Saturday , May 4 2024

ውህደት

ሰልፍታት ሽወደን ብጉዳይ ሽወደን ክትቅበሎም ዝግባእ ብዝሒ ስደተኛታት ይዘራረቡ

ኮሚቴ ኤሚግሬሽን፡ ሽወደን ክትቅበሎም ትኽእል ዝለዓለ ብዝሒ ስደተኛታት ብዝምልከት፡ ኣብ ፓርላም ትዛረበሉ ከምዘላ ተፈሊጡ። ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ምስ ብዝሒ ህዝበን ብምዝማድ፡ ካብቶም ናብ ኤውሮፓ ዝመጹ ስደተኛታት ዝተወሰነ ቁጽሪ ንኽቕበላ ዝተሰማማዓሉ ጉዳይ እዩ። ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራት፡ ሽወደን ኣብ ቀጻሊ ክትቅበሎም ትኽእል ብዝሒ ስደተኛታት ብዝምልከት ምስ ኩለን ሰልፍታት ክዝትየሉ ቅሩብ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። እዚ ማለት ካብ 2%-3% ካብ ምሉእ ብዝሒ ናብ ኤውሮፓ …

Read More »

Swedish News in Tigrigna – ዜና ሽወደን ብትግርኛ 05 June May 2020

ገለ ካብ ናይ ሎሚ ትሕዝቶ ዜና፡ 1. መንግስቲ ሽወደን ሓይልታት ፖሊስ ብገጽ ሰብ መንነት ዝምርመር መሳርሒ ክጥቐሙ ዘኽእል ሓድሽ ሕጊ ንምጽዳቕ እማመ ኣቕሪቡ። 2. ብኣሜሪካዉያን ፖሊስ ብግፍዒ ዝተቐተለ ጆርጅ ፍሎይድ ጸሎተ ፍትሓትን ምፍናዉን ከምዝተገብረሉን ኩሎም ተሓተቲ እቲ ቅትለት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ተባሂሉ። #sverige #alkompis #sweden #Tigrinja · ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ መደብና መድባት ኣልኮምፒስ ብዝተሳለጠ መገዲ ንምክትታል ኩሉኹም ተጠቀምቲ ኣንድሮይድ ኣፕሊከሽን ተዳልይልኩም …

Read More »

ኣገደስቲ እዋናውያን ጥዕናዊ ቃላት

Read More »

ካብ ኣዋጅ ወጻኢ ምንቅስቓስ ሽወደናውያን ምውሳዂ ተመልኪቱ።

ናይ ክልተ ሰዓት ደረት እኳ እንተተነብረሉ ምንቅስቓስ ሽወደናውያን ክውስኽ ከም እተራእየ ሓበሬታ Telia ኣመልኪቱ። ሓደጋ ለበዳ ኮሮና ኣብ ቦትኡ እኳ እንተሃለወ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሽወደናውያን ብብዝሒ ክንቀሳቐሱ ከም እተራእዩ ድማ ተገሊጹ። እዚ ዝበዝሐ ምንቅስቓስ ሰባት ኣብ ዌስትቡተንን ኖርቡቲንን እዩ ተራእዩ። እዚ ብዳታ ሞባይል ዝተዓቀበ ኣገባብ ምንቅስቓስ ከም ዘመልክቶ ምስ ምብራዕ እቲ ለበዳ ኣብ ወርሓ መጋቢትን ሚያዝያን ዋላኳ ምንካይ ተራእዩ …

Read More »

ዞባ ስኮነ . . . ንኣባላት ፖሊስን ህጹጽ ሬዲኤትን መርመራ ኮሮና ከተካይድ እያ

ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ማልሞን ሄልሲንቦሪን ዝግበር መስርሕ መርመራ ኮሮና ክዛይድ ምዃኑ ሓላፊ ኮሚቴ ምምሕዳር ስኮነ፡ ኦልፍ ዮንሰን፡ ከምዝሓበረ TT ኣቃሊሑ። ኣብ ዝሓለፈ እዋን መርመራ ኮሮና ንምክያድ ካብቶም ኣብ ኣገደስቲ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝሰርሑ ኣባላት ቅምሶታት (Sample) ወሲዱ ከምዝነበረ ዝፍለጥ ኮይኑ ቀጺሉ ድማ ካብ ኣባላት ህጹጽ ረዲኤትን ፖሊስን ቅምሶታት ክወስድ ምዃኑ ምምሕዳር’ቲ ከባቢ ሓቢሩ። እዚ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምታት፡ ንለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንምቁጽጻርን …

Read More »

ሓደ ወዲ 15 ዓመት ቆልዓ ብሓደጋ ሞይቱ።

ኣብ ቬስትሮስ፡ ሓደ ወዲ 15 ዓመት ቆልዓ ኣብ ልዕሊ ባቡር ብምስቃል ነቲ ልዑል ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዘለዎ መስመር ብምትንካፉ ከምዝሞተ TT ሓቢሩ። እቲ ቆልዓ ምስ ዓርኩ ኣብ ልዕሊ ሓደ ደው ኢሉ ዝነበረ ባቡር ድሕሪ ምስቃሎም ነቲ መስመር ኤሌክትሪክ ከምዝሓዞን ኣምቡላንስ መጺኣ ድማ ናብ ኣብ ቪስትሮስ ዝርከብ ኣሃዱ ቀዳማይ ረዲኤት ከምዝበጽሐን ብድሕሪኡ ድማ ኣብ ኡፕሳላ ዝርከብ ሆስፒታል ኣካዳሚስካ በጺሑ ምንባሩን፡ ንምድሓኑ ጻዕርታት’ኳ …

