Friday , May 10 2024
Credit: Christine Olsson/TT and Jonas Ekströmer/TT

ሽወደን፥ መንግስቲ “ጃስ 39 ግሪፐን ጀት” ናብ ዩክሬን ብዛዕባ ምስግጋር ኣመልኪቱ መርመራ ክካይድ እዩ።

መንግስቲ ሽወደን፥ “ጃስ 39 ግሪፐን” ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእ ናብ ዩክሬን ከተሰጋግር ብዛዕባ ዘሎ ተኽእሎ ኣመልኪቱ ንሰራዊት
ሽውደን ኣብ ሓጺር ግዜ ሕቶ ከቕርብ ምዃኑ፡ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ኣረዲኡ። እቲ መርመራ፡ ናብ ዩክሬይን ዝግበር
ምስግጋር ነፈርቲ ን ዓቕሚ ምክልኻል ሽወደን ብኸመይ ከም ዝጸልዎን፡ ነተን ናብ ዩክሬን ዝለኣኻ ንምትካእ ሓደስቲ ነፈርቲ
ውግእ ጃስ 39 ግሪፐን ክሳብ ክንደይ ብቕልጡፍ ክፈርያ ይኽእላ ዝብል ሕቶታት ክርኢ እዩ።
እዚ ምጽራይ፡ ከምኡ’ውን ነቶም ኣብረርቲ ዩክሬን ንምስልጣን ግዜ ከም ዝወስድ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነፈርቲ ውግእ ጃስ 39
ግሪፐን ክሳብ ዝመጽእ ሓጋይ ኣብ ልዕሊ ሰማይ ዩክሬይን ከም ዘይነፍራ ሬድዮ ሽወደን ንሰብመዚ ብምጥቃስ ጸብጺባ’’ላ።

 

Credit: Christine Olsson/TT and Jonas Ekströmer/TT

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com