Sunday , May 19 2024

ዜና

ኣብ ጀርመን፡ ብመኪና ምርጋጽ ዝተኻየደ ፍጻሜ፡ ክልተ ሰባት ሞይቶም

ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ጀርመን እትርከብ ከተማ ትሪር፡ ኣብ ኣጋር ዝንቀሳቐስሉ ቦታ፡ ብመኪና ምርጋጽ ዝተኻየደ ፍጻሜ፡ ክልተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ብዙሓት ድማ ከምዝቖሰሉ ካብቲ ቦታ ዝመጸ ጸብጻብ ሓቢሩ። ፖሊስ፡ ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሰባት፡ ካብቲ ቦታ ንኽእለዩ ከምዝሓበረ፡ ወሃቢ ቃል ፖሊስ፡ ገሊጹ። እቲ ፍጻሜ፡ ድሕሪ ሰዓታት ፍርቂ መዓልቲ ከምዝተፈጸመ ድማ ሓቢሩ። ብዛዕባ እቲ ፍጻሜ፡ ፖሊስ፡ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣይሃበን።

Read More »

ኣብ ቬስትራጎትላንድ፡ መጠን መልከፍቲ ኮሮና እናወሓደ ምምጽኡ ተፈሊጡ

ካልኣይ ማዕበል ምስፍሕፋሕ ኮሮና፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ንመጀምርታ ግዜ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ቁጽሪ መልከፍቲ ኮሮና ከምዝጎደለ ተሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ፡ ቁጽሪ ናይቶም ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት 4364 ከምዝኾነን ምስ ናይ ቅድሚኡ ዝነበረ ሰሙን ክነጻጸር እንከሎ፡ ብ224 ከምዝውሕድ ጸብጻባት ሓቢሮም። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ኣሃዱ ጥዕና ዝረአ ዘሎ ጸቕጢ ጌና ከምዘይፈኾሰ፡ ኣብቲ ምምሕዳር ትሕተም ጋዜጣ ሓቢራ። …

Read More »

ወተሃደራት ኖርወይ ኣብቲ ምስ ሽወደን ዘዳውብ ከባቢታት ተዘጊሖም ኣለዉ ተባሂሉ

ወተሃደራት ኖርወይ፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምክልኻል፡ ኣብቲ ምስ ሽወደን ዘዳውብ ከባቢታት ተዘርጊሖም ከምዘለዉ ተሓቢሩ። እዞም ወተሃደራት፡ ነቶም ካብ ሽወደን ዝመጹ በጻሕቲ፡ ደው ብምባል፡ መርመራ ኮሮና ከምዘካየዱን ነጻ ምኳኖም ዝሕብር ሰነዳትን ከቕርቡን ብምሕታት፡ ነቶም ሰነዳት ዘየማልኡ ሰባት ድማ ንድሕሪት ንኽመልሱ እዮም ኣብኡ ዘለዉ። እዚ ተርእዮ’ዚ፡ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ንፈለማ ግዜ ዝረአ ዘሎ እዩ። እዚ ተርእዮ፡ ዓቢ ለውጢ እዩ ዝበለ፡ ፒተር …

Read More »

ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮና፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣብረርቲ (ፓይሎታት) ስርሖም ምስኣኖም ተገሊጹ

ኢንዱስትሪ መንገዲ ኣየር ሽወደን፡ ብለበዳ ኮሮና ብኸቢድ ስለዝተሃስየ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰራሕተኛታት ኩባንያ SAS ካብ ስርሖም ይመዛበሉ ምህላዎምን ተፈሊጡ። ዛጊት 210 ኣብረርቲ ነፋሪት ኩባንያ SAS፡ ናይ መወዳእታ ወርሓዊ ደሞዞም ንምውሳድ ይሰርሑ ምህላዎምን ድሕሪዚ ድማ ክፋነዉ ምዃኖምን ተሓቢሩ። ብመሰረት ፈደሬሽን ኣብረርቲ ነፈርቲ፡ ለበዳ ኮሮና ኣብ መጀርመታ ዓመት 2020 ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ካብ 1500 ኣብረርቲ ነፈርቲ እቶም 950 ዝኾኑ ካብ ስራሕ ከም እተፋነዉ …

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ Svenska nyheter på tigrigna 30 November 2020

Read More »

ኩባንያ ኣስትራዘኒካ ዘፍረዮ ክታበት፡ ዝያዳ መጽናዕቲ ከድልዮ እዩ ተባሂሉ

ሽወደናዊ ብሪጣንያዊ ኩባንያ ኣስትራዘኒካ ምስ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድን ብምትሕብባር ውጽኢታዊ ክትባት  ጸረ ኮሮና ረኺብና ኢሎም ምስ ኣወጁ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ኣብ ፍርያት ጸገም ከም ዘጓነፎም ኣሚኖም። ገለ ካብቶም ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ሰባት፡ ተመሳሳሊ ግብረ መልሲ ስለምንታይ ኣይሃቡን ንዝብል ሕቶ ግና ኣይጠቐስዎን ኣለዉ። ካብቶም ክልተ ግዜ ምሉእ ዶዝ ዝወሰዱ ሰባት እቶም ዝወሓደ ዶዝ ዝተዋህቡ ወለንተኛታት እዮም  ዝሓሸ ውጽኢት ኣመዝጊቦም ዘለዉ። ኣብዞም ውሑድ …

Read More »

ናብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ንምብጻሕ ዝኽልክል መምርሒ ሕጋዊ ኣይኮነን ብምባል፡ ቤት ፍርዲ፡ ከምዝቋረጽ ጌርዎ

ካብ ዕለት 12 ጥቅምቲ ጀሚሩ ክሳብ 14 ሕዳር ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ናብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ፡ ንምብጻሕ ዝኽልክል ብመንገዲ ምምሕዳር ከተማ ስቶክሆልም ዝወጸ መምርሒ፡ ብቤት ፍርዲ ምምሕዳር ከተማ ስቶክሆልም፡ ዘይሕጋዊ ብምባል ንተግባራውነቱ ከምዝቋረጽ ገይርዎ። ቤት ምኽሪ ከተማ ስቶክሆልም፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝተመሓላለፈ መምርሒ፡ ቤተሰብ ናይቶም ኣረጋውያን ከይተረደኦም ብኮሮና ከይልብድዎም እዩ። እዚ ድማ ትርር ዝበለ መምርሒ ድኣ እምበር፡ ቀያዲ ዝኾነ ትእዛዝ …

Read More »

ሚኒስተር ኢሚግሬሽን፡ ትሑት ሞያዊ ዓቕሚ ዘለዎም ወጻእትኛታት ሰራሕተኛታት ምቕባል ከነውሕድ ኢና

መንግስቲ ሽወደን፡ ነቶም ካብ ወጻኢ ሃገራት ናብ ሽወደን ብምምጻእ ብመልክዕ ስደተኛታት ይኹን ናይ ስራሕ መንበሪ ንዝሓቱ ሰባት፡ ልዑል ዓቕምን ሞያን ክህሉዎም ጥራይ ዝጠልብ ሕጊ ክህሉ ከምዝደልይ ኣፍሊጡ። ብመሰረት ሕጊ ሽወደን፡ ዝኾነ ዋሃቢ ስራሕ፡ ሞያን ክእለትን ብዘየገድስ ብምኽንያት ስራሕ ሰባት ብምምጻእ መንበሪ ፍቓድን ስራሕን ብምድላዉ ሰባት ካብ ደገ ከምጽኡ ዝኽእልሉ ሕጊ ከምዝጸንሐን፡ ሕጂ ግን እዚ ሕጊ ልዑል ምህሮን ሞያን ንዘሎዎም ሞያተኛታት …

Read More »

ኣብ ሓንቲ ቤት ትምህርቲ፡ ሓደጋ ባርዕ ኣጋጢሙ

ትማሊ ሰንበት ድሕሪ ሰዓት 8 ናይ ምሸት፡ ኣብ ቦርሊንኘ (Borlänge) እትርከብ ቤት ትምህርቲ ይለ (Gylle) ዘጋጠመ ናይ ባርዕ ሓደጋ ተኽቲሉ፡ ፖሊስ፡ ነቲ ፈጻሚ ናይቲ ሓደጋ ዝበሎ ጥርጡር ኣብ ከባቢ ሰዓት 10 ናይ ምሸት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ የእትዮ፡ መባእታዊ መርመራታት ከምዘካየደ ሓቢሩ። ሓሙሽተ ዝተፈላለያ ኣሃዱታት መጥፋእቲ ሓዊ ነቲ ባርዕ ኣብ ምቕሃም ከምተሳተፋን ንሎሚ ሰኑይ ንጥፈታት ትምህርቲ ኣቛሪጹ ከምዘሎን ተፈሊጡ። እቲ ሓደጋ …

Read More »

ብሰንኪ ቫይረስ ኮሮና ዝተሃስያ ሸውዓተ ርእሰ ከተማታት ኤውሮፓውያን ሃገራት

ብሰንኪ ኮሮና ቫይረስ ዝተሃስያ ርእሰ ከተማታት ንምውድዳር፡ ጋዜጣ ኣፍቶንብላደት ኣብ መንጎ ዓበይቲ ርእሰ ከተማታት ኤውሮፓ ዝገበሮ ምንጽጻር ምርኩስ ብምግባር፡  ከተማ ስቶክሆሎም፡ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዓ ከምትርከብ ተፈሊጡ። እቲ ዝተገብረ ምንጽጻር፡ ካብ 100 ሽሕ ሰባት ክንደይ ሰባት ከምዝሞቱ ዝወዳድር እዩ። እተን ኣብ ምንጽጻር ዝኣተዋ ዓበይቲ ርእሰ ከተማታት ኤውሮፓ፡ በርሊን፡ ለንደን፡ ማድሪድ፡ ኦስሎ፡ ፓሪስ፡ ሮማን ስቶክሆሎምን እየን። ኣሚስተርዳም፡ ብራጋን ብሮክስሊን ኣብቲ ምንጽጻር …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com