Friday , April 26 2024

ዜና

ኣብ ሓንቲ ቤት ትምህርቲ፡ ሓደጋ ባርዕ ኣጋጢሙ

ትማሊ ሰንበት ድሕሪ ሰዓት 8 ናይ ምሸት፡ ኣብ ቦርሊንኘ (Borlänge) እትርከብ ቤት ትምህርቲ ይለ (Gylle) ዘጋጠመ ናይ ባርዕ ሓደጋ ተኽቲሉ፡ ፖሊስ፡ ነቲ ፈጻሚ ናይቲ ሓደጋ ዝበሎ ጥርጡር ኣብ ከባቢ ሰዓት 10 ናይ ምሸት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ የእትዮ፡ መባእታዊ መርመራታት ከምዘካየደ ሓቢሩ። ሓሙሽተ ዝተፈላለያ ኣሃዱታት መጥፋእቲ ሓዊ ነቲ ባርዕ ኣብ ምቕሃም ከምተሳተፋን ንሎሚ ሰኑይ ንጥፈታት ትምህርቲ ኣቛሪጹ ከምዘሎን ተፈሊጡ። እቲ ሓደጋ …

Read More »

ብሰንኪ ቫይረስ ኮሮና ዝተሃስያ ሸውዓተ ርእሰ ከተማታት ኤውሮፓውያን ሃገራት

ብሰንኪ ኮሮና ቫይረስ ዝተሃስያ ርእሰ ከተማታት ንምውድዳር፡ ጋዜጣ ኣፍቶንብላደት ኣብ መንጎ ዓበይቲ ርእሰ ከተማታት ኤውሮፓ ዝገበሮ ምንጽጻር ምርኩስ ብምግባር፡  ከተማ ስቶክሆሎም፡ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዓ ከምትርከብ ተፈሊጡ። እቲ ዝተገብረ ምንጽጻር፡ ካብ 100 ሽሕ ሰባት ክንደይ ሰባት ከምዝሞቱ ዝወዳድር እዩ። እተን ኣብ ምንጽጻር ዝኣተዋ ዓበይቲ ርእሰ ከተማታት ኤውሮፓ፡ በርሊን፡ ለንደን፡ ማድሪድ፡ ኦስሎ፡ ፓሪስ፡ ሮማን ስቶክሆሎምን እየን። ኣሚስተርዳም፡ ብራጋን ብሮክስሊን ኣብቲ ምንጽጻር …

Read More »

ኣብ ቡደን (Boden)፡ ሓንቲ ቤት ትምህርቲ ተዓጽያ

ብሰንኪ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና፡ ኣብ ቡደን እትርከብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ስቫትቢያርንሽቢን (Svartbjörnsbyn) ከም ተዓጽወት ተፈሊጡ። ብመሰረት እታ ቤት ትምህርቲ፡ ብዝሕ ዝበለ ቑጽሪ ኣባላታ ብሕማም ስለ ዝተጠቕዑን፡ እኹል ቁጽሪ ተካእቲ ብዘይምህላዎምን ነቲ ውሳነ ክትወስድ ከምተገደደት ትሕብር። እዛ ቤት ትምህርቲ፡ ካብ ቅድመ ትምህርቲ ክሳብ 6ይ ክፍሊ ትምህር ኮይና ኣስታት 150 ተማሃሮ ኣለውዋ።

Read More »

ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ኣብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ዝተራእየ ጉድለት፡ ዘሰንብድ እዩ፡ ትብል

ብበዓል መዚ ተቖጻጻሪ ሓለዋን ጥዕናን (IVO) ዝቐረበ ጸብጻብ ድሕሪ ምዕዛብ፡ ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ሊና ሃሊንግሪን፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ዝተፈላለያ ምምሕዳራት ዝርከባ 98 እንዳ መናበይ ዓበይቲ ዝርከቡ ሕሙማት ኮቪድ-19 ዝተፈጸመ ጉድለት ኣመልኪታ፡ ዘሰንብድን ዘሕዝንን እዩ ክትብል ምስ ተሌቪዥን ሽወደን ኣብ ዝካየደቶ ርክብ ገሊጻ። እቲ ዝተፈጸመ ጉድለት፡ ዘሰንብድን ዘይቅቡልን እዩ። ዕድመ ሰብ ይኹን ኣበየናይ ክፋል ናይዛ ሃገር ይሃሉ ብዘየገድስ፡ ግቡእን ምዕሩይን ዝኾነ …

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ Svenska nyheter på tigrigna 27 November 2020

Read More »

በዓልመዚ ጥዕና፡ ኣብ እዋን ክሪስማስን ሓድሽ ዓመትን እገዳታት ጉዕዞ ኣይክህሉን እዩ ይብል

በዓልመዚ ጥዕና ሽወደን፡ ኣብ እዋን ክሪስማስን ሓድሽ ዓመትን፡ ናይ ጉዕዞ ቀይድታት ኣይከምሓላልፍን እዩ። ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት ድማ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን፡ ሓደስቲ ምኽርታትን መምርሒታትን ከመሓላልፍ ምዃኑ ሓቢሩ። ምሉእ እገዳ ጉዕዞ ንእውጀሉ እዋን ኣይበጻሕናን ይኹን እምበር፡ ሰብ ኣብ ዝገሸሉ እዋን፡ ሓላፍነታዊ ክኸውን ከምዝግባእ ኣማኻሪ መንግስቲ ኣብ ጉዳያት ሕማማት ለበዳ፡ ኣንደሽ ቲግኔል፡ ሓቢሩ። ኣብ መፋርቕ ታሕሳስ፡ ለበዳ ኮሮና ኣብ ጥርዙ ክበጽሕ ከም ዝኽእል …

Read More »

ዜና መጽሔት News Magazine 27 November 2020

Read More »

ሰልፊ ኣከባቢ (Milijöpartiet)፡ ሚርታ ስቴነፊ ን ኢዛቤላ ሉፊን ንኽትትክኣ ሓጽዩዋ

ኮሚቴ ሕርያ ሰልፊ ኣከባቢ፡ ንኢዛቤላ ሎቨን ተኪኣ ከም ኣደወንበር ናይቲ ሰልፊ ኮይና ክትሰርሕ እትኽእል ኢሉ፡ ንማርታ ስተነፊ፡ ከምዝሓጸያ መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ሓቢሩ። ኣወሃሃዲት ኮሚቴ ሕርያ ሰልፊ ኣከባቢ፡ ካተሪን ቪሲን፡ ሎሚ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ስተንፊ፡ ተኣማኒትን ጽንዕትን ስለ ዝኾነት ነቲ ሰልፊ ጠርኒፋ ናብ  ዝቕጽል ወፍሪ ምርጫ ከተሰጋግረና ትኽእል እያ ኢላ። ሓላፊ ሰልፊ ዝኸውን ሰብ፡ ኣብቲ ኣብ ዕለት 31 ጥሪ …

Read More »

ብሰንኪ በዓል ልደት፡ መንእሰያት፡ ኣብ ዘይተደልየ ልቓሕ ንኸይኣትዉ፡ ክሮኖፎግደን (kronofogden)፡ ኣጠንቂቑ

ብዝሒ ናይቶም ኣብ እዋን ቅልውላው ለበዳ ኮሮና፡ ንቤት ጽሕፈት ክሮኖፎግደን ብምውካስ ፡ ንመደባት ኣከፋፍላ ልቓሓቶም ብዝምልከት ምኽርን ሓገዝን ዝሓቱ ሽወደናውያን መንእሰያት፡ እናበዘሐ ይመጽእ ምህላዉ እቲ ቤት ጽሕፈት ሓቢሩ። ካብ ሓሲብካ ክትሽምት ብስምዒት ክትሽምት ስለዝቐልል፡ ሽወደናውያን፡ ንበዓል ልደት ዝኾኑ ህያባት ንምግዛእ፡ ውሕስነት ኣብ ዘይብሎም ናይ ልቓሕ መጻወድያታት ንኸይኣትዉ ዋሃቢት ቃል እቲ ትካል፡ ቲና ሃይማርክ፡ ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝገበረቶ ርክብ ገሊጻ። …

Read More »

ማእከላይ ገምጋም ዕድመ ሽወደናውያን፡ ብሰንኪ ኮሮና ጎዲሉ

ናይዚ ዓመት ማእከላይ ገምጋም ዕድመ ሽወደናውያን፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ክጎድል ትጽቢት ከምዘሎ ማእከል ስታቲስቲክስ ሽወደን ሓቢሩ። ማእከላይ ገምጋም ዕድመ ሽወደናውያን ደቂ ኣንስትዮ ካብ 84.7 ናብ 84.4 ዓመትን ናይ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ካብ 81.3 ናብ 80.8 ዓመት ክጎድል ከምዝኽእል ገምጋማት’ቲ ማእከል ይገልጹ። ማእከላይ ገምጋም ዕድመ ሽወደናውያን ደቂ ኣንስትዮ፡ ካብ መጨረሽታ ሰማንያታት ጀሚሩ፡ ሒደት እዋናት ጥራይ ምጉዳሉ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብ ናይ ደቂ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com