Tuesday , May 14 2024

ጥዕና

ሕማም ፍሮማይ እንታይ እዩ ?

ዳርጋ ነፍሲ ወከፍ ቆልዓ ኣብ ሂወቱ ፍሮማይ ሓደ ግዜ ይሕዞ ኢዩ።  በዚ ሕማም ዝተጠቕዐ ህጻን ነጠብጣብ፡ ማይ ዝሙዓገ ቁስሊን ቅርፍራፍን ኣብ ምሉእ ኣካላቱ ይህልዎ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኣፉ ኮነ ኣብ መንጎ ጸጉሩ።  ቀልጢፉ ከሕውየልና ዝኽእል መድሃኒት ክሳብ ሕጂ የብሉን ሰሓ ከጉድል ዝኽእለ መድሃኒት ግን ክንጥቀም ይከኣል ኢዩ። ሕማም ፍሮማይ ምስ ዝሕዝ ? • ውላድና ናብ ቤት ትምህርቲ ኮነ መውዓሊ ህጻናት ክኸይድ …

Read More »

ኣብ ምቅላስ ምልዋጥ ክሊማ ኣፕሳላ ዝበለጸት ከተማ ተባሂላ!!

ኣፕሳላ ኣብ ምቅላስ ምልዋጥ ክሊማ ካብ ከተማታት ሽወደን እታ ዝበለጸት ተባሂላ’ላ። ስዒበን ከተማታት ሱንድቫልን ክሪስታንድሳትን ተሰሪዐን ኣለዋ። እዚ ዝተባህለ ትካል ከባብያዊ መጽናዕቲ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኮይኑ 208 ምምሕዳር ከተማታት ከም እተወዳደራ ተፈሊጡ። ክሊማዊ ለውጢ ኣዝዩ ከቢድ ብድሆ ዓለምና ምዃኑ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ።

Read More »

ሽጋራ ምትካኽ

ኣብ ትኪ ናይ ሽጋራ ብዙሓት መርዛማት ባእታታት ኣለዉ። ሽጋራ ምትካኽ ዝተፈላለዩ መጕዳእትን ሕማማትን ከስዕበልካ ይኽእል እዩ። ወልፊ ናይ ሽጋራ ምትካኽ ክሕዘካ ይኽእል እዩ፡ ግን ምቍራጹ ይከኣል እዩ። ሽጋራታት ትሕዝቶ ናይ ዝነቐጸ ኣቝጽልቲ ዝኾነ ትምባኾ ኣለዎም። ኣብ ትምባኾ እቲ መርዛም ባእታ ኒኮቲን ኣሎ። ከምኡ’ውን ኣብ ሽጋራታት ብዙሓት ካልኦት መርዛማት ባእታታት ኣለዉ። ሽጋራ ምትካኽ መጕዳእትን ሕማማትን ከም መንሽሮ ከስዕብ ይኽእል። ከምኡ’ውን ትምባኾ …

Read More »

መሃዝቲ ቴክኖሎጂ ስለምንታይ ደቆም ሞባይል ክጥቀሙ ዘየፍቅዱ?

መሃዝቲ መተግበርታት (ኣፕሊኬሽናት) ሞባይል፡ ደቆም ምስ ሞባይል ስልክታት ዘለዎም ርክብ ዝተገደበ ክኸውን ከም ዝደልዩ ትፈልጡ’ዶ? ኣብዚ ሕዚ እዋን ብህይወት ዘየለ መሃዚ ኣፕል ስቲቭ ጆብስ፡ ብ2011 ደቁ ኣብ ገዝኦም ሞባይል ስልኪ ይኹን ካልኦት ቴክኖሎጂታት ንዝተወሰነ ሰዓታት ጥራሕ ክጥቀሙ ገይሩ። ወናኒ ማይክሮሶፍትን መሃዛይን ቢልጌትስ እውን ደቁ ንዝተወሰነ ሰዓታት ጥራሕ ሞባይል ስልክታት ክጥቀሙ ከም ዝገብር ተገሊጹ። ወናኒ ፌስቡክ ማርክዙከርበርግ ብወገኑ ነታ ዓሚ ንዝተወለደት …

Read More »

ጽቡቕ ንምድቓስ?

ጽብቕ ጥዕና ንኽህልወካ ጽብቕ ክትድቕስ ኣገዳሲ እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ሕማቕ ምድቓስ ግን ልሙድ እዩ። እዚ ንኣብነት ተጨኒቕካ ወይ ተሻቒልካ ስለ ዘሎኻ ክኸውን ይኽእል። ኣብዚ ጽብቕ ንክትድቕስ እንታይ ክትገብር ከም ዘለካን ኣየናይ ሓገዝ ክትረክብ ከም ትኽእልን ክትፈልጥ ትኽእል። ኣካላትካ ብጽብቕ ንክምዕብል ክትድቕስ የድልየካ። ስርዓት ምክልኻል ሕማማት ኣብ ኣካልትካ መታን ብግቡእ ክሰርሕ ክትድቕስ የድልየካ። ሓንጎል ጽብቕ ንክሰርሕ ድቃስ የድልዮ። እቶም ዝበዝሑ …

Read More »

