Friday , May 3 2024

ጥዕና

ኩባንያ ፋይዘር፡ ምስ ኣሜሪካ፡ ሓድሽ ውዕል ፈሪሙ

ኩባንያ ፋይዘር፡ ምስ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ናይ 5.3 ቢልዮን ዶላር (47 ሚልዮን ክሩነር) ውዕል ከምዝፈረመ ገሊጹ። እዚ ውዕል፡ 10 ሚልዮን ብልቃጥ ፓክስሎቪድ (Paxlovid) ዝዓይነቱ መድሃኒት ሕማም ኮቪድ-19 ዝኾነ ከኒና፡ ንምርካብ ዝዓለመ ምዃኑ ብተወሳኺ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዚ ዓይነት መድሃኒት፡ ንለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ምቁጽጻር፡ ሓድሽ ስትራተጂ ንምሕንጻጽ ዝሕግዝ ኮይኑ፡ ሕሙማት ኮቪድ-19፡ ናብ ሓኪም ከይከዱ፡ ኣብ መጀመርታ መድረኽ ናይቲ …

Read More »

ሰሙናዊ ጸብጻብ ክታበት ኮቪድ-19

ክሳብ ሕጂ ኣብ ሽወደን፡ ቁጽሪ ናይቶም እንተወሓደ ሓደ እብረ ክታበት ኮቪድ ዝተኸትቡ ሰባት፡ 7,346,868 በጺሑ ከምዘሎን፡ እዚ ማለት ድማ፡  86.0% ካብ መላእ ልዕሊ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ህዝቢ ሽወደን ምዃኑ፡ መዛግብቲ ሃገራዊ ኣወሃሃዲ ክታበት ገሊጾም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቶም 81.8% ዝኾኑ ልዕሊ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ማለት፡ 6,987,096 ሰባት፡ ክልተ እብረ ክታበት ዝተኸትቡ እዮም። ኣብ መላእ ሽወደን፡ 1,187,607 ሰባት፡ ብኮቪድ-19 …

Read More »

ኣባላት ኣገልግሎት ጥዕና ምምሕዳር ስኮነ፡ ብተረፍ ብልቃጥ ክታበት ተኸቲቦም

ኩሎም ተረፍ ክታበታት፡ ኣብ ጥቕሚ ክውዕሉ ይግባእ ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ምምሕዳር ስኮነ፡ ነቲ ንኽጓሓፍ ተዳልዩ ዝነበረ ብልቃጥ ክታበታት፡ ንኣባላት ኣገልግሎት ጥዕና ብምኽታብ፡ ኣብ ጥቕሚ ንኸውዕሎ መደብ ሒዙ ከምዘሎ፡ ንጸብጻባት ጋዜጣ ሲድስቨንስካን ብምጥቃስ፡ ማዕከን ዜና ተተ ገሊጹ። ልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት፡ ንዓበይቲ ሰባት ዝኣልዩን ተነቀፍቲ ክፋል ሕብረተሰብን እቶም ንክኽተቡ ቀዳምነታት ዝወሃቦም ሰባት እዮም። ተረፍ ብልቃጥ ክታበት ምስ ዝህሉው ድማ፡ …

Read More »

ሓደ ካብ 10 ህጻናት ኣሜሪካ፡ ቀዳማይ እብረ ክታበት ወሲዶም

10% ካብቶም ኣብ ክሊ ዕድመ 5 ክሳብ 11 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣሜሪካውያን፡ ቀዳማይ እብረ ክታበት ኮቪድ-19፡ ብክታበት ፋይዘር – ብዩንቴክ ከምዝተኸትቡ ዋይት ሃውስ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሳምንታት፡ ኣስታት 2,6 ሚልዮን ኣሜሪካውያን ህጻናት፡ ክታበት ኮቪድ-19 ከምዝተኸትቡ ኣብ ዋይት ሃውስ፡ ኣወሃሃዲ ክታበት ዝኾነ፡ ጄፍ ዚየንትስ፡ ገሊጹ። መጠን ብዝሒ ናይዞም ዝተኸትቡ ህጻናት፡ ምስቲ ቅድሚ 11 ኣዋርሕ ዝጀመረ መስርሕ …

Read More »

ሃገረ ጀርመን . . . ክብረ ወሰን ዝለዓለ መጠን መልከፍቲ ተሰይሩ

ለበዳ ኮቪድ-19 ካብ ዝጅምር፡ ሃገረ ጀርመን፡ ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ዕለት 5 ጥቅምቲ፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ ካብ ዘጋጠሙ ብዝሒ መልከፍቲ ኮቪድ፡ ኣመዝጊባ ምንባራ ይዝከር። ትማሊ ድማ፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ፡ 40 ሽሕ ሰባት፡ ብኮቪድ ከምዝተለኽፉ ብምሕባር፡ እቲ ዝነበረ ክብረ ወሰን፡ ምስባሩ ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፋ ሸውዓተ መዓልታት፡ ሃገረ ጀርመን፡ ኣብ መንጎ 100 ሽሕ፡ 232 ሰባት፡ ብኮቪድ ምልካፎም ይፍለጥ። ኣብ …

Read More »

ኣሜሪካ . . . 1 ሚልዮን ህጻናት፡ ተኸቲቦም

ኣብ ክሊ ዕድመ 5 ክሳብ 11 ዓመት ዝርከቡ ኣስታት 1 ሚልዮን ዝኾኑ ኣሜሪካውያን፡ ጸረ ሕማም ኮቪድ-19፡ ቀዳማይ እብረ ክታበት ከምዝተኸትቡ፡ ዋይት ሃውስ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣቢሉ፡ ሰብ መዚ ጥዕና ኣሜሪካ፡ ነዞም ኣብዚ ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ህጻናት ዝኸውን፡ ክታበት ፋይዘር-ቢዮንቴክ፡ ኣፍቂዶም ምንባሮም ዝዝከር ኮይኑ፡ ክታበት ዝጀመረሉ እዋን ድማ፡ ረቡዕ፡ ዕለት 4 ጥቅምቲ ምንባሩ፡ ጸብጻባት እቲ …

Read More »

ሽማግለታት፡ ሳልሳይ እብረ ክታበት ድሕሪ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ክኽተቡ እዮም

ልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ሽማግለታት፡ ሳልሳይ እብረ ክታበት፡ ድሕሪ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ናይታ ካልኣይቲ እብረ ክታበት ክወሃቦም ከምዝኽእል በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ሃርሞኒ ሓቢሩ። ኣቐድም ኣቢሉ እቲ በዓል መዚ፡ ኣብ መንጎ ካልኣይን ሳልሰይን እብረታት ክታበት፡ ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ፍልልይ ክህሉ ከምዘለዎ ሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር። እዚ ተሓሲቡ ዘሎ ውጥን፡ ነቲ ኣብ ዝቕጽል ኣዋርሕ ክረአ ከምዝኽእል ዝግመት …

Read More »

ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ሓድሽ ጠለብ ክታበት ኮቪድ-19 ኣቕሪቡ

ኤውሮጳዊ ኮሚሽን፡ ካብቲ ጌና ብኤውሮጳዊ ተቖጻጻሪ መድሃኒት ተቐባልነት ዘይረኸበ፡ ፍርያት ፈረንሳዊ ኩባንያ ቫልነቫ ዝኾነ ክታበት፡ ናይ 60 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ጠለብ ኣቕሪቡ ከምዘሎ ገሊጹ። እዚ ቀሪቡ ዘሎ መጠን ጠለብ፡ ኣብ ክልተ እብረ ዝርከብ ኮይኑ፡ 27 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት፡ ኣብዚ ዓመት እዚ፡ እተን ዝተረፋ 33 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ድማ ኣብ ዝቕጽል ዓመት ንክርከባ ጠለብ ኣቕሪቡ ከምዘሎ ብምውሳኽ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና …

Read More »

ዴኒማርክ፡ ዝለዓለ መጠን መልከፍቲ ኮቪድ-19 ኣመዝጊባ

ትማሊ ረቡዕ፡ መጠን መልከፍቲ ኮቪድ-19 ኣብ ሃገረ ዴኒማርክ፡ 3017 ከምዝተመዝገበ ጸብጻባት ኣሃዱ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዴኒማርክ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዚ ቁጽሪ እዚ ድማ፡ ካብ ዕለት 23 ታሕሳስ 2020  ክሳብ እዚ እዋን ዝነበረ መጠን መልከፍቲ፡ እቲ ዝበዝሐ ምዃኑ ተገሊጹ። ዝሓለፈ ሰሉስ፡ መንግስቲ ዴኒማርክ፡ ንሕማም ኮቪድ-19፡ ንዝመጽእ ወርሒ፡ ከም ኣስጋኢ ማሕበራዊ ሕማም ኢሉ ከምዝወሰኖን ካብ ዓርቢ ጀሚሩ ድማ ናይ ኮቪድ …

Read More »

ሰሙናዊ ጸብጻብ መልከፍቲ ኮቪ-19

ክሳብ ሕጂ ኣብ ሽወደን፡ ቁጽሪ ናይቶም እንተወሓደ ሓደ እብረ ክታበት ኮቪድ ዝተኸትቡ ሰባት፡ 7,346,868 በጺሑ ከምዘሎን፡ እዚ ማለት ድማ፡  86.0% ካብ መላእ ልዕሊ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ህዝቢ ሽወደን ምዃኑ፡ መዛግብቲ ሃገራዊ ኣወሃሃዲ ክታበት ገሊጾም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቶም 81.4% ዝኾኑ ልዕሊ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ማለት፡ 6,953,895 ሰባት፡ ክልተ እብረ ክታበት ዝተኸትቡ እዮም። ኣብ መላእ ሽወደን፡ 1,180,519 ሰባት፡ ብኮቪድ-19 …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com