Wednesday , May 15 2024

ሓበሬታ

ኣብ ልዕሊ መማሃራን ዝወርድ ጎነጻዊ መጥቃዕቲ ርኡይ ወሰኽ ጌሩ።

ብመሰረት ጸብጻብ ኣገልግሎት ኣከባቢ ኣብ ልዕሊ መማሃራን ዝወርድ ጎነጻዊ መጥቃዕቲ ርኡይ ወሰኽ ጌሩ’ሎ። ኣብ ከባቢ ስቶክሆልም ኣብ ዝሓለፈ ሸውዓተ ዓመታት እዚ ተርእዮ ብዕጽፊ ዓብዩ’ሎ ይብል እቲ ጸብጻብ። ኣብ ስቶክሆልም ኣብ እትርከብ ቤትትምህርቲ Hjulsta grundskola ጥራይ ልዕሊ 50 መጥቃዕቲታት ኣብ ልዕሊ መማህራን ምውራዱ’ውን ተጠቒሱ’ሎ። ሬድዮ ሽወደን ብሰንኪ ጎነጻዊ መጥቃዕቲ ካብቲ ቤት ትምህርቲ ምስ ዝለቐቐ መምህር ዝገበረቶ ዕላል ዝሓዘ ጸብጻብ ፈንያ ኔራ። …

Read More »

ፖሊስ ሽወደን መጠንቀቅታ ይህቡ።።

ሰባት ብ SMS ካብ ዝመጾም መልእኽቲ ክጥንቀቑ ፖሊስ ሽወደን ኣተሓሳሲቦም። በዚ መገዲዚ ኣቢሎም ጒሒላታት ናይ ሰባት ብሕታዊ ሓበሬታ ንምርካብ ምትላል ይፍጽሙ ምህላዎም ከኣ ገሊጾም። ሒድት መዓልታት ቅድሚ ምስዳድ ሓበሬታ ኣታዊ በዓልመዚ ቀረጽ ንዂሎም ብዕድመ እኹላት ሽወደናውያን ዝርዝራት ዓመታዊ ኣታዊ: ዝኽፈል መጠንን ካልእን ዝምልከት ናይ ፖስታ ወይ ኢሜይል መልእኽቲ ክሰድድ ምዃኑ ድማ ሓቢሮም ኣለዉ። ስለዚ ድማ ካልእ ዝመጾም መልእኽቲ ክስርዝዎ ተላብዮም። …

Read More »

ሽወደን ልዕሊ 100 ኣብያተ ጽሕፈታት መራኸብቲ ስራሓት ትዓጹ ኣላ።

ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሓት Arbetsförmedlingen ፖለቲከኛታት ባጀት ክቖርጹ ምኻኖም ድሕሪ ምፍላጦም ኣብ ውሽጢ ሃገር ካብ ዘለዉ ናይ ስራሕ ማእከላቱ ካብ ፍርቆም ንላዕሊ ክዓጽዎም ምዃኑ ኣፍሊጡ’ሎ። እቲ ትካል ብሰኑይ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ካብተን ዘለዋኦ 242 ናይ ውሽጢ ሃገር ስርሓት ነተን 130 ክዓጽወን ምዃኑ ኣፍሊጡ’ሎ። እዚ ውሳነ ኣብ ገጠር ንዝርከባ ንኡሳንን ማእከሎትን ማእከላት ክሃሲ እዩ ተባሂሉ’ሎ። እዚ ዜና እቲ ትካል 4500 ካብ …

Read More »

ካርቱን ቁ 10

Read More »

መጠንቀቅታ ካብ ኣገልግሎት ሜትሮሎጂ

ኣገልግሎት ሜትሮሎጂ ሽወደን ንዘወርቲ መካይን ቀዳማይ ደረጃ መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ። እቲ ኣገልግሎት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣብ መብዛሕትኡ ክፋላት ሽወደን ብፍላይ ድማ ዞባ ደቡብ Värmland and Dalarn ሓደ ቼንቲሜትሮ ዝድርዑ ውርጪ ክወድቕ ስለዝኾነ ኲሎም ሰብ ተሽከርከርቲ ኣድላዪ ጥንቃቕ ክገብሩ ኣጠንቂቑ።

Read More »

ዜናታት ሽወደን ብቛንቋ ትግርኛ 20190301

Read More »

