Sunday , May 19 2024

ጥዕና

ቬክኾ . . . ዝተኸትቡ ሰባት ጥራይ፡ ስራሕ ክረኽቡ እዮም

ኣብ ምምሕዳር ስሞላንድ፡ ቬክኾ፡ ኣብ ጽላት ጥዕናን ማሕበራዊ ክንክንን ክትሰርሕ ምስ እትደሊ እንታይ የድልየካ? ጸረ ሕማም ኮቪድ-19፡ ክታበት ዝተኸተብካ ክትከውን ይግባእ ክብል ቦርድ ምምሕዳር ከተማ ቬክኾ ወሲኑ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ንጸብጻብ SVT ስሞላንድስንይት፡ ብምጥቃስ ሓቢሩ። ኣስታት 90% ካብቶም ኣብ ገዛውቲ እናኸዱ ይኹን ኣብ እንዳ ዓበይቲ፡ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዝህቡ ኣባላትና፡ ጸረ ኮቪድ-19 ክታበት ዝተኸትቡ እኳ እንተኾኑ፡ ንዓበይትን ተነቀፍቲ ክፋል …

Read More »

ብሰንኪ ክታበት ንዘጋጥሙ ጉድኣታት፡ መንግስታዊ ካሕሳ ክወሃብ እዩ

ዝኾነ ሰብ፡ ብመንግስቲ ተፈላጥነት ዘለዎ ክታበት ድሕሪ ምውሳዱ ጉድኣት ምስ ዝወርዶ፡ ካብ መንግስቲ ሽወደን፡ ካሕሳ ክኽፈሎ ዝብል ብመንግስቲ ንዝቐረበ እማመ፡ ብባይቶ ሽወደን ጸዲቑ ከምዘሎ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ነፍሲ ወከፍ መጉዳእቲ ዝወረዶ ሰብ፡ ብናይ ሕክምና ውሕስነት ከምዝኽፈል ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ምሉእ ክፍሊት ምስ ዘይክፈል ግን፡ መንግስቲ፡ ክኸፍሎ ምዃኑ እቲ ውሳኔ ኣረጋጊጹ። ካሕሳ ናይ ክታበት ኮቪድ-19፡ ልክዕ ከምቲ፡ ብኻልኦት መድሃኒታት …

Read More »

ማክሮን . . . ሳልሳይ እብረ ክታበት ኮቪድ-19፡ ክወሃብ ጸዊዑ

ልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ዜጋታት ፈረንሳ፡ ብቑዕ ዝኾነ ናይ ኮቪድ መስክር ወረቐት (ኮቪድ ፓስፖርት) ንኽረኽቡ፡ ሳልሳይ እብረ ክታበት ኮቪድ-19 ክኽተቡ ይግባእ ክብል ፕረዚደንት ፈረንሳ፡ ኢማኑኤል ማክሮን፡ ንመላእ ሃገር ኣብ ዘመሓለለፎ መልእኽቲ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ካብ ዕለት 15 ታሕሳስ ጀሚሩ፡ ሰባት፡ ዕድመ ናይ ኮቪድ ፓስፖርት ከናውሑ ምስ ዝደልዩ፡ ሳልሳይ እብረ ክታበት ኮቪድ-19 ከምዝተኸትቡ መረጋገጺ ከቕርቡ ክግደዱ እዮም ክብል …

Read More »

ኣብተን ዝያዳ መርመራ ኮቪድ ዘካየዳ ምምሕዳራት፡ ዝዋሓደ መጠን ሞት ተራእዩ

ኣብ ሽወደን፡ እተን ዝለዓለ መጠን መርመራ ኮቪድ-19 ዘካየዳ ምምሕዳራት፡ ዝወሓደ መጠን ሞት ከም ዝተራእየን፡ ካብ ኮሚሽን ኮሮና ዝተረኽቡ ጸብጻባት ብምጥቃስ፡ ሬድዮ ኢኮት ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣብዘን ዝተፈላለዩ ክሊ ዕድመታትን ጻዕቂ ህዝቢ ዘለዎ ምምሕዳራት፡ መጠን ምስፍሕፋሕ ኮቪድ-19፡ ክበዝሕ እኳ እንተተራእየ፡ መጠን ሞት ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዝሒ ናይቶም ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝሓቱ ዘለዉ ሰባት፡ ውሑድ ምዃኑ ይፍለጥ። ትሑት መጠን ክታበት ዘካየዳ …

Read More »

ላትቪያ . . . . ዘይተኸትቡ ሰባት፡ ካብ ስራሕ ክስጎጉ እዮም

ብመሰረት ባይቶ ሃገረ ላትቪያ ዘጽደቖ ሓድሽ ሕጊ፡ ካብ ዕለት 15 ሕዳር ጀሚረን፡ ኣብታ ሃገር ዝርከባ ኩባንያታት፡ ንዘይተኸትቡ ኣባላተን ካብ ስራሕ ከባርራሉ ዝኽእላ ስልጣን ከምዝረኸባ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ሃገረ ላትቪያ፡ ሓንቲ ካብተን ብለበዳ ኮቪድ-19 ብኸቢድ ዝተጠቕዓ ሃገራትን፡ ብሰንኪ ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና እታ ሃገር ዝተፈጥረ ልዑል ጸቕጢ፡ ካብ ካልኦት ኤውሮጳውያን ሃገራት ሓገዝ ዝሓተት ሃገር እያ። 61% ካብ ልዕሊ ዕድመ …

