Sunday , May 19 2024

ዜና

ዜና ሽወደን ብትግርኛ Svenska nyheter 21 December 2020

1. ምድላው ኣልኮምፒስ ትግርኛ ቅርጹን ሽሙን ክቅይር ከም ዝኾነ ተፈሊጡ። 2. ዓሌት ኩሮና ዝኾነ ቫይረስ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ከም ዝተርኣየ ትሓቢሩ። #sverige #alkompis #sweden #Tigrinja Sweden

Read More »

ሽወደን ካብ ዴንማርክ፡ዝመጽእ ጒዕዞ ትእግድ።

ሽወደን ምስ ብሪጣንያ ዝነበራ ናይ ጒዕዞ ርክባት ካብ ዝሓለፈ 48 ሰዓታት ጀሚራ ምቊራጻ ምስ ዴንማርክ ዘዳውባ መስመራት ከኣ ምዕጻዋ መንግስቲ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣመልኪቱ። ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት Mikael Damberg ኣብ ዝሃቦ መገለጺ ኣብዘን ሃገራት ብሰንኪ ተላዒሉ ዝተባህለ ሓድሽ ለበዳ ኮሮና ሸለልትነት ንዘይምርኣይ ዝተወስደ ስጒምቲ እዩ ኢሉ። ካብ 12 ታሕሳስ ንደሓር ካብ ብሪጣንያ ናብ ሽወደን እተመልሱ ዜጋታት መርመራ ኮቪድ-19 ክገብሩ …

Read More »

ቻይና ንሽወደን ተፈራርህ።

ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ትክብ ክልቲአን ሃገራት ብዓይነቱ ናይ መጀመርታ ክበሃል ዝከኣል ናይ መፈራርሂ መልእኽቲ ናብ ሽወደን ምትሕልላፉ ኣብ ትካል ኣህጒራዊ ጒዳያት ሓላፊ ፕሮግራም ኤሽያ Björn Jerdén ገሊጹ። ዋላኳ ቻይና ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ኣብ ውድባት ሰብኣዊ መሰልን ሽወደንን ኣክቲቪስታቱን ጽንዕ ዝበለ ነቐፌታ ከተውርድ እንተጸንሐት እዚ ኣብ ቀረባ እዋን ብ ኣምባሳደራ ዝቐረበ ናይ ምፍርራህ መልእኽቲ ግና ብዓይነቱ ፍልይ ዝበለ እዩ ክብል ድማ …

Read More »

እታ ዝቀልጠፈት ሽቶ ኣብ ታሪኽ ኩዑሶ እግሪ ጥልያን።

ዓጥቓዒ  ክለብ ኤሲ ሚላን ፖርትጋላዊ ራፋኤል ልዮ ኣብ 6 ካልኢታት ጎል ብምምዝጋቡ ኣብ ታሪኽ ኩዕሶ እግሪ ሰሪ ኣ ጥልያን ሓድሽ ታርኽ ኣመዚጊቡ። ራፋኤል ትማሊ ጋንትኡ ኤሲ ሚላን ኣብ ልዕሊ ሳሶሎ 2ብ1 ኣብ ዝተዓወተትሉ ነዛ ዝቀልጠፈት ሸቶ ብምምዝጋብ ነቲ ቅድሚ 19 ዓመት  ኣብ 8 ካሊኢታት ብ ፓውሎ ፖጊ ተመዝጊቡ ዝጸንሔ ከምሓይሾ ዝኸኣለ። ክለብ ኤሲ ሚላን በዚ ድሙቕ ዓወት ተሰንያ ን ሰሪ …

Read More »

ሎሚ 21 ታሕሳስ እታ ዝነውሔት ጸልማትን ለይትን ኣብ ሽወደን።

ብመስረት ስርዓት ዑደት ዓለምና ኣብዛ መዓለትን ወርሕን ዑደት መሬትና ካብ ደቡባዊ ክፋል ዓለም ናብ ሰሜናዊ ክፋል ትጋዓዘሉ እዩ። በዚ መስረት ሎሚ ዕለት 21 ታሕሳስ ሰዓት 1፡02 እታ ዝሓጸረት መዕላትን ዝነውሔት ጸልማትን ለይቲን ኣብ ሽወደን ኮይና ትምዝገብ። ነቶም ብርሃን ዝናፈቕኩም ብፍላይ ኣብዚ ሰሜናዊ ክፋል ዓለም ንነብር ካብ ናብ ጽባሕ ሰሉስ ጀሚሩ እንዳበርሄ ክኸይድ እዩ።

Read More »

ዘምልስ ሰብ ብቪድዮ ስኢሉ ናብ ቲክቶክ ዘእተወ መንእሰይ ተፈሪዱ።

ነባሪ ያቭለ ዝኾነ ወዲ 18 ዓመት መንእሰይ ኣብ ሓደ ፌስታ ዘምልስ ዝነበረ ሰብ ስኢሉ ናብ ቲክቶክ ስለዝዘርጎሖ 7000 ክሮኖር ካሕሳ ክኸፍል ተፈሪዱ። ነቲ ዝተዘርገሐ ቪድዮ ኣሽሓት ሰባት ከምዝርኣይዎን እቲ ዝተሳእለ ሰብ ሓበሬታ ምስበጽሖ ናብ ፖሊስ ድሕሪ ምኽሳሱ እቲ ወዲ 18 ዓመት መንእሰይ መሰል ብሕታውነት ብምጥሓስ ተኸሲሱ ካሕሳ ክኸፍል ከምዝተፈርዶ ተፈሊጡ።

Read More »

ብምኽንያት ለበዳ ኮሮና ኣብዚ ጽድያ ካብቲ ንቡር ብ 26% ዝውሕዱ ጽምዲ ምምርዓዎምን ካልኦት ድማ ዝምርዓውሉ መዓልቲ ምስግጋሮምን ተገሊጹ።

ሓንቲ ካብዞም ጽምዲ ናይ ኤሪክን ክሪስቲን እያ። ንሳቶም መርዓኦም ኣብ ሰነ 2020 ክገብርዎ እኳ ወጢኖም እንተነበሩ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ኣብ ኣመሪካ ዝቕመጡ ስድራ ክሪስቲ ነቲ መርዓ ክጽንብሉ ናብ ሽወደን ክመጹ ስለ ዘይክእሉ ኣብ ሽግር ምጽንሖም እንተኾነ ግና መርዓኦም ሰለስተ ሰሙን ጥራይ ስለ ዝተረፎ እቶም ጽምዲ ዝመጸ እንተመጸ መርዓና ኣይንገድፍን ብምባል ኣብ ክንዲ ሰብዓ ሸውዓተ ኣጋይሽ ብምዕዳም ወዲኦሞ። ኣብቲ መርዓ ዝኾነ …

Read More »

ኣቕኒእክኒ ሓፍተይ:ሓቐኛ ዛንታ

ካልኣይን መወዳእታን ክፋልብጸጋብርሃን ጎይትኦም “እንታይ ብሰንኪ ጽጋበይ ኢልካ ዘረባ። ንምንታይ ተጨንቑኒ፡ ክብረት ሓፍተይ እንታይ እያ ኮይና ዘይትነግሩኒ፡” ኩሉ ዘረባኦም ጋን ስለ ዝኾና ከጨንቓ ጀመረ። “ጸጋ ጓለይ እንቋዕ ደኣ ብሰላም ተመለስክና’ምበር፡ ዘይወለድኪ ኢልና ኣይንጉህን ኢና። ቀደም ዝጓሃናዮ ይኣኽለና። ሎሚ ኣሕዋትኪ ኣብ ዝብጻሕ ስለ ዘብጻሕኪ፡ ንጎይታ ክልተ ግዜ ኣይንልምኖን ኢና። ግዜ ምስ ሓለፈ ጉሂናኸ ጓሂ ክንውስኸልኪ እንተዘይኮይንና እንታይ ክንምልእ ኢልና። ንስኺ ከኣ እንቋዕ ደኣ …

Read More »

ብዘይ ፈጸሞ ገበን ን 20 ዓመታት ዝተኣስረ ሰብ ነጻ ወጽዩ።

ወዲ 53 ዓመት ዝኾነ ደቡብ ኮርያዊ ዩን ሱንግዩ ብ1988 ጓል 13 ዓመት ድሕሪ ምዕማጽ ቀቲልካ ተባሂሉ ንሕልፈት ድሕሪ ምፍራዱ፡ ብሰንኪ ናይ DNA Technic ነጻ ክልቀቕ ክኢሉ። እቲ ነታ ጓል 13 ዓመት ዝቀተለ ገበነኛ ብኣገባብ DNA ቴክኒክ ካልኦት 13 ሰባት ዝርከብዎም ንቡዙሓት ከምዝቀተለን ነዛ ጓል 13 ዓመት እውን ድሕሪ ምዕማጽ ከምዝቀተላ ስለዝተኣመነ እቲ ብዘይፈጸሞ ገበን  ን 20 ዓመታት ኣብ ማሕዩር ዝጸነሐ …

Read More »

እስራኤል፡ ክታበት ክሮና ቫይረስ ብቀዳማይ ሚኒስተራ ጀሚራቶ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ነታንያሁ ነቲ ኣብ ሃገረ እስራኤል ዝጀመረ ክታበት ናይ ክሮና ቫይረስ ብቀዳምነት ብምኽታብ ኣጀሚርዎ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንዜጋታቱ ንምትብባዕ ብምባል ቅድሚ ኩሉ ድሕሪ ምኽታቡ ንዜጋታቱ ክታበት ክወስዱ ኣተባቢዑ። እስራኤል ኣብ ክሳብ ሓድሽ ዓመት ኣብ ዘሎ ግዝየ ነቶም ዕስራ ሚእታዊት ዝኾኑ ኣብ ክሊ ሓደጋ ዘለው ዜጋታታ ናይ ምኽታብ ዕላማ ከምዘለዋ ተገሊጹ። ከምዝፍለጥ እስራኤል ከባቢ 9 ሚልዮን ካብ ዝኸውን …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com