ውጥረት

ብዙሕ ሓሳባት ኣለካ’ዶ? ምዕራፍ ትስእን’ዶ ? ብቐሊሉ ’ዶ ትቑጣዕ ? መልሲ እወ አንተኾይኑ ምናልባት ኣብ ውጥረት ክትህሉ ትኽእል ኢኻ ። ውጥረት ንኣካላትካ ይኣስሮ። ህርመት ልብን እስትንፋስን ከቐልጥፍን ይኽእል ። ውጥረት ገለ ነገር ኣይክእሎን እየ ኢልካ ክትሻቐል ከለኻ ክመጽእ ይኽእል፡ ንኣብነት ፈተና ኣብ ቤት ትምህርቲ። ውጥረት ኩነታትካ ከመይ ከም ዝክኸውን ክትፈልጥ ብዘይምኽኣልካ ክመጽእ ይኽእል። ምክንያት ናይ ውጥረት ገለ ዘፍርሓካ ነገራት ብምህላው …

Read More »

ክፍሊ ሜትሮሎጂ ንዕድሜ ዝደፉኡ ሰባት መጠንቀቕታ የመሓላልፍ!!

ክፍሊ ሜትሮሎጂ ንዕድሜ ንዝደፉ መጠንቀቕታ የማሓላልፍ!! ኤጀንሲ ሜትሮሎጂ ንብዙሕ መዓልታት ዝጸንሕ ማዕበል ሃሩር ምህላዉ ንዝሸምገሉ የጠንቅቕ። ካብ ሓሙስ ዝጀመረ ንሰልለስተ ተኸታተልቲ መዓልታት ዝጸንሕን ማዕበል ሃሩር ከም ዝህሉ ብምግላጽ ጽንዕ ዝበለ ሕማም ንዘለዎምን ብዕድሜ ዝደፉኡ ዘድሊ ጥንቃቐ ክገብሩ ኣተሓሳሲቡ። ኣብ ኤረብሮ ኣፕሳላን ስቶክሆልምን ሙቐት ካብ 26 ክሳብ 30 ክበጽሕ ከም ዝኽእል እውን ተነብዩ’ሎ።

Read More »

ምስ ምእጋድ ምትካኽ ሽጋራ ኣብ ዕዳጋታት ሽወደን ሓደስቲ ኣማራጺታት ይቕልቀሉ!!

 ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ትግባረ ዝውዕል ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ሽጋራ ናይ ምትካኽ እገዳ ሸየጥትን ዘርጋሕትን ሽወደን ትኪ ዘይብሎም ናይ ኒኮቲን ውጽኢታት ኣብ ምድላው ምህላዎም ይንገር ኣሎ። ብመሰረት ሬድዮ ሽወደን እዞም ውጽኢታት ዓማዊል ሽጋራ ክገዝኡ ንዘይደልዩ ወይ ኣብ ኣብያተ መግቢ ከትክኹ ንዘይደልዩ ዓማዊል ንምኽሳብብ ተባሂሎም ዝውሰዱ ዘለዉ ኮይኖም፡ ከም መማረጽቲ ክውሰዱ ጀሚሮም ኣለዉ። ሽወደን ካብ ወርሒ ሓምለ ዝጅምር ካብ ምትካኽ ናጻ ዝኾነ …

Read More »

ትንቢት ኩነታት ኣየር ሽወደን ክምሓየሽ ምኻኑ ኣሚቶም!!

ንኽልተ ሳምንቲ ድሕሪ ዝቐነየ ዝናብን ዝተዘበራረቐ ኲነታት ኣየርን ካብ ሰንበት ጀሚሩ ኣብ ሽወደን ክመሓየሽ እዩ ክብሉ ክኢላታት ሜትሮሎጂ ተነብዮም። ብመሰረት ክኢላታት ሜትሮሎጂ ሽወደን ኣብ ገለ ክፋላት ደቡብ ጎትላንድ Götaland ገሊኡ ከባቢታት ሙቐት ክሳብ 25 ዲግሪ ሴልሴስ ክበጽሕ ይኽእል እዩ ተባሂሉ’ሎ። ድሕሪኡ ኣብ ዝስዕብ ሰሙን ብዛዕባ ክህሉ ዝኽእል ኲነታት ኣየር ብዙሕ ርግጸኛ ፍልጠት የብልናን ትብል ክኢላ እዚ ዓውዲ ሶደርበሪ። እንተኾነ ግና …

Read More »

ሽወደን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣርላንዳ ገዚፍ ወፍሪ ትገብር።

ብሃገረ ሽወደን ዝካየድን ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ሽወደን ዝንቀሳቐስን ስዊድንቭያ (Swedenavia) ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ገዚፍ ወፍሪ የካይድ ምህላዉ ተገሊጹ። እዚ ዝኸውን ዘሎ መንግስቲ ሽወደን ቁጽሪ በረራታት ንምጒዳል ጻዕሪ ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ እዋን እዩ ዝኽሰት ዘሎ። ብመሰረት ዜና SVT እዚ ስዊድንቭያ (Swedavia) ዝተባህለ ትካል ኣብ ክሳብ 2025 ኣብ ዳግመ ምህናጽ መዓርፎ ነፈርቲ ኣርላንድ ናይ 44 ቢልዮን ክሮነር ሽወደን ወጻኢ ክገብር እዩ። ብመሰረት …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com