ሎሚ ለይቲ ዕለት 25 ናብ ዕለት 26 መጋቢት ዘዉግሕ፣ ሰዓታት ክረምቲ ( ዊንተር ) ፣ ናብ ሰዓታት ሓጋይ ( ሳመር ) ክቕየር ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። በዚ መሰረት ሰዓት ክልተ ናይ ለይቲ ሓደ ሰዓት ንቕድሚት ናብ ሰዓት ሰለስተ ሰዓትካ ብምምዕርራይ ምቕያር ይካኣል። ኣብ ሞባይል ተሊፎናት ይኹን ኤሊክትሮኒካዊ መሳርሕታት እንተኾይኑ ኸኣ፣ ኩሎም መስርሕታት ባዕላቶም ክቕየሩ እዩም።
Read More »ሓበሬታ
ሰዓትኩም ሓደ ሰዓት ንድሕሪት ምምላስ ኣይትረስዑ።
ካብ ጽባሕ ንግሆ ሰዓት 02:00 ወጋሕታ ጀሚሩ ናይ vintertid ኣቆጻጽራ ስለዝጅምር ሰዓትኩም ሓደ ሰዓት ንድሕሪት ምምላስ ኣይትረስዑ። ልክዕ ሰዓት ሰለስተ ወጋሕታ ምስኮነ ናብ ሰዓት ክልተ ክትቅይርዎ ነዘኻኽር።
Read More »ሽግር ኣባይቲ ሽወደን ሕጂ’ውን ይቕጽል ምህላዉ ተገሊጹ።
ልዕዒ ክልተ ሲሶ ምምሕዳራት ከተማ ሽወደን፡ ሕጽረት መንበሪ ኣባይቲ ከም ዝለወን፡ ብፍላይ ድማ ሓደስቲ መጻእቲ ኣባይቲ ንምርካብ ከም ዝሽገሩ፡ ሃገራዊ ቦርድ ኣባይቲ ውጥንን ህንጻን ሽወደን ኣብ ቀረባ ኣዋን ዘሳለጦ ሓደ ዳህሳስ ኣመልኪቱ። ሬድዮ ሽወደን፡ ኣብ ቦርድ ምምሕዳር Västra Götaland ሰራሕተኛ ክፍሊ ኣሃዱ ስደተኛታትን ምውህሃድን፡ ከምኡ’ውን ኣካያዲት ናይቲ ኣብ ምድላይ ኣባይቲ ምኽሪ ዝህብ መርበብ ሓበሬታ ዝኾነት፡ ፒያ ሰቨሪንሰን ቃለ ምሐትት ኣካዪዳ …
Read More »ብምኽንያት ምቊራጽ ቀረብ ጋዝ ሩስያ፡ ዋጋ ኤለትሪክ ሽወደን ክኸብር እዩ ተባሂሉ።
ሩስያ፡ ሃገራት ፖላንድን ቡልጋርያን ዋጋ ጋዝ ብሩብል ክኸፍላ ንዘቕረበቶ ጠለብ ብዘይምቕባለን፡ ናብዘን ሃገራት እተቕርቦ ዝነበረት ጋዝ ምቚራጻ ተፈሊጡ። እዚ ድማ፡ ሽወደን እትኸፍሎ ዋጋ ቅብሊት ንክውስኽ ምኽንያት ከም ዝኸውን፡ ጸብጻብ ሬድዮ ሽወደን ኣመልኪቱ። ኣብ ዕዳጋ ጸዓት ክኢላ ትንተና ELS ሳምኤል ሲዙክ፡ እዚ ምዕባለ ኣብ ዋጋ ጸዓት ድሮ ናይ ባዕሉ ጽልዋ ኣሕዲሩ ኣብ ዘሎ ስጡም ዓለማዊ ዕዳጋ ዓብዪ ዘይምጥርጣር ክህሉ ዝገብር እዩ ክብል ገሊጽዎ’ሎ። ሳዕቤናት …
Read More »ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ብሪጣንያ ሓድሽ ጅር ኮቪድ ተረኺቡ።
ኣብ ብሪጣንያ ‘XE’ ዝተሰምየ ሓድሽ ጅር ቫይረስ ኮቪድ-19 ከም እተረኽበን እዚ ጅር ቫይረስ ካብቲ BA.2 ዝተባህለ ዓሌት ብዝያዳ ፍጥነት ናይ ምልባዕ ዓቕሚ ከም ዘለዎን ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ኣመልኪቱ። እዚ ጅር ናይ (XE) ናይ BA.1 ከምኡውን BA.2 ንኡስ ዓሌታት ኮቪድ ምውሳብ ዝፈጠሮ እዩ ክብል ፊንላንድ እንግሊሽ ኒውዝ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ኣመልኪቱ። “እዚ ሓድሽ ጅር ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ጥሪ 19 ናይዚ …
Read More »ሰደድ ሃብቲ ዓሳ ኖርወይ ገዚፍ ዕቤት ኣርእዩ ተባሂሉ።
ምስ ናይ ዓመተ 2021 እንክወዳደር ናይ ሎሚ ዓመት ሰደድ ሃብቲ ዓሳ ኖርወይ ዓብዪ ወሰኽ ምምዝጋቡ ጸብጻብ ርብዓዊ ዓመት ኣመልኪቱ።. ሰደድ ሃብቲ ዓሳ ኖርወይ ከም ናይ ሎም ዓመት ጌሩ ዓብዩ ከም ዘይፈልጥ ዝገለጸ እቲ ጸብጻብ ኣብ ወርሓት ጥሪ ለካቲትን መጋቢትን ኖርወይ ካብዚ ሰደድ ናይ 34 ቢልዮን ክሮና ኣታዊ ምርካባ ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ። እዚ ምስ ዓሚ ኣብ ተመሳሳሊ ኣዋርሕ ዝተረኽበ ናይ 6.2 ቢልዮን …
