምበር፡ ኣነ’ስ መታን ክኣምንኒ ውዒለዮ’የ። ደጋጊሙ ምስ ለመነኒ ከይከስሮ ብምባል ውዒለዮ፡” እቲ ሓቂ ተናስሓትላ።“ክኸውን ኣይነበሮን ሄለን! ግና ዝፈሰሰ ስለዘይሕፈስ፡ ኣብ ፍታሕ ጥራይ ነድህብ ሕጂ። ቀልጢፍኪ ወድኣለይ በልዮ። ንሱ’ዩ እቲ ዝሓሸ እምበር፡ ኣብ ዘይጭበጥ ሕልሚ ተህተፍትፊ ከይትህልዊ’ዩ ፍርሐይ። ባህጊ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም፡ ፈተናን እምነትን ተስፋን (Trials, faith and hope)

ኣማኑኤል ሳህለ ኩሉ ሓላፋይ እዩ፡ ትዕግስቲ ጥራይ ይሃሉኻ፡ ዚብል ሰብ ብዙሕ እዩ። ኣብዚ ምኽርዚ ክልተ ሕቶታት ኪለዓሉ ይኽእሉ፤ ኩሉ ሓላፋይ እዩ ክንብል ከሎና፡ እንታይ ማለትና ኢና? ዘይሓልፍ ፈተና ኸኣ ኣሎ እኮዩ፡ ማለት ክሳዕ መቓብርካ ደድሕሬኻ ዚስዕብ ፈተናን መከራን። ትዕግስቲ ክንብል ከሎናኸ ነቲ ናይ እተፈላለዩ ሰባት ናይ ተጻዋርነት ተኽእሎ ኣብ ግምት ኣእቲናዮ ዲና? ደረጃታት ተጻዋርነት ሰብ እተፈላለየ ምዃኑ ንፈልጥ ዲና? ናይ …

Read More »

ሰባት፡ ኣብ ኢዶም ዝኣስሮዎ ሰዓት እኳ እንተሃለዎም፡ ግዜ ግን የብሎምን

ካሪም ራሺድ፡ ናይታ ”The Children’s Play” ዝተሰምየት ናይ ህጻናት ምርኢት (ፊልም)፡ ደራሲ እዩ። እዛ ድርሰት ትድህስሶ ነገር እንተሎ ኮይኑ፡ እቲ ”ግዜ” ዝብል ኣምር እዩ። ቀንዲ ዕላማ እዛ ፊልም፡ ኣብ ህጻናት ዘተኮረት ኮይና፡ ነቲ ግዜ ዝብል ክልሰ ሓሳብ፡ ብወገን ህጻናት ብኸመይ ከምዝርድእዎን፡ ነቲ ኣብ ርእሶም ዘውርድዎን ዘደይብዎን ፍልስፍናዊ ሕቶታት ክትምልስ እትፍትን እያ። ገለ ካብቶም ንግዜ ኣመልኪቶም ብህጻናት ዝቐርቡ ፍልስፍናዊ ሕቶታት፡ ነዞም …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com