Thursday , May 9 2024

ጥዕና

ማሕበራዊ ረድኤት (Social Welfare) ካብ 13 ዞባታት ትምዩን መሸፈን ገጽ ይእክብ።

ትማሊ  ክፍሊ ማሕበራዊ ረድኤት ካብ 13 ዞባታት ሽወደን ናይ ገጽ መሸፈኒታት ምእካብ ን ጋዜጣ ኣፍቶንብላደት ኣብ ዝገብሮ ጻንሒት ሓቢሩ። እዚ መሸፈኒታት ማስክታት ብ ብነፋሪት  ናብ ሽወደን ከምዝኣትወ  ናብተን ዞባታት ድማ ተዘርጊሑ፡ ደሓር ግን እቲ ምምሕዳር ኣብቲ መሸፈኒታት ጉደለታት ብምርካቡ ንኽእክቦ ወሲኑ። ኣብ ሃገር ሽወደን ክንክን ጥዕና ብሰንኪ ጉድለት መከላኸሊ መሳርሒታት ተጎዲኡ እዩ፡ እዚ ድማ ብወገኑ ብሰንኪ ምዕጻው ዶባት እዩ ተኸሲቱ። …

Read More »

ካብ ሕማም ኮቪድ-19 ዝሓወዩ ሰባት እንደገና በቲ ቫይረስ ይልከፉ።

ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ነቲ ጉዳይ የጻሪ ካብ ሕማም ኮቪድ-19 ሓውዮም ዝተባህሉ 91 ሰባት እንደገና በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ዝብል ብሰብ መዚ ደቡብ ኮርያ ዝወጸ መግለጺ ብመንገዲ ሮይተርስ ተቓሊሑ። ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ድማ፡ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና መጽናዕቲ ከምዝጀመረ ገሊጹ። እዞም ሕሙማት ኮቪድ-19 ዝነበሩ ሰባት ምሉእ ብምሉእ ከምዘይሓወዩ ብሓድሽ ቫይረስ ዘይኮነ እቲ መጀመርያ ዝለኸፎም ቫይረስ ካብ ሰብነቶም ከይጸረየ ብምጽንሑ ዳግማይ ከምዝነጠፈን ምልክታት ሕማም …

Read More »

ኣገልግሎት ጥዕና፡ ተሰካሚ ኮቪድ-19 ኣብ ቀዳሞት ሓሙሽተ መዓልታት ልዑል ናይ ምስግጋር ዓቕሚ ከምዘሎዎ ተሓቢሩ።

ምልክታት ሕማም ኮቪድ-19 ዘርእዩ ሰባት ኣብ ቀዳሞት ሓሙሽተ መዓልታት ዝለዓለ ናይ ምስግጋር ዓቕሚ ከምዘጥርዩን ብድሕሪኡ ግን ምዕባለ ናይ ቫይረስ ብመጠኑ ቀስ ኢሉ ከምዝሃድእን ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ሓላፊት ክፍሊ ማይክሮ ባዮሎጂ ዝኾነት ካረን ቲግማርክ ፊሲል ሓቢራ። ምልክታት ሕማም ኣብ ክልተ ሰሙን ዝረአ እኳ እንተኾነ እቲ ቫይረስ ግን ኣብቶም ፈኮስቲ ምልክታት ሕማም ዝረኣይሎም ቀዳሞት ሓሙሽተ መዓልታት ከምዝባዛሕ መጽናዕታት ኣረጋጊጾም ክትብል ፊሲል ገሊጻ። …

Read More »

ሎቪን፡ ንሕማም ኮቪድ-19 ንምምካት እኹል ምድላዋት ኣይገበርናን።

ሽወደን ንሕማም ኮቪድ-19 ንምምካት ዝግባእ ምድላዋት ከምዘይገበረት ቀዳማይ ሚኒስተር ስቴፋን ሎቪን ሓቢሩ። ቀዳምነት ዝሓዘቶ ስትራተጂ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ምውሓስ እዩ ነይሩ። ኣገልግሎታት ማይ፡ ኤሌክትሪክን ጥዕናዊ ኣገልግሎትን ካብቶም ቀዳምነት ዝወሃቦም ዕማማት ነይሮም ክብል ሎቪን ምስ ተሌቪዥን ሽወደን ሎሚ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ገሊጹ። ኣንጻር ሕማም ኮቪድ-19 እኹል ዝኾነ ምድላዋት ዘይምህላዉ ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትስ ተሓታቲ ድዩ ንዝብል ሕቶ፡ ኣብ ሽወደን ኣጋጢሙ ዘሎ ኩነታት ኩለን …

Read More »