Read More »ሃገራት ምፍናው ካርቦን ንምውጋድ ዝከኣአን ክገብራ ጻውዒት ቀሪቡ።
ሰብ ዝጠንቁ ክሊማዊ ለውጢ ዓለምና ክኽሰት ቀሪቡ ምህላዉ ኣብ ጒዳይ ክሊማ ዘተኰረ በይነ መንግስታዊ ፓነል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ ሻዱሻይ ጸብጻቡ ኣመልኪቱ። ኣብ ጒዳይ ክሊማ ዓለምና ዋና ኣዛታዪ ሽወደናዊ ማትያስ ፍሩምየር ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መተሓሳሰቢ ኲለን ሃገራት ምፍናው ካርቦን ንምውጋድ ዝከኣአን ዘበለ ክገብራ ኣለወን ኢሉ’ሎ። ብዘይካዚ ሃገራት ኣብ ምጒዳል ምፍናው ካርቦን ጥራይ ከይተደረታ ን ካርቦን ካብ ከባቢ ኣየር …
Read More »ትካል ረድኤት፡ ስደተኛታት ዩክሬይን ናይ ብሕቲ ቤት ንክረኽቡ ይነጥፍ።
ሽወደናውያን ብድንጋጸ ን ስደተኛታት ዩክሬይን ኣባይቶም ይመቕሉ ምህላዎም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ስቶክሆልም ስታድሚሽን ዝተባህለ ትካል ረድኤት ሽወደን ስደተኛታት ዩክሬይን ናይ ብሕቲ መንበሪ ንክረኽቡ ናይ ምስላጥ ኣገልግሎት ይህብ ምህላዉ ሬድዮ ሽወደን ኣመልኪታ። “ካብ ተራ ዜጋታት ክሳብ ውድባትን ወነንቲ ንብረትን ንስደተኛታት ዩክሬይን ንምሕጋዝ ዓብዪ ተበግሶ ኣሎ” ክትብል ኣብ ትካል ስቶክሆልም ስታድሚሽን ሱዛን ስቨንሶን ገሊጻ’ላ። እዚ እናኾነ ዩክሬናውያን ናይ ባዕሎም ቢዝነስ ከቚሙ ዝያዳ ሓገዝ …
Read More »SÄPO፡ ስለያ ሩስያ ንምብርዓን ኣበርቲዑ ይሰርሕ ምህላዉ ገሊጹ።
ፖሊሲ ጸጥታ ሽወደን ሴፖ ስለያ ሩስያ ናይ ምብርዓን ስራሕ ኣበርቲዑ ተተሓሒዝዎ ምህላዉ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ። ሓላፊ ጸረ ስለያዊ ንጥፈታት ሴፖ ዳንኤል ስተንሊን ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ሩስያ ኣብ ሽወደን ስለያ ዘካይዱ ሰባት ንምኽታብ ትጽዕር ከም ዘላ ሓበሬታ ከም ዘለዎ ድሕሪ ምግላጽ ነዚ ስግኣት ንምክልኻል ብተጠንቀቕ ይሰርሕ ምህላዉ ገሊጹ’ሎ። ክሳብ ሕጂ ሰለስተ ኣገልግሎታት ስለያ ሩስያ ኣብ ሽወደን ንጥፈታተን የካየዳ ምህላወን. …
Read More »ኤጀንሲ ጥዕና፡ ኲሎም 65ን ልዕሊኡን ዝዕድሜኦም ራብዓይ ብልቃጥ ክትባት ክወስዱ ኣዚዙ።
ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ነቶም ኣብ ኣብ ዕድመ 65ን ልዕሊኡን ዘለዉ ሰባት ራብዓይ ብልቃጥ ክትባት ክወስዱ ኣዚዙ’ሎ።. እዚ እናኾነ ዕድሜኦም 80ን ልዕሊኡን ዝኾኑ ሰባት ባህርያዊ ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሞም መታን ከይደክም ካልኣይ ዙር መበራትዒ (ቡስተር) ክትባት ክወስዱ ምትሕስሳቡ ሬድዮ ሽወደን ኣመልኪታ። ካብ 18-64 ዝዕድሜኦምን ባህርያዊ ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሞም ዝተዳኸመን ዘበሉ ራብዓይ ብልቃጥ ክትባት ክወስዱ ከም ዝግባእ እቲ አጀንሲ ወሲኹ ኣተሓሳሲቡ’ሎ። …
Read More »