Monday , May 20 2024

ጥዕና

ጩራ ተስፋ……ጸረ ኮቪድ- 19 ክታበት ኣብ ዕዳጋታት ክቐርብ እዩ።

ኦክስፎርድ ዩርኒቨርሲቲ፡ ብመንገዲ ቫይረስ ኮሮና ኣቢላ፡ ሓንቲ ካብተን ብሉጻት ዩኒቨርሲታት ዓለምና ምዃና ከምእንደገና ንምርግጋጽ ትጽዕር። ተመራመርቲ ናይዚ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝቕጽል ሓሙሽተ ኣዋርሕ ጸረ ኮሮና ክታበት ስሩም (ኣብ ደም እንስሳታት ዝርከብ ማያዊ ፈሳሲ) ከቕርቡ ምዃኖም ብምትእምማን ሓቢሮም። ኣብ ዝቕጽል ወርሒ መስከረም ዓቢ ሸፈነ ክታበት ክጅምር ተኽእሎታት ከምዘሎ ውን ይሕብሩ። ኦክስፎርድ ዩርኒቨርሲቲ፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ነቲ ብማእከላይ ምብራቕ ኮሮና ቫይረስ (MERS-COV) ዝፍለጥ …

Read More »

ፕሮፌስር፡ ሃገራት ኤውሮፓብሰንኪ ኮቪድ-19 ዘጋጥም ሞት ናይ ኣረጋውያን ከምዝይምዝግብኦ ይሕብር።

ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19 ኣብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ዘጋጥም ናይ ሞት ተራዮታት ብዙሓት ሃገራት ዓለም ከም ዘይምዝግበኦን ስለዝኾነ ድማ ንቁጽሪ ናይ ዝሞቱ ሰባት ሓቀኛ ስእሊ ከምዘየርእያን ኣባል ዓለማዊ ህጹጽ መድሃኒታት ዝኾነ ሽወደናዊ ፕሮፌሰር ዮሃን ሽሪፕ ሓቢሩ።ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን መዓልታዊ ድሕሪ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዘቕርቦ ጸብጻብ ግዳያት ሕማም ኮቪድ-19 ነቶም ኣብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ዝሞቱ ሰባት ኣብ ቁጽሪ ብምእታው ከምዘቕርቦ እዩ ይፍለጥ። …

Read More »

ማሕበራት ዉሕስነት ሰራሕተኛታት ካሕሳ ግዳያት ብኮቪድ 19 ክውስኽ ንመንግስቲ ይሓትት።

ማሕበራት ዉሕስነት ሰራሕተኛታት ማለት Faket መንግስትን ዞባዊ ምምሕዳራትን፣ ዓቐን ዉሕስነት ክፍሊት ካሕሳን ናይቶም ኣብ ስራሕ እንዳሃሎዉ ብኮቪድ 19 ናይ ዝሓሙን ዝሞቱን ሰራሕተኛታት ክዉሰኽ፣ ኣብዚ ሰሙን ነዚ ብዝምልከት ናብ መንግስቲ ዘቕረብኦ መዘክር ኣታሓሳሲበን። እተን ማሕበራት ከምዝጠቐሰኦ ኣብዚ እዋን እዚ፣ ብሰንኪ ኮቪድ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ብዙሓት ኣባላትን ኣብ ዝተፈላለዩ ሞያ፣ በቲ ለበዳ ዝሓመሙ ከምዘሎዉን፣ ንመጀመሪያ ግዜ ሰራሕተኛ ሕክምና ኣባል ብኮቪድ ከምዝሞተ ኣብ …

Read More »

ክሮና ቫይረስ ንስራሕ ፖሊስ ብኸመይ ይጸልዎ

Read More »

Swedish News in tigrigna – ዜና ሽወደን ብትግርኛ 15 ሚያዚያ 2020

ገለ ካብ ናይ ሎሚ ትሕዝቶ ዜና፡ 1. መጻኢ ሃገራዊ ቁጠባ ሽወደን ኣብ ዓበይቲ ብድሆታት ከምዝተቐርቀረ ተሓቢሩ። 2. ብሰንኪ ኮቪድ 19 ናይ ዝሞቱን ዝሓሞሙን ቁጺሪ ብደረጃ ሃገር ይዉስኽ ምሕላዉ ተፈሊጡ። መደባትና ብሰፊሕ ንምክትታልን ከምኡ እዉን፣ ብዛዕባ ኩነታት ሽወደን ብትግርኛ ንምርካብ ኣብ መርበብ ሓበሬታና www.alkompis.se/ti ተወከሱ።

Read More »

ጽንብል ምምራቕን ምዉዳእን ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ከይግበር ተኣዚዙ።

