Monday , May 20 2024

ሃገራዊ ዜና

ጥሪ 16 ምርጫ ቀዳማይ ሚኒስተር ክግበር እዩ።

ቀጻላይ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን መን’ዩ ክኸውን? ብመሰረት ኣፈኛ ባይቶ ኣንድርያስ ኖርለን ጥሪ 16 ምርጫ ቀዳማይ ሚኒስተር ክግበር እዩ። ኣንድርያስ ኖርለን ነዚ ዘፍለጥ ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እዩ። ኣብ ዝሃቦ ሓጺር ጋዜጣዊ መግለጺ ኣንድርያስ ኖርለን እዚ ባህ እናበሎ ዝሃቦ መግለጺ ዘይምዃኑ ገሊጹ። ” እዚ ነገር ቅድሚ በዓል ልደት ክዛዘም ኔርዎ፡ እዚ ብዘይምዃኑ ግሁይ እየ። ሽወደን ሓድሽ መንግስቲ የድልያሎ” ኢሉ። ዝሓለፋ ሳምንታት …

Read More »

ነበርቲ ሽወደን ዝኾኑ ብሪጣንያውያን ብ “ንኹሉ ማዕረ ዝኾነ ኲነታት ” ክነብሩ ከም ዝፍቀደሎም ሚኒስተር ኣውሮጳዊ ሕብረት ሓቢራ::

ብመሰረት ሕጊ ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ሽወደን ዝቕመጡ ብሪጣንያውያን ብ “ንኹሉ ማዕረ ኣብ ዝኾነ ኲነታት ” ክነብሩ ከም ዝፍቀደሎም ሚኒስተር ኣውሮጳዊ ሕብረት ንሬድዮ ሸወደን ሓቢራ። ኮሚሽን ኣውሮጳ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ዋላውን ብሪጣንያ ብ 29 መጋቢት ካብ ኣባልነት ኣብ እትወጸሉት እዋን ከምዚ ዓይነት ስምምዕ እንተዘይተገብረ ኩለን ኣባል ሃገራት ኣብ ዓደን ንዝቕመጡ ብሪጣንያውያን ናይ ምንባርን ምስራሕን መሰል ክህባ ጸዊዓ። ብዛዕባ ኣብ …

Read More »

ድራር ልደት ምናልባት ከይተቐየረ ከም ዘይተርፍ ተገሊጹ::

ብመሰረት ኣብ ስቶክሆም ዝመሰረቱ ባልቲክኣይ ድራር ልደት ምናልባት ከይተቐየረ ከም ዘይተርፍ ገሊጻ። ኣብ መፍረ ዓሳ ከም ቀለብ ዘገልግል ኣሪንጋን ከሙውን ኣብ መፍረ እንሰሳ ቀለብ ጥሪት ዝኽውን ሶያን ብዙሕ ናይትሮጅንን ፎስፈረስን ከም ዘመንጩን ውዒሉ ሓዶሩ ናብ ባሕሪ ባልቲክ ከም ዝኣቱን ተፈሊጡ። ተመራማሪ ዩኒቨርሲቲ ሽወደን ፓትሪክ ሄንሪክሰን ሰባት ኲሎም ኣማራጺታት ክምኒ ተመን ባሕሪ ኣሪንጋ ሳልሞንን ዝበሉ ክድህስሱን ከም ዝመክር እንተኾን ግና ምርጫ …

Read More »

መገሻታት ልደት ብ ዓሰርተ % ምጒዳል ከም ዝአርኣየ ሓቢሩ።

25 ሚእታዊት ዘይቢዝነሳዊ በረራታት ሽወደን ዝሕዛኣሉ ቲከት ዝተባህለ መርበብ ናይዚ ዓመትዚ መገሻታት ልደት ምስ ናይ ዓሚ ብምውድዳር ብ ዓሰርተ ሚእታዊት ምጒዳል ከም ዝአርኣየ ሓቢሩ። ዳይረክተር ዕድጊ ቲከት ሚካኤል ካፒል ቀንዲ ምኽንያት እዚ ተርእዮ ክሮነር ናይ ምግዛእ ሓይሉ ብምጒዳሉ ብኻልእ ሸነኽ ድማ ብዙሓት ሽወደናውያን ጽቡቕ ክሊማ ኣብ ዝነበሮ ወቕቲ ክረምቲ ብብዝሒ ብምጋሾም እዩ ይብል። “ሕጂ ግዜ ስለዛኣኸለ ዝገሹሉ መዓለቲ ሓሊፍዎም’ዩ,” ክብል …

Read More »

ዜናታት ስዊድን ብትግርኛ 21 ታሕሳስ 2018

Read More »

ንሰባት ክልምኑ ኣገዲድኩም ብዝብል ሽዱሽተ ሰብኡት ተኸሲሶም።

ሽዱሽተ ሰብኡት ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ሰባት ካብ ቡልጋርያ ብምስግጋርን ኣብ ኣዝዩ ሕሱም ኣከባቢ ብምሕያርን ንኽልምኑ ብምግዳድን ተኸሲሶም። እዚ ኣብ ሸውደን ምናልባት እቲ ዝዓበየ ብሕጊ ዝረአ ዘሎ ዘይሕጋዊ ኣገባብ ምስግጋር ሰባት ከይኮነ ኣይተርፍን ተባሂሉ’ሎ። ኣብ ወረዳ ቫዦ ላዕለዋይ ዳኛ ዳንኤል ሃራልድሰን ንሬድዮ ሸውደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ እዞም ግዳያት ብዘይስሩዕ ኣገባብ ኣብ መጻወድያ ምእታዎም: ገሊኣቶም ናብ ሸወደን ምስ ኣተዉ ብዛዕባ ዝሰርሕዎ ስራሕ ወይ …

Read More »

ምምሕዳር ከተማታት ምስ ከንቲባ ሽወደን ዲሞክራት ናይ ምትሕግጋዝ ጉዳይ ይነጽግዎ።

ካብ ክልተ ምምሕዳራት ከተማ ደቡባዊ ሽወደን ምስ ሳልሳይ ምምሕዳር ከተማ ናይ ቤት ትምህርቲታት ምትሕግጋዝ ውጥን ሰሪዞሞ። እዚ ዝገበሩ እቶም ጸረ ስደተኛታት መርገጺ ዘለዎም ሽወደን ደሞክራትስ ኣብኡ መንግስታዊ ስራሕ ክጅምሩ ስለዝኾኑ ። ኣብ ኣውራጃ ብለኪንግ ደቡብ ሽወደን ከተማታት ካርልሻምን ኦሎፍስትሮም ከሙኡውን ሶልቭስቦርግ ኣብ ብዙሓት ሸነኻት እንተላይ ምውጋድ ጎድፍን ጒዳይ ህጹጽ ሓደጋን ብሓባር እዮም ዝሰርሑ ዘለዉ። ኣብ መወዳእታ እዚ ክረምቲ ኣብ ብርኪ …

Read More »

ድሕሪ ዝቐረበሎም ነቐፌታ ፖለቲከኛታት ናይ ቤተመዘክር ክፍሊት ከደናጒዩ ይውስኑ።

18 መንግስቲ ዝውንነን ኣብያተ-መዘክር ናይ መእተዊ ክፍሊት ዘይምኽፋል ውሳኔአን ክቕጽልኦ እየን ተባሂሉ። ኣብ ባይቶኣዊ ኮሚተ ባህላዊ ጒዳያት ዘለዉ ፖለቲከኛታት እቲ ኣብያተ-መዘክር ንህዝቢ ናጻ መታን ክኽውን ፈሰስ ንዋይ ክቘርጽዎ ምዃኖም ኣፍሊጦም። ክርስትያናዊ ዲሞክራት ሮናልድ ኡትቡልት ንጋዜጣ ዳገን ንሂተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ነቲ ዝቐረበሎም ነቐፌታ ምስምዖምን ክሳብ ዝመጽእ ጽድያ መእተዊ ብናጻ ክገብርዎ ምዃኖም ገሊጾም፡

Read More »

ዜናታት ስዊድን ብትግርኛ 17 ታሕሳስ 2018

Read More »

ወዲ 23 ዓመት መንእሰይ ብፈተነ ቅትለት ይኽሰስ!

ወዲ 23 ዓመት መንእሰይ ብፈተነ ቅትለት ተኸሲሱ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ እዩ። ንሱ ንሓደ ሰብኣይ ብስሕለት ብምጥቃዕ ብልዕቱ ከም ዝቐንጅሖ ቦራስ ቲድኒንግ ጸብጺቡ። እቲ መጥቃዕቲ ሕዳር 17 ምሸት እዩ ኣጋጢሙ። እዚ ወዲ 23 ዓመት መንእሰይ ምስ ኣፍቃሪቱ ከይተዓደመ ናብ ቤት ተጠቃዓይ ኣተወ። “ፍጹም ምኽንያት ኣልቦን ኣይረድ ዘብልን ገበን’ዩ” ይብል ግዜያዊ ዋና ዓቃቢ ሕጊ ኦፌ ዣፈርቫል ንጋዜጣ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ። እቲ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com