Sunday , May 12 2024

ሓደጋ

ብሰንኪ ምንሽርታት ዘጋጠመ ሓደጋ መኪና፡ 6 ሰባት ቆሲሎም

ኣብ ሰሜን ሽወደን፡ ኪሮና፡ ሸውዓተ ሰባት ጽዒና እትጓዓዝ ዝነበረት መኪና፡ ብሰንኪ በረድ ዘጋጠማ ምንሽርታት፡ ሓደጋ ከምዝገበረት፡ ኣብ መትና ዝነበሩ 6 ሰባት ከምዝቖሰሉን ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስዱን SVT ሓቢሩ። እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ብጣዕሚ ሓደገኛ ምንባሩን እታ መኪና ድሕሪ ምንሽርታታ፡ ካብ ጽርግያ ወጺኣ ምስቲ ኣብ ገምገም ጽርግያ ዝነበረ ኣኻውሕ ከምተጋጨወት ሓላፊ ኣገልግሎት መድሕን፡ ኦልፍ ባክማን፡ ሓቢሩ። ኣብቲ ቦታ ሓደጋ፡ ኣገልግሎት መድሕን፡ ፖሊስ ትራፊክ፡ …

Read More »

ንድሕነት መምህራን፡ ካብ መንግስትን ሕብረተሰብን ዝግባእ ደገፍን ሓገዝን ኣይተረኽበን ተባሂሉ

መምህራን፡ ብዛዕባ ዲሞክራስን ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነትን (Yttrandefrihet) ዝኣመሰሉ ኣርእስታት ኣብ ዝምህርሉ እዋናት፡ ውሕስነት ንኽስመዖም፡ ካብ መንግስትን ሕብረተሰብን ዝግባእ ደገፍን ሓገዝን ስለዘይረኽቡ ዘለዉ፡ ዝሓሸ ሕጋዊ ውሕስነት ክግበረሎም፡ ማሕበር መምህራን ሽወደን፡ ጸዊዑ። ሓደ ካብ ሓላፍነት ናይ መምህራን፡ ንዲሞክራስን ናይ ማዕርነት ክብርታትን ምጥባቕ እዩ። ነዚ ሓላፍነት ንምትግባር ንሓደጋ ኣብ ዝቃልዕሉ እዋናት፡ ግቡእ ዝኾነ ውሕስነት ክረኽቡ ዘይምኽኣሎም፡ ብቐሊሉ ክትቅበሎ ዘይትኽእል ምኽንያት እዩ ክትብል …

Read More »

ኣብ ናይ ጊኒየስታ (Gnesta) ባቡር፡ ኣጠራጣሪ ነገር ብምርካቡ፡ ብምልኡ ምንቅስቓሳት ናይ ባቡር ኣቋሪጹ

ኣብ ጊኒየስታ ዝርከብ ናይ ባቡር ተርሚናል፡ ዘይተፈልጠ ኣካል ከምተረኽበን፡ ምምሕዳር’ቲ ተርሚናል ድማ ነቷጒ ክኸውን ከምዝኽእል ብምሕባሩ፡ ፖሊስ፡ ናብቲ ቦታ መጺኦም፡ ንኩሎም ምንቅስቓሳት ናይ ባቡር ደው ክብሉ ድሕሪ ምሕባር፡ ዓቢ ዝኾነ ስርሒት ፈተሻ የካይዱ ምህላዎም SVT ሓቢሩ። ፖሊስ፡ ሰዓት 11፡37 ቅ.ቐ.፡ ብመንገዲ ሓደ ተሳፋሪ፡ ነቲ ሓበሬታ ከምዝተቐበሎ፡ ወሃቢት ቃል ፖሊስ፡ ኣንጀሊካ ሲልቬሪ፡ ገሊጻ። ብምልኦም ተሳፈርቲ፡ ካብቲ ባቡር፡ ብሰላም ከምዝወርዱ ድሕሪ ምግባር፡ …

Read More »

40% ካብቶም ሓደስቲ ናብ ሽወደን ዝመጹ መንእሰያት ናይ ድቃስን ኣትክሮን ጸገማት ኣለዎም

ኣስታት 40% ካብቶም ሓደስቲ ናብ ሽወደን ዝመጹ መንእሰያት፡ ብሕማቕ ተዘክሮታት፡ ዋሕዲ ድቃስን ናይ ኣትክሮ ጸገማትን ከምዝሳቐዩ፡ ኣብ ኮሌጅ ቀይሕ መስቀል ዝርከቡ ተመራመርቲ ዘካየድዎ ሓዲሽ መጽናዕቲ ሓቢሩ። ከምዚ ዓይነት ምልክታት ድማ፡ ድሕሪ ኣሰቃቒ (ኣሰምባዲ) ኩነት ዝፍጠር ዘይምርግጋእ (Posttraumatisk stressyndrom) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኮይኑ፡ ኣብቶም ካብ ኣፍጋኒስታትን ብዘይ ስድረኦም ዝመጹ መንእሰይት፡ ጎሊሑ ዝረአ እዩ ክብል እቲ መጽናዕታዊ ጸብጻብ ከም ዝጠቐሰ፡ መርበብ ሓበሬታ ተተ …

Read More »

ከተማ ዮንሾፒን፡ ብዘይ ውዑይ ማይን መውዓይ ገዛውትን

ሎሚ ሰኑይ ንግሆ ብሰንኪ ኣብ መደበር ፖምፓ ብዘጋጠመ ብልሽት፡ ኣብ ከተማ ዮንሾፒን ዝርከብ ኣገልግሎት ውዑይ ማይን መውዓይ ገዛውትን ኣቋሪጹ ከምዘሎ፡ ብሰንኪ’ዚ ድማ ኣስታት 30 ሽሕ ዝኾኑ ተቐማጦ’ታ ከተማ ተጸልዮም ምህላዎም መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ኣቃሊሑ። እቲ ብልሽት ኣብ ሰዓታት ወጋሕታ ከምዘጋጠመን፡ ንምጽጋኑ ድማ ሰዓታት ክወስድ ከምዝኽእል ተሓቢሩ።

Read More »

ሓንቲ ሰበይቲ፡ ንገንዘባዊ ምትላል ተቓሊዓ . . . . . . ባንክ ድማ፡ ክሕሳ ኣይከፍልን’የ ይብል

መይ ብሬት ዝተባህለት ጓል 80 ዓመት ሰበይቲ፡ ብሓደ ሰራሕተኛ ናይ ባንክ እየ ኢሉ ዝደወለላ ሰብ፡ ንገንዘባዊ ምትላል ከምዝተቓልዐትን፡ ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ እዛ ጓል 80 ዓመት፡ 900 ሽሕ ክሮን ከምዝኸሰረት (ከም ተሰርቀት) ተፈሊጡ። መጠን ብመንገዲ ቴሌፎን ኣብ ልዕሊ ኣረጋውያን ዝካየዱ ናይ ምትላል ተርእዮታት፡ እናበዝሑ ይመጹ ምህላዎም ዝፍለጥ  እዩ። ምኽንያቱ፡ መብዛሕትኦም ኣረጋውያን፡ ዲጂታላዊ መስርሕ ናይ ባንክ ይኽተሉ ስለዘለዉ እዮም። ኣብ ጋዜጣ ኣፍቶንብላደት፡ …

Read More »

ሽወደን፡ ዝለዓለ መጠን ግዳያት ዕጸ-ፋርስ ኣለዋ ተባሂሉ

ብመሰረት ጸብጻብ ኤጀንሲ ምክልኻል ዕጸ-ፋርስ ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣብ ሽወደን፡ ብሰንኪ ዕጸ-ፋርስ ዝሞቱ ሰባት ቁጽሮም ብተዛማዲ ዝበዝሐ ምዃኑ ገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኤስቶንያ ዝበዝሑ ግዳያት ከም ዝነበርዋ ዘዘኻኸረ እቲ ጸብጻብ፡ ሽወደን፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ፡ ካብ ሓደ ሚልዮን ሰባት፡ 81 ከም ዝሞቱ እዚ ድማ ምስ ማእከላይ ገምጋም ግዳያት ሕብረት ኣውሮፓ ክነጻጸር እንከሎ፡ ብኣርባዕተ ዕጽፊ ዝዛይድ ምዃኑ ተፈሊጡ ክብል ኣገልግሎት ዜና SVT ሓቢሩ። መጠነ …

Read More »

ቆጸራ ፍጻሜ ቶኽሲ፡ ንሓንቲ ቤት ትምህርቲ፡ ኣብ ፍርህን ጭንቀት የእትይዋ

ኣብ ምምሕዳር ሺል (Kil) እትርከብ ቤት ትምህርቲ ሳነሩድስኩላን (Sannerudsskolan)፡ ኣብ መንደቕ ናይ ሽቓቕ፡ ንጽባሕ ዓርቢ ዕለት 25 መስከረም፡ ኣብ ውሽጢ ቤት ትምህርቲ ናይ ቶኽሲ ፍጻሜ ክህሉ እዩ ዝብል ጽሑፍ ትማሊ ኣብ እዋን ምሳሕ ከምተረኽበን፡ እቲ ጉዳይ ብዕቱብ ተታሒዙ ከምዘሎን ሓላፊ’ታ ቤት ትምህርቲ፡ ፓትሪክ ባክማን ን SVT ሓቢሩ። ምምሕዳር’ታ ቤት ትምህርቲ፡ ነቲ ፍጻሜ ኣመልኪታ ንፖሊስ ከምዝሓበረን፡ ፖሊስ ናብቲ ቦታ ፍጻሜ ድሕሪ …

Read More »

ሓንቲ ሩስያዊት ናይ ውግእ መርከብ ምስ ሓንቲ ናይ ጽዕነት መርከብ ተጋጭያ

ኣብ ከባቢ ድልድል ኦሪሰንድ፡ ብሸነኽ ማያት ደኒማርክ፡ ሓንቲ ሩስያዊት ናይ ውግእ መርከብ ምስ ሓንቲ ናይ ጽዕነት መርከብ ከም ተጋጨወት ኣፍቶንብላደት ሓቢሩ። እቲ ፍጻሜ ኣብ ማያት ደኒማርክ ብምግጣሙ፡ እታ ሃገር፡ ንመስርሕ ሂወት ምድሓን መሪሓ ትሰርሕ ምህላዋ ተፈሊጡ። ሽወደናዊ መደበር መድሕን ብባሕርን ብኣየርን፡ ሓገዝ ንምሃብ፡ ሰለስተ ኣሃዱታት ምክትታል ገማግም ባሕርን ሓንቲ ሄሊኮፕተርን ልኢኹ ኣሎ። ኣብቲ ቦታ፡ ሓገዝ ንምሃብ ኢና ተረኺብና ዘለና።  ብዛዕባ …

Read More »

ኣብ ወደብ ኖርሾፒንግ፡ ዓርሞሾሻዊ ሓደጋ ባርዕ ተኸሲቱ

ትማሊ ምሸት፡ ኣብ ወደብ ኖርሾፒንግ፡ ብሰንኪ ተኣኪቡ ዝነበረ ጽራብ ዕንጨይቲ (ሪሺ)፡  ሓደጋ ባርዕ ከምተኽሰተን፡ ኣሃዱታት መጥፋእቲ ሓዊ ነቲ ባርዕ ኣብ ትሕቲ ቅጽጽር እኳ እንተእተውዎ፡ መስርሕ ምጥፋእ ሓዊ ንቅሩብ መዓልታት ክቕጽል ምዃኑ ጨንፈር ህጹጽ ረድኤት ሓቢሩ ክብል TT ኣቃሊሑ። ካብቲ ሓደጋ ባርዕ ዝመንጨወ ትኪ፡ ብሰንኪ ካብ ምዕራባ ዝብገስ ንፋስ፡ ንቁሩብ መዓልታት ክቕጽል ስለዝኽእል፡ ነበርቲ ናይቲ ከባቢ፡ ኣብ ገዝኦም ክጸንሑ፡ ማዕጾታት፡ መሳኹትን …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com