Tuesday , April 30 2024
Alter Photos/TT

ራሞስ ኣርሓ መስመር ምኽልኻል ርያል ማድሪድ ታሪኽ ይሰርሕ!

ኣብዚ ዘመን ኣብ መስመር ምኽላኻል ካብ ዝፈረዩ ተጻወቲ ሓደ ራሞስ እዩ። ንሱ ተኸላኸላይ ጥራይ ዘይኮነ ሸቶ ከምዝግብ እውን ዘይእግሞ ተጻወታይ ውን እዩ  ይብል ናይ ቅድም ኣሰልጣኒኡ ፈርንሳዊ ዘነዲን ዘይዳን።

ሰርጂዮ ራሞስ ኣብ ጸወታ ኮፓ ዴላሬይ ክለቡ ማድሪድ ኣብ ልዕሊ ሊጋነስ 3 ብ0 ኣብ ዝሰዓረትሉ ሓንቲ ሸቶ ብሽሙ ኣብ ዘመዝገበሉ ኣብ ሂወቱ መበል 100 ሸቶ ኾይና ነዚ ክብሪ ካብ ዝበጽሑ ሓደ ኮይኑ ተመዝጊቡ።

እዛ ሸቶ እዚኣ ኣብ ክለቡ እዉን መበል 80 ሸቶ ብሙኻን ን ሓያሉነቱ ኣመስኪራ እያ። ብጠቕላላ ራሞስ ኣብ ናይ ጸወታ ግዜኡ ምስ ናይ መጀመርያ ክለቡ ስቪላ 3 ሸቶታት ምስ ሃገራዊት ጋንቱ ድማ 17 ሸቶታት ብምምዝጋብ ከም ሓለቓ ጋንታ ን ክለቡን ሃገራዊት ጋንትኡን ኣብ ምምራሕ ይርከብ።

ብተወሳኺ ኣብዛ ዓመት 2017/18 ውድድር ግዜ ብዘይ ዝኾነ ቀይሕ ካርድ ብምውድኡ ኣብ ታርኹ ንመጀመርያ ግዜ ብዘይ ቀይሕ ካርድ ዝዛዘማ ኮይና ተመዝጊባትሉ።

ራሞስ ኣብዚ ናይ 16 ዓመታት ጸወትኡ ብድምር 26 ብቀይሕ ብምብራሩ ኣብ ኩሉ ናይ ኤውሮፓ ኩዕሶ እግሪ ሊጋት መወዳድርቲ የብሉን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com