ኣብ ሽወደን ኣብ ወርሒ ሰነ ኣበየ ዓመቱ ንምዝዛም ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ተማሃሮን ማለት Studenten fest ዝካየዱ ጽምብላት፣ ብሰንኪ ኮቪድ 19 ከይግበር ከምዝተመኽረ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ሽወደን ሓቢሩ። ብመሰረት ንመዋእል ዝጸንሐ ባህሊ ምጽንባል ምዝዛም ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ፣ ንመንእሰያት ተማሃሮ ትምህርቶም ዝዉድእሉን፣ መገዲ ሂወት ልዕሊ ዕድመ ዝኣትዉሉን ከምኻኑ መጠን እቲ ዝግበር ጽምብል ነዚ ምኽንያትን መሰረትን ዝገበረ ከምዝኾነ ይፍለጥ፣ ሎሚ ዓመት ግን ብሰንኪ ለበዳ …

Read More »

ለበዳ ቫይረስ ኮሮና፡ ኣብ ሽስታን ቴነስታን ክጎድል ኣንከሎ ኣብ ሶደርታልያ ግን ይውስኽ።

ብዝሒ ናይቶም ኣብ ስቶክሆልም ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኽፉ ሰባት ካብ ከባቢ ናብ ከባቢ ዝተፈላለየ እዩ። ኣብ ከባቢታት ሺስታ፡ ቴነስታን ሱንዲቤሪን ቁጽሪ ናይቶም ዝተለኽፉ ሰባት ምስ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ክነጻጸር እንከሎ ሎሚ ከም ዝጎደለ ተፈሊጡ። ኣብ ደቡባዊ ክፋል ስቶክሆሎም፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ከባቢ ሶደርታልያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኽፉ ሰባት ቁጽሮም ከምዝወሰኸ ተፈሊጡ። ዝሓለፈ ሰሙን፡ ጸብጻባት ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ምምሕዳር ስቶክሆሎም ንከባቢታት ሽስታን …

Read More »

ቲግኒል፡ መጠን ወሰኽ ለበዳ ቫይረስ ብዓቢ ደረጃ ከምዝነክየ ይሕብር።

ብሰሉስ ዝተመዝገበ መጠን ወሰኽ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ኣመልኪቱ ስክፍታ ዝመልኦ ተስፋ ከምዘሎ ኣማኻሪ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዝኾነ ኣንድሽ ቲግኒል ገሊጹ። ዝሓለፈ ሰሙን ዝነበረ መጠን ወስኽ ብዝሒ ብቫይረስ ናይ ዝተለኽፉ ሰባት ክነጻጸር እንከሎ፡ ሎሚ ብዓቢ ደረጃ ነክዩ ክብል ንጋዜጣ ኣፍቶንብላደት ሓቢሩ። ኣብ ትሕቲ ኣሃዱ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝርከቡ ትሕቲ 1 ሽሕ ሕሙማት ኣለውና። ብመንጽሩ ድማ ብዝሒ ናይተን ኣሃዱታት ይውስኽ ኣሎ። ኣብቲ ሎሚ …

Read More »

እቶም ዝበዝሑ ግዳያት ኮቪድ -19 ካብ ሶማል፡ ዒራቕን ሶርያን ሙዃኖም ተገሊጹ።

ኣብ ሽወደን ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19 ዝሞቱ ሰባት እቶም ዝበዝሑ ካብ ሽወደን ወጻኢ ዝተወልዱ ወጻእተኛታት ኮይኖም ብቐደም ተኸተል ካብ ሶማልያ፡ ዒራቕ፡ ሶርያ፡ ፊንላድን ቱርኪን ዝመጹ ምዃኖም ኣማኻሪ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣንድሽ ቲግኒል ገሊጹ። ካብቶም ብሕማም ኮቪድ-19 ዝሞቱ ሰባት 5% ሶማልያ ፡ 4% ዒራቕ ከምኡ ውን 3% ሶርያ ከምእውን ዜጋታት ፊላንድ፣ ቱርኪ ዪጎዝላቭያን ኤርትራን ትሕቲ 1 % ሙኻኖም ይግለጽ። ጠንቂ ናይዚ ኩነታት ብንጹር …

Read More »

ሽወደናዊት ኩባንያ፡ ንሕማም ኮቪድ-19 ዝኸውን መድሃኒት ትፍትን።

ሽወደናዊት እንግሊዛዊት ኩባንያ Astra Zeneca ንሕሙማት ኮቪድ-19 ዝኸውን መድሃኒት ትፍትን ከምዘላ ተሓቢሩ። ንፍሉይ ዝኾን ዓይነት ሕማም መንሽሮ ደም ዝጥቀምሉ Calequence ዝበሃል መድሃኒት ኣብዚ ሕጂ ኣዋን ንሕሙማት ኮቪድ-19 ትፍትን ምህላዋ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዝተገብረ ጋዜጣዊ መግለጺ እታ ኩባንያ ትሕብር። ንሕማም ኮቪድ-19 ከም መድሃኒት ክኸውንን ንብዝሒ ግዳያት ቫይረስ ኮሮና ምንካይን እቲ ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ፈተነ ምዃኑ እታ ኩባንያ ትሕብር።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com