Saturday , May 18 2024

ኣውሮጳዊ ሕብረት ንስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝርዝር ምወላ ግብረሽበራን ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ገንዘብን ይሰርዓ።

ኣውሮጳዊ ሕብረት ንስዑዲ ዓረብ: ፓናማን ናይጀያን ኣብ ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ገንዘብን ምወላ ግብረሽበራን ብምውፋረን ንቕጽሪ እቲ ሕብረት ናይ ጸጥታ ስግኣት ምዃነንን ኣብ ጸሊም ዝርዝር ከም ዝእተወንን ገሊጹ። ምስ ስዑድያ ጥብቕ ዝበለ ናይ ንግድ ርክብ ዘለወን ገለ ኣባላት እዚ ሕብረት ነዚ መግለጺ ዘለወን ተቓውሞ ኣስሚዐን ኣለዋ። እንተኾነ እቲ ኮሚሽን ነዚ ስዑዲ ዓረብ ካብቲ ዝርዝር ክትእለ ዝብል ጥርዓን ነጺግዎ’ሎ። ኣብዚ ዝርዝር ዝተኻተታ ሃገራት …

Read More »

መንግስቲ ሽወደን መጻኢ ንድፊ ፖሊሲ ጒዳያት ወጻኢኡ ዕላዊ ጌሩ።

ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ Margot Wallström ኣብ ቅድሚ ባይቶ ሽወደን ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ሰለስተ ጽማቚ ቀዳምነታት ኣቐሚጣ’ላ። – ዴሞክራሲን ሰብኣዊ መሰላትም – ዓለማዊ ሰላምን ጸጥታን – ዲፕሎማሲን ዘተን ወፍሪ ምዕቃብ ዴሞክራሲን ንባይቶ ብምጽዋዕ ኣብ ኣውሮጳን ዓለምን ዴሞክራሲ ንምዕቃብ ብፍላይ ድማ ካብቶም ኣብ ዴሞክራሲ ዘይኣምኑ ሕሉፋት የማናውያን ንምዕቃብ ክንቀሳቐስ ጸዊዓ’ላ። “ኩለን ኣባል ሃገራት ኣብ ምትሕግጋዝ ሃገራት ተወፋይነት እምነት ኣለወን ዝብል እምነት የብልናን” …

Read More »

ወነንቲ ንኣሽቱ ትካላት ናይ ቀረጽ ድጎማ ክረኽቡ እዮም።

ብመሰረት ኣብ መንጐ ኣርባዕቲኦም ሰልፊታት እተገብረ ስምምዕ ናእሽቱ ቢዝነሳት ናይ ቀረጽ ድጎማ ክረኽባ እየን። ብመሰረት እዚ ኣብ መንጐ ሶሻል ዲሞክራትስ (S)፡ ከባብያዊ(MP)፡ ማእከላይን(C) ሊበራላውን (L) ሰልፊታት እትበጽሐ ስምምዕ ኣስራሒ ሰራሕተኛኡ እንክቖጽር ገለ ካብ ኣታዊ ዝገብሮ ቀረጽ ክጐድለሉ እዩ። ኣስራሕቲ ናይ ነፍሲ ወከፍ ዝቘጽርዎ ሰራሕተኛ ቀረጽ ይኽፍልሉ እዮም። እቲ ካልእ ናይ ኣስራሕቲ ቀረጽ ዝበሃል እዩ። ብመሰረት እዚ ሓድሽ መንግስቲ እዚ እማመ …

Read More »

መዓልቲ ፍቑራት (Valentine’s Day)

እቲ ፍቑራት ህያባት ዝለዋወጡሉን ፍቕራዊ ቃል-ኪዳኖም ዘሐድሱሉን መዓልቲ ፍቑራት፡ ዓመት መጸ ኣብ ለካቲት 14 ይበዓል። ዝተፈላለዩ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት፣ ምቁር ሕብስቲ፣ ቶርታ፣ ፍሉይ ናይ ሽምዓ ምሸትን ካልእ ነዚ መዓልቲ ዘንጸባርቑ ምድላዋትን ብምግባር፡ ፍሉይ ትሕዝቶ ዘለዎም ካርተሊናታትን ዕምባባታትን ብምድላው ዘኪሮሞ ይውዕሉ። ንምዃኑ ኣፍልጦና ብዛዕባ ኣመዓባብላ መዓልቲ ፍቑራት ክሳብ ክንደይ እዩ? ንታሪኻዊ ኣመጻጽኣ መዓልቲ ፍቑራት (ቫለንታይን ደይ) ዝጸውዩ ዛንታታት መብዛሕትኦም ዝመሳሰሉ’ኳ እንተኾኑ …

Read More »

ግብረ ሽበራ ብምምዋል 6 ሰባት ናብ ፍርዲ ቀሪቦም።

ናይቶም ግብረ ሽበራ ኣብ ሽወደን ብምምዋል ናይ እተኸሱ ሽዱሽተ ተወልድቲ ዑዝበኪስታንን ኪርጊስታንን ዝሓለፈ ሰኑይ ጀሚሩ’ሎ። ሰለስተ ካብዚኣቶም ኣብ ሽወደን ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕቲ ንኽፍጸም እተዋስኡ እዮም። ኣኽባር ሕጊ Peer Lindkvist ኣብዚ ጒዳይ ዘለዎ ጠመተን ይግባእ ዝብሎ መቕጻዕትን ከስምዕ እዩ። ብመሰረት Lindkvist እዞም ሰለስተ ኣብ ማእከል ስቶክሆልም ዓብዪ ነታጒ ከጻውዱ ወጢኖም ኔሮም። ገለ ካብቲ ነዚኣቶም ዝቐረበሎም መርትዖታት ኣብ ቤቶም እተረኽበ ዝተፈላለየ ኬሚካላት ምስ …

Read More »

ፍቕሪ ወዲ 36 ዓመት ፍልስጤማዊ ስደተኛ ምስ ጓል 79 ዓመት መምህሩ

ፍቕራዊ ህይወት ወዲ 36 ዓመት ፍልስጤማዊ ስደተኛን ጓል 79 ዓመት ኣፍቃሪቱን ሕጋዊ ዕንቅፋታት ይሰግር። እዚ ሓምዛ ዳሊስ ዝተባህለ ፍልስጤማዊ ምስዛ ጡረተኛ ጓል 79 ዓመት ሚልዮኔር እዩ ኣብ ፍቕሪ ወዲቑ ዝርከብ። ምንጪ ሃብቲ እዛ ኣዛውንቲ ዘይንቀሳቐስ ንብረት( real estate) እዩ። እዚ ፍቐራዊ ርክብ ሓምዛ ተመሃራይ Ola Simson ኸኣ መምህሩ ኣብ ዝነበረትሉ እዩ ጀሚሩ። እዚ ፍቕራዊ ርክብ መርዓ ዝዕንቅፉ ሕጋዊ መሰናኽላት ብምእላይ …

Read More »

ፖሊስ ሽወደን ገጽ ዘለሊ ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ጥርጡራት ክረኽቡ ክኽእሉ እዮም።

ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት መጽናዕቲ ፖሊስ ሽወደን ገጽ ዘለሊ ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ጥርጡራት ወንጀል ክረኽቡ ክኽእሉ እዮም። ብመሰረት ተሌቪዥን ሽወደን ሃገራዊ ማእከል መርመራ ወንጀል ነዚ ምዕቡል ቴክኖሎጂ ናይ ምግዛእ መደብ ኣለዎ። እዚ ናይ ምሽማት መደብ እታ ሕጋዊ ጒዳያት እትርኢ ሽማግለ ፖሊስ ተቐባልነት ምስ ሃበትሉ ክጸድቕ እዩ። ሃገራት ኣመሪካን ብሪጣንያን እዚ ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ወንጀለኛታት ከም ዝሃድና ይፍለጥ። ኣብዚ ግዜዚ ናይ ሓለዋ ካሜራታት ጥርጡራት …

Read More »

ዜናታት ሽወደን ብቛንቋ ትግርኛ ሰኑይ 11 Feb. 2019

ፖሊስ ሽወደን ሰራሕተኛታት ተመሲሎም ካብ ዝሰርቁ ገበነኛታት ተጠንቀቑ ይብል። 2. በዓል መዚ ምክትትታል ላዕለዋይ ትምህርቲ፣ ናይ 22 ሰባት ምስክር ወረቐት ሰሪዙ።

Read More »

ፖሊስን ምምሕዳርን ማልሞ እሱራት ናብ ዴንማርክ ንስልጠና ክልእኩ ይደልዩ።

ብመሰረት ሬድዮ ሽወደን ብዙሓት ትካላት እንተላይ ፖሊስን ምምሕዳር ከተማ ማልሞን ብዛዕባ እቲ ዕድል ንምዕዛብ ነቲ ካብ ከተማ ኮፐንሃገን ውጽእ ኢልካ ዝርከብ ማእከል ትምህርቲ Tamo ምብጽሖም ጸብጺባ’ላ። Tamo ነቶም ካብ ዕዳጋ ሽቅለት ኣጸቢቖም ዝረሓቑ ማእከል ሽቕለትን ስልጠናን እያ። እቲ ማእከል ንኣብነት ዝኾነ ናይ ትምህርቲ ሰርቲፊኬት ንዘይብሎም እሱራትን የጠቓልል እዩ። እዚ ማእከል ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት ከምእኒ ሓጺን ህንጻን ምኽሻንን ስለጠና ክህብ ክፍቀደሉ …

Read More »

ካርቱን ቁ.8

Read More »
Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com