Saturday , May 18 2024

ክኢላታት ሽወደን ዓሳ ምብላዕ ኣብ ጥዕና ኣዎንታዊ ተራ ኣለዎ ይብሉ።

ተመራመርቲ ሽወደን ዓሳ ንጥዕና ኣካላትን ከባቢን ኣዝዩ ኣገዳሲ ብምዃኑ ሰባት ዝያዳ ዓሳ ንኽምገቡ ምትብባዕ ከም ዘድሊ ይሕብሩ’ለዉ። እዞም ኣብ ስቶክሆልም ዝተጋብኡ ተመራመርቲ ዓሳ ምብላዕ ካብ ምኽራሽን ሕማም ልቢን ከም ዝከላኸልን ካብ ካልእ ዓይነት ስጋ ብዝበለጸ ንከባቢ ከም ዝሰማማዕን እዮም ገሊጾም። “ንኣፍረይቲ መግቢ ዝያዳ ኣብ ዓሳ ከተኲሩ ምኽርና ኣብ ምልጋስ ንርከብ። ምኽንያቱ ዓሳ ምብላዕ ፍዂስ ከም ዝብለና እውን ይገብር እዩ” ትብል …

Read More »

ሚኒስተሪ ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ንምንቅስቓስ ኣምባሳደር ሽወደን ኣብ ቻይና ብዕቱብ ይከታተል ምህላዉ ገሊጹ።

ኣምባሳደር ሽወደን ኣብ ቻይና ካብ ኣፍልጦ ሚኒስትሪኣ ወጻኢ ንጓል ሓደ ተቓዋሚን ካልእ ቻይናዊ ነጋዳይን ብምርኻብ ኣብ ሆቴል ስቶክሆልም ክዛተዩ ምግባራ ንባይቶ ሽወደን ገሊጻ። ሚኒስትሪኣ ካብዚ ጒዳይ ብምጒናያ ከኣ ብትሪ ነቒፋታ’ላ። ወኪል ጸጥታ ሽወደን ኣምባሳደር ኣና ስልጣና ንዘይሕጋዊ ጽልዋ ተጠቒማትሉ እንተኾይና ንምፍላጥ ኣብ መርመራ ምህላዉ ገሊጹ’ሎ፡ ዓቃባዊ ሰልፊ ብወገኑ ኲሎም ሓቂታት ናብ ዘተ ክቐርቡ ጻውዒት ኣቕሪቡ’ሎ። “እዚ ኣዝዩ ህጹጽ ጒዳይ ስለዝኾነ …

Read More »

ሽወደን ኣብ 2019 21 ሽሕ ሓተትቲ ዕቚባ ክትቅበል ትጽቢት ይግበር።

ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ሽወደን ኣብዚ ዓመት’ዚ ን 21 ሽሕ ሓተትቲ ዕቚባ ክቕበል ትጽቢት ይግበረሉ። ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ሽወደን ቊጽሪ ሓተትቲ ዕቚባ ምስቲ ናይ ዓሚ ብምውድዳር ኣብ ተመሳሳሊ ደረጃ ክህሉ እዩ ኢሉ’ሎ። እዚ ዓርቢ ካብ ዝወጸ ዕላዊ መግለጺ ኮምብስ ዝተረኽበ እዩ። ብመሰረት ክፍሊ ኢሚግሬሽን ኣብ ዓመተ 2019 ዕስራን ሓደን ሽሕ ኣብ ዝቕጽል ዓመት ከኣ ከባቢ 22 ሽሕ ሓተትቲ ዕቚባ ክህልዉ እዮም ተባሂሉ’ሎ። ኣብ …

Read More »

ዜናታት ሽወደን ብትግርኛ 20190215

# መንግስቲ ሽወደን መጻኢ ንድፊ ፖሊሲ ጒዳያት ወጻኢ ዕላዊ ጌሩ። # ኣውሮጳዊ ሕብረት ንስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝርዝር ጠንቂ ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ሰሪዕዋ።

Read More »

ስዊድን ጉዳይ ስደተኛታት

Read More »

ኣብ ማእከላይ ማልሞ ምፍንጃር ይኽሰት።

ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ማእከላይ ማልም ሓደ ተፈንጃሪ ምንታጒነ ኣብ መብዛሕትኡ ክፋላት እታ ከተማ እቲ ነውጺ ከም እተሰምዐን ተገሊጹ። ብዘይካ ኣብ ጥቓ ምፍንጃር ዝተኸስተሉ ቦታ እተራእየ ምስብባር መስትያት መሳዂቲ ካልእ በቲ ምፍንጃር ዝወረደ ጒድኣት ከም ዘየልቦ ተፈሊጡ’ሎ። ክኢላታት ተፈንጀርቲ ነቲ ቦታ ብምኽላል መርመራ ክገብሩ ድሕሪ ምጽናሕ ነቲ ምኽላል ሎሚ ንግሆ ኣልዒሎሞ’ለዉ። ኣፈኛ ፖሊስ Anna Joranson “እዚ ምፍንጃር ስለምንታይ ኣጋጢሙ ዛጊት …

Read More »

ሽወደን ንኣምባሳደር ሽወደን ኣብ ቻይና ንመርመራ ትጽውዕ።

ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ ንኣምባሳደር ሽወደን ኣብ ቻይናAnna Libdsteadt ንጒዳይ Gui Minhai ከመይ ከም ዘሓዘቶ ንምምርማር ጸዊዓታ’ላ። ኣብ ቤትማሕቡስ ቻይና እትርከብ Gui Minhai ካብ ቻይናን ሽወደንን እትውለድ ኣሕታሚት እያ። ብመሰረት እቲ ሚኒስትሪ Ann ኣብቲ ጒዳይ ጽቡቕ ምውሳእ ኣየርኣየትን ጥራይ ዘይኮነ ብዘይ ኣፍልጦ እቲ ሚኒስትሪ እዮም እቶም ርክባት ዝካየዱ ኔሮም ዝብል ወቐሳ ቀሪቡላ’ሎ። Lindsteadt ኣብ መንጐ ጓልእዛ ኣሕታሚት ሚንሃይን ገለ ሰብ ቢዝነስን …

Read More »

ኣብ ሽወደን ቊጽሪ ፖላንዳውያን ሰራሕተኛታት ህንጻ ብናህሪ ይውስኽ።

ብመሰረት ኣገልግሎት ከባቢ ሽወደን ኣብ ሽወደን ቊጽሪ ወጻእተኛታት ሰራሕተኛታት ህንጻ ብናህሪ ወሲኹ’ሎ። ብመሰረት እዚ መግለጺ ዝበዝሑ ካብዞም ሰራሕተኛታት ህንጻ ፖላንዳውያን እዮም። “ዓብዪ ሽሻይ ዓቕሚ ሰብ ህንጻ እሎና። ሕጂ ኣብዛ ሃገር ዓበይትን ናእስቱን ናይ ህንጻ ፕሮጀክቲታት ኣለዋ” ትብል ሓላፊት ARNA Arne Alferdsson። ቊጽሪ ምዝጉባት ወጻእተኛታት ሰራሕተኛታት ኣብ 2018 72552 በጺሑ ኔሩ። እዚ ድማ ምስ ዓመተ 2017 ብምንጽጻር ኣዝዩ ወሰኸ ኣርእዩ’ሎ። እዚ …

Read More »

ፕረዚደንት ፈደሬሽን ምሕምባስ ብፍቓዳ ካብ መዝነታ ትወርድ።

ፕረዚደንት ፈደሬሽን ምሕምባስ ሓንቲ ኣካላታ ዝሽፍን ልባስ መሐንበሲ ንእተኸድነት ጓል ብምንቃፉ ብፍቓዳ ካብ መዝነታ ትወርድ። ሓላፊት ፈደሬሽን ምሕንባስ Gustavsson ንሓንቲ ምሉእ ኣካላታ ዝሽፍን ልባስ መሕንበሲ እተኸድነት ሙስሊም ጓል ድሕሪ ምዝላፋ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ብዝወረዳ ነቐፌታ ብፍቃዳ ስልጣና ትሓድግ። ንሱ ስደተኛታት ኣዋልድ ክሕንብሳ እንተደልየን ሕጃበን ከውጽኣ ይግብአን ክትብል ምስ Aftonbladet ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕትት ገሊጻ ። ቦርድ ፈደሬሽን ግና ኣካያዲ ንዂሎም ሰባትን …

Read More »

ሽወደናዊ ፖሊስ ንሓደ ስደተኛ “ዓረብ ሸይጣን” ኢሉ ይጸርፎ።

ኣብ ማእከል ስደተኛታት ኣብ ዝተገብረ ናዕቢ ሓደ በዓልመዚ ፖሊስ ንስደተኛ ኣታ “ዓረብ ሰይጣን” ኢሉ ብምጽራፉ ኣብ ኣብ Småland ከም እተኸሰ ተፈሊጡ። እቲ በዓልመዚ ፖሊስ ሃዳዲን ዓሌታውን ቋንቋ ተጠቒምካ ዝብል ክሲ ከም ዝቐረበሉ እኳ እንተተነግሮ ዛጊት ናብ መጋባእያ ኣይቀረበን። እዚ መስርሕ ፍርዲ ንራብዓይ ግዜኡ ክስረዝ እንከሎ ነቲ ፖሊስ ናብ ፍርዲ ንምምጻእ ሓድሽ ጻዕሪ ክግበር እዩ ተባሂሉ’ሎ። እቲ ተበዲለ በሃላይ ነታ መኪና …

Read More »
Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com