Saturday , May 18 2024

ብባርዕ ዝዓነወ መናፈሻ ማይ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን በጻሕቲ ናብ ዮተቦሪ ክስሕብ ትጽቢት ተጌሩሉ ኔሩ ተባሂሉ

ንመናፈሻ ማይ ኦሽያና ዘዕነወ ባርዕ ክሳራኡ ን መናፈሻ ሊሰበርግ ጥራይ ከም ዘይኮነ ተሓቢሩ። ዋና ኣካያዲ ስራሕ ቤት ምኽሪ ንግዲ ምዕራብ ሽወደን ዮሃን ትሮቨ ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ መናፈሻ ማይ ድሕሪ ምኽፋቱ ፍርቂ ሚልዮን በጻሕቲ ናብ ዮተቦሪ ክስሕብ ትጽቢት ምንባሩ ኣመልኪቱ’ሎ። እቲ ባርዕ ካብ ዝለዓል ልዕሊ 24 ሰዓታት እኳ እንተሓለፈ ዛጊት ሓደ ሰብ ደሃዩ ኣይተረኽበን ኣሎ።

Read More »

ሓደ ዲፕሎማት ኢራን ብስለያ ይጥርጠር

ኣገልግሎት ጸጥታ ሽወደን “ሳፖ”፡ ኢራን ብጒልባብ ዲፕሎማስያዊ ስራሕ ናብ ሽወደን ብተደጋጋሚ መኮንናት ስለያ ከም ዝለኣኸት ከም ዝጥርጥር ገሊጹ። ሓደ ካብዞም ኣብ ስለኣዊ ንጥፈታት ከም እተዋፈሩ ዝጥርጠሩ ዲፕሎማሰኛታት ወግዓዊ ዕማማቱ ጉዳይ ባህሊ ምዃኑ ዝተገልጸ ሰብ ምህላዉ ሬድዮ ሽወደን ን ሳፖ ብምጥቃስ ጸብጺባ’ላ። እዚ እናኾነ ደረጃ ስግኣት ግብረሽበራ ሽወደን ኣብ ልዑል ደረኣ ክጸንሕዩ ተባሂሉ። ደረጃ ስግኣት ግብረሽበራ ሽወደን ኣብ 2024 ልዑል ኮይኑ …

Read More »

ባንካታት፡ ኣረጋውያን ካብ ዓሎቕ ንምክልኻል ክሰርሓ ጻውዒት ቀሪቡ

ባንክታት ሽወደን ብፍላይ ንኣረጋውያን ኣደዳ ክሳራ ዝገብር ካብ ዘሎ ዓሎቕ ኣቓልቦ ክገብራሉ ቀዳማይ ሚንስተር ሽወደን ኡልፍ ክሪስተርሾን ተላብዩ። መንግስቲ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ንወከልቲ ባንክታት ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ኣረጋውያን ግዳያት ዓሎቕ ይኾኑ ምህላዎም ኣብ ግምት ብምእታው ነዚ ንምክልኻል ኣገባብ ከተኣታትዋ ጸዊዑ’ሎ። ነዚ ዝኸውን እማመ ሒዘን ክምለሳ ነተን ባንክታት ሓቲቱ’ሎ። .

Read More »

ተጓዓዝቲ ኦረሱንድ ተፍቲሽ መንነት ክግበረሎም እማመ ይቐርብ

መንግስቲ ሽወደን ኣብ መላእ ኡረሱንድ ንዝርከቡ ባቡራት፡ ኣውቶቡሳትን ጀላቡን ንተጓዓዝቲ ወረቀት መንነት ክሓቱ ከምኡ’ውን ሕጋዊ መለለዪ መንነት ዘይብሉ ሰብ ናብ ሽወደን ከይኣቱ ክኽልክሉ ስልጣን ክህልዎም ዝብል እማመ ኣቕሪቡ። ስደት ዘምጽኦ ስግኣታት ሃገራዊ ድሕነት ምኽንያታት ናይዚ ቀሪቡ ዘሎ እማመ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ኣብ 2016ን 2017ን ኣብ ኦሬሱንድ ኣብ ልዕሊ ተጓዓዝቲ ፍተሻ መንነት ምካያዱ፡ ሕጂ ድማ እቲ ጠለብ ዳግማይ ክልዓል ከም ዝኽእል ተገሊጹ’ሎ። …

Read More »

እስራኤል ካብ ውድድር ዩሮቪዥን ኣይክትእገድን እያ ተባሂሉ

ኣብ መጻረዪ ውድድር ደርፊ ዩሮቪዥን ኖርወይ ዝተዓወተት ኖርወጃዊት ባንድ Gåte፡ እስራኤል’ውን ምስታፋ ቅር ዝብላ እውን እንተኾነ፡ ኣብቲ ዓቢ ውድድር “ክትሳተፍ ከም ዝወሰነት” ትማሊ ሰኑይ ኣፍሊጣ። እቶም ሙዚቀኛታት፡ ነቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ዘካየደቶ ​​ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝቐተለ መጥቃዕቲ “ኢሰብኣዊን ብዝኾነ ክምኽነን ዘክእል እዩ” ክብሉ ተቓውሞኦም ገሊጾም ኣለዉ። ኣባላት እታ ባንድ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ድሕሪ …

Read More »

ልዕሊ 130 ሽሕ ሰራሕተኛታት ፊንላንድ ኣድማ ከካይዱ እዮም

ኣብዚ ሰሙን ፊንላንድ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ርኡይ ደውታ ኣጋጢምዋ ኣሎ፡፡ ምኽንያቱ ድማ ልዕሊ 130 ሽሕ ሰራሕተኛታት እታ ሃገር፥ ብቀዳማይ ሚኒስተር ፔተሪ ኦርፖ ዝቐረበ ጽገናታት ዕዳጋ ሽቕለት ብምቅዋም ኣድማ ከካይዱ ትጽቢት ተጌሩ’ሎ። እዚ ብባህሪኡ ፖለቲካዊ ዝኾነ ኣድማታት፡ ኣብ መላእ ሃገር ንዝካየድ ሕብረተሰባውን ቁጠባውን ንጥፈታት ብሰፊሑ ክዘርግ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣታት ሰፊኑ’ሎ። እቲ ኣድማታት ኣብ መወዳእታ ናይዚ ሰሙን ኣብታ ሃገር ዓቢ ጽልዋ …

Read More »

ስከለፍትዮ ኣብ ደረት ደሞዝ ፍቓድ ስራሕ ፍሉይ ረቛሒ ክተኣታቶ ተስፋ ከም ዘለዎ ይገልጽ።

ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን፡ ንወነንቲ ፍቓድ ስራሕ ዝተቐመጠ ደረት ደሞዝ ክስኽ ኣለዎዶ ኣብ ዝብል ሕቶ መንግስታዊ መርመራ ክግበር እዩ ተባሂሉ።- እዚ መርመራ ገለ ኢንዱስትሪታት ወይ ቦታታት ስራሕ ዝኾነ ሕድገታት ክግበረለን ኣለዎ እንተኾይኑ ክርኢ እዩ። ምምሕዳር ከተማ ስክለፍትዮ ብወገኑ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ወጻኢ ዝመጹ ሰባት ጽላት ድሕነት ንምምልማል ዘኽእሎም ፍሉይ ሕጊ ክተኣታቶ እዩ ዝብል ተስፋ ከም ዘለዎ ገሊጹ’ሎ። “ሓደ ሓደ ግዜ …

Read More »

ዕለታዊ ዜና ካብ ሃርሞኒ መዲያ 13 ለካቲት 2024

Read More »

ኣባል ሰልፊ ማሕበራዊ ዲሞክራሲ ጀማል ኤል-ሓጅ ካብቲ ሰልፊ ወጺኡ

ተኣማንነት መራሒት ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ማግዳሌና ኣንደርሰን ብምስኣኑ ኣብ ፓርላማ ዝነበሮ መንበር ክገድፍ ዝተሓተተ ኣባል እቲ ሰልፊ ጀማል ኤል-ሓጅ፡ ካብቲ ሰልፊ ብዕሊ ምስንባቱ ተፈሊጡ። ይዂንምበር ከም ነጻ ኣባል ባይቶ ኣብ ፓርላማ ክጸንሕ እዩ። ኤል-ሓጅ ንሓደ ዓቃባዊ ግብጻዊ ኢማም ዕቚባ ንኽረክብ ጸቕጢ ከሕድር ፈቲኑ ተባሂሉ ኣብ ጋዜጣ ኤክስፕረሰን ጸብጻብ ድሕሪ ምቕራቡ ኣብቲ ሰልፊ ዝጸንሖ ተኣማንነት ምጥፍኡ እዩ ዝግለጽ። መራሒት እቲ ሰልፊ …

Read More »

ክሪስተርሶን፡ ንኣሌክሳንደር ስታብ ናይ እንቋዕ ሓጎሰካ መልእኽቲ ሰዲዱ

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኡልፍ ክሪስተርሾን፡ ኣሌክሳንደር ስቱብ ናይ እንቋዕ ሓጎሰካ መልእኽቱ ሰዲዱ። ኣብቲ ብቕድሚ ትማል ሰንበት ዝተኻየደ ፕረሲደንታዊ ምርጫ ፊንላንድ ስቱብ ኣብ ልዕሊ መወዳድርቱ ኣባል ሓምለዋይ ሰልፊ ፔካ ሃቪስቶ ምዕዋቱ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ገሊጸን ኣለዋ። ክሪስተርሾን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ ”ንኣሌክሳንደር ልባዊ ናይ እንቋዕ ሓጎሰካ መልእኽተይ ክሰድድ ደስ ይብለኒ፥ ፊንላንድ ናይ ቀረባ ዓርክናን መሻርኽትናን እያ። ምትሕብባርና …

Read More »
Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com