Friday , May 10 2024

ጥዕና

መንእሰያት ሓደገኛ ምልክታት ሕማም ኮቪድ-19 የርእዩ።

ቁጽሪ ናይቶም ሕሙማት ንሓካይም ኣገሪሙ ቁጽሪ ናይቶም ሓደገኛ ምልክታት ሕማም ኮቪድ-19 ዘርእዩ ዘለዉ መንእሰያት ካብ ትጽቢት ሓካይም ንላዕሊ ብምዃኑ ኣስደሚምዎም ከምዘሎ ኣብ ሆስፒታል Sodersjukhuset ስቶክሆልም ኣባል ኣሃዱ ጽዑቕ ምክትታል ዝኾነት ካሪን ሄልድብራንድ ሓቢራ። ለበዳ ቫይረስ ክሮና ካብ ዝጅምር እቲ ሕማም ኣብ ልዕሊ ምሉእ ጥዕና ዘለዎም መንእሰያት ኣየድምዕን እዩ ክብሉ ብዙሓት ሓካይም እምነት ከምዝነበሮም ይፍለጥ። ኣብ ሽወደን ግን ብዙሓት መንእሰያት ኣብ …

Read More »

ከባቢታት ስቶክሆሎም ዝለዓለ መጠን ለበዳ ቫይረስ ኮሮና የመዝግባ።

ኣብ ምምሕዳር ስቶክሆሎም ዝርከባ ከባቢታት ሪንክቢ (ሺሽታ) ን ስፖንጋ (ቴንስታ) እተን ዝለዓለ መጠን ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ዘመዝገባ ምዃነን ተሓቢሩ። ካብ ነፍሲ ወከፍ 10 ሽሕ ሰብ፡ ኣብ ከባቢ ሪንክቢ 47 ሰባት ኣብ ከባቢ ስፖንጋ ድማ 37 ሰባት ብቫይረስ ክሮና ከምዝተለኽፉ ካብ ቤት ጽሕፈት ምቁጽጻር ለበዳ ዝወጹ ጸብጻባት ሓቢሮም። ኣብ ስቶክሆሎም ጥራይ 3143 ሰባት ብቫይረስ ክሮና ከምተለክፉን እዚ ድማ ብገምጋም፡ ኣብ ነፍሲ …

Read More »

ኣብ ሓደጋ ዘለዉ ሰባት መድሃኒት ካብ ዝኾነ ፋርማሲ ክሽምቱ ከም ዝኽእሉ ተመልኪቱ።

ልዕሊ 70 ዝዕድሚኦም ሰባት ወይ ኣብ ልዑል ሓደጋ ዝርከቡ ሰባት ናብ ፋርማሲታት ምኻድ ከየድለዮም መድሃኒት ኣብ ዝኾነ ፈርማሲታት ዝሽምቱሉ ኣገባብ ምትእትታዉ SVT ጸብጺቡ። ኣብ ኡልሪስሃም ነዚ ዝኸውን ናይ መጠንቀቕታ ሰዓት ምድላዉን ኣብ ኲሉ ሰንሰለታት ኣብያተ መድሃኒት ከም ዝዋደድን ድም ተሓቢሩ። እንተኾነ ግና ኲለን ዱካናት ነዚ ዝድለ ሓገዛት ክህባ ድሉዋት ምህላወን ተመልኪቱ’ሎ። ናብ ፋርማሲ ኬድኩም ደወል እንተደዊልኩም ኣቤት ዝብለኩም ሰብ ክህሉ …

Read More »

ፕረዚደንት ትራምፕ ን ስትራተጂ ሽወደን ኣብ ኣታኣላልየ ኮረና ቫረስ ይነቅፍ።

ፕረዝደት ኣሜሪካ ትራምፕ ትማሊ ምሸት ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ዋይት ሃውስ ን ማእከናት ዜና ኣብ ዘሃቦ መግለጺ ን ኣተሓሕዛ ሽወደን ኣብ ምግታእ ኮቪድ 19 ዝተኸተሎቶ ኣካይዳ ብከቢድ ነቒፉ። ንሱ ኣብ መግለጺኡ ” ርኣይዋ ሽወደን ብዝተከተሎቶ ስትራተጂ እንሄት ብከብድ ትሳቀ ብምባል” እዩ ን ፖሊሲ ሽወደን ኣብ ጉዳይ ኮሮና ቫይርስ ዝነቀፋ። ትራምፕ ኣብ መግለጺኡ ነዚ ለባዳ ብቀሊል ዝተገንዘብኦ ሃገራት  ከም በዓል ኢንግሊዝ ሕጂ …

Read More »

ኩባንያ ትራንስፖርት ስቶኮልም SL ንግዚኡ መስርሕ ምቑጽጻር ትኬት ደው ከምዘበሎ ሓቢሩ።

ን ከተማ ስቶኮልም ኣብ መዳይ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ዝነጥፍ ኩባንያ SL ብ ኣባልቱ ዝግበር ዝነበረ መስርሕ ሙቑጽጻር ትኬት ብ ምኽንያት ምግታእ ለበዳ ኮርኖ ቫይረስ ደው ከምዘበሎ ሓቢሩ። እዚ ናብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ እንድኸድካ ዝግበር ዝነበረ መስርሕ ምቑጽጻር ትኬት ቀንዲ መንገዲ ምትሕልላፍ እዚ ቫይረስ ክኽውን ከምዝኽእል ብምእማን ን ድሕነት ኣብላቱን ህዝብን ብምባል ንግዚኡ ከምዘቛረጾ ኣካይድቲ ኣዚ ትካል ዝሕብሩ ዘለዉ። ኣብ ነብሲ ወከፍ …

Read More »

መድሃኒት ሕማም ኮቪድ-19 ኢሎም ብኢንተርኔት ዝሽየጡ ትምዩናት መድሃኒታት ካብ ምግዛእ ተጠንቀቑ!!

