Friday , April 26 2024

ሓበሬታ

ኤጀንሲ ሲቪላዊ ምህንድስና ሽወደን ን OSCE ነቒፉ።

ኣባላት ኤጀንሲ ሲቪላዊ ምህንድስና ሽወደን (MSB) ነቲ ድሕሪ ወራር ሩስያ ካብ ዩክሬይን ዝገዓዘ OSCE ነቒፉ። ውድብ ጸጥታን ምትሕብባርን ኣውሮጳ ነቲ MSB ዝሰርሓሉ ዝነበረ ፕሮጀክት የወሃህድ ምንባሩ እውን ተፈሊጡ። . ኲሎም ሽወደናውያን ኣባላት እቲ ኤጀንሲ ሕጂ ተቕሊሎም ከም ዝገዓዙ ዝገለጸ ጸብጻብ ሬድዮ ሽወደን ሕጂ እቲ ኤጀንሲ ነቐፎአታኡ ናብ OSCE ከቕንዖ ምዃኑ ወሲኹ ኣመልኪቱ’ሎ።

Read More »

ኮርኒልያ ጃኮብስ ተዓዋቲት ሜሎዲፈስቲቫለን ኮይና።

ኮርኔልያ ጃኮብስ ብቐዳም ምሸት ኣብ ዝቶክሆልም ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ደርፊ ሜሎዲፈስቲቫለን ተዓዊታ። ኣዐዊታታ ዘላ ደርፊ ሆልድ ሚ ክሎሰር (ሕቖፈኒ) ዘርእስታ እያ። ድሕሪ ዓወታ ኮርኒልያ ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃበቶ ቃል እዚ ዓወት ኣዕዚዛ ከም እትርእዮ ገሊጻ’ላ። በዚ ድማ ጃኮብስ ኣብ ዝመጽእ ግንቦት ኣብ ቱሪን ዝካየድ ውድድር ዩሮኢዥን ን ሽወደን ክትውክል እያ።

Read More »

ሽወደን ምስ ሃገራት ኔቶ ኣብ ወተሃደራዊ መናውራ ትገብር።

ድሕሪ ዝሑል ኩናት ዝዓበየ እተባህለሉ ወተሃደራዊ መናውራ ኔቶ ኣብ ኖርወይ ይካየድ ኣሎ። ኣብዚ መናውራ ሰራዊታት ሽወደን ኖርወይን ሽወደንን ክሳተፉ እዮም። ኣብዚ ብሰራዊት ኖርወይ እተወደበ Cold Response 2022 ዝተባህለ መናውራ 30,000 ዝኾኑ ሰራዊት ኣብ ኖርወይ ኣብ ዘሎ ትሕቲ ዜሮ ዛሕሊ ወተሃደራዊ ታዕሊም ክገብር እዩ። ብዝይካ ሽወደን ኖርወይን ፊንላንድን ኣብዚ ልምምድ ኣባላት ኔቶ ዝኾና ሃገራት ኣውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን እውን ክሳተፋ እየን ተባሂሉ’ሎ።

Read More »

ወንነቲ መካይን ምጒዳል ቀረጽ ነዳዲን ምወላን ክግበረሎም እዩ።

መንግስቲ ንምጒዳል ዋጋታት ነዳዲ፡ ምወላ ኣባይቲ ስድራቤት፡ ከምኡውን ውጥን ምንዋሕ ንከያ ኤለትሪክ ስድራቤታት ንምስላጥ ናይ 14 ቢልዮን ክሮና ሓገዝ ፓኬጅ ኣቕሪቡ’ሎ። ኣብዚ ውጥን ኣብ ልዕሊ ዝተጻረየ ነዳዲን ዘይቲ ዲዘልን ብግዜያውነት ካብ ባሕቲ ሰነ ክሳብ 31 ጥቅምቲ ናይ ቀረጽ ምጒዳል ክግበር ምዃኑን ነፍሲ ወከፍ ወናኒ ኸኣ ንሓንሳብ ጥራይ ናይ 1500 ክሮና ሓገዝ ክወሃብ እዩ። ብዘይካዚ ኣብ ስሕው ዝበለ ህዝቢ ዝነብረለን ገጠራት …

Read More »

ፊንላንድ ኣብ ሩስያ ዘለዋ ናይ ጸዓት ተሞርካስነት ክትበትኮ ትድሊ።

ፊንላንድ ኣብ ሩስያ ዘለዋ ናይ ጸዓት ተሞርካስነት ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክትኣልዮ መደብ ከም ዝለዋ ቀዳመይቲ ሚኒስተር እታ ሃገር ሳና ማርቲን ምስ YLE A-ስቱድዮ ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕትት ገሊጻ። “ኣብ ዝሓጸረ እዋን ነዚ ክንገብር መዲብና’ለና” ክትብል ኣብ ኣህጒር ኣውሮጳ ዘሎ ለውጢ ዝሓበረት ሳና “ኣብ ጀርመን ን ኖርድ ስትሪም 2 ዝምልከት ናይ ውሳነን ርእይቶን ለውጢ ምህላዉን ኣብ ፈሰስቲ ባህርያዊ ጋዛት ዘሎ ወፍሪ ብናህሪ …

Read More »

