Friday , May 10 2024

ዋሕዲ ኣቓልቦ ወይ ዘይንቡር ዋዒ ኣብ ህጻናት/ADHD

ADHD ኣሕጽሮተ ቃል ናይ ዋሕዲ ኣቓልቦ ወይ ዘይንቡር ዋዒ ማለት እዩ። ኣብ ምሉእ እዚ ጽሑፍ እዚ ኣሕጽሮተ ቓል ADHD ክንጥቀም ኢና። ስለዚ ዝኾነ ሰብ ADHD ዘለዎ ናይ እቓልቦ ጸገም፡ ዘይንቡር ዋዒ; ምርባሽ ወይ ልዑል ኣካላዊ ምንቅስቓስ ቀጻሊ ዕረፍቲ ዘይምህላው፡ ህዉኽ ግብረ መልሲ ምሃብ የርኢ። መብዛሕትኡ ግዜ ADHD ኣብ ዕድመ ቁልዕነት እዩ ዘጋጥም። ኣከባቢን ተወርሶ ካብ ስድራቤት ልዑል ADHD ናይ ምምዕባል ተራ ኣለዎ። ኣእምሮ ናይ ዋሕዲ ኣቓልቦን ዘይንቡር ዋዒን ዘለዎም ህጻናት ፍልይ ብዝበለ ይሰርሕ።ኣተዓባብያ ኣብ ባህሪ ህጻን ልዕል ጽልዋ እኮ’ እንተሃለዎ፡ ኣተዓባብያን ኣከባቢን ዋሕዲ ኣቓልቦን ዘይንቡር ዋዕን ADHD ኣብ ምምዕባል ዋላ ሓደ ተራ የብሉን። ልክዕ ከም ዝኾነ ሰብ ADHD ውን ካብ ሰብ ናብ ሰብ ብዙሕ ፍልልይ ኣለዎ። ቀጻሊ ኣብ ጸወታ ዝተጸምዱ ኣይኮኑን እንተኾነ ርቡሻትን ዘይመስተውዓልትን ይገብሮም።

ፍልልያትን ዓይነትን ADHD
ሰለስተ ዝተፈላለየ ዓይነት ADHD ኣሎ:
1. ዘይመስተውዓል ADD: ከምዚኦም ዓይነት ህጻናት ናይ ምስትውዓልን ናይ ምቱካርን ጸገም ኣለዎም። ቀልጢፎም ኣቓልቦኦም የጥፍኡን ይርስዑን።
2. ዘይንቡር ዋዒን ምርባሽን፡ እዚ ዓይነት ADHD ዘለዎም ሰባት ቀጻሊ ጸቕጢ ርቡሽ ባህርን የርእዩ። ፈጺሞም ኣይሃድኡን ኢዮም። ቀጻሊ ውን ዘረባ የብዝሑ፡ ኣብ ግዜ ርክብ ወይ ምብህሃል ንኻልኦት ሰባት ይርብሹን የተዓናቕፉን።
3. እጠቓላሊ ዘይንቡር ዋዒን ምርባሽን ADD+ADHD: እዚ ዓይነት ጸገም እቲ ዝበዘሐ ዘጋጥም ዓይነት ADHD ኮይኑ ኣብ ሓደ ነገር ከተኩሩ ይሽገሩ። ቀጻሊ ምርባሽን ዘይንቡር ኣካላዊ ምንቅስቓስን የርእዩ።

ምልክታት ዘይምስትውዓል ADD
● ምትካዝ ኣብ ናትካ ናይ ሕልሚ ዓለም ምእታው።
● ልኡም ምምሳል፡
● ዘይዘይምእርናብ ምርሳዕን፡
● ትሰምዕ ዘለኻ/ኺ ዘይምምሳል፡
● ቀጻሊ ነገራት ምጥፋእ፡
● ብቐሊሉ ኣቓልቦኻ ምጥፋእ፡
● ኣብ ምሕበራዊ ኣጋጣሚታት ወይ ናይ ቤት ትምህርትን ኣከባቢን ኣጋጣሚታት ምሽጋር/ምጭናቕ፡
● ኣብ ሓደ ንጥፈት ወይ ጸወታ ኣቓልቦ ዘይምግባር፡

ምልክታት ዘይንቡር ዋዒን መርባሽን
● ብህድኣት ኮፍ ክትብል ዘይምኻል፡
● ቀልጢፍካ/ኪ ኣቓልቦካ/ኪ ምጥፋእ፡
● ተራኻ/ኺ ክትጽበ/ዪ ዘይምኽኣል፡
● ካብ ሓደ ንጥፈት ናብ ካልእ ንትፈት ምስጋር፡
● ብህድኣት ክትጻወት/ቲ ዘይምኽኣል፡
● ብዙሕ ምዝራብ፡
● ካልኦት ከም መመኽነይታ ምቕራብ፡
● ሰባት ዝብሉኻ ዘለዉ ዘይምስማዕ፡
● ኣስተውዒልካ ዘይምውሳን ሓደጋኛ ስጉምቲ ምውሳድ፡
● መምርሒታት ክትክተል/ሊ ዘይምኽኣል፡
● ንቐሊል ነገር ቀጡዕ ግብረመልሲ ምሃብ፡ ኣብ መቕጻዕትን ዕብየትን ግብረመሲ ምሃብ፡
● ቀጻሊ ነገራት ምጥፋእ፡
● ኣብ ሓደ ነገር ከተተኩር ዘይምኽኣል፡
● ብቐሊሉ ክትሃድእ ዘይምኽኣ፡

ADHD ዘለዎ ህጻን ኣብ እናልየሉ እዋን እንታይ ክንገብር ይግበኣና
ኣብ ውላድና ዘይንቡር ዋዒ ናይ ምርባሽን ባህሪ እንተሪኢና ADHD ክኸውን ዝለዝኽእል ምስ ናይ ገዛና ሓኪም (huisarts)፣ ምክትታል ቆልዑ (jeugdgezondheidszorg) ወይ ቤት ትምህርቲ ክንዘራረብ ይግባእ። ኣገዳሲ እንተኮይኑ ናብ ካልእ መጽናዕቲ ወይ ክንክን ከመርሑና ይኽእሉ።

ምንጪ፡www.kenniscentrum-kjp.nl Eritreeërs Gezond


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com