Read More »

ጀርመን . . . መጠን መልከፍቲ ኮቪድ-19፡ ክብረ ወሰን ሒዙ

ካብ ዕለት 18 ታሕሳስ 2020፡ ኣብ ጀርመን፡ ለበዳ ኮቪድ-19 ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ዝለዓለ መጠን ምስፍሕፋሕ ለበዳ ዝተመዝገበሉ ግዜ፡ ትማሊ ሓሙስ ምንባሩን ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት፡ 33,949 ሰባት ከምዝተለኽፉን በዓል መዚ ተመሓላለፍቲ ሕማማት እታ ሃገር ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣቐድም ኣቢሉ፡ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ዝተመዝገበ ቁጽሪ መልከፍቲ፡ 33,777 ምንባሩ ይዝከር። ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት፡ መጠን መልከፍቲ ኮቪድ-19፡ ብቐጻሊ ክውስኽ …

Read More »

ሃገረ ዴኒማርክ፡ ቀይድታት ኮቪድ-19፡ ከተተኣታቱ ይግባእ

ሃገረ ዴኒማርክ፡ ነቶም ዘልዓለቶም መምርሒታት ኮቪድ-19 ከም እንደገና ከተተኣታትዎም ከም ዝግባእ፡ ኣማኻሪ በዓል መዚ ጥዕና እታ ሃገር ኣብ ጉዳይ ተመሓላለፍቲ ሕማማት፡ ሶረን ብሮስትሮም፡ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቲ ውሳኔ፡ ኣብ ኢድ ፖለቲከኛታት ስለዝኾነ፡ ጻውዒተይ ነቶም ፖለቲከኛታት እዩ ክብል፡ ብሮስትሩም፡ ምስ ዴኒማርካዊ tv2 ኣብ ዝገበሮ ርክብ ገሊጹ። ሃገረ ዴኒማርክ፡ ክሳብ ዕለት 01 መስከረም ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ናይ ኮቪድ ፓስፖርት …

Read More »

ዓዲ እንግሊዝ፡ ጸረ ኮቪድ-19 ዝኾነ ከኒና፡ ኣፍቂዳ

ሃገረ እንግሊዝ፡ እታ ቀዳመይቲ ጸረ ኮቪድ-19 ዝኾነ ብኩባንያ መርክ (Merck) ዝፈረየ ከኒና፡ ኣብ ጥቕሚ ንኽውዕል ፍቓድ ዝሃበት ሃገር ኮይና ከምዘላን እዚ ድማ፡ ናይ ፈለማ ጸረ ኮቪድ-19 ዝኾነ ዓይነት ከኒና ምዃኑ እዩ ዝንገር ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዚ ብ ሞልኑፒራቪር (Molnupiravir) ዝፍለጥ ዓይነት ከኒና፡ ንልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም፡ ብኮቪድ-19 ዝተለኽፉ ሰባትን ብሓድሽ ጅር ክጥቅዑ ተኽእሎታት ዘለዎም ጥራይ ዝወሃብ እዩ። እዚ …

Read More »

WHO: ኣውሮጳ ዳግማይ ማእከል ምስፍሕፋሕ ኮቪድ: ትኸውን ኣላ

ቊጽሪ ሓደስቲ ሕሙማት ኮሮና እናወሰኸ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን ውድብ ጥዕና ዓለም ኣውሮጳ ዳግማይ ምእከል ኮቪድ-19 ትኸውን ኣላ ክብል ኣጠንቂቑ’ሎ። ኣህጒር ኣውሮጳ ክሳብ ዝመጽእ ወርሒ ለካቲት ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ክሞቱ ይኽእሉ እዮም ክብል ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ኣውሮጳ ሃንስ ክሉግ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ ኣፍሊጡ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ሰባት ክታበት ክንድቲ ዝግባእ ይወስዱ ብዘይምህላዎም እዩ ክብል …

Read More »

ሓድሽ ማዕበል ኮቪድ-19፡ ኣብ ሽወደን

ኣብ ሽወደን፡ መልከፍቲ ኮቪድ እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ እኳ እንተተፈልጠ፡ መጠን ምስፍሕፋሕ ለበዳ ግን ብሰንኪ ዝተኻየደ ጽቡቕ ሸፈነ ክታበት፡ ምስ ናይ ዝሓለፈ እዋን ክነጻጸር እንከሎ፡ ዝተሓተ ከምዘሎን፡ ይኹን እምበር፡ ኣብ ሓድሽ ማዕበል ለበዳ ኮቪድ ከምዘለና ዝሕብሩ ምልክታት ግን ኣለዉ ክብል፡ ኣማኻሪ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ኣብ ጉዳይ ተመሓላለፍቲ ሕማማት፡ ኣንደሽ ተግነል፡ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ፡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com