Read More »

ቲግኒል፡ ግዜ ንድሕሪት ክትመልሶ እንተ ዝከኣል ኔሩ . . . . ዝሓሸ ኣገባባት ምተጠቀምና

ግዜ ንድሕሪት ክትመልሶ እንተ ዝከኣል ኔሩ፡ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንምቁጽጻር ዝወሰድናዮም ስጉምታት ብዝተመሓየሹ ኣገባባት ምተካእናዮም ኔርና ክብል ኣማኻሪ ጉዳያት ለበዳ ሽወደን፡ ኣንድሽ ቲግኒል፡ ምስ ሬድዮ ኢኮት ኣብ ዝገበሮ ርክብ ሓቢሩ። ነቲ ብብዙሓት ሃገራት ዝተወስደ ምሉእ ናይ ምርጋጥ ስጉምቲ ግን ከምዘይድግፎ ሓቢሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ሽወደን ትኽተሎ ዘላ እስትራተጂ ዝያዳ ክመሓየሽ ተኽእሎታት ኣሎ። ንድሕሪት ተመሊስካ ሎሚ ክትሪኦ እንከለኻ፡ ኣብ መጀምርታ ውን …

Read More »

ቫይረስ ኮሮና ንምግታእ ገና ዝያዳ ስጒምቲታት የድሊ እዩ ተባሂሉ።

ሽወደን ለበዳ ኮሮና ንምግታእ ዝያዳ ኣድላዪ ስጒምቲታት ምውሳድ ከድልያ እዩ ክብል ዋና ተጸዋዒ ሕማማት ለበዳ ኣንደርስ ቲግኔል ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት ሓቢሩ። ምልስ ኢለ እንክርእዮ ስትራቴጂ ሽወደን ምስ ናይ ካልኦት ሃገራት ዝተቐራረበ ክኸውን ኔርዎ ዝብል ንስሓ ሓዘል መልእኽቲ’ውን ዯመሓላሊፉ’ሎ። በዚ ሕጂ ዘሎና ተመኲሮን ኣፍልጦን ተመሳሳሊ ሕማም እንተጋጢሙና ሽወደን መንጐ ናታን ተመኲሮ ካልኦት ሃገራትን ዝኾነ ስጒምቲ ከም እትወስድ ምተገብረ …

Read More »

ሎሚ ምሸት ኣብ ማልሞ ኣንጻር ዓልየትነት ሰለማዊ ሰልፊ ክካየድ እዩ።

መቐጸልታ ናይቲ ትማሊ ረቡዕ ምሸት ኣብ ስቶክሆልም ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ ሎሚ ምሸት ኣብ ከተማ ማልሞ ክካየድ ምዃኑ ተሓቢሩ። ኣንጻር ዓሌትነት ዝካየድ ዘሎ ሰለማዊ ሰልፊ ብሰንኪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣሜሪካ ዘጋጠመ ቅትለት ናይ ሓደ ጸሊም ኣሜሪካዊ ብፖሊስ ምዃኑ ይፍለጥ። ሰለማዊ ሰልፊ፡ ዲሞክራስያዊ መሰል እዩ። ኣብዚ እዋን ቅልውላው ለበዳ ቫይረስ ምትእኽኻብ ሰባት ከስዕቦ ዝኽእል ህልቂት ኣብ ግምት የእቲና ብመርበባት ኢንተርኔት …

Read More »

ሽወደን ተወለድቲ ወጻኢ ዘየጠቓልል ገምጋም ትምህርቲ ብምክያዳ ኣብ ጥርጠራ ትኣቱ።

ሽወደን ተወለድቲ ወጻኢ ዘየጠቓልል ገምጋም ትምህርቲ ብምክያዳ እቲ ውጽኢት መጽናዕቲ ኣብ ጠርጠራ ምእታዉ ተገሊጹ። ዳህሳስ PESA ከም ዘመልክቶ ተመሃሮ ሽወደን ብማእከላይ ገምጋም ካብ መላእ ተመሃሮ OECD ዝሓሸ ነጥቢ ምምዝጋቦም ምግላጹን ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣብያተ ትምህርትና ንኡዳት ምዃነን ዘበስር ውጽኢት ረኺባና ምባሉን ዝዝከር እኳ እንተኾነ ጋዜጣ ኤክስፕረሽን ኣብ ዘውጽኣቶ ጸብጻብ ብርክት ዝበሉ ተመሃሮ ተወለድቲ ወጻኢ ኣብዚ ጸብጻብ ክጠቓለሉ ከም ዘይተገብረ ኣቃሊዓ’ላ። እዚ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com