Saturday , May 18 2024

ሃገራዊ ዜና

“ሓወይ ቅድሚ ሕጂ ተፈሪዱ ኣይፈልጥን እዩ”ሓው ሳልሕ ኣል-ሓዳሪ ዝኾነ ኣሕመድ

ሓው ሳልሕ ኣል-ሓዳሪ ዝኾነ ኣሕመድ ረቡዕ ንግሆ ድሕሪ ዘጋጠመ ቅትለት ሓዉ፥ መራኸቢ ብዙሃን ብዛዕባቲ ጒዳይ ዝሃብኦ ሸፈነን ግብረመልሲ ኣንበብቲን ኣመልኪቱ ምስ ኮምብስ ቃለመጠይቕ ጌሩ። ኣሕመድ ነዚ ቃለመጠይቕ ክገብር ዝደረኾ እቲ ኣብ ጋዜጣታት ዝተዋህብ ንሓድሕዱ ዝራጸም ጸብጻባትን ርእይቶታት ኣንበብቲን ምዃኑ ገሉጹ’ሎ። “ኣንበብቲ ነዚ ብግፍዒ እተቐትለ ሓወይን ሰቖቓ ስድራቤቱን ምንም ግምት ኣይሃቡን” ይብል ኣሕመድ። ንባዕላቶም ዳኛታት ሕብረተሰብ ሽወደን ብምግባር ሓላፍነት ዝጐደሎ ርእይቶታት …

Read More »

ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ገንዘብ ብናህሪ ምውሳኽ ኣርእዩ’ሎ።

ብመሰረት ጸብጻባት ፖሊስ ቊጽሪ ኣብ ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ገንዘብ ናይ እተዋፈሩ ኮተቴ ኣብ ቀረባ ዓመታት ብናህሪ ምውሳኽ ኣርእዩ’ሎ። 75 ሚእታዊት እዞም ኰተቴ ዕድሚኦም ካብ 25 ክሳብ 25 እዩ። ገሊኣቶም ክኣ ካብዚ ዝነኣሱ’ዮም። እዞም ከውሊ ተባሂሎም ዝጽውዑ ኰተቴ ነቲ ብጐሓላሉ እተረኽበ ገንዘብ ናብ ባንክ ሕሳቦም ብምእታው እዮም ነዚ ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ገንዘብ ዝፍጽሙ። እዚ ገንዘብ መብዛሕቱኡ ግዜ ብሕጋዊ ኣገባብ ዝጥረ ኣይኮነን። ካብ ኣዛውንትን …

Read More »

ወዲ 51 ዓመት ሳልሕ እድሪስ ብዘጋጠሞ ማህረምቲ ጥይት ሞይቱ ተረኺቡ::

ኣስማት ዕሉላት ገበነኛታት ወይ ጥርጡራት ንህዝቢ ቃልዕ ምግባር ኣብ ጋዜጣታት ሽወደን ሳሕቲ ዝርአ ልምዲ እዩ ። ካብዚ ያታ ፍልይ ብዝበል ጋዜጣ ኤክስፕረስ ሎሚ ኣብ ማልም ናይ እተቐትለ ወዲ 51 ዓመት ሳልሕ እድሪስ ዛንታ ንኣንበብቲ ኣጽሕያ። እታ ጋዜጣ ንሳልሕ ዕሉል ገበንኛ ምንባሩን ኣብ ቀረባ ግዜ ፈተን ቅትለት ፈጺሙ ሃዲሙ ምሰዋሩን ተሪኻ። እቲ ገበንኛ ሎሚ ንግሆ ኣብ ርእሱ ብዘጋጠሞ ማህረምቲ ጥይት ሞይቱ …

Read More »

ፖሊስ ሽወደን ጸረ ግብረሽበራዊ ዘመተ ኣካይዱ።

ፖሊስ ሽወደን ብፍሉይ ተልእኾ ጸረ-ግብረሽበራ ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ምዕራባዊ ሽወደን መጠነ-ሰፊሕ ዘመተ ከም ዘካየደ ብረቡዕ ኣፍሊጡ። ክሳብ ሕጂ ወኪል ስለያ ሸወደን( ሴቦ) ዝሃቦ ርእይቶ የለን። ኣፈኛ ፖሊስ ክሪስተር ፋችስበሪ ግና ኣብዚ ስርሒት ፖሊስ ኩሉ ዓቐሞም ይጥቀሙ ምህላዎም ገሊጹሎ።

Read More »

ኣብ ቤትጽሕፈት ዕዮ ዝሰርሑ ኣሽሓት ቁጹራት ናይ ምብራር ስግኣት ኣለዎም ተባሂሉ።

ኣልኮምፒስ – ስቶክሆልም : ቤትጽሕፈት ዕዮ ብውሽጣዊ ሴርኩላር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ካብ ስራሕ ክእለዩ ተኽእሎ ከምዘሎ ተፈሊጡ። ከምኡውን ባጀት ዓቃባዊ ሰልፊ እንተጸዲቑ ስምምዕ እተበጽሓሎም ፕሮግራማት ክቕየሩ ከም ዝኽእሉ ኣልኮምፒስ ምፍላጡ ገሊጹ። ብመሰረት እቲ ሴርኩላር ባጀት ሰልፊ እንተጸዲቑ እቲ ቤትጽሕፈት ነቶም ዝኣተዎም ናይ ኣሽሓት ሰራሕተኛታት ውዕላት ክስርዝ ተኽእሎ ኣሎ። ባይቶ ሽወደን ሎሚ ቀትሪ ኣብ ባጀት 2019 ድምጺ ክህብ እዩ። …

Read More »

መራሒ ዴሳዊ ሰልፊ ስተቫን ሎፊን ነቲ ብዓቃባዊን ክርስትያናዊን ሰልፊ ዝወጸ ጥሙር ንድፊ ባጀት “ድርባይ መሃረብ’ዩ ብምባል ነጺግዎ።

መራሒ ዴሳዊ ሰልፊ ስተቫን ሎፊን ነቲ ብዓቃባዊን ክርስትያናዊን ሰልፊ ዝወጸ ጥሙር ንድፊ ባጀት “ድርባይ መሃረብ’ዩ….ሃገር በዚ መሃረብ ኣይትካየድን’ያ”ብምባል ነጺግዎ። “እዚ ልፍንታዊ ባጀት ድምጺ እንድሕር ረኺቡ ኦልፍ ክሪስተርሰን ድምጺ ቀዳማይ ሚኒስተርነት ዳግመ ግምት ክግበረሉ ኣለዎ” ብምባል ሉፈን ንጋዜጠኛታት ገሊጹ። “ባይቶ ነዚ ልፍንታዊ ንድፊ ባጀት እንድሕር ድምጺ ሂብሉ ዴሞክራስያውያን ኣምባሳደራት ከኣ እንተ ደጊፎሞ ጽባሕ ን ክሪስተርሰን ዳግመ ግምት ክንገብረሉ ኢና” ኢሉ። እቲ …

Read More »

ዜናታት ስዊድን ብትግርኛ ታሕሳስ 10, 2018

Read More »

ቻይና ናይ ሽወደን ወፍሪ ክትክልክል እያ ተባሂሉ።

ሽወደን ገዚፍ ዕቚር ሃብቲ ናይ ማዕድናት ኣለዋ። እዞም ሳሕቲ ጥራይ ዝርከቡ ማዕድናት ኣገደስቲ ኣካላት ጽሩይ ጸዓታዊ ቴክኖሎጂ እዮም። ይኹን’ምበር ቻይና ኩባንያታት ሽወደን ኣብ ዘቤታዊ ዕደና ወፍሪ ከይገብራ ክትክልክል እያ ተባሂሉ። እዚ ዝኾነ ብምኽንያት እዘን ኩባንያታት ኣብ ኣህጒራዊ ዕዳጋ ዘለዎም ዕብለላን ጽልዋን እዩ። ቻይና ዕደና ሳሕቲ ጥራይ ዝርከቡ ማዕድናት ብዓብላልነት ተካይድ ሃገር’ያ። እዚ ድማ 85 ሚእታዊት ኩሎም ናብ ዕዳጋ ዓለም ዝቐርቡን …

Read More »

ፖሊስ ስቶክሆልም ንኹሎም ተራ ናይ ምጥፍፋእ ምርመራታት ጠጠው ከብልዎም ይውስኑ።

ፖሊስ ስቶክሆልም ንኹሎም ካብ 5000 ክሮነር ናይ ምጥፍፋእ ምርመራታት ጠጠው ከብልዎም ይውስኑ። እዚ ዝገበሩ ዋሕዲ ገንዘብ ስለዘጋጠሞም እዩ።ማሕበር ሓራጅ ሽወደን እዚሞ ሰባት ምጥፍፋእ ንኽፍጽሙ ዝዕድም እዩ ኢሉ። ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ምንጪ ንዜና ሬድዮ ሽወደን ከም ዝገለጾ እዚ ማለት ብዙሕ ወንጀል ካብ ገበን ሓራ ይኸውን ኣሎ ማለት እዩ። በዓል መዚ ፖሊስ ሓደስቲ ክሲታት ክዕለቕሉቑ ጀሚሮም ይብል።

Read More »

ከሸንቲ እንግዶት ድራር ኖቤል ጭንቀቶም ክብ ይብል።

ንድራርን እንግዶትን ሽልማት ኖቤል ዝዳለዉ 300 ከሸንቲ ስቶክሆልም ሆል መጠን ጭንቀቶም ክብ ምባሉ ተገሊጹ። እዚ ናይ ሽልማት ስነስርዓት ዕረፍቲ ኣልፍሬድ ኖቤል ንምዝካር ኣብ ስቶክሆልም ታሕሳስ እዩ ዝበዓል። ልዕሊ 1000 ተሽለምቲን ዕዱማትን ኣብቲ ጽምብል ክሳተፉ እዮም። ምንጪ እቲ ጭንቀት ንንጉስ ዝበቅዕ ድራር ክዳሎ ድዩ ዝብል እዩ።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com