ንሕማም ኮቪድ-19 ከሕዊ ይኽእል እዩ ብምባል ብመንገዲ ኢንተርኔት ክሽየጡ ዝፍተኑ ዘለዉ ትምዩናት (ናይ ሓሶት) መድሃኒታት ካብ ምግዛእ ክንቁጠብ ኣለና ክብል ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ጥዕና ኣጠንቂቑ። ፖሊስ ኢንተርፑል ኣብ ልዕሊ እቶም ነዚ ተግባራት ዝፍጽሙ ሰባት ተሪር ዝኾነ መጠቀቕታ ኣመሓላሊፉ ይርከብ። ምስ 90 ሃገራት ብምትሕብባር ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝገበሮ ምክትታል ድማ ብዙሓት ኣብዚ ዓውዲ ዝነጥፉ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተወን ዝተፈለለዩ ትምዩናት …

Read More »

ዝርግሔ ለበዳ ቫይሮስ ኮሮና ኣብ ስቶክሆልም

Read More »

ኣብ ማሕበራዊ መዳይ ልዑል ኣገዳስነት ዘለዎም ሰባት ጥራይ ተሳፈሩ ይብል SL።

ኣብ ማሕበራዊ መዳይ ልዑል ኣገዳስነት ዘለዎም ሰባት ጥራይ እዮም ክሳፈሩ ዝኽእሉ ክብል SL ገሊጹ። ስቶክሆልም ህዝባዊ መጓዓዝያታት ከተወግድ SL ጻውዒት ጌሩ’ሎ። ሓድሽ ዝወጸ ምልክታ ከም ዝሓበሮ ዕዙዝ ማሕበራዊ ኣገዳስነት ዘለዎም ሰባት ጥራይ እዮም ክጓዕዙ ዝፍቀደሎም። ካልኦት ምሳና ንግዜኡ ኣይክትጓዓዙን ኢኹም ይብል እቲ ዝወጸ መወዓውዒ። እዚ መወዓውዒ ኣብ ዝተፈላለየ መደብራት መጓዓዝያ ዝተልጠፈ ኮይኑ ብምኽንያት ሕማም ኮሮና ምጒዓዝ ንግዚኡ ደው ምባሉ ብረብሓ …

Read More »

ኣብ መናበይ ዓበይቲ ዝረአ ዘሎ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ቀንዲ ኣሻቓሊ ኮይኑ።

ቲግኒል፡ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ዝረአ ዘሎ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና እቲ ቀንዲ ሻቕሎትና እዩ ቀንዲ ምውሳኽ ቁጽሪ ናይቶም ብሕማም ኮቪድ-19 ዝሞቱ ሰባት፡ እቲ ቫይረስ ኣብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ምልብዑን እዚ ድማ እቲ ቀንዲ መሻቐሊ ኣርእስቲ ምዃኑን ተመራማሪ ተማሓላለፍቲ ሕማማት ዝኾነ ኣንድሽ ቲግኒል ሓቢሩ። ነዚ ጉዳይ ኣመልኪትና ምስቶም ኣብ ኖርዲክ ሃገራት (ሰሜን ኤውሮፓ) ዝርከቡ መዛኖይ ኣብ ዝዘተናሉ እዋን ከምዚ ዓይነት ሽግር ከምዘየጓነፎም …

Read More »

ሽወደን ነቲ ካብ ቻይና ክትገዝኦ ሃቂና ዝነበረት ናውቲ መከላኸሊ ኣቋሪጻቶ።

ሰበ ስልጣን ሽወደን ነቲ ካብ ቻይና ተገዚኡ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ናብ ሽወደን ክኣቱ ተዳልዩ ዝነበረ ብሚልዮናት ዝቑጸር ናውቲ መከላኸሊ ከምዘይፍቅዱ ሓቢሮም። እቲ ናውቲ መከላኸሊ፡ ጓንትን (Gloves)፡ መሸፈን ኣፍን ኣፍንጫን (Masks) መክላከሊ ማስኬራ (Protective masks) ዘጠቓለለ እዩ። ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን ነዚ ናውቲ መከላኸሊ ከም ቀንዲ ናይ ድሕነት ባእታ ኣይኮነን ክብል እንከሎ ጨንፈር ኣገልግሎት ጥዕና ስቶክሆልም ግን እዚ ተወሲዱ ዘሎ ስጉምቲ ግጉይ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com