Friday , May 10 2024

ጥዕና

Swedish News in tigrigna -ዜና ሽወደን ብትግርኛ 06 ሚያዚያ 2020

ገለ ካብ ናይ ሎሚ ኣርእስታት ዜና፡ 1. ብሃገር ደረጃ ንህጹጹ እዋን ተባሂሉ ከገልግል ዝጸንሐ መክዘን ናዉቲ ሕክምና ምዕጻዉ ጌጋ ምንባሩ ተሓቢሩ። 2. ኣብ ሽወደን ሕጽረት መድሃኒት ከምዘየለ ባዓል መዚ ምክትታል መድሃኒት ብወግዒ ገሊጹ። መደባትና ብሰፊሕ ንምክትታልን ከምኡ እዉን፣ ብዛዕባ ኩነታት ሽወደን ብትግርኛ ንምርካብ ኣብ መርበብ ሓበሬታና www.alkompis.se/ti ተወከሱ።

Read More »

ምእጋድ ጒዕዞ ክሳብ ሰነ 15 ተናዊሑ።

ሚኒስተሪ ጒዳያት ወጻኢ እገዳ ጒዕዞ ሽወደን ክሳብ ሰነ 15 ክጸንዕ ምዃኑ ኣፍሊጡ። “ኣብዚ ሎሚ ናብ ውሽጢ ሃገር ኮነ ንደገ ምውጻእ ኣዝዩ ኣሰካፊ እዩ” ክትብል ሰክረታሪ ስቴት ኣንብ ሊንድ ንኣገልግሎት ዜና TT ሎሚ ገሊጻ። ኣቐዲሙ ሚኒስተሪ ወጻኢ ጒዳያት ሽወደናውያን ብዙሕ ኣገደስቲ ኣይኰኑን ንዝበልዎም መገሻታቶም ክስርዙ ጻውዒት ጌሩ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ በዓልመዚ ጥዕና ኣብ ግዜ ፋስጋ ዝግብሩ ጒዕዞታት ክስረዙ ምውሳኑ ይፍለጥ።

Read More »

መንገዲ ኣየር SAS ናይ ውሽጢ ሃገር በረራቱ ናብ 4 ቦታታት ኣውሪድዎ።

SAS ብዘይካ ኣርባዕተ ካልኦት ኲሎም ናይ ውሽጢ ሃገር በረራታት ክስርዝ ይውስን።፡ መንገዲ ኣየር SAS ካብ መዕርፍፎ ነፍርቲ ኣርላንዳ ናብ ኡምዮ ኬሩና ሉልዮን ቪስቢን ገዲፍካ ካብ ስኑይ ጀሚሩ ኲሉ ካልእ በረራታት ደው ክብል ኣዚዙ’ሎ።፡ እዘን ኣርባዕተ በረራታት ክቕጽላ ዘፍቀድናሉ ምኽንያት ሕብረተሰብ ምርኻብ መታን ክኽእል ኢልና ኢና ኢላ። ይዂንምበር እዚ እገዳ ብዙሓት ሰባትን ኣቕሑን ንግዜኡ ክዕገቱ ዝገብር ብምዃኑ ኣብ ዝሓጸረ ናብ ንቡር …

Read More »

ንጉስ ሽወደን ናብ ህዝቢ ሽወደን ናይ ምሕጽንታ መልእክቲ የሕልፍ።

ንጉስ ሽወደን፡ ኣባሓጎታቶም ዝስእኑ ዘለዉ ቆልዑ የተሓሳስቡኒ ብምባል ሓዘኑ ኣብ ዝገለጸሉ፣ ቫይረስ ኮሮናን ንሽወደንን መላእ ዓለምን ኣጨኒቑ ኣብ ዘለወሉ እዋን ንጉስ ካርል ጉስታቭ መበል 16 ብሰንበት ንህዝቢ ኣብ ዝፈነዎ ሓበሬታ ብምኽንይት ሕማም ኮሮና ህዝባዊ ምንቅስቓስ ምጅማሩ ምዕዛቡን ኣብ መዳይ ክንክን ጥዕና ዘለዉ ሰራሕተኛታት ብፍላይ ኲነታቶም ከም ዘተሓሳስቦን ገሊጹ። ሽወደናውያን ኲሉ ንዓይ ጥራይ ዝብል ድሌታቶም ገቲኦም ካብ ምጒዕዝ ክቚጠቡን ብፍላይ ጥዕና …

Read More »

ቲግኒል፡ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ስቶክሆልም ጫፍ ከምዝበጽሐ ምልክታት ይሕብር።

ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ጫፍ ከምዝበጽሐን ብዝያድ ድማ ኣብ ዝቕጽል ክልተ መዓልታት ከፍልጥ ምዃኑን ምልክታት ሓቢሮም ክብል ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ተመራማሪ ተመሓላለፍቲ ሕማማት፡ ኣንዲሽ ቲግኒል ሓቢሩ። ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ጫፍ በጺሑ ማለት፡ ብቫረስ ኮሮና ዝልከፉ ሰባት ቁጽሮም እናወሓደ ክመጽእ ማለት እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝረአ ዘሎ ቁጽሪ ብዝሒ ብሕማም ኮቪድ-19 ዝሞቱ ዘለዉ ሰባት ንጹር ስእሊ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ …

Read More »

ምስ ኮቪድ 19 ዝትትሓዙ ሕቶታትን መልስታቶምን ብዶክተር ዓዚዝ ኣሕመድ

Read More »

ተደጋገምቲ ሕቶታት ብዛዕባ ክሮና ቫይረስ

ህዝባዊ ጥዕና በዓልስልጣን ነዚ ዚስዕብ ሕቶን መልስን ኣኪቡ ኣሎ። እዚ ድማ ነቲ SARS-CoV-2 ጠንቁ ዝኾነ   covid-19 ይምልከት። እዚ ገጽ’ዚ ንሓፋሽ ይምልከት። ዳሕረዋይ ሓበሬታን ግዜያዊ ኣሃዛትን ኣብ  vår sida om utbrottet. ይርከብ።  ኮሮናቫይረስ እንታይ እዩ? ብዙሓት ናይ ኮሮናቫይረስ ኣዝማድ ዝኾኑ ቫይሩሳት ኣለዉ፡ መብዛሕትኦም ኣብ እተፈላለዩ እንስሳታት ድማ ይርከቡ። ካብዚኣቶም ውሑዳት እዮም ንሰብ ዚለኽፉ። ኣብዚ እዋን’ዚ ንሰብ ዚለኽፉን ዘሕምሙን ሸውዓተ ዓይነት …

Read More »

ዝመጽእ ሰሙን ሙቐት ዝዓብለሎ ኩነታት ኣየር ክህሉ ሙኻኑ ይሕበር።

ብመስረት ሓበሬታ በዓልመዚ ሜትሮሎጂ ሽወደን ካብ ጽባሕ ሰኑይ ጀመሩ ኣብ መብዝሕትኡ ክፋል ሽወደን ሲጋብ 15 ዲግሪ ሰንቲግረድ ዝዓቐኑ ሙቀት ክህሉ ሙዃኑ እዩ ዝግመት። በዚ መሰረት ስጋብ ሮቡዕ ዘሎ መዓልታት ዝልዓለ መጠን ሙቀት ክምዝገብ ትጽቢት ዝግበር ኮይኑ ሰባት ርሕቀቶም ሓልዮም ናይ ደገ ምንቓስቃስ ክገብሩ ይመክር። ሓሙስ መዓልቲ ግና ብከቢድ ንፈስ ዝተሰነየ ብርቱዕ ዝናብ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ስጋብ ሰሜናዊ ክፋል ዝኸይድ ክህሉን …

Read More »

News Magazine ዜና መጽሄት 4 ሚያዝያ 2020

ኣብ ናይ ሎሚ ዜና መጽሔት መደብ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣባላት ምድላዉ ፈነወና ንፈነወ ዝበቅዕ ዘዳለዉዎ ሓበሬታ ኮይኑ፣ እብዞም ዝስዕቡ ጉዳያት ዘተኮረ እዩ ። 1. ብዛዕባ እዚ ዘሎ ህሉው ክኖታት ናይ ክሮና ቪሩስ ሓደገኛ ምዕባለታቱ ! 2. መብርሂ ብዛዕባ መደባት ኣልኮምፒስ ትግርኛ !

Read More »

ኣብ ሽወደን ናውቲ ሕክምና ምውሳኽ ዋጋ ምርኣዩ ተገሊጹ።

ጋዜጣ ዳገን ንሄተር DN ከም ዝጸብጸበቶ እንተኾይኑ ዋጋ ናውቲ ጽሬትን ሕክምናን ብናህሪ ወሰኽ ዋጋ ኣርእዩ’ሎ። እዞም ናውቲ ማስክ፥ መነጽር፥ ከምኡ’ውን ናይ ኢድ ጸረ ተሃዋስያን እዮም። ብመሰረት እታ ጋዜጣ ብናህሪ ጠለብ እዚ ዋጋ 900% ወሰኽ ኣርእዩ’ሎ። ሃገራዊ ማእከል ዕቀባ ኣብቲ ምውሳኽ ዋጋ ዘለዎ ምስምማዑ ምግላጹን እታ ጋዜጣ ወሲኻ ኣብሪሃ። ኣብ ፍርያት ርኡይ ሕጽረት ምህላዉ ድማ ኣመልኪታ።፡ ብዘይካዚ ዋጋ ትራንስፖርት ኣጸቢቑ ወሰኽ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com