ኩባንያ ኤሲቲ ኣብ ክንክን ጥዕና ዝውዕል ክልተ ሚልዮን መሸፈኒ ገጽ ክትሰርሕ እዩ።

ብመረት ሓበሪታ ናይ ኢንዱስትሪ ሚኒስተር ኢብራሂም ባይላን ኣብ ሽወደን ዝርከባ ቡዙሓት ኩባንያታት ኣብ ምስራሕ መሸፈኒ ገጽ ማስኬራት፣ በጃ ኢድን  ከምእውን መንጽሂ ኢድ ኣልኮላት ኣብ ምፍራት ተጸሚደን ከምዘላዋን ነዚ ተኸሲቱ ዘሎ ሕጽረት ኣብ ምቕላል ልዑል ተራ ክጻወታ ሙኻነን ሓቢሩ ። በዚ መስረት ኣብ ምስራሕ  ወረቐት ትነትፍ  ኩባንያ ኤሲቲ፡ ንናይ ሽወደን ክንክን ጥዕና ክልተ ሚልዮን መሸፈኒ ገጽ ክትሰርሕ ሙኻናን ካብዚ ሒዝናዮ ዘላና …

Read More »

ሕዝቢ ንምኽሪ መንግስታዊ ኣብያተ ጽሕፈት ይሰምዖ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ኣብ ሽወደን ብባህሊ ኣብ እዋን ቅንያት ኣፋስጋ ዝግበሩ ምትኣኽካብ ቤተሰብ ዝሰረቶም መገሻታት ብዝላዓለ ቁጽሪ ምቕናሱ፣ ንወሃብ ቃል ባዓል መዚ መጉዓዓዝያ ምድሪ ቤንግት ኡልሶን ብምጥቃስ ተተ ኣፍሊጡ። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ካብ ትማሊ ሓሙስን ሎሚ ዓርቢ ስቕለትን ብ20 ሚእታዊት ካብቲ ዝነበሮ ትሑት ምንቅስቓስ ትራፊክ ከምዝተመዝገበን፣ እዚ ኸኣ ዜጋታት ነቲ ብኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ዝዋሃብ ዘሎ መጠንቀቕታን ንመኸተ ኮቪድ-19 የኽብሮ ከምዘሎ ዘመልክት ምዃኑ ይንገር። …

Read More »

ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ብመገዲ ዲጂታላዊ መራኸቢ ምስ ሓካይም ምርኻብ እንዳዓበየ መጺኡ።

ብሰንኪ ኮቪድ 19 ዝፈጠሮ ዝይንቡር ኩነታት ሰባት ምስሓኻይሞም ብመገዲ ዲጂታላዊ መራኸብታት ዝገብርዎ ዘሎዉ ርክብ እንዳዓበየ ምምጽኡ ክፍለጥ ተኻኢሉ ብመሰረት እቲ ጸንብጻብ እተን በዚ መገዲ እዚ ኣገልግሎ ዝህባ ማእከላት ጥዕና ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ቁጽሪ ጠጠቀምቲ ከምዝበዝሑወን ይሕብራ። ብመገዲ ቪድዮ ቆጸራ ብማሓዝ ምስ ሓካይምካ ምርኻብን ኣገልግሎት ጥዓና ምርካብን፣ ልሙድ እኳ ኮይኑ እንተጸንሐ ሕጂ ግን ቁጽሪ ተገልገልቲ ብ 66 ሚእታዊት ምዕባዩይሕበር። ምስኡ …

Read More »

በዓል መዚ ኢመግረሽን ንዝርጋሐ ኮሮና ዝቕይድ ስጉምቲ ይእውጅ።

ቤትጽሕፈት ኢመግረሽን ነቶም ኣብ ስግኣት ዓንኬል ዚርከቡ (ሽማግለታትን ሕዱር ሕማም ዘለዎምን) ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ ፍሉይ ገዛ ከቐምጦም መዲቡ ኣሎ፡ ነዚ ስጉምቲ ዚወስዶ ዘሎ ድማ ኣብቶም ጠየቕቲ ዑቕባ ዝርጋሐ ኮሮና ንምዕጋት እዩ። በዚ ሓበሬታ መስረት ኣስታት 15 ሽሕ ኣብ ናይ ኢመግረሽን ገዛውቲ ኪቕመጡ ከለዉ፡ 21 ሽሕ ድማ ኣብ ናውልቖም ይነብሩ ከምዘለዎ ይሕበር።   የን ሶርማን፡ ሓላፊ ገዛውቲ ሚግረሽን፡ እቲ ምምሕዳር ብዚከኣል …

Read More »

ኣብ ዓቢ ቤተ ክርስትያን ኡፕሳላ ብምኽንያት ዓርቢ ስቕለት ዘርኢ ስእሊ ብምኽንያት ኮቪድ 19 ተማሓላሊፉ ዘሎ እገዳ ምእካብ ሰባት ብርሕቀት ዝተገብረ ዘሎ ናይ ስግደትን ጸሎትን ስነ ስርዓት።

Read More »

ትራምብን ተገራጫዊ መግለጽታቱን

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com