ኣብ ዝመጻ መዓልታት ቅልውላው ዩክሬይን ክጋደድ እዩ ተባሂሉ።

ኣብ ዝመጻ ሒደት መዓልታት ኲናትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ዩክሬይን መሊሱ ከም ዝጋደድ ዋና ጸሓፊ ኔቶ ሀንስ ስቶለንበርግ ኣጠንቂቑ። “ቊጽሪ ዝቕተሉ ሲቪላውያን እናበዝሐ እኳ እንተመጸ ህዝቢ ዩክሬይን ብጽንዓትን ትብዓትን ቃልሶም ይቕጽሉ ኣለዉ፡ እንተኾነ ግና ኣብ ዝቕጽላ መዓልታት እዚ ኲነታት ኣዝዩ ክብእስ ይኽእል እዩ” ክብል ስቶለንበርግ ምስ ጀርመናዊት ጋዜጣ ቬልት ኣም ሶንታግ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ገሊጹ። ቪላድሚር ፑቲን ኲናት ደው ኣቢሉ ኲሎም ሓይልታቱ …

Read More »

ሽወደን ብምኽንያት ኲናት ዩክሬይን ዋጋታት ዕሽጒ መግቢታት ይውስኽ።

ብምኽንያት ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይንን ዝቕጽል ዘሎ ኲናትን ኣብ ሽወደን ዋጋታት ዕሽጒ መግቢታት ወሰኽ ኣርእዩ’ሎ ተባሂሉ። እዚ ወሰኽ ዋጋ ብሰንኪ ዝምዕብል ዘሎ ዓለምለኸ ኲነታት ዝተኸስተ ኮይኑ ብዙሕ ፍርያት መግቢ ናብ ዩክሬይን ብረድኤት ይለኣኽ ብምህላዉ ዝመጸ እዩ ክብል ኣብ ኦርክላ መፍረ ዓሳታት ኩንግሽማን ዝሰርሕ ኤሪክ ኤድሉንድ ገሊጹ’ሎ።

Read More »

ሽወደናውያን ንዩክሬናውያን መጽለሊ ይቕርቡ ኣለዉ ተባሂሉ።

ኣብ ዝቕጽላ ኣዋርሕ ካብ ዓሰርተትት ኣሽሓት ክሳብ ኣማኢት ኣሽሓት ስደተኛታት ዩክሬይን ናብ ሽወደን ዕቚባ ክሓቱ እዮም ዝብል ትጽቢት ከም ዘለዎ ኤጀንሲ ስደተኛታት ሽወደን ገሊጹ’ሎ። ዛጊት እዞም ዩክሬናውያን ብ ስድራቤትን ኣዕሩኽን መጽለሊ ይቕረበሎም ከም ዘሎን እቲ ኲነታት ነቲ ኣብ 2015 ዘጋጠመ ዋሕዚ ስደተኛታት ከም ዘዘኻኽርን ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ። ሽወደናውያን ነዞም ቅድሚ ሕጂ ዘይፈልጥዎም ሰባት ኣብ ቤቶም ከም ዘጽልሉ ብምግባር ይሕግዝዎም ምህላዎምን …

Read More »

ስቶክሆልም፥ ኤምባሲ ሩስያ ዝርከበሉ ከባቢ ስሙ ክቕየር ጻውዒት ቀሪቡ።

ኣብ ስቶክሆልም ኤምባሲ ሩስያ ዝርከበሉ ጎደና ንኽብሪ ፕረሲደንት ዩክሬይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ብምባል ብስሙ ክጽዋዕ ከም ዝግባእ ዝጠልብ ወፍሪ እናበርከት ይመጽእ ኣሎ ተባሂሉ። ኣብ ርእሰ ከተማ ሽወደን ስቶክሆልም ዝርከቡ ፖለቲከኛታት ነቲ ኤምባሲ ሩስያ ዝርከበሉ ከባቢ ግዮርቨልገተን ስሙ ናብ ዘለንስኪገተን ክቕየር ሕቶኦም ኣቕሪቦም ኣለዉ። ኮሚተ ምስያም ስቶክሆልም ሎሚ ሰኑይ በዚ ጒዳይ ክእከብ እዩ ተባሂሉ’ሎ።    

Read More »

ዩክሬናውያን ስደተኛታት ብብዝሒ ናብ ሽወደን ኣትዮም።

ብሰንኪ ወራር ሩስያ ካብ ዓዶም ዝተሰዱ ዩክሬናውያን ብብዝሒ ናብ ሽወደን ክኣትዉ ምጅማሮም ተገሊጹ። ካብ 400-500 ዝኾኑ ስደተኛታት ዩክሬይን ምሉእ ለይቲ ክጉዓዙ ሓዲሮም ካብ ፖላንድ ናብቲ ኣብ ኒናሻምን ዝርከብ መርሳ ብጃልባ ክኣትዉ ምዕዛባ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ። “ኣዝዩ ዘሰቅቕን ኣድካሚን ጒዕዞ ኢና ወዲእና” ክትብል ሓንቲ ምስ ስድራኣ ናብ ሽወደን ዝኣትወት መንእሰይ ነታ ሬድዮ ኣብ ዝሃበቶ ቃል ሓቢራ። እዚ እናኾነ ኤጀንሲ ስደተኛታት ሽወደን …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com