Monday , April 29 2024
The Italian President of the Lazio region, Nicola Zingaretti, left, visits the vaccine centre in Rome, Italy, at Fiumicino airport vaccination HUB opening in the night Friday, March 26, 2021. (Cecilia Fabiano/LaPresse via AP) ROPH201

ጣልያን: ብሰንኪ መጥቃዕቲ ሳይበር: መስርሕ ክታበት ተሰናኺሉ

ኣብታ ርእሰ ከተማ ሮማ እትርከበላ ኣውራጃ ላዛዮ ክካየድ ዝጸንሐ መስርሕ ክትባት ብሰንኪ ራሰይቲ ዌብሳይታት ዝገብርዎ መጥቃዕቲ ምትእጒጓሉ ተገሊጹ። በዚ ድማ ተኸተብቲ ኣገልግሎት ክትባት ይዂን ፓስፖርት ኮቪድ ምርካብ ተሸጊሮም ኣለዉ።

ላዚዮ ዛጊት ኣብታ ሃገር ካብ ዝግበሩ ዘለዉ ገበናት እቲ ዝዓበየ ዝተባህለሉ ራስያ ዌብሳይታት ከም ዘጋጠማ ወኪል ዜና ኣንሳ ገሊጹ’ሎ።

እዚ ካብ ወፍሪ ግብረ ራዕዲ ከም ዘይፍለ ዝገልጹ ሰብመዚ እታ ሃገር ባይቶ ፍሉይ ሕጊ ምክልኻል ሳይበር ከጽድቕ ከም ዝግባእ ምምልካቶም ኢል ኳቲድያኖ ዝተባህለ ጋዜጣ እታ ሃገር ጸብጺቡ።

እዚ መጥቃዕቲ ሳይበር በጃ ንምሕታት ከም እተኻየደን ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ኣመልኪቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com