Sunday , May 19 2024

ዜና

ኣብ ኢራቅ ንጹሃት ሰባት ብምቕታሎም ዝተፈርዱ ወታደራት ኣመሪካ ምሕረት ይግበረሎም

ኣብ ሃገረ ኢራቅ ብ 2007 ዓመተ ምህረት ፡ 14 ሰለማውያን ሰባት ብምቅታል ብሕጊ ተፈሪድዎም ዝጸንሑ ኣርባዕተ ወታሃደራት ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ ፡ በቲ ናይ ስልጣን ግዚኡ ዝዛዘም ዘሎ ፕረሲደንት ትራፕ ፡ ምሕረት ከም ዝተገበረሎም ካብ ኣሜሪካ ዝወጸ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ። ብዘይካ እዚ ኣብ ጉዳይ ምርመራ ሩስያ ከም ምስክር ኮይኑ ዝተሳተፈ ድሓር ብሕጊ ተሓታቲ ኮይኑ ዝተፈርደ ኣማኻሪ እቲ መራሒ መንግስቲ …

Read More »

ዜና ልደት (ክሪስማስ)

ጽባሕ ዝጽንበል መዓልቲ ልደት ብዙሓት ስድራቤታት ብሰንኪ ተረርቲ መምርሒታት ኮቪድ-19 ስድራቤቶም ክበጽሑ ኣለዎም ዶ የብሎምን ኣብ ዝብል ይዋልኡ ኣለዉ ተባሂሉ። እንተኾነ ግና ገሊኦም ናብ ስድራቤቶም ክበጽሑ ዘይክእሉ ምዃኖም እፎይታ ከም ዝሃቦም እዮም ዝገልጹ ዘለዉ። “ ብምኽንያት ኮቪድ ናብ ስድራይ ኣመሪካ ክበጽሕ ዘይምዃነይ ዓቢ እፎይታ እዩ ንዓይ” ትብል ሳብሪና (ሓቀኛ ስማ ኣይኮነን) “ወለድይ ብህይወት የለዉን፥ ስለዚ ድማ ኣሕዋተይ ክርኢ እየ ዝኸይድ …

Read More »

ፖሊስ ሽወደን ኣስታት 200 ጡርጡራት ኣብ ቀይዲ የእትዩ።

ሃገራዊ ፖሊሲ ሽወደን ኣብዚ ልዕሊ ውሽጢ ሓደ ዓመት ፡ ብዝተፈላለዩ ዓበይቲ ገበናት ብእኩብን ብንጽሉን እንዳ ተወደቡ ፡ ንጸታን ርግኣትን መነባብሮ መላእ ሽወደናውያን ቅሳነትን ምርግጋእን ከሊኦም ከም ዝጸንሑ ዝጥርጠሩ ኣስታት 200 ዝኾኑ ፡ ናይ ሕጊ ተጠርጠርቲ ኣብ ጥሕቲ ቁጽጽር ከም ዝውዓሉ ተገሊጹ። ብመሰረት እቲ ዜና ፡ ፖሊስ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ከካይዶ ዝጸንሐ ስርሒት ቴክኖሎጂ ተሓዊስዎ ፡ ገበናት ምስ ተገብሩ ጥራይ ዘይኮነስ …

Read More »

ብመንገዲ ኢንተርነት ዝግበር ዕድጊ እንዳዓበየ ከምዝመጸ ተሓቢሩ

ኣብዚ ቅንያት ልደትን ሓድሽ ዓመትን ፡ እቲ ኣብ መሸጣ ዱካናት ናይ ዝተፈላለዩ ናውቲ ፡ ብዘገርም መንገዲ ከም ዘንቆልቆለ ምክትታል ዕዳጋ ሽወደን ንዝገብሮ መዕቀኒ ምርኩስ ብምግባር ሓቢሩ። ኣብቲ ዝተገብረ ሓድሽ መጽናዕቲ ፡ እቲ ብኣካል ዝግበር ናይ ተጠቀምቲ ዕዳጋ ብሰንኪ ተማሓላሊፉ ዘሎ ትእዛዛት ፡ ቀንዲ ምኽንያት ከም ዝኾኑ እቲ መጽናዕቲ ኣነጺሩ። ብዘይካ እዚ ኣብዚ ዓመቱ መሊኡ ዘሎ ኩነታት ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ፡ …

Read More »

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ኣብ ግጭት ትግራይ ነጻ መርመራ ሰብኣዊ መስል ክግበር ጸዊዑ።

ንመሰል ደቂ ሰባት ዝከታተል ኮሚሽን ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኪናት ትግራይ ፡ ኣንጻር ሰለማውያን ሰባት ዝቀንዐ ጃምላዊ ቅትለትን ወተሃደራዊ መጥቃዕትን ዘጠቃለለ ፡ ወተሃደራዊ ገበናት ከም ዝተኻየዱ ዘረጋግጽ ጸብጻባት ተረኺቡ ከም ዘሎ ስለ ጸረጋገጸ ፡ ፍሉይ ናይ መርመራ ጉጅለ ንምልኣኽ ኩነታት ከጣዓዕም ጻውዒት ቀሪቡ ከም ዘሎ ዳይርክተር እቲ ኮሚሽን ፡ ሚሸሊ ባቸለት ብወግዒ ሓቢራ። እቲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ እዞም …

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ Svenska nyheter på Tigrinya 23 December 2020

ኣርእስተ ዜና 1.ኣብ ሃገረ ሽወደን ናይ መጀመርያ ክታበት ኣንጻር ኮቪድ 19 ሰንበት ክጅመር ምኻኑ ተሓቢሩ። 2.ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ኣብ ግጭት ትግራይ ነጻ መርመራ ሰብኣዊ መስል ክግበር ጸዊዑ። #sverige #alkompis #sweden #Tigrinja Sweden

Read More »

ሰንበት ዕለት 27 ክታበት ኮሮና ቫይረስ ኣብ ሽወደን ክጅመር ሙኻኑ ተሓቢሩ

ሰንበት ዕለት 27 ናይ መጀምርያ ክታበት ኣብ ሽወደን ክወሃብ ሙኻኑ በዓል መዚ ጥዕና ሽወደን ኣፍሊጡ። እቶ ቀዳሞት ተጠቀምቲ እዚ ክታበት ድማ ኩሎም ብዕድመ ዝደፍኡን ኣብ መናበዪ ዓበይቲ ዝእለዩን ኣለይቶምን  ሙኻኖም እዚ በዓል መዚ ወሲኹ ሓቢሩ። ዕለት 27 ሰንበት ኣስታት 10000 ብልቃጥ ክታበት ከምዝወሃብን ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንዝያድ ምክልካል ተባሂሉ ከክልተ ክታበት ከምዝወስድን፣ ኣብ ዝቕጽል ስሙን ድማ ሰሙናዊ  ኣስታት 80000 ብልቃጥ …

Read More »

ልዮኖል መሲ ተወሳኺ ሓድሽ ክብረ ወስን ብ ስሙ የመዝግብ

ትማሊ ክለብ ባርሶሎና ናብ ክለብ ርያል ቫላዶሊ ገይሻ ኣብ ዝገብረቶ ጸወታ መሲ ካብ ትካዘ ወጽዩ ድንቂ ምንቅስቃስ ኣብ ዝገብረሉ ጸወታ ጋንትኡ 3 ብ 0 ብምዕዋት ኣገድስቲ ሰለስተ ነጥቢ ክትሓፍስ ዝልዓለ ኣስተዋጽኦ ገይሩ። መሲ ኣብ ኩለ ሸቶታት ዝተዋሴ ኮይኑ ሳልሰይቲ ሸቶ ግን ብ ስሙ ብምምዝጋብ ነቲ ብ ብሉጽ ተጻዋታይ ዓለምና ዝኮነ ፔለ ተታሒዙ ዝንበረ ክብረ ወስን ማለት ሓደ ተጻዋታይ ኣብ ሓንቲ …

Read More »

ብረግዚት ኣብ ጽላት ጥዕናን ክንክንን ብሪጣንያ ኣሉታዊ ስንብራት ክገድፍ እዩ ተባሂሉ።

ናትፊልድ ትረስት ዝተባህለ ኣማኻሪ ትካል ከም ዝሓበሮ ብሪጣንያ ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ምውጽኣ ኣብ ጽላት ክንክን ጥዕና ዓብዪ ኣሉታዊ ሳዕቤን ከምጽእ ይኽእል እዩ ምባሉ ዘ ጋርዲያን ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ሕታሙ ኣስፊሩ። ብመሰረት እቲ ጸብጻብ ሓደስቲ ሕጊታት ስደት፥ ምትእጒጓል ቀረብ መድሃኒትን ናውቲ ሕክምናን ምስ ቊጠባዊ ዝሕታለ ተደሚሩ ኣብ ሳየንስ ንዝግበር ወፍሪ ብኣሉታ ምጽላዉ ኣይክተርፎን እዩ። መንግስቲ ዋላኳ ነዚ ብምጽባይ ዘድሊ ዝበሎ ምቅርራብ …

Read More »

ጁቨንቱስ ብ ሓደ መዓልቲ ሽዱሽተ ነጥቢ ትኸስር

ትማሊ ምሸት ዋንጫ ሰሪ ኣ ኣብ ዝተኣንገደሉ  ክለብ ጁቨንቱስ ን ኣብ መበል 15 ደርጃ ዘላ ክለብ ፈረንቲና ዓዲማ ኣብ ዝካይደቶ ጸወታ፣ ክለብ ፈረንቲና ኣብ መበል 3 ደቂቕ ካብ ዱሳን፣ ደጊማ ኣብ 81 ደቂቕ ካብ ማርቲንስ ከማውን ኣብ 76 ደቂቅ ኣለክስ ሳንድሮ ናብ ገዛእ ልዳቱ ብዘመዝገብ ሸቶ ተሓጊዛ ነታ ኣብ 18 ደቂቕ ን ካደራዶ ብ ቀይሕ ዝኸሰረት ጁቬንቱስ 3 ብ 0 …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com