Friday , May 3 2024

ጥዕና

ኣብ እዋን በዓል ልደት፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ከይውስኽ፡ ስግኣት ከምዘሎ ተገሊጹ

ብዝሒ ናይቶም ምሉእ እብረ ክታበት ወሲዶም እንከለዉ ናብ ኣገልግሎት ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል፡ ዝኣትዉ ዘለዉ ሕሙማት ኮቪድ፡ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናዛየደ ይመጽእ ከምዘሎን ጋዜጣ ዳገንስ ኒሀተር ገሊጹ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ተርእዮ፡ ነቲ ክልተ እብረ ክታበት፡ ዝህቦ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ፡ ይደክም ከምዘሎ ዘርኢ ክኸውን ከምዝኽእል በዓል መዚ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን ሓቢሩ። ነዞም ተርእዮታት ተገንዚብና፡ ኣብ እዋን በዓላት ልደትን ሓድሽ ዓመትን፡ ለበዳ …

Read More »

ሰሙናዊ ጸብጻብ ክታበት ኮቪድ-19

ክሳብ ሕጂ ኣብ ሽወደን፡ ቁጽሪ ናይቶም እንተወሓደ ሓደ እብረ ክታበት ኮቪድ ዝተኸትቡ ሰባት፡ 7,391,713 በጺሑ ከምዘሎን፡ እዚ ማለት ድማ፡  86.5% ካብ መላእ ልዕሊ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ህዝቢ ሽወደን ምዃኑ፡ መዛግብቲ ሃገራዊ ኣወሃሃዲ ክታበት ገሊጾም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቶም 82.1% ዝኾኑ ልዕሊ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ማለት፡ 7,015,719 ሰባት፡ ክልተ እብረ ክታበት ዝተኸትቡ እዮም። ኣብ መላእ ሽወደን፡ 1,196,688 ሰባት፡ ብኮቪድ-19 …

Read More »

በዓል መዚ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና፡ ጸቕጢ በዚሕዎ

በዓል መዚ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን፡ ብሰንኪ እቲ ካብ ዕለት 1 ታሕሳስ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ናይ ክታበት ኤሌክትሮኒካዊ ፓስፖርት፡ ናይ ስራሕ ጸቕጢ ኣጋጢምዎ ምህላዉ፡ ጸብጻብ TV4 ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ፡ መዓልታዊ 120 ሽሕ ኤሌክትሮኒካዊ ናይ ክታበት ምስክር  ከምዝተዓደለ እቲ በዓል መዚ ድሕሪ ምግላጹ፡ ነቲ ኣስታት 9 ሽሕ ዝኸውን ተቐቢልዎ ዘሎ ናይ ወረቐት ምልክታታት ንምስራሕ …

Read More »

ኤውሮጳ . . . ክሳብ መጋቢት 2022፡ ልዕሊ 700 ሽሕ ሰባት ክሞቱ ይኽእሉ እዮም ተባሂሉ

ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19፡ ኣብ ኣውሮጳን ገለ ክፋላት ኤስያን ተወሰኽቲ 700 ሽሕ ሰባት ክሞቱ ከም ዝኽእሉ ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ኣጠንቂቑ። እቲ ውድብ፡ ዞባ ኣውሮጳ ኢሉ ኣብ ዝሰመየን 53 ሃገራት ዛጊት 1.5 ሚልዮን ሰባት ሞይቶም ምህላዎም ገሊጹ’ሎ። ክሳብ መጋቢት 2022 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ኣብ 49 ካብዘን ሃገራት፡ ናይ ጽዑቕ ሕክምናዊ ክንክን ኣብ ከቢድ ወጥሪ ክኣቱ ከም ዝኽእል እቲ ውድብ ወሲኹ ኣተሓሳሲቡ’ሎ። …

Read More »

ኒውዚላንድ፥ ዝተኸትቡ በጻሕቲ ክኣትዉ ክትፈቅድ እያ

ድሕሪ ኣስታት ሓደ ወርሒ ኣብ እንጽንብላ ሓዳስ ዓመት፡ ኒውዚላንድ ንዝተኸትቡ በጻሕቲ ናብ ሃገራ ክኣትዉ ከም እትፈቅድ ዕላዊ ጌራ’ላ። እዞም በጻሕቲ ካብ 1 ሚያዝያ ኣትሒዞም ናብታ ሃገር ክኣትዉ ከም ዝኽእሉን ንሸውዓተ መዓልታት ናይ ውሸባ ግዜ ከሕልፉ ከም እተወሰነን ተገሊጹ። ብዘይካዚ ተመሳሳሊ ሕጊታት ብምትግባር ኒውዚላንዳውያን ኣብታ ሃገር ክጓዓዙ ክፍቀደሎም ምዃኑ እቲ ዜና ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።

Read More »

ብብዝሒ ሰብ ጉዕዞ ናብ ዘዘውትረለን ሃገራት ብዝምልከት ዝወጹ ሕግታት

ተርእዮ ሓድሽ ማዕበል ለበዳ ኮሮና ኣብ ብዙሓት ቦታታት – ካብዚ ስዒቦም ነቶም ኣብ እዋን በዓላት ልደት ክገሹ ንዝሓስቡ ሰባት ዝምልከቱ ሕጊታት ይርከቡ። ምስቲ ዘሎ ምቅይያር ኩነታት ናይቲ ለበዳ፡ እዞም ሕግታት ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክቕየሩ ይኽእሉ እዮም። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዝተዋህበ ሓበሬታ ታሕሳስ 22 እዩ ተረኹቡ። ሽወደን ኣብ አውሮጳ ካብ ዝርከባ ኣብ ትሕቲ እቲ “ዝለዓለ ብርኪ ናይ ሓደጋ” ካብ ዘለዋ ሃገራት …

Read More »

ኦስትርያ፡ ዜጋታት መሰል ጥራይ ዘይኮነ ግዴታ እውን ኣለዎም

ቻንስለር ሃገረ ኦስትርያ፡ ኣሌክሳንደር ሻለንበርግ፡ ን ቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ክታበት ኮቪድ 19 ምውሳድ እንተደሊኻ እትገድፎ ዘይኮነ ግድነታዊ ሕጋዊ ጒዳይ ምዃኑ ድሕሪ ምምልካት ክሳብ ሕጂ ዘሎ መጠን ክታበት ኣዝዩ ትሑት ምዃኑ ወሲኹ ሓቢሩ። ሓሚሙ ኣብ ትሕቲ ጽዑቕ ክንክን ክኣቱ ዝደሊ የለን፥ ምኽንያቱ ዓራውቲ በቶም ክትባት ኮቪድ 19 ብዘይምውሳዶም ዝሓመሙ ሰባት ተታሒዞም እዮም ዘለዉ” ክብል ምስ በታኒ በል ኣብ ዘካየዶ ርክብ፡ …

Read More »

ኣብ ምምሕዳር ሃላንድ እትርከብ ቤት ትምህርቲ፡ ተዓጽያ

ኣብ ከተማ ሂልትብሩክ (Hyltebruk)፡ ምምሕዳር ሃላንድ፡ እትርከብ ቤት ትምህርቲ፡ ኣብ መንጎ ተማሃሮ ብዝተራእየ መልከፍቲ ኮቪድ-19 ክሳብ ጽባሕ ረቡዕ፡ ንጥፈታታ ደው ከምዘበለት ምምሕዳር እታ ቤት ትምህርቲ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ብመሰረት ጸብጻባት ጋዜጣ ሃላንድፖስተን፡ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ተማሃሮ፡ ብቫይረስ ኮቪድ-19 ከምዝተለኽፉ ገሊጹ። ብሰንኪ እዚ ዕጽዋ፡ ኣስታት 450 ተማሃሮ ከም ዝተጸልዉን፡ ካብ ገዝኦም ክመሃሩ ምዃኖምን ተፈሊጡ። እዚ ዝተወስደ ናይ ምዕጻው ውሳነ፡ …

Read More »

ግሪንላንድ . . . ቀዳማይ ግዳይ ሕማም ኮቪድ-19 ተረኺቡ

ኣብ ሓንቲ ኡፐርናቪክ ዝተባህለት ግሪንላንዳዊት ከተማ፡ ሓደ ሽማግለ፡ ብሕማም ኮቪድ-19 ዘስዓቦ ጥዕናዊ ሕልኽላኻት ከምዝሞተን፡ እዚ ድማ፡ ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19 ዝሞተ ናይ ፈለማ ግዳይ ከምዝኾነ ጸብጻባት መርበብ ዜና ሰርሚትሲክ ገሊጾም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ነፍሲ ወከፍ ሞት፡ ዘሕዝን ፍጻሜ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ እዋን ለበዳ፡ ሰብኣዊ ዋጋታት ክኽፈል ርዱእ እዩ፡ ስለዝኾነ ድማ፡ ከምተን ካልኦት ሃገራት ዝገብረኦ ክንገብር ኢና ክብል ሃገራዊ ክኢላ …

Read More »

ኬንያ . . . ዘይተኸትቡ ሰባት፡ ኣገልግሎት ኣይክረኽቡን እዮም

መንግስቲ ኬንያ፡ ጸረ ኮቪድ-19 ክትባት ዘይወሰዱ ሰባት፡ መንግስታዊ ኣገልግሎት ንኸይረኽቡ ዝእገድ ሓደ መምርሒ ከተመሓላልፍ ውጥን ከም ዘለዋ ኣቃሊዓ። ክትባት ዘይወሰዱ ሰባት፡ ህዝባዊ መጓዓዝያ፥ መንገዲ ኣየር ኬንያን ባቡርን ከይጥቀሙ ክኽልከሉ ምዃኖም ሚኒስተር ጥዕና፡ ሙታሂ ካግዌ፡ ወሲኻ ኣብሪሃ’ላ። በዚ ድማ ኬንያውያን፡ ኣገልግሎታት መንግስቲ፡ ከም ትምህርቲ፥ ኢሚግሬሽን፥ ቀረጽን ካልእን ንምርካብ ከም እተኸትቡ ዝምስክር ወረቐት ከርእዩ ክሕተቱ እዮም ተባሂሉ’ሎ። ነዚ ተባሂሉ ዕድሜኦም ካብ 15 …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com