Friday , May 17 2024

ዜና

መጠን ዝቕባበ ናብ 3.3% ይዓቢ

ዝቕባበ ሽወደን ተተሓሒዝዎ ዝነበረ ምንቊልቋል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ደው ምባሉ፥ እዚ ድማ ብክኢላታት ስነቚጠባ ትጽቢት ክግበረሉ ዝጸንሐ ለውጢ ምዃኑ ተሓቢሩ። እቲ መጠን ዝቕባበ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2.3% ጸኒሑ ኣብ 3.3% ደው ምባሉ ዝፍለጥ እዩ። ገለ ካብቶም በዚ ዝቕባበ ምኽንያት ዋጋኦም ብፍጥነት ዝውስኽ ዝነበረ ሃለኽቲ ቡን፡ ሻሂን ዘይቲ ምግቢን እዮም። ዓገለ ኣብ ጎነጽ ዝተዋፈሩ ኣኽረርቲ ባእታታት ኣብ AI ተገዳስነት የርእዩ …

Read More »

ሩስያ ጥቓ ሽወደን ዝነበራ ወተሃደራዊ ህላወ ዳግማይ ትሃንጽ

ሩስያ ኣብ ቀረባ እዋን ጥቓ ሽወደን ዝጸንሓ ወተሃደራዊ ህላወ ዳግማይ ከተቐውም ምዃና ኣገልግሎት ወተሃደራዊ ስለያን ጸጥታን ሽወደን ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ሽወደን ምስ ተጻባኦን ናይታ ክትግምታ እተጸግም ሩስያ ንምግጣም ድልውቲ ክትከውን ከምዘለዋ ዳይረክተር እቲ ትካል ቶማስ ኒልሶን ገሊጹ’ሎ። ኣብ ልዕሊ ሽወደን ይዂን ብሽወደን ኣቢሉ ኣንጻር ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲን–ኔቶ– ዝግበር ስለያ ቀዳማይ ስግኣት ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ’ሎ። ሽወደን ዛጊት ዝዓበየ …

Read More »

ባይደን“ ኮንግረስ ን ዩክሬይን ናይ 60 ቢልዮን ዶላር ፓኬጅ ሓገዝ ኲናት ከጽድቕ ትጽቢት ኣሎኒ”

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ንመዘንኡ ዩክሬናዊ ፕረሲደንት ናይ 60 ቢልዮን ዶላር ወተሃደራዊ ሓገዝ ኣብ ቀረባ እዋን ከም ዘውሕዘሉ ኣረጋጊጹ። እቲ ስጉምቲ ብድምጺ ባይቶ ኮንግረስ ንምሕላፍ ይጽበ ምህላዉ፡ እንተኾነ ግና ባይደን ንቮሎዲሚር ዘለንስኪ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ከምዝጸድቕ ርግጸኛ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ። ሚስተር ዘለንስኪ ኣቐዲሙ ኣብ ኤውሮጳ ኣዕናዊ ኩነታት ንኸይፍጠር ተወሳኺ ኣጽዋር ክረክብ ህጹጽ ጻውዒት ኣቕሪቡ ነይሩ እዩ። ኣመሪካ ነዚ ደገፍ ብህጹጽ ከይትውሕዝ …

Read More »

ፊንላንድ ናብ ሩስያን ማእከላይ ኤስያን እትገብሮ ሰደድ ብርኡይ መጠን የንቈልቊል

ፊንላንድ ናብ ሩስያን ማእከላይ ኤስያን ክትገብሮ ዝጸንሐት ሰደድ ርኡይ ምንቁልቋል ከምዘርኣየ ተገሊጹ። ኣብ ውሽጢ ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ጥራይ እዚ ሰደድ ብ 68.9% ከምዘንቈልቈለ “ስታቲስቲክስ ኣህጉራዊ ንግድ” ዩሮስታት ይሕብር። ኣብ 2021 ፊንላንድ ብደረጃ ሕብረት ኣውሮጳ ናብዘን ዞባታት ዝነበራ ብጽሒት 3.9% እኳ እንተነበረ፡ ክሳብ 2023 ግን እዚ ኣሃዝ ናብ 1.9% ወሪዱ እዩ። እዚ ምንቁልቋል፡ ኩባንያታት ፊንላንድ ናብ ምብራቕ ዝገብርኦ ሰደድ ካብቲ ማእከላይ …

Read More »

ሽወደናውያን ጎዳኢ መጠን ጨው ኣብ መግቢ የህልኹ

ሽወደናውያን ንጥዕናኦም ብዝጎድእ መጠን ጨው ኣብ መግቦም የህልኹ ምህላዎም ተፈሊጡ። ብምኽንያት ዘይግቡእ ሃልኪ ጨው፥ ዓመታዊ ኣስታት 8,000 ሰባት ወቕዒ ልቢ ከምዘጋጥሞም ጸብጻብ “ኤጀንሲ መግቢ ሽወደን” ኣመልኪቱ። “ጨዋም መግቢ ብብዝሒ ንበልዕ ኣሎና” ትብል ኣካያዲት ናይቲ ጸብጻብ ከምኡ’ውን ክኢላ ኣመጋግባ ኣሳ ብሩጋርድ ኮንደ። ሽወደናዋን ኣብ ዝመጽእ ዓመታት መጠን ዘህልኽዎ ጨው ብ 20% ብምንካይ ጥዕናኦም ክሕልዉ ካብ ኮንደ መጸዋዕታ ቀሪቡ’ሎ። ጨው ሶድዬም ክሎራይድ …

Read More »

ኣብ ባርዕ ማያዊ ፓርክ ደሃዩ ኣጥፊኡ ዝነበረ ሰብ ሞይቱ ተረኺቡ

ኣብ ዮተቦሪ ኣብ ዝርከብ መናፈሻ ማይ ኦሽያና ዓቢ ባርዕ ሓዊ ካብ ዝለዓል ንደሓር ደሃዩ ጠፊኡ ዝነበረ ሰብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብቲ ፍርስራስ ሞይቱ ተረኺቡ። ብምኽንያት ሓደጋ ባርዕ ናይዚ ንኽህነጽ 1.3 ቢልዮን ክሮና ወጻኢ ዝተገብረሉ መዘናግዒ ማያዊ መናፈሻ ብውሕዱ 22 ሰባት ቀሊል መቚሰልቲ ኣጋጢምዎም ኣሎ። “ባህሪ ናይ’ቲ ባርዕ ምግማት ዓቢ ብድሆ’ዩ ነይሩ፡ ኣጀማምራኡ ሃንደበትን ዘየላቡን ምስ ምንባሩ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ምእታዉ ቀሊል …

Read More »

ምቅጻል ቁርኣን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንዝርከባ ኩባንያታት ሽወደን ክንድቲ እተፈርሆ ኣይጸለወንን

ዓሚ ኣብ ሽወደን ብተኸታታሊ ድሕሪ ዝተፈጸመ ምቅጻል ቁርኣን፥ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝንቀሳቐሳ ኩባንያታት ሽወደን ካብቲ ተፈሪሁ ዝነበረ ልብጥ ዝበለ ጽልዋ ከም ዝበጽሐን “ቢዝነስ ሽወደን” ሓቢሩ። “ምቅጻል ቊርኣን ይካየደሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ኣብ ኩባንያታት ሽወደን ዝተወሰነ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ኣንጸላልዩ እኳ እንተነበረ፡ ክንድቲ ዝፈራህናዮ ግና ኣይኮነን” ትብል ኣብ ቢዝነስ ሽወደን ምክትል ፕረዚደንት ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ማሃ ቡዘይድ ንኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ኣብ …

Read More »

News Magazine ዜና መጽሄት 20240216

  መጠንቀቕታ ካብ ፖሊስ ንወለዲ መንእሰያት ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንምውሳድ ፈተና ክጅመር

Read More »

ፊንላንድ፥ ክሊማን ኣድማታትን በዳሂ ኲነታት ይፈጥሩ

በዳሂ ኩነታት ኣየርን ኣድማታት ህዝባዊ መጓዓዝያን ተደሚሮም፡ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ደቡባዊ ክፋላት ፊንላንድ ንዝርከቡ ተጓዓዝቲ ሽግር ምፍጣሮም ዋይኤል ጸብጺባ። ኣብ YLE ተመራማሪ ሜትሮሎጂ ኤልያስ ፓካነን መራሕቲ መካይን ብዛዕባ ምስጋድ ትራፊክን ኩነታት ጽርግያን ሓድሽ ሓበሬታ ክከታተሉ ኣተባቢዑ ትማል ሰሉስ ኣተሓሳሲቡ እዩ፡፡ ብኣንፈት ደቡባዊ ምዕራብ እታ ሃገር ዝመጽእ ኲነታት ኣየር ኣብ ደቡባውን ምዕራባውን ከባቢታት ካብ 5–15 ሴንቲ ሜተር ዝርጒዱ ውርጪ ከውርድ ከም …

Read More »

ብባርዕ ዝዓነወ መናፈሻ ማይ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን በጻሕቲ ናብ ዮተቦሪ ክስሕብ ትጽቢት ተጌሩሉ ኔሩ ተባሂሉ

ንመናፈሻ ማይ ኦሽያና ዘዕነወ ባርዕ ክሳራኡ ን መናፈሻ ሊሰበርግ ጥራይ ከም ዘይኮነ ተሓቢሩ። ዋና ኣካያዲ ስራሕ ቤት ምኽሪ ንግዲ ምዕራብ ሽወደን ዮሃን ትሮቨ ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ መናፈሻ ማይ ድሕሪ ምኽፋቱ ፍርቂ ሚልዮን በጻሕቲ ናብ ዮተቦሪ ክስሕብ ትጽቢት ምንባሩ ኣመልኪቱ’ሎ። እቲ ባርዕ ካብ ዝለዓል ልዕሊ 24 ሰዓታት እኳ እንተሓለፈ ዛጊት ሓደ ሰብ ደሃዩ ኣይተረኽበን ኣሎ።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com