Sunday , May 19 2024

ዜና

ሃገረ ዓዲ እንግሊዝ፡ ክታበት ጸረ ኮሮና ክትጅምር እያ

ዓዲ እንግሊዝ፡ ካብ ጽባሕ ዕለት 08/12/2020 ጀሚራ፡ ክታበት ጸረ ኮሮና ክትህብ ክትጅምር ምዃና ሓቢራ። ክታበት ጸረ ኮሮና ንኽወሃቦም ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዖም ዘለዉ ሰባት፡ እቶም ልዕሊ 80 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት እዮም። እቲ ክታበት ጸረ ኮሮና፡ ካብ ኩባንያ ፋይዘር/ ቢዮንቴክን ዝፈረየ እዩ ክብል ብሪጣንያዊ ጋዜጣ ዘ ጋርድያን ኣቃሊሑ። ሰራሕተኛታት ጥዕና ዓዲ እንግሊዝ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት፡ ክታበት ጸረ ኮሮና፡ ነተን ኣብ …

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ Svenska nyheter på tigrigna 04 December 2020

Read More »

ኣብ ሆስፒታል ዩኒቨርስቲ ስኮና፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ተራእዩ

ኣብ ሆስፒታል ዩኒቨርስቲ ስኮና፡ ጨንፈር ምክልኻል ለበዳ ኮሮና፡ 33 ኣባላት፡ ብቫይረስ ኮሮና ከምዝተለኽፉ፡ ጋዜጣ ኣፍቶንብላደት ሓቢሩ። እዚ ማለት ድማ ኣስታት 10% ካብ ጠቕላላ ቁጽሪ ኣባላት እቲ ሆስፒታል ብቫይረስ ኮሮና ተለኺፎም ኣለዉ ማለት እዩ። ኣብቲ ጨንፈር ዝሰርሑ ኣባላት፡ መብዛሕትኦም ብቫይረስ ኮሮና ከምተለኽፉ፡ ኣብቲ ሆስፒታል፡ ሓላፊት ጉዳያት ተመሓላለፍቲ ሕማማት፡ ማርያ ዮዚፍሶን፡ ገሊጻ።

Read More »

ምኽርታት ኣንድሽ ቲግኒል ብምኽንያት በዓል ልደት

ጽምብል በዓል ልደትን ክሪስማስን ምስ ውሑዳትን ትፈልጥዎም ሰባትን ክተሕልፉ ይግባእ ዝበለ ኣማኻሪ ሽወደን ኣብ ጉዳያት ለበዳ፡ ኣንዲሽ ቲግኔል፡ ብፍላይ እቶም ብኮሮና ተለኺፎም ዝነበሩ ሰባት፡ ጸረ ኣካል ኣማዕቢልና ኢና ብምባል ምስ ዝደለይዎ ሰብ ክራኸቡ ከይፍትኑ ኣዘኻኺሩ። ጸረ ኣካል ዘማዕበለ ሰብ፡ ዝደለዩ ክገብር ይኽእል ማለት ኣይኮነን ክብል ቲግኔል ምስ ተሌቪዥን ሽወደን ኣብ ዝካየዶ ርክብ ገሊጹ። ኣብ ምጽንባል በዓል ልደትን ክሪስማስን፡ ሰባት፡ ብዝተኻእሎም …

Read More »

ምምሕዳር ኦፕሳላ፡ መርመራ ጸረ-ኣካል ንግዝይኡ ከምዘቋረጸት ሓቢራ

ኣብ ኦፕሳላ፡ ክካየድ ዝጸንሐ መርመራታት ጸረ ኣካል፡ ንግዝይኡ ከቋርጾ ከምዝወሰነ፡ ምምሕዳር’ቲ ከባቢ ሓቢሩ ክብል SVT ኣመሓላሊፉ። እቶም መርመራ ጸረ ኣካል፡ ክገብሩ ዝመጹ ሰባት፡ ብኮሮና ምልካፎም ከይፈለጡ ናብቶም ሓካይም ስለዝቐርቡ እቶም ሓካይም ከምዝተለበዱ ሓላፊ በዓል መዚ ጥዕና ኦፕሳላ፡ ሚካኤል ኮህለር፡ ገሊጹ። መርመራታት ኮሮና ግን ክቕጽል ምዃኑ ተሓቢሩ።

Read More »

መንግስቲ ሽወደን፡ ንመንእሰያት ዝምልከት ናይ ኣባይቲ ልቓሕ ንኽህብ መጽናዕቲ ጀሚሩ

ኣብ ሽወደን፡ መንበሪ ገዛ ክትገዝእ ኣብ ትሓስበሉ እዋን፡ ካብ ባንክ ኣባይቲ፡ ልቓሕ ንኽትረክብ ምእንቲ፡ ካብቲ ጠቕላላ መጠን ዋጋ፡ 15% ከም ትሕጃ ክትከፍል ይግባእ። መንእሰያት ሽወደን፡ ንመጠን ዋጋ ትሕጃ ክረኽቡ ይሽገሩ ስለዘለዉ፡ ነዘን 15% ብዝምልከት፡ ካብ መንግስቲ፡ ብመልክዕ ድሒሩ ዝኽፈል ሓገዝ ንኽረኽቡ ንዝቐረበ ሓሳብ፡ ብወገን መንግስቲ፡ መጽናዕቲ ክግበር ከምዝተጀመረ ተፈሊጡ። ውጽኢት ናይቲ መጽናዕቲ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2021 ክውዳእ ምዃኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ …

Read More »

ዜና መጽሔት News Magazine 04 December 2020

Read More »

ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን፡ ናብ ሰለስተ ሃገራት ዝግበር መገሻ ንኸይካየድ ይመክር

ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን፡ ናብ ኣየርላንድ፡ ላትቪያን ኢስቶንያን ንኽገሹ ዝሓስቡ ሽወደናውያን፡ ካብ ዕለት 3 ታሕሳስ 2020 ክሳብ 16 ታሕሳስ 2020 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ናብዘን ሃገራት ብዘይ ኣገዳሲ ምኽንያት ንኸይገሹ መኺሩ። እዚ ብመንገዲ ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን ዝወጸ መምርሒ፡ ብሕጊ ዝግድድ ዘይኮነ፡ ምኽሪ ምኻኑ ዝሓበረ፡ እቲ ቤት ጽሕፈት፡ እቶም ነዚ ምኽሪ ዕሽሽ ኢሎም ዝገሹ ሰባት ግን ገለ ረብሓታት ብምስኣን ብኣሉታ ክጽለዉ ከምዝኽእሉ ገሊጹ። …

Read More »

ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርታት፡ ናይ ርሕቀት ኣገባብ ኣመሃህራ ንኽጥቀማ፡ መንግስቲ ሽወደን፡ ወሲኑ

ኩለን ኣብ ሽወደን ዝርከባ፡ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርታት፡ ነዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምግታእ፡ ካብ ዕለት 7 ታሕሳስ 2020 ክሳብ 6 ጥሪ 2021 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ናይ ርሕቀት ኣገባብ ኣመሃህራ ንኽጥቀማ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስቴፋን ሎቪን፡ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። ኣብቲ ጋዜጣዊ ዋዕላ፡ ሚኒስተር ትምህርቲ ሽወደን፡ ኣና ኢርክስትሮምን ሓላፊ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ዮሃን ካርልሰን ከምተረኽቡ …

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ Svenska nyheter på tigrigna 02 December 2020

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com