Friday , May 10 2024

ናብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ንምብጻሕ ዝኽልክል መምርሒ ሕጋዊ ኣይኮነን ብምባል፡ ቤት ፍርዲ፡ ከምዝቋረጽ ጌርዎ

ካብ ዕለት 12 ጥቅምቲ ጀሚሩ ክሳብ 14 ሕዳር ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ናብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ፡ ንምብጻሕ ዝኽልክል ብመንገዲ ምምሕዳር ከተማ ስቶክሆልም ዝወጸ መምርሒ፡ ብቤት ፍርዲ ምምሕዳር ከተማ ስቶክሆልም፡ ዘይሕጋዊ ብምባል ንተግባራውነቱ ከምዝቋረጽ ገይርዎ።

ቤት ምኽሪ ከተማ ስቶክሆልም፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝተመሓላለፈ መምርሒ፡ ቤተሰብ ናይቶም ኣረጋውያን ከይተረደኦም ብኮሮና ከይልብድዎም እዩ። እዚ ድማ ትርር ዝበለ መምርሒ ድኣ እምበር፡ ቀያዲ ዝኾነ ትእዛዝ ከምዘይነበረ፡ ቤት ምኽሪ፡ ሓቢሩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ትግባረ ናይቲ መምርሒ፡ ጽልዋ ናይ ቀያዲ ዝኾነ ትእዛዝ ከምዝፈጠረን፡ እዚ ድማ ዘይሕጋዊ እዩ ክብል እቲ ቤት ፍርዲ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com