Sunday , April 28 2024

ጥዕና

ኣብ እዋን ዋሕዲ ለገስቲ ደም የጋጥም ኣሎ ተባሂሉ!!

ማእከላት ምልጋስ ደም ሽወደን ኣብ እዋን ሓጋይ ዋሕዲ ለገስቲ ደም ከም ዘጋጠመንን ኣዚ ድማ ኣብ ዓይነት ደማት ኤን ኦን ጽልዋ ከም ዘለዎ ተገሊጹ። ኣዋሃሃዲት እቲ ማእከል ደም ኢንግሪድ ጆሃንሰን ኣብ ዕብይ ዝበላ ከተማታት ብፍላይ ጠለብ ደም ልዕል ዝበለ ምዃኑ ብምሕባር ኣባጽሕ ቅድሚ መገሻኦም ደም ኣብ ምልጋስ ክተሓባበሩ ጸዊዓ’ላ።

Read More »

ስርዓተ-ኣስተንትኖ “ዮጋ”

ዮጋ ብቛንቋ ህንዲ ክልተ ትርጒም ኣለዎ። እቲ ቀዳማይ ኣብ ሃይማኖት ሂንዱ ትምህርቲ ሓሳባት ክኸውን እንከሎ፡ ካልኣይ ድማ፡ ኣብ ትምህርቲ ዝግበር ኣገባብ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ምዕባለ’ዩ። ስርዓተ-ኣስተንትኖ ቃል ብቓሉ ክትርጐም እንከሎ፡ ስነ-ስርዓት ወይ ኣደብ ምግባር ማለት’ዩ። ሰዓብቲ ናይዚ ትምህርቲ ዮጊንስ ተባሂሎም ይጽውዑ። እዚ ትምህርቲ ኣብ መንጎ ሓሳብን ኣካልን ዘሎ መንፈሳዊ ፍልልይ ኣለሊኻ ኣብ ሸቶኡ ንምብጻሕ ዝግበር ልምምድ’ዩ፡፡ ብዙሓት ምዕራባውያን ሃገራት ጥዕንኦም ንምምሕያሽ …

Read More »

መንግስቲ ሽውደን ዝያዳ ናይ ፕላስቲክ እገዳ ከቐምጥ እዩ!!

ኣውሮጳዊ ህብረት ላስቲክ ኣብ 2021 ጠቕላላ ንምእጋድ ኣብ ዝዳለወሉ ዘሎ እዋን መንግስቲ ሽወደን ተወሳኺ ስጒምቲታት ብምኻድ ኣብ ገምገም ባሕርን ኣብያተ መግብን ዝያዳ እገዳ ፕላስቲክ ክገብር እዩ ተባሂሉ። እገዳ ኣውሮጳዊ ህብረት ከምኒ ናይ ፕላስቲክ ድስቲ ኲስኲስቲን ባሉናትን መዐሸጊ ኣቕሑን የጠቓልል። ኣብ ምእጋድ ፕላስቲክ ንኣውሮጳዊ ሕብረት መሪሕናያ ኢና ንግስግስ ዘሎና” ክትብል ሚኒስተር ኣከባቢ ሳቢላ ሎቪን ን ekot ገሊጻ’ላ።

Read More »

ብምትሕውዋስ ዘርኢ መፍረ፡ ኣሜሪካውያን መጻምዲ ዘይውላድና ወሊድና ይብሉ

ኤስያዊ መቦቆል ዘለዎም መጻምድቲ ብ IVF (ዘርኢ ናይ ኣቦን ኣደን ኣብ ቤት ፈተነ ከም ዝሕወስ ተገይሩ፡ ተመሊሱ ናብ ማህጸን ከም ዝኣቱ ዝግበር መስርሕ መፍረ) ኣቢሎም ክወልዱ ኣብ ዝፈተንሉ፡ ኣብ ክሊኒክ መፍረ ካሊፎርናያ ብዝተፈጥረ ምትሕውዋስ ዘርኢ፡ እታ ኣደ ዘይውላዳ ከምዝጠነሰት ገሊጾም። ኣብቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝመስረትዎ ክሲ፡ እቶም መጻምድቲ፡ ዘርኢ ኤስያ ዘለዎም ዘይመስሉ ክልተ ኣወዳት ምስ ተገላገሉ ኣዝዮም ከም ዝሰንበዱ ገሊጾም። እቲ …

Read More »

ክንክን ኣስናን

ን ዓበይቲ ይኹን ንናኣሽቱ፣ ኣስናን ብጥዕና ንምሓዝ መዓልታዊ ምምዋጽ ወይ ምሕጻብ ስኒ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ዋላ ናይ ምሕማም ወይ ናይ ቃንዛ ስምዒት ኣይሃሉ፣ ሓደ ግዜ ናብ ሓኪም ስኒ ኬድኩም ቁጽጽር ኣስናን ምግባር ይምከር። ኣብ ሓደ ኣንዳ ስኒ ሓኪም፣ ሓደ በዓል ሞያ ኣጽራይ ኣፍ ኣሎ። እዚ በዓል ሞያ ኣስናንን ግርጻንን ብኸመይ ብጥዕና ከምዝዕቀብ ይምህር። ኣብ ምዕባይ ዘለዉ ቆልዑ፣ ስርዓተ ኣስናኖምን ኮራርምቶምን …

Read More »

ሓሙሽተ ዶክተራት ሽወደን ብዓሌት ቱኻን ዝስዕብ ብርቱዕ ረኽሲ ምህላዉ ገሊጾም!!

እዚ መግለጺ ኣብ መጽሄት Läkartidningen ዝወጸ ኮይኑ ብዙሓት ሽወደናውያን ብዛዕባዚ ሓስኻ ምስምዖም እንተኾነ ግና ባቤሲያ ብዛዕባ ዝተባሀለ ጽግዕተኛ ዝፈልጥዎ የለን ኢሉ። እዚ ሓድሽ ጽግዕተኛ ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ኣብ ኣራዊትን ኣሓን ዝተራእየ እኳ እንተኾነ ኣብ ሰባት’ውን ክህሉ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ምህላዉ ሓቢሮም ኣለዉ። እዚ ሕማም ካብ ዘርእዮም ምልክታት ገሊኦም ንምጥቃስ ብርቱዕ ረስኒ፡ ቃንዛ ጭዋዳታት፡ ብርትዕ ኣብ ዝብለሉ እዋን ከኣ ምድኻም …

Read More »

ሽወደን ኣብ መዳይ ጽሬቱ ዝተሓለወ ማይ ዓቢ ባጀት ትስልዕ!!

ኣገልግሎት ዜና ተተ ከምዝሓበሮ መንግስቲ ሽወደን ኣስታት 40 ሚልዮን ክሮነር ን ምውሓስ  ጹሩይ ዝስተ ማይ ዝውዕል ባጀት ምስልዑ ኣፍሊጡ። እዚ በጀት ቀዳምነት ነታ ዝሓልፈ ዓመት ብሰንኪ ዋዒ ኩነታት ኣየር ብዋሕዲ ማይ ዝተሸገር ምምሕድራት ዝውዕል ኮይኑ ብካልኣይ ደረጃ ድማ ን መጻኢ ዋሕዲ ዝስተ ጹርይ ማይ ዘንጸላለወን ምምሕድራት ክወሃብ እዩ። ብቀዳምይ ደረጃ ዝተስርዓ ምምሕዳራት እዘን ዝስዕባ እየን፣ በልኪንየ፣ ጎትላንድ፣ ሃላንድ፣ ዮንሾፒንግ፣ ካልማር፣ …

Read More »

ብብዝሒ ወይ ቀጻሊ መስተ ምስታይ

እዚ ጽሑፍ እዚ ብዛዕባ ጸገማት ኣልኮላዊ መስተ እዩ። ብብዝሒ ወይ ቀጻሊ ትሰቲ እንተኾንካ፣ ኣልኮል ንሂወትካ ኣዝዩ ይጸሉ እንተሃልዩ። ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ንምቑራጽ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ገለ ሰባት ብዘይዝኾነ ሳዕቤን ወይ ጉድኣት ስሕት ኢሎም መስተ ክሰትዩ ይኽእሉ። ገለ ሰባት ከኣ ምቁራጽ ክሳብ ዝስእኑ ብዙሕ ይሰትዩ። ንነብስኻ ምስ ካልእ ሰብ ከተወዳድራ ኣይትኽእልን ኢኻ። ስዒቦም ዘለው ናይ ኣልኮል ጸገም ከም ዘለካ ዝሕብሩ …

Read More »

ከተማ ስቶኮልም ብደረጃ ጽሬት ኣብ ዝተሓተ ትስራዕ!!

ብመስረት ዝተካየድ ሓዱሽ መጽናዕት ከተማ ስቶክሆልም ብጽረት ኣብ ከተማ፣ ኣብ ጎደና ኮነ ኣብ ፓርክታት ከምእውን ኣብ ምእላይ ጎሓፋት እታ ዝተሓተት ተባሂላ ተገምጊማ። እዚ ብ 10 ኪኢላታት ተሰንዩ ኣብ 20 ከተማታት ሽወደን ዝተገብረ መጽናዕቲ ኣብ ጽሬትን ኣተኣላልያ ንምሕደራ ጎሓፋት ኣተኪሩ ዝተገብረ ኮይኑ፣ ከተማታት ሊንሾቢንን ካርልስታድ ኣብ ቅድሚት ክስርዓ ከለዋ ከተማታት ስቶኮልምን ዮተበሪን ድማ እንተን ዝተሓታ ኣብ ጽሬትን ምሕድራን ኮይነን ተረቒሔን። በቲ …

Read More »

ስራሕን ቈልዑን ኣብ ሽወደን

ንስኻ ናእሽቱ ቈልዑ ዘለዉኻ፡ እቲ ቈልዓ ንእሽተይ ከሎ ወይ እቲ ቈልዓ እንተ ሓሚሙ፡ ነቲ ቈልዓ ንኽትኣልዮ ካብ ስራሕ፡ ትምህርትኻ ወይ ናይ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ንጥፈታት ተሪፍካ ኣብ ገዛ ክትህሉ ትኽእል ኢኻ። ድሕሪኡ ክትሰርሕ፡ ክትምሃር ወይ ኣብ ናይ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ንጥፈታት ክትሳተፍ ከለኻ፡ እቲ ቈልዓ ናብ መውዓሊ ህጻናት ወይ ናብ ኣላይት ቈልዑ ኣብ እዋን ቀትሪ ክኸይድ ይኽእል እዩ። …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com