ምስጋና ካብ ኣልኮምፒስ ክፍሊ ቋንቋ ትግርኛ

ዝኸበርኩም ተዓዘብቲ መደባትና ንኩሉ እትገብርዎ ተሳተፍነትን ንምሕያል እዚ መደብ እትህብዎ ዘሎኩም ርእይቶን ምትብባዕን ሃናጺ ነቐፌታን ኣዚና ነመስግን። ኩሉ ክንፍንዎ ዝሓተትኩምናን ዝጠለብኩሞም መደባት ንምምልእ ዓበይቲ ጻዕርታት ኣብ ምክያድ ንርከብ ምህላዉና ክንሕብረኩም ደስ ይብለና። ዝሓለፈ ዓርቢ ሓደ ካብ ተኸታተልቲ መደባትናን ጥራይ ዘይኮነስ፣ ፈነወና ኣብ ኩሉ ንምብጻሕ ብማሕበራዊ ሚድያ ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበረን ዝገብር ዘሎን መንእሰይ መርከብ ዳንኤል ምስ ወላዲኡ ናብ ስቱድዮና ብምምጻእ ምትብባዕን …

Read More »

መመረቕታ መጽሓፍ: ”እንቶሽ” ብቐሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኤርትራ ጋዜጠኛ ዝነበረ ኰይኑ፡ ኣብ ሽወደን ድማ ከም ተርጓሚ ጽሑፋትን ከም ተሓዚ ጉዳያትን’ዩ ዝሰርሕ። ብዛዕባ ”እንቶሽ” እታ እትምረቕ ዘላ፡ እኩባት ግጥምታት ዝሓዘት መጽሓፍ፡ ኣመልኪቱ፡ መግለጺ ክህብን ገለ ካብ ትሕዝቶታታ’ውን ከንብብን ስለዝዀነ፡ ክትሳተፉ ብኽብሪ ትዕደሙ ኣለኹም። እታ መጽሓፍ፡ ንመሸጣን ንምንባር ክታም ደራስን፡ ኣብቲ ዕለት እቲ ክትዝርጋሕ እያ (ብካሽ ወይ ብስዊሽ ምዕዳግ ይከኣል)። ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ቅድሚ ሕጂ’ውን …

Read More »

ናብ ቀጥታዊ ኣግልግሎት ጥዕና ሽወደን (Vårdguiden) እተግበሩ ጻውዒታት ኣብ ክፉት መርበብ ሓበሬታ ኢንተርነት ብቐጥታ ክፍነዉ ምጽንሖም ተፈሊጡ።

ብሚልዮናት ዝቚጸሩ ናብ ቀጥታዊ ኣግልግሎት ጥዕና ሽወደን (Vårdguiden) እተግበሩ ጻውዒታት እብ ክፉት መርበብ ሓበሬታ ኢንተርነት ብቐጥታ ክፍነዉ ምጽንሖም ተፈሊጡ። ሬድዮ ሽወደን ምስ Lars Dabos ጋዜጠኛ መጽሄት ኮምፕዩተር ሽወደን ቃለ መጠይቕ ጌራ ኔራ። ብዛዕባዚ ጽንጽንታ ምስ ሰምዐ ናብ ህዝቢ ቃልዕ ዝገበሮ ንሱ እዩ። ንሱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ብመሰረት ሕጊ ሰብመዚ ጥዕና እቶም ጻውዒታት ብድምጺ ክቕረጹ ፍቑድ እዩ፥ እንተኾነ ግና እቲ ነዚ …

Read More »

ኣገዳሲ ሓበሬታ ንነበርቲ ከተማ ስቶክሆልም

ልዕሊ 100 ወሃብቲ ስራሕን ማእከላት ስልጠናን ትምህርትን ኣብ ዝሳተፍዎ ምር ኢትን ኣኼባን ክትሳተፉን ከምውጽኢት ድማ ትድልይዎ ስራሕ ይኹን ትምህርቲ ክትረኽቡ ኣልኮምፒስ ትግርኛ ትምኒትና ንገልጽ። ዝካየደሉ ቦታ : T- Centralen , Stockholm Waterfront Congress Centre ግዜ: ሓሙስ 21 februari kl. 11-17 , ዓርቢ 22 februari kl. 10-16                                                                                  

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com