Sunday , May 19 2024

ዜና

ሙቑር ህያብ በዓል ልደት ኣርሰናል ንደገፍታ

ኣርሰናል ኣርእስቲ ማእከናት ዜና ኮይና ድሕሪ ምቕናያ ን ጸወታ ደርቢ ሎንደን 3 ብ 1 ኣብ ልዕሊ ቸልሲ ብምዕዋት ሙቑር ክያብ በዓል ልደት ን ደገፍታ ለጊሳ። ን ኣርሰና ድሕሪ ባሕቲ ህዳር ኣብ ፕሪመርሊግ ናይ መጀመርያ ዓወታ ኮይኑ ኣብ ርእስኣ ዘንቢዩ ዝቀነየ ነቐፍታታት ብዝተፈላለየ ተንተንቲ ስፖርት ኣፎም ብምትሓዛ ብ ጸወታን ብምዕብላል ኣእማኒ ዓወት ብምሕፋሳ፣ ጸቕጢ ኣብ ኣሰልጣኒ ኣርተታ ዳግመ ግምት ክገብሩሉ ዝተሓሳሰብ …

Read More »

ክልተ ተጻወቲ ማንቸስተር ሲቲ ብ ኮቪድ 19 ተለኺፎም

ተጻወቲ ክለብ ማንቸስተር ሲቲ ድሕሪ እቲ ምስ ኣርሰናል ኣብ ካራቦኣ ካብ ዘካየደቶ ጸወታ ኣብ ተጻወታ ኣብ ዝገብረቶ መርመራ ኮቪድ 19 ክልተ ተጻወቲ ማለት ኣጥቃዕቲ እዛ ክለብ ብራዚላዊ ጋብርኤል ሄሱስን ኢንግሊዛዊ ካየል ወከር በዚ ቫይረስ ብምልካፎ ካብዚ ዝቕጽል ሰልስተ ተኸታታሊ ናይ ቦክሲንግ ማች ከምዝበርኽሩ ክለቦም ኣፍሊጣ።

Read More »

ጉዕዞ ኣርሰናል ናብ ዓወት ዶ ወይስ ንቑልቁል ?

ሎሚ ቀዳም ኣብ ሰሜን ሎንደን ተዶኪነን ናይ ደርቢ  ጸወታ  ዝጽበየን ዓበይቲ ጋንታታት ኣርሰናልን ቸልሲን ኣብ ሜዳ ኢማራት ዝገብርኦ ጸወታ ብዙሕ ኣቃላቦ ካብ ዝረኸበ ጸወታ ኮይኑ ኣሎ። ንቡዙሓት ሕንቅልሕንቅሊተይ ኮይኑሉ ዘሎ ብቕዓት ኣርሰናል ኮይኑ ቡዙሓት ካብ ዝሰማምዕሉ ጸገም እዛ ጋንታ ኣሰልጣኒ ዘይኮነስ እቶም ብስዕረታ ወላሓንቲ ዘይስምዖም ተጻወቲ እዛ ጋንት ሙዃኖም ገማቲ ቢቢሲ ላውሮ ብምግላጽ ውጺኢት ናይ እዚ ግጥም ድማ 1 ብ …

Read More »

ወዲ 25 ዓመት ኤርትራዊ መንእሰይ ሓበን ብርሃነ ብፖሊስ ሸወደን ተቀቲሉ።

ነባሪ ኤክኸ (Eksjö) ዝኾነ ወዲ 25 ዓመት መንእሰይ ሓበን ብርሃነ ብረቡዕ 23 ታሕሳስ 2020 ሰዓት 3 ወጋሕታ  ብኣባላት ፖሊስ ሽወደን ብዝተተኾሰሉ ጥይት ሂወቱ ከምዝሓለፈ ማዕከናት ዜና ሽወደን ሓቢረን።  መንእሰይ ሓበን ብርሃነ ብምኽንያት ሕማም ናይ ኣእምሮ ጭንቀት ሕክምናዊ ክትትል ይገብር ከምዝነበረን ግቡእ መዓልታዊ ሓገዝ ዝረኽበሉ ቦታ ይመላለስ ከምዝነበረን ኣብቲ ቦታ ዝነብሩ ብጾቱ ንኣልኮምፒስ ሚድያ ክፍሊ ትግርኛ ሓቢሮም። ማዕከናት ዜና ሽወደን ሞት …

Read More »

ዜና መጽሔት News Magazin 25 December 2020

ምቅያር ኣልኮፒስ ትግርኛ ናብ ሃርሞኒ ሜድያ። #sverige #alkompis #sweden #Tigrinja Sweden

Read More »

እቲ ሓድሽ ክሮና ቫይረስ ክሳብ ሕጂ ኣብ ሽወደን ከምዘይተረኽበ ተገሊጹ።

በዓል-መዚ ሕዝባዊ ጥዕና ሽወደን እቲ ሓድሽ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ መጽዩ ዝተባህለ ክሮና ቫይረስ ኣብ ሽወደን ከምዘይተረኽበ ሓቢሮም። ኣብቲ በዓል-መዚ ሓላፊት ዝኾነት ካሪን ቴግማርክ ዊልሰል እዚ ብዓይነቱ ሓድሽ ዝኾነን 70 ሚታዊት ናይ ምልባዕ ተኽእሎ ዘለዎን ቫይረስ ኣብ ሽወደን ከምዘይኣተወ ንመደበር ቴለቪዝን ስዊድን ብዝልኣኸቶ ኢመይል ሓቢራ። እሳ ብምቅጻል ከምቲ ዓለምለኻዊ ውድብ ጥዕና እውን ዝኣመነሉ እዚ ሓድሽ ዓይነት ቫይረስ መንቀሊኡ ደቡብ ኣፍሪቃ ኮይኑ …

Read More »

“30 ሽሕ ሰባት ዕዳ ክስረዘሎም ሓቲቶም” በዓል መዚ ምምሕዳር ዕዳ (Kronofogden)።

በዓል መዚ  ምምሕዳር ዕዳ (Kronofogden) 30 ሽሕ ሰባት ዕዳ ክስረዘሎም ሓቲቶም ይብል። ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመተ 2020 ሰላሳ ሽሕ ሰባት ዕዳ ክስረዘሎም ከምዝሓተቱ በዓል መዚ  ምምሕዳር ዕዳ (Kronofogden)ሓቢሩ። እዚ ቁጽሪ ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝተመዝገቡ ቁጽሪ እቲ ዝዓበየ ምኻኑ እቲ በዓል መዚ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና TT ሓቢሩ። ኣብ ዓመተ 2020  በዓል መዚ  ምምሕዳር ዕዳ 8 ቢልዮን ክራውን ከምዝሰረዘ ኣፍሊጡ።  “ኣዝዩ …

Read More »

ብሪጣንያን ኣውሮጳዊ ሕብረትን ምስ ምቕራብ ብረግዚት ናብ ስምምዕ ንግድ በጺሔን ተባሂሉ።

ንሓደ ወርሒ ዝኣክል ብዙሕ ዘይውጽኢታዊ ዝርርብ ከካይዱ ድሕሪ ምጽናሕ ብሪጣንያን ኣውሮጳዊ ሕብረትን ምስ ምቕራብ ብረግዚት ናብ ስምምዕ ንግድ በጺሒም ከይኮኑ ኣይተርፉን እዮም ክትብል ሲኤንኤን ሓቢራ ። እዚ ስምምዕ ኣብ መዓልቲ ልደት ክግለጽ ምዃኑ ዝገለጸ እዚ ጸብጻብ ካቢነ ብሪጣንያ ብዛዕባዚ ትማሊ ክሕበር ከም ዝተገብረን ድሕሪዚ ኣብ ሒደት ሰዓታት እቲ ሕጋዊ ጒዳያት ክዳቐስ እዩ ዝብል ትጽቢት ከም ዘሎን ገሊጹ። ኣፈኛ ኣውሮጳዊ ኮሚሽን …

Read More »

ብሜሲ ዝተመዝገበሎም 160 ሓለውቲ ልዳት ከከም ዝተመዝገበሎም ሸቶ ቢራ ይዕደሉ

ውሩይ ትካል ቢራ ቡድዋይሰር ብድሕሪ ን ክብረ ወስን ብዝሒ ሸቶታት ኣብ ሓንቲ ክለብ ማለት 644 ዘመዝገቦ ሓድሽ ክብረ ወሰን ብሽም ልዮነል ሜሲ  644 ዝተጻሕፎ ቢራ ብምፍራይ፣ ሜሲ ዘምዝገበሎም 160 ሓለውቲ ልዳት ዝተፈላለያ ጋንታታት ከከም ዝተመዝገቦም ብዝሒ ሸቶ ቢራ ልደት ተዓዲሎም፣ በዚ መሰረት ሓላዊ ልዳት ክለብ ማድሪድ ዝነበረ ኢከር ካሲያስ ዓሰርተ ሸውዓት ብራታታት ክወስድ ከሎ፣ ሓላዊ ልዳይ ክለባት ኣለመርያ ቫለንሽያ ዝነብረ …

Read More »

ኣብ ከባቢ ስቶኮልምን ኡፕላንድን ሓይል በርድ ክወርድ ሙዃኑ ይሕበር

ጹባሕ ባዓል ልደት ኣከባቢታ ስቶኮልምን ኡፕላንድን ብ ደርጃ ቀዳማይ ዝስራዕን ስጋብ ካብ 5- 10 ሴሜ በርድ ክወርድ ሙዃኑ መዓል መዚ ሜትሮሎጂ ሽወደን ኣብ ዘውጽኦ መጥንቀቕታ ሓዘል ሓበሬታ ገሉጹ። እዚ በዓል መዚ ብምውሳኽ ብብዝሒ ምንሽርታት ከጋጥም ስለ ዝኽእል መርሕቲ መኻይን ዝያዳ ጥንቃቐ ከዘውትሩ ኣተሓሳሲቡ።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com