Wednesday , May 8 2024

ዜና

ሽወደናዊት ምምሕዳር፡ ንዝጓሓፉ ናይ ሽቓቕ ወረቓቕቲ፡ ደጊማ ንኸተመስርሕ (återvinna)፡ መጽናዕቲ ጀሚራ

ከም ካልኦት ኣህዛብ ዓለምና፡ ህዝቢ ሽወደን ውን ንዝተጠቀመሎም ናይ ሽቓቕ ወረቓቕቲ ናብ ሽቓቕ ምድርባይ ልምዲ ኣለዎ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ እቶም ናይ ማይ ረሳሕ መስመራት፡ ብናይ ሽቓቕ ወረቓቕቲ፡ ዝዕበሱን ዝጽለዉን ስለዘይኮኑ እዮም። ይኹን እምበር፡ እዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ዝጓሓፋት፡ ኣካባብያዊ ብከላ ዝፈጥሩ ምዃኖም ዝሰሓት ኣይኮነን። ነዚ ምርኩስ ብምግባር እያ እምበኣር፡ ምምሕዳር ከተማ ትራኖስ (Tranås)፡ ንዝጓሓፉ ናይ ሽቓቕ ወረቓቕቲ፡ ደጊማ ከተመስርሕ ዘኽእላ መጽናዕቲ …

Read More »

ምጉዕዓዝን ምክፍፋልን መድሃኒት ክታበት ኮሮና፡ እቲ ቀንዲ ብደሆ ክኸውን ከምዝኽእል ተሓቢሩ

መድሃኒት ክታበት ኮሮና ናብ ሽወደን ምስ ኣተወ ፡ ናብ ኩለን ምምሕዳራት ዝካየድ መስርሕ ምጉዕዓዝን ምክፍፋልን፡ ሓላፍነት ናይ መጓዓዝያ ኩባንያታት ክኸውን ምዃኑን ድሕሪ ምግላጽ፡ እቲ መስርሕ፡ ከቢድን ዝተሓላለኸን በዳህን ክኸውን ከምዝኽእል ሓላፊ ማሕበር መከፋፈሊ መድሃኒት ሽወደን፡ ላርስ ሺናትዝ፡ ንሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። እዘን ኩባንያታት፡ ካብቲ ዘጓዓዕዘኦ ዝነበራ መጠን ብዝሒ ብኣርባዕተ ዕጽፊ ዝበዝሕን ኣብ ውሱን መጠን ሙቐት ተዓቂቡ፡ ናብ ዝተፈላለያ ምምሕዳራት ሽወደን ክበጽሕ …

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ Svenska nyheter på tigrigna 25 November 2020

Read More »

“ወጽዓ’ታ ህጻን” ዘርእስታ መጽሓፍ ክትገዝኡ እትደልዩ ሰባት፡ በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ተወከሱ

 ቴለ 0046765918587         0046764016638 Facebook. Tsegabrhan Goitom             Email. Tsegish52@gmail.com                                www.Emkulu.com

Read More »

ዲየጎ ኣርማንዶ ማራዶና ዓሪፉ

ኾኾብ ተጻዋታይ  ኩዑሶ እግሪ ዓለምና፡ ኣርጀንቲናዊ፡ ዲየጎ ኣርማንዶ ማራዶና ብሰንኪ ወቕዒ ልቢ፡ ኣብ መበል 60 ዕድሚኡ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ። ኣብ ምጅማር ናይዚ ወርሒ፡ ድኻምን ሞራል ምውዳቕን ተሰሚዕዎ ናብ ላ ፕላታ ዝበሃል ሕክምና ድሕሪ ምኻድ፡ ብሓካይም መርመራ ተገይርሉ። ኣብ ሓንጎሉ ደም ረጊኡ ከምዘሎ፡ ድሕሪ ምሕባር ድማ ዕዉት መጥባሕቲ ተገይርሉ ብምቕጻል ድማ ካብቲ ሕክምና ከም ዝወጸ ተሓቢሩ ነይሩ። ኣብ ሰሜን ቦነስኣይረስ …

Read More »

ሽወደን፡ ዝለዓለ መጠን ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዘድልዮም ሰባት ኣመዝጊባ

ኣብ ሽወደን፡ ቁጽሪ ናይቶም ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዘድልዮም ሕሙማት ኮቪድ-19፡ 209 ሰባት ምብጽሑን እዚ ቁጽሪ ፡ ኣብ ዝሓለፉ 5 ኣዋርሕ እቲ ዝለዓለ ምኻኑ መርበብ ሓበሬታ ኣፍቶንብላደት ሓቢሩ። ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝሕከሙ ሰባት ከንቆልቁል ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ዝሓለፋ ሒደት ሳምንታት፡ ካልኣይ ማዕበል ኮሮና ብምግጣሙ፡ እቲ ቁጽሪ ከም እንደገና ይረአ ኣሎ። ኣብ ጨንፈር ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝረአ ዘሎ ጸቕጢ፡ …

Read More »

መምርሒታት ማሕበራዊ ምትእኽኻብ፡ እንተተጣሒሱ፡ ናይ ፖሊስ ምትእትታው ክህሉ እዩ

ካብ ትማሊ ዕለት 24/11/2020 ጀሚሩ፡ ብዝሒ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ካብ 8 ሰባት ዘይበዝሕ ዝብል መምርሒ፡ ተግባራዊ ከምዝኾነ ተሓቢሩ። ሰባት፡ ነቲ ዝለመድዎ ቅዲ መነባብሮ ይቕይሩ ምህላዎም ይረኣየካ ዝበለ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሽወደን፡ ሚካኤል ዳምቤሪ፡ ሕብረተሰብና ምስ ኮሮና ምንባር ይለማመዶ ምህላዉ ጽቡቕ ምልክት እዩ ኢሉ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ክንገብሮም ዝግባኣና መሰረታውያን ነገራት፡ ምስ ካልኦት ሰባት ንራኸበሎም ኣጋጣሚታት ብምውሓድ፡ መምርሒታት ማሕበራዊ ምትእኽኻባት ምትግባር እዩ። …

Read More »

ዓቃባዊ ሰልፊ፡ ንግብረ ሽበራ ዝድግፉ ጽሑፋትን ስእልታትን ምዝርጋሕ፡ ከም ገበን ክቑጸር፡ ይጠልብ

ንግብረ ሽበራውያን ማሕበራት ዝድግፉ ጽሑፋትን ስእልታትን ምዝርጋሕ፡ ከም ገበን ክቑጸር ከምዝግባእ፡ ዓቃባዊ ሰልፊ ጠሊቡ ክብል መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ሓቢሩ።  ኣንጻር “ፖለቲካዊ እስልምና” ንቃለስ፡ ዝብል ምሉእ ሓሳብ ዝሓዘ መልእኽቲ፡ ሓላፊ ዓቃባዊ ሰልፊ፡ ኦልፍ ክሪስተርሾን፡ ኣብ ናይ ትማሊ ዓምዲ ናይ ጋዜጣ ዳግኒዝ ነሂተር ከምዝጸሓፈ ይፍለጥ። ብኻልእ ወገን፡ ኣንጻር ንግብረ ሽበራ ዝድግፉ መልእኽታት ዝዘርግሑ ሰባት፡ ከምቲ ኣብ ልዕሊ ጸጥታ ሃገር ገበን ዝፈጸመ …

Read More »

ብዙሓት ተቐማጦ ከተማ ስቶክሆሎም፡ ጸረ-ኣካል ኣማዕቢሎም

ኣብ ልዕሊ ተቐማጦ ከተማ ስቶክሆሎም ዝግበር መርመራ ጸረ ኣካል፡ ንመበል ሻድሻይ ሰሙን፡ ኣወንታዊ ውጽኢት ምምዝጋቡ ጋዜጣ ዳግነዝ ነሂተር ገሊጹ። ኣብ መበል 47 ሰሙን፡ ካብቶም መርመራ ጸረ ኣካል ዘካየዱ 15000 ሰባት እቶም 31.6% ጸረ ኣካል ኮሮና ቫይረስ ዘማዕበሉ ምዃኖም እቲ ውጽኢት ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ሳምንታት፡ መጠን ብዝሒ ናይቶም ጸረ ኣካል ዘማዕበሉ ሰባት፡ ብቐጻሊ እናዓበየ ክመጽእ ምጽንሑ ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ …

Read More »

ሽወደን፡ ኣብ ዝቕጽል ወርሒ፡ መስርሕ ክታበት ኮሮና ክትጅምር እያ ተባሂሉ

ጀርመንን ዓዲ እንግሊዝን ኣብ ዝቕጽል ወርሒ፡ ክታበት ኮሮና ክጅምራ ምዃነን ድሕሪ ምግላጸን፡ ሽወደን ድማ ብመንገዲ ኣዋሃሃዲ ክታበት፡ ሪቻርድ ቤሪስትሮም ኣቢላ፡ ኣብ ምጅማር ወርሒ ታሕሳስ 2020፡ ክታበት ኮሮና ክትጅምር ምዃና ሓቢራ ክብል መርበብ ሓበሬታ ኣፍቶንብላደት ሓቢሩ። ኣቐድም ኣቢሉ ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ንኣባላት ዝኾና ሃገራት፡ ኣብ ዘመሓላላፎ ሓበሬታ ምርኩስ ብምግባር፡ ሽወደን፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2021 ክታበት ክትጅምር እያ ብምባል ቤሬስትሮም ሓቢሩ እኳ እንተነበረ፡ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com