Tuesday , May 7 2024

ዜና

ነርስ፡ ቀዳማይ ማዕበለ ኮሮና ምልክት ናይዚ እንርእዮ ዘሎና ካልኣይ ማዕበል እዩ ኔሩ

ከተማ ሄልሲንቦሪ፡ ሓንቲ ካብተን ብለበዳ ኮሮና እተጠቕዓ ከተማታት እያ። ሕጂ ዝለዓለ ለበዳ ኮሮና ዘለዋ ምምሕዳር ከተማ ምዃና ድማ ይፍለጥ። እቶም ተሓጋገዝቲ ሓካይም (ነርስታት)፡ ኣብ ኣዝዩ ጽንኩር ኩነታት ስለ ዘለዉ፡ ነዛ ንዓይኒ ምድሪ ዝኸዱላ ግዜ’ውን የብሎምን ክትብል ኣብ ሆስፒታል ሄልሲንቦሪ፡ ኣብ ጨንፈር ህጹጽ ሕክምናዊ ረድኤት ተሓጋጋዚት ሓኪም ዝኾነት ተረሳ ሞዲን ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃበቶ ቃል ሓቢራ። ንሳ ወሲኻ፡ ብዙሓት ካብ ኣባላትና፡ …

Read More »

መንግስቲ ሽወደን፡ ሓገዝ ንምርካብ፡ ቋንቋ ሽወደን ምምሃር ግዴታ ክኸውን ምዃኑ ሓቢሩ

ካብ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት (ሶሻል) ሓገዝ ንምርካብ፡ ቋንቋ ሽወደን ምምሃር ከም ረቛሒ ክውሰድ ዘኽእል እማመ ብመንግስቲ ከምዝቐረበ ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት ሽወደን፡ ሊና ሃሊንግሪን፡ ሓቢራ። ሓገዛት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንምርካብ ዝደሊ ሰብ፡ ቋንቋ ሽወደን ክመሃር (SFI) ወይ ድማ ንዕኡ ዝመጣጠን ትምህርቲ ክመሃር ክግደድ እዩ ክትብል እታ ሚኒስተር ኣብ ገጻት ፌስቡካ ሓቢራ። እዚ ናይ ሕጊ ለውጢ፡ ካብ ወርሒ ሚያዝያ 2021፡ ኣብ ተግባር …

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ Svenska nyheter på tigrigna 07 December 2020

Read More »

ኣብ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝቐነዩ ሕሙማት፡ ቅልጡፍ ጥዕናዊ ምምሕያሽ የርእዩ

ብበዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ዝወጹ ኣሃዛት ከም ዘሕብርዎ፡ ኣብ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝቐነዩ ሕሙማት፡ ምስ ዝሓለፈ ጽድያ ክነጻጸር እንከሎ፡ ቅልጡፍ ጥዕናዊ ምምሕያሽ ብምርኣዮም፡ እቲ ናይ ምምሕያሽ ግዜ፡ ካብ 16 ናብ 9 መዓልታት ምውራዱ ብምሕባር፡ ናይዚ ተርእዮ ምኽንያት ከኸውን ከምዝኽእል ዝንገረሉ ድማ፡ ምምዕባል ሕክምና ጸረ ምርጋእ ደም (anticoagulant therapy) ምዃኑ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ብርክት ዝበሉ ካብቶም ብሓገዝ ቨንቲሌተር ዘስተንፍሱ ዝነበሩ ሕሙምት፡ ድሕሪ …

Read More »

በዓል መዚ ኢሚግሬሽን፡ ነቲ ዝቐረበ ሓድሽ እማመ ሕጊ ነቒፍዎ

በዓል መዚ ኢሚሬሽን፡ ነቲ ዝቐርበ ሓድሽ እማመ ሕጊ ኢሚግሬሽን ከም ዝነቐፎ ተገሊጹ። ብሰንኪ ሕጽረት ምልከት ቋንቋ ሽወደንን ምፍላጥ ባህሊ ሕብረተሰብ ሽወደን፡ ሰብ ሞያ ዝኾኑ ክኢላታት ሰራሕተኛታት ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ክስጎጉ ዝብል እማመ ድሕሪ ምቕራቡ ዝሰዓበ ነቐፌታ እዩ። ዳይረክተር ጀነራል፡ በዓል መዚ ኢሚግሬሽን፡ ሚካኤል ሬፕኒቪክ፡ ምስ ኤኮት ኣብ ዝካየዶ ቃለመሕትት፡ እዚ ቐሪቡ ዘሎ፡ ነዞም ሞያውያን ዝወሃብ ዝነበረ ግዝያዊ ነባርነት ተሪፉ ናብ …

Read More »

ካልኣይ ማዕበል ለበዳ ኮሮና እናሃለወ፡ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት፡ለውጢ ከየርኣየ፡ ቀጺሉ

ብመሰረት ጸብጻባት ቤት ጽሕፈት ዕዮ ሽወደን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት 8.7%  ከምዘመዝገበ ሓቢሩ። ካልኣይ ማዕበል ለበዳ ኮሮና፡ ኣብ ዕዳጋታት ሽቕለት፡ ዝኾነ ዓይነት ጽልዋ ከምዘይፈጠረ መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣስታት 1480 ሰባት ካብ ስራሕ ክሰናበቱ ምዃኖም ከምተሓበሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ 12 ሽሕ ሓደስቲ ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት ከምተመዝገቡ ተፈሊጡ። በዚ ድማ፡ ጠቕላላ ድምር ናይ ስራሕ ኣልቦ …

Read More »

መንግስቲ ዴኒማርክ፡ ሓደስቲ ቀይድታትን መምርሒታትን ከመሓላልፍ እዩ

ሃገረ ዴኒማርክ፡ ካብ ረቡዕ 09/12/2020 ጀሚራ ኣደራሻት ሲነማ፡ ትያትራት፡ ቤት መግብታትን ባራትን ክትዓጹ ምዃና ማዕከናት ሓበሬታ ዴኒማርክ ገሊጸን ክብል SVT ኣቃሊሑ። መንግስቲ ዴኒማርክ፡ ንለበዳ ኮሮና ብዝምልከት፡ ሎሚ ኣብ ዝካየድ ጋዜጣዊ ዋዕላ፡ ሓድሽ መምርሒታትን ቀይድታትን ከመሓላልፍ ምዃኑ ተፈሊጡ እኳ እንተሃለወ፡ ማዕከናት ሓበሬታ ዴኒማርክ ግን ነቲ ውሳኔ ብዝምልከት ሓበሬታታት ከምዘመሓላለፋ ይንገር። ብመሰረት ዴኒማርካዊ መርበብ ተለቪዥን Danish TV2 ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ካብ ረቡዕ 09/12/2020 …

Read More »

ኣውሮፓዊ ሕብረት፡ ክታበት ጸረ ኮሮና፡ ዕለት 29 ታሕሳስ ከጽድቕ ትጽቢት ይግበረሉ

ኣውሮፓዊ ሕብረት፡ ኣብ 29 ታሕሳስ፡ ክታበት ጸረ ኮሮና ንምጽዳቕ ቀዳማይ ውሳነ ከመሓላልፍ ትጽቢት ተጌሩ ምህላዉ ተገሊጹ። ኣብዛ ዝተጠቕሰት መዓልቲ፡ ውሳነ ንኸነመሓላልፍ ንጽዕር ኣለና ክትብል ኣብ ምክትታል እዚ ክታበት እትነጥፍን ኣባል ኣገልግሎት መድሃኒት ሽወደን ዝኾነትን ሻርሎት ፐርኪስት ሓቢራ። ነቲ ብኣመሪካዊ ኩባንያ ፕፊዘርን ጀርመናዊ ኩባንያ ባዮንቴክን ዝፈረየ ክታበት ጸረ ኮሮና ዝምልከት ውሳኔ ብበዓልመዚ መድሃኒት ኣውሮፓ (EMA) ክውሰድ ምዃኑን ተፈሊጡ። ኣቐድም ኣቢሉ፡ በዓል …

Read More »

ሃገረ ዓዲ እንግሊዝ፡ ክታበት ጸረ ኮሮና ክትጅምር እያ

ዓዲ እንግሊዝ፡ ካብ ጽባሕ ዕለት 08/12/2020 ጀሚራ፡ ክታበት ጸረ ኮሮና ክትህብ ክትጅምር ምዃና ሓቢራ። ክታበት ጸረ ኮሮና ንኽወሃቦም ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዖም ዘለዉ ሰባት፡ እቶም ልዕሊ 80 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት እዮም። እቲ ክታበት ጸረ ኮሮና፡ ካብ ኩባንያ ፋይዘር/ ቢዮንቴክን ዝፈረየ እዩ ክብል ብሪጣንያዊ ጋዜጣ ዘ ጋርድያን ኣቃሊሑ። ሰራሕተኛታት ጥዕና ዓዲ እንግሊዝ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት፡ ክታበት ጸረ ኮሮና፡ ነተን ኣብ …

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ Svenska nyheter på tigrigna 04